ኢሳይያስ 44:1-28

  • እቲ ሕሩይ ህዝቢ ኣምላኽ ዚረኽቦ በረኸት (1-5)

  • ብዘይካ የሆዋ፡ ኣምላኽ የልቦን (6-8)

  • ሰብ ዚገብሮም ጣኦታት፡ ስራሕ ዕሽነት እዮም (9-20)

  • የሆዋ፡ ተበጃዊ እስራኤል (21-23)

  • ቂሮስ ዳግም ኪሃንጽ እዩ (24-28)

44  “ሕጂ ኸኣ፡ ኣታ ያእቆብ ጊልያይ፡ኣታ እስራኤል ሕሩየይ፡ ስማዕ።+  2  እቲ ዝገበረካን ዝደኰነካን+ካብ ማሕጸን* ዝረድኣካንየሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ኣታ ያእቆብ ጊልያይ፡ኣታ የሹሩን*+ ሕሩየይ፡ ኣይትፍራህ።+  3  ኣብቲ ጽሙእሲ* ማይ፡+ኣብቲ ንቑጽ ምድሪ ኸኣ ወሓይዝ ከፍስስ እየ። ኣብ ዘርእኻስ መንፈሰይ፡+ኣብ ውሉዳትካ ድማ በረኸት ከፍስስ እየ።  4  ንሳቶም ከኣ ከም ሳዕሪ፡ኣብ ጥቓ ወሓይዝ ማይ ከም ዘሎ ኣእዋም ዓራባ ኺበቝሉ እዮም።+  5  እዚ ሓደ፡ “ኣነ ናይ የሆዋ እየ” ኺብል፡+እቲ ሓደ ድማ ብስም ያእቆብ ኪጽዋዕ፡ካልእ ከኣ ኣብ ኢዱ፡ “ናይ የሆዋ” ኢሉ ኺጽሕፍ እዩ። ስም እስራኤል እውን ኪቕበል እዩ።’  6  የሆዋ ኸምዚ ይብል፣እቲ ንጉስ እስራኤልን+ ተበጃዊኡን+ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦ ‘ኣነ ቐዳማይን ዳሕራይን እየ።+ ብዘይካይ ኣምላኽ የልቦን።+  7  ከማይ ዝበለ መን እዩ፧+ ይጸውዕን ይንገርን የርእየንን!+ ናይ ጥንቲ ህዝቢ ኻብ ዝመስረትኩሉ ግዜ ኣትሒዘ፡ነቲ ዚመጽእንገና ዚኸውንን ነገር ይንገሩ።  8  ኣይትርዓዱ፡ብፍርሂ እውን ኣይትልመሱ።+ ንነፍሲ ወከፍካ ኣቐዲመዶ ኣየስማዕኩኻን ወይ ኣይነገርኩኻን፧ ንስኻትኩም መሰኻኽረይ ኢኹም።+ ብዘይካይዶ ኣምላኽ ኣሎ እዩ፧ ካልእ ከውሕስ የልቦን፣+ ኣነ ዝፈልጦ ሓደ እኳ የልቦን።’”  9  ኵሎም እቶም ጽሩብ ምስልታት ዚሰርሑ ኸንቱ እዮም፣እቶም ዚፈትውዎም ነገራቶም ከኣ ኣይጠቕሙን እዮም።+ መሰኻኽሮም ኰይኖምሲ ሓንቲ እኳ ኣይርእዩን፡ ሓንቲ እኳ ኣይፈልጡን እዮም፣*+ስለዚ፡ እቶም ዚገብርዎም፡ ኪሓፍሩ እዮም።+ 10  ንሓደ እኳ ዘይጠቅምኣምላኽ ዚሰርሕ ወይ ፍሱስ ምስሊ ብፍሲ ዚገብር መን እዩ፧+ 11  እንሆ፡ ኵሎም ተሓባበርቱ ኺሓፍሩ እዮም!+ ኢደ ጥበበኛታትሲ ሰብ ጥራይ እዮም። ኵሎም ይተኣከቡን ይቝሙን። ብሓባር ኪሽበሩን ኪሓፍሩን እዮም። 12  ሓጓዳይ ንሓጺን ኣብ ጓህሪ ገይሩ ብንዋቱ* ይሰርሕ፣ብሓያል ቅልጽሙ እናዓየየ፡ብሞደሻ ቕርጺ የትሕዞ።+ ሽዑ፡ ይጠሚ እሞ፡ ሓይሉ ይውዳእ፣ማይ ኣይሰትን እሞ፡ ይደክም። 13  ጸራብ ዕንጨይቲ ኸኣ ገመድ መለክዒ ይዝርግሕ እሞ ብቐይሕ ኵርሽ ይነድፎ። ብመንደል ይሰርሖ፡ ብኮምፓስ ገይሩ ይሕንጽጾ። ኣብ ቤት* ኪቕመጥሲ፡ከም ሰብ፡ከም ጽባቐ ሰብ ገይሩ ይነድፎ።+ 14  ቄድሮሳት ምቝራጽ ዝዕዮኡ ድማ ኣሎ። ሓደ ዓይነት ኦም፡ ገዚፍ ኦም፡ ይሓሪ እሞ፡ኣብ መንጎ ኣእዋም ዱር ደልዲሉ ኺዓቢ ይሓድጎ።+ ኦም ላውሪል ይተክል፡ ዝናም ከኣ የብቍሎ። 15  ንሰብ ከኣ ንምንዳድ ይዀኖ። ገለ ኻብኡ ወሲዱ ይሞቘሉ፣ሓዊ ኣጒዱ ድማ እንጌራ ይስንክተሉ። ግናኸ፡ ኣምላኽ ገይሩ እውን የምልኾ። ጽሩብ ምስሊ ይገብር እሞ ይሰግደሉ።+ 16  ፍርቁ ኣብ ሓዊ የንድዶ፣በቲ ፍርቂ እቲ እውን ስጋ ጠቢሱ ይበልዕ እሞ ይጸግብ። ይመውቕ እሞ፡“ኣሰይ፡ ሞይቀ፡ ሓዊ ኸኣ እርኢ ኣለኹ” ይብል። 17  ነቲ ዝተረፈ ግና ጽሩብ ምስሊ ሰሪሑ ኣምላኽ ይገብሮ። ይሰግደሉን የምልኾን። “ኣምላኸይ ኢኻ እሞ፡ ኣድሕነኒ”እናበለ ናብኡ ይጽሊ።+ 18  ኣዒንቶም ስለ እተዓመታን ስለ ዘይርእዩንልቦም ልቦና ስለ ዘይብሉንሓንቲ እኳ ኣይፈልጡን፡ ሓንቲ እኳ ኣይርድኡን እዮም።+ 19  “ፍርቁ ኣብ ሓዊ ኣንዲደዮ፡ብጓህሩ ድማ ክበልዕሲ እንጌራ ሰንኪተ፡ ስጋ እውን ጠቢሰ። እሞ ደኣ ነቲ ዝተረፈዶ ፍንፉን ነገር ክገብሮ እየ፧+ ካብ ኦም ንእተቘርጸ ዕንጨይቲዶ ኽሰግድ እየ፧” ኢሉ ብልቡ ዚሓስብ፡ወይ ፍልጠትን ኣእምሮን ዘለዎ የልቦን። 20  ንሱ ሓምዅሽቲ ይምገብ። እቲ እተታለለ ልቡ ኣስሒትዎ እዩ። ርእሱ* ኼድሕን፡“ኣብ የማነይቲ ኢደይ ሓሶት ደይኰነን ዘሎ፧” ኪብል ኣይክእልን እዩ። 21  “ኣታ ያእቆብ፡ ኣታ እስራኤል፡ እዚ ዘክር፣ንስኻስ ጊልያይ ኢኻ። ኣነ ደኲነካ፡ ንስኻ እውን ጊልያይ ኢኻ።+ ኣታ እስራኤል፡ ኣይክርስዓካን እየ።+ 22  ንኣበሳኻ ኸም ብደበና፡ንሓጢኣትካ እውን ከም ብብርቱዕ ደበና ኽድምስሶ እየ።+ ኣነ ኽብጀወካ እየ እሞ፡ ናባይ ተመለስ።+ 23  የሆዋ ተግባሩ ገይሩ እዩ እሞ፡ኣቱም ሰማያት እልል በሉ! ኣቱም መዓሙቝ ምድሪ፡ ጭድርታ ዓወት ጨድሩ! ኣቱም ኣኽራን፡ኣቱም ዱርን ኵላትኩም ኣእዋምን፡ እልል በሉ!+ የሆዋስ ንያእቆብ ተበጅይዎ እዩ፣ኣብ እስራኤል ከኣ ግርማ ኣርእዩ እዩ።”+ 24  የሆዋ እቲ ተበጃዊኻ፡+ካብ ማሕጸን ኣትሒዙ ዝደኰነካ ኸምዚ ይብል፦ “ኵሉ ዝገበርኩ፡ ኣነ የሆዋ እየ። ንሰማያት ባዕለይ ገቲረዮ፡+ንምድሪ ኸኣ ዘርጊሐያ።+ ምሳይ መን ነይሩ፧ 25  ንትእምርትታት እቶም ባዶ ዚዛረቡ* አፍሽል ኣለኹ፣ንጠንቈልቲ ዘዐሽዎም ከኣ ኣነ እየ፣+ንጥበበኛታት ዘዐውኖም፡ንፍልጠቶም ድማ ናብ ዕሽነት ዝልውጦ፡+ 26  ንቓል ጊልያኡ ዘጽንዕ፡ንትንቢት ልኡኻቱ ኸኣ ዝፍጽም፡+ብዛዕባ የሩሳሌም፡ ‘ኪነብርዋ እዮም’ ዝብል፡+ብዛዕባ ኸተማታት ይሁዳ፡ ‘ዳግም ኪህነጻ እየን፡+ዑናታታ ድማ ከተንስእ እየ’ ዝብል፡+ 27  ብዛዕባ መዓሙቝ ማያት፡ ‘ህፈፍ፡ኵሉ ኣፍላግካ ድማ ከንቅጽ እየ’ ዝብል+ 28  ብዛዕባ ቂሮስ፡+ ‘ንሱ ጓሳይ እዩ፡ፍቓደይ ከኣ ምሉእ ብምሉእ ኪፍጽም እዩ’ ዝብል፡+ብዛዕባ የሩሳሌም፡ ‘ዳግም ክትህነጽ እያ’ ዝብል፡ብዛዕባ እታ ቤተ መቕደስ ድማ፡ ‘ክትስረት እያ’ ዝብል ኣነ እየ።”+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ካብ እትውለድ።”
ትርጉሙ፡ “ቅኑዕ”፣ ንእስራኤል እተዋህበ ናይ ክብሪ መጸውዒ።
ወይ፡ “ምድሪ ኣጻምእሲ።”
ማለት፡ እቶም ምስልታት ኣይርእዩን፡ ኣይፈልጡን።
ወይ፡ “ብምሳር።”
ወይ፡ “መቕደስ።”
ወይ፡ “ነፍሱ።”
ወይ፡ “ናይ ሓሶት ነብያት።”