ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣምላኽ ብሓቂ ይሓልየልካ እዩ

ኣምላኽ ብሓቂ ይሓልየልካ እዩ

ኣምላኽ ብሓቂ ይሓልየልካ እዩ

ኣብ ጽንኩር ኵነታት ናብ ኣምላኽ ምምህላል ልሙድ ነገር እዩ። ከመይሲ: ንሱ “ዓብዪ እዩ: ሓይሉ ብርቱዕ እዩ: ምስትውዓሉ ወሰን የብሉን።” (መዝሙር 147:5) ጸገማትና ንኽንዋጽኣሉ ኻብ ዝዀነ ይኹን ንላዕሊ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ። ኣብ ርእሲ እዚውን መጽሓፍ ቅዱስ ‘ልብና ኸነፍስሰሉ’ ይምሕጸነና እዩ። (መዝሙር 62:8) ከምዚ እንተ ዀይኑ ደኣሞ ብዙሓት ሰባት: ኣምላኽ ንጸሎቶም ዘይምልሶ ዀይኑ ዚስምዖም ስለምንታይ እዩ፧ ኣይሓልየሎምን እዩ ማለት ድዩ፧

ኣምላኽ ስጕምቲ ኣይወሰደን ኢልካ ቕድሚ ምንቃፍካ: ቈልዓ ዝነበርካሉ እዋን እሞ ዘክር። ወለድኻ ንዅሉ እቲ ዝሓተትካዮም ስለ ዘየማልኡልካ: ከም ዘየፍቅሩኻ ጌርካ ወቒስካዮምዶ ትፈልጥ፧ ብዙሓት ውሉዳት ከምኡ ገይሮም እዮም። ምስ ዓበኻ ግን: ፍቕሪ ብእተፈላለየ መገድታት ከም ዚግለጽን ንዅሉ እቲ ቘልዓ ዚሓቶ ሕራይ ምባል ከኣ ፍቕሪ ዜንጸባርቕ ከም ዘይኰነን ትርዳእ።

ብተመሳሳሊውን የሆዋ ንጸሎትና ዚህበና ምላሽ ኵሉ ሳዕ ከምቲ እንደልዮ ምስ ዘይከውን: ዕሽሽ ኢሉና ማለት ኣይኰነን። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ: ኣምላኽ ንዅላትና ኸም ዚሓልየልና ብእተፈላለየ መገድታት እዩ ዜርኢ።

“ብእኡ ኢና እንነብር”

ቅድም ቀዳድም ሳላ ኣምላኽ ኢና “እንነብርን እንዋሳወስን ብእኡ ኸኣ ኢና ዘሎና።” (ግብሪ ሃዋርያት 17:28) ህይወት ብምሃብ ፍቕራዊ ሓልዮቱ ኣርእዩና እዩ!

ብዘይካዚውን: የሆዋ ብህይወት ንምንባር ዜድልየና ነገራት ይህበና እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ “ካብ ምድሪ ምግቢ ምእንቲ ኼውጽእ: ንእንስሳስ ሳዕሪ: ንጥቕሚ ሰብ ከኣ ተኽሊ ኣብቈልካ” ዚብል ነንብብ። (መዝሙር 104:14) አረ ፈጣሪናስ ነቲ ኣብ ህይወት ዜድልየና መሰረታዊ ነገራት ጥራይ ኣይኰነን ዚህበና። ‘ካብ ሰማይ ዝናምን ዘመን ፍርያትን ይህበና: ንልብናውን ብመብልዕን ሓጐስን የጽግቦ እዩ።’—ግብሪ ሃዋርያት 14:17

ይኹን እምበር: ገለ ሰባት ‘ኣምላኽ ንዓና ክሳዕ ክንድዚ ዜፍቅረና እንተደኣ ዀይኑ: ክንሳቐ ስቕ ኢሉ ዚርኢ ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧’ ኢሎም ይሓቱ ይዀኑ። መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ትፈልጣዶ፧

ኣምላኽ ድዩ ተሓታቲ፧

መብዛሕትኡ ንደቅሰብ ዜጋጥሞም ስቓይ ባዕሎም ዜምጽእዎ እዩ። ንኣብነት: ገሊኡ ተግባራት ሓደገኛ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። እንተዀነ ግን: ሰባት ጾታዊ ርኽሰት ይፍጽሙ: ኣልኮላዊ መስተ የብዝሑ: ሓሽሽ ይወስዱ: ትምባኾ የትክኹ: ኣብ ሓደገኛ ስፖርት ይሳተፉ: ማኪና ብፍጥነት ይመርሑ: ከምኡውን ካልእ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ይፍጽሙ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሓደገኛ ዅነታት ስቓይ እንተ ኣምጺኡ: መን እዩ ተሓታቲ፧ ኣምላኽ ድዩ ወይስ እቲ ስራሕ ዕሽነት ዝሰርሐ ሰብ፧ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ጽሑፍ: “ሰብ ነቲ ዝዘርኦ ንእኡ ኸኣ ኪዐጽዶ እዩ እሞ: ኣይትጠበሩ: ኣምላኽ ኣይዕሾን እዩ” ይብል።—ገላትያ 6:7

ኣብ ርእሲ እዚውን: ብዙሕ ግዜ ደቅሰብ ንሓድሕዶም ይጐዳድኡ እዮም። ሃገራት ውግእ ኪእውጃ ኸለዋ: ኣምላኽ በቲ ብሰንኪ እዚ ዚመጽእ ስቓይ ኪውቀስ ከም ዘይብሉ ፍሉጥ እዩ። ሓደ ዓማጺ ንሓደ ሰብ ምስ ዜጥቅዖ: በቲ ዝወርድ ጕድኣት ወይ ሞት ኣምላኽ ተሓታቲ ድዩ፧ ኣይኰነን! ሓደ ውልቀ-መላኺ ነቶም ኣብ ትሕቲኡ ዚግዝኡ ኺጭቍኖምን ኬሳቕዮምን ኪቐትሎምን ከሎ: ንኣምላኽ ዲና ተሓታቲ ኽንገብሮ ዘሎና፧ እዚ ተቐባልነት ዘለዎ ሓሳብ ኣይኰነን።—መክብብ 8:9

ብዛዕባ እቶም ኣብ ከርፋሕ ናብራ ዚነብሩ ወይ ብጥሜት ዚሳቐዩ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባትከ መን እዩ ዚንቀፍ፧ ኣምላኽ ድዩ ተሓታቲ፧ ኣይኰነን። ምድርና ንዅሉ ሰብ ኪምግብ ዚኽእል እኹል ምግቢ ተፍሪ እያ። (መዝሙር 10:2, 3፣ 145:16) እቲ ኣምላኽ ኣብዚሑ ዝሃበና ምግቢ ብማዕረ ስለ ዘይተመቕለ ጥራይ እዩ ጥሜትን ድኽነትን ኬስፋሕፍሕ ክኢሉ። ነዚ ጸገም እዚ ንኸይፍታሕ ዕንቅፋት ኰይኑ ዘሎ ኸኣ ስስዐ ደቅሰብ እዩ።

ቀንዲ ጠንቂ

ሓደ ሰብ ኪሓምም ወይ ብእርጋን ኪመውት ከሎኸ መን እዩ ተሓታቲ፧ በዚውን ኣምላኽ ተሓታቲ ዘይምዃኑ ምፍላጥካ የገርመካ ይኸውን። ኣምላኽ ንሰብ ኪኣርግን ኪመውትን ኢሉ ኣይፈጠሮን።

የሆዋ ነቶም ኣዳምን ሄዋንን ዚበሃሉ ቐዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ገነት ኤድን ምስ ኣንበሮም: ኣብ ምድራዊት ገነት ንዘለኣለም ኪነብሩ ኣጋጣሚ ኸፈተሎም። ምድሪ ነቲ ውርሻኦም ብዜማስዉ ሰባት ክትመልእ ይደሊ ምንባሩ ንጹር እዩ ነይሩ። ስለዚ ድማ መጻኢ ህይወቶም ኣብ ሓደ ዅነት ከም ዚምርኰስ ገበሮ። ኣዳምን ሄዋንን ነቲ ፈቃር ፈጣሪኦም ክሳዕ እተገዝኡ ጥራይ እዮም ኣብ ገነት ኪነብሩ ዚኽእሉ ነይሮም።—ዘፍጥረት 2:17፣ 3:2, 3, 17-23

እቲ ዜሕዝን ግን ኣዳምን ሄዋንን ዓለዉ። ሄዋን ንሰይጣን ድያብሎስ ሰምዓቶ። ንሱውን ኣምላኽ ሓደ ጽቡቕ ነገር ከም ዝሓብኣላ ብምምሳል ሓሶት ተዛረባ። በዚ ምኽንያት እዚ ኻብ ኣምላኽ ተፈልያ ኽትነብርን ‘ከም ኣምላኽ ጽቡቕን ክፉእን ክትፈልጥን’ ወሰነት። ኣዳም ከኣ ኣብቲ ዕልወት ምስኣ ሓበረ።—ዘፍጥረት 3:5, 6

ኣዳምን ሄዋንን እዚ ሓጢኣት እዚ ምስ ፈጸሙ: ንዘለኣለም ኪነብሩ ኸም ዘይግብኦም ኣርኣዩ። ሓጢኣት ዜስዕቦ ሕማቕ ሳዕቤናት ድማ ዓጸዱ። ሓይሎምን ክእለቶምን ደኸመ: ኣብ መወዳእታ ድማ ሞቱ። (ዘፍጥረት 5:5) ይኹን እምበር: እቲ ዕልወቶም ካብዚ ዝገደደ ሳዕቤን እውን ነበሮ። ንሕናውን ክሳዕ ሕጂ ብሰንኪ ሓጢኣት ኣዳምንን ሄዋንን ንሳቐ ኣሎና። ሃዋርያ ጳውሎስ “ከምቲ ብሰሪ ሓደ ሰብኣይ [ብሰሪ ኣዳም] ሓጢኣት ናብ ዓለም ዝአተወ: ብሓጢኣትውን ሞት: ኵላቶም ስለ ዝበደሉ ድማ: ሞት ናብ ኵሉ ሰብ ሐለፈ” ኢሉ ጸሓፈ። (ሮሜ 5:12) እወ: ብሰንኪ ዕልወት ኣዳምን ሄዋንን: ሓጢኣትን ሞትን ከም ሓደ ሓደገኛ ሕማም ናብ ኵሎም ደቅሰብ ሓለፈ።

ኣምላኽ ከም ዚሓልየልና ዜእምነና ዝበለጸ መርትዖ

ከምዚ ኺበሃል ከሎ: ሰብኣዊ ፍጥረት ኰይንዎ ንሓዋሩ ኸምዚ ኢሉ ኺነብር እዩ ማለት ድዩ፧ ኣይፋልን: ኣብዚ ኸኣ ኢና ኣምላኽ ከም ዚሓልየልና ዜእምነና ዝበለጸ መርትዖ እንረክብ። ኣምላኽ ብዙሕ መስዋእቲ ብምኽፋል: ደቅሰብ ካብ ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ዚወጹሉ መገዲ ኣዳለወ። እታ ኣብ ክንዳና እተኸፍለት ዋጋ በጅነት: ፍጽምቲ ህይወት የሱስ እያ ነይራ። (ሮሜ 3:24) ስለዚ ድማ ሃዋርያ ዮሃንስ “ኣምላኽ: በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር: ከይጠፍእሲ: ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ: ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ” ኢሉ ጸሓፈ። (ዮሃንስ 3:16) ሳላ እዚ ዜደንቕ መግለጺ ፍቕሪ: እንደገና ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ረኸብና። ጳውሎስ ንሰብ ሮሜ “ብሓንቲ ግብሪ ጽድቂ እቲ ምጽዳቕ ንህይወት ናብ ኵሉ ሰብ መጸ” ኢሉ ጸሓፈሎም።—ሮሜ 5:18

ኣብቲ ኣምላኽ ዝመደቦ ግዜ: ስቓይ ኰነ ሞት ካብ ምድሪ ኸም ዚውገድ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ኣብ ክንድኡ ድማ እቲ ኣብ ራእይ ከምዚ ዚስዕብ ብምባል እተገልጸ ዅነታት ኪሰፍን እዩ:- “እንሆ ድንኳን ኣምላኽ ምስ ሰብ: ንሱውን ምሳታቶም ኪነብር እዩ: ንሳቶም ከኣ ህዝቡ ኪዀኑ እዮም: ኣምላኽውን ባዕሉ ምሳታቶምን ኣምላኾምን ኪኸውን እዩ። ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ: ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን: ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን: ወይ ጫውጫው: ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ።” (ራእይ 21:3, 4) ‘እዚ ኽሳዕ ዚፍጸም ብህይወት ኣይክጸንሕን እየ’ ኢልካ ትሓስብ ትህሉ ትኸውን። ይኹን እምበር: ምናልባት ብህይወት ትጸንሕ ትኸውን። ብዘይካዚ: ዋላ እውን እንተ ሞትካ: ኣምላኽ ካብ ሞት ኬተንስኣካ ይኽእል እዩ። (ዮሃንስ 5:28, 29) ኣምላኽ ብዛዕባና ኸምዚ ዝኣመሰለ ዕላማ እዩ ዘለዎ: እዚውን ፍጻሜኡ ኺረክብ እዩ። እምበኣር: ኣምላኽ ንደቅሰብ ኣይሓልየሎምን እዩ ምባልሲ ኽሳዕ ክንደይ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ዀን እዩ!

“ንኣምላኽ ቅረብዎ”

ኣምላኽ ንስቓይ ደቅሰብ ነባሪ ፍታሕ ከም ዘዳለወ ምፍላጥ ዜጸናንዕ እዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን ምጽንናዕ ክንረክብ ንኽእል ዲና፧ እነፍቅሮ ሰብ እንተ ሞይቱና ወይ ውሉድና እንተ ሓሚሙና እንታይ ኢና ኽንገብር እንኽእል፧ ኣምላኽ ሕማምን ሞትን ዜወግደሉ ግዜ ኣይኣኸለን። እዚ ኽሳዕ ዚፍጸም እተወሰነ ግዜ ኽንጽበ ኸም ዘሎና መጽሓፍ ቅዱስ ይሕብረና እዩ። ኣምላኽ ግን ብዘይ ገለ ሓገዝ ኣይጠንጠነናን። ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር “ንኣምላኽ ቅረብዎ: ንሱውን ኪቐርበኩም እዩ” በለ። (ያእቆብ 4:8) እወ: ፈጣሪና ምስኡ ጥብቂ ብሕታዊ ርክብ ኪህልወና እዩ ዚዕድመና: እቶም ከምኡ ዚገብሩ ድማ ኣብ ኣዝዩ ጽንኩር ኵነታት እውን ደገፉ ይረኽቡ እዮም።

እሞ ደኣ ከመይ ጌርና ግን ኢና ንኣምላኽ እንቐርቦ፧ ንጉስ ዳዊት ኣስታት ሰለስተ ሽሕ ዓመት ይገብር “ዎ እግዚኣብሄር: . . . ኣብቲ ኸረን ቅድስናኻ ዚነብርከ መን እዩ፧” ብምባል ተመሳሳሊ ሕቶ ሓቲቱ ነይሩ። (መዝሙር 15:1) ዳዊት ነዛ ሕቶኡ “እቲ ብቕንዕና ዚመላለስን ጽድቂ ዚገብርን ብልቡ ሓቂ ዚዛረብን: ብልሳኑ ዘይሐሚ: ንመሓዛኡ ገለ ኽፉእ ዘይገብሮ” ብምባል ባዕሉ መለሳ። (መዝሙር 15:2, 3) ብኻልእ ኣዘራርባ: የሆዋ ነቶም ኣዳምን ሄዋንን ዝነጸግዎ መገዲ ዚስዕቡ ሓንጐፋይ ኢሉ እዩ ዚቕበሎም። ነቶም ፍቓዱ ዚገብሩ ድማ ይቐርቦም።—ዘዳግም 6:24, 25፣ 1 ዮሃንስ 5:3

ከመይ ጌርና ኢና ፍቓድ ኣምላኽ ክንገብር እንኽእል፧ ‘ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር መድሓኒና ጽቡቕን ቅቡልን’ እንታይ ምዃኑ ኽንመሃርን ብእኡ ኽንመላለስን ኣሎና። (1 ጢሞቴዎስ 2:3) እዚ ኸኣ ርጡብ ፍልጠት እቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ምቕሳም የጠቓልል። (ዮሃንስ 17:3፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17) ከምዚ ንምግባር መጽሓፍ ቅዱስ ላዕለ ላዕሉ ምንባብ ጥራይ ኣኻሊ ኣይኰነን። ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ንስብከት ጳውሎስ ዚሰምዑ ኣብ ቤርያ ዝነበሩ ኣይሁድ ክንመስሎም ኣሎና። ብዛዕባኦም “እዚ ነገርዚ እስኪ ኸምኡ እንተ ዀይኑ: ኢሎም ኣብ ጸጽባሕ ነቲ ጽሑፋት እናመርመሩ: ነቲ ቓል ብዅሉ ፍቓዶም ተቐበልዎ” ዚብል ነንብብ።—ግብሪ ሃዋርያት 17:11

ሎሚውን ብተመሳሳሊ ንመጽሓፍ ቅዱስ ተጠንቂቕካ ምጽናዕ ነቲ ኣብ ኣምላኽ ዘሎና እምነት የደልድሎ: ምስኡ ጥብቂ ርክብ ክንምስርት ድማ የኽእለና። (እብራውያን 11:6) ኣብ ርእሲ እዚውን: የሆዋ ንሰባት ብኸመይ ከም ዚሕዞም ብልክዕ ንኽንርዳእ የኽእለና: ማለት ንግዝያዊ ጥቕሞም ዘይኰነስ: ንነባሪ ጥቕሚ እቶም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት እዩ ዚዓዪ።

ነዚ ኣብነት ዚዀኑና ምስ ኣምላኽ ጥብቂ ርክብ ዘለዎም ሒደት ክርስትያናት ዝበልዎ እስከ ንርአ። ዳንየል ዚስማ ጓል 16 ዓመት መንእሰይ “ንየሆዋ ኣጸቢቐ እየ ዘፍቅሮ: ንዕኡ ዘመስግነሉ ብዙሕ ምኽንያታት ኣሎኒ። ብሓቂ ዜፍቅርዎን ብቓሉ ገይሮም ዚመሃሩንን ፈቃራት ወለዲ ሂቡኒ እዩ” በለት። ኣብ ኡራጓይ ዚነብር ሓደ ክርስትያን ድማ “ልበይ ብሞሳ ዝመልአ እዩ: ንየሆዋ ስለቲ ዘርኣየኒ ሳህልን ዕርክነቱን ከመስግኖ እድረኽ እየ” በለ። ኣምላኽ ንቘልዑ እውን ከይተረፈ ሓንጐፋይ ኢሉ እዩ ዚቕበሎም። ሓንቲ ጋብሪየላ እትበሃል ጓል ሸውዓተ ዓመት ቈልዓ: “ንኣምላኽ ካብ ኵሉ ኣብዛ ዓለም ዘሎ ነገራት ኣብሊጸ እየ ዝፈትዎ! ናይ ብሕተይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣሎኒ። ብዛዕባ ኣምላኽን ወዱን ክመሃር ከለኹ ሕጉስ እየ ዝብል” በለት።

ኣብዚ ግዜና ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት: ምስቲ እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ናብ ኣምላኽ ምቕራብ ይሔሸኒ” ብምባል እተዛረቦ ሓሳባት ይሰማምዑ እዮም። (መዝሙር 73:28) ነቲ ሕጂ ዜጋጥሞም ዘሎ ጸገማት ንኺዋጽኡሉ ሓገዝ ረኺቦም እዮም: ኣብ ገነታዊት ምድሪ ንዘለኣለም ንምንባር ከኣ እተረጋገጸ ተስፋ ኣለዎም። (1 ጢሞቴዎስ 4:8) እሞ ደኣ ‘ንኣምላኽ ንኽትቀርቦ’ ሸቶ ዘይትገብር፧ “ንሱ ኻብ ነፍሲ ወከፍና ዘይረሐቐ” ምዃኑ መረጋገጺ ተዋሂቡና ኣሎ። (ግብሪ ሃዋርያት 17:27) እወ: ኣምላኽ ብርግጽ ይሓልየልካ እዩ!

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

የሆዋ ኸም ዚሓልየልና ብብዙሕ መገድታት ኪርአ ይከኣል

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ቈልዑ እውን ከይተረፉ ንኣምላኽ ኪቐርብዎ ይኽእሉ እዮም

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ኣብዚ እዋን እዚ የሆዋ ጸገማትና ንኽንክእሎ ይሕግዘና። ብግዜኡ ድማ ንሕማምን ሞትን ኬርሕቖ እዩ