ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣምላኽ ብሽግርና ተሓታቲ ድዩ፧

ኣምላኽ ብሽግርና ተሓታቲ ድዩ፧

ኣምላኽ ብሽግርና ተሓታቲ ድዩ፧

እታ ዓባይ ጓል ማሪዮን ከቢድ ናይ ሓንጐል ጕድኣት ምስ ወረዳ: ኣዲኣ ኸምቲ መብዛሕትና እንገብሮ ሓገዝ ደልያ ናብ ኣምላኽ ጸለየት። “ከምቲ ግዜ እቲ ገይሩ ሓርቢቱንን ጽምዋ ተሰሚዑንን ኣይፈልጥን” በለት። a ጸኒሑ ዅነታት ጓላ እናኸፍአ ኸደ: ማሪዮን ከኣ ብዛዕባ ኣምላኽ ጥርጣረ ኺሓድራ ጀመረ። “ንምንታይ እዩ እዚ ዚወርደኒ፧” ኢላ ኽትሓትት ጀመረት። ሓደ ፈቃርን ሓላዪን ኣምላኽ ንምንታይ ከም ዝጠንጠና ኺርድኣ ኣይከኣለን።

እቲ ንማሪዮን ዘጋጠማ ነገር ንብዙሓት እውን የጋጥሞም እዩ። ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ብዙሓት ሰባት ኣብ እተሸገሩሉ እዋን ኣምላኽ ዝራሕርሖም ኰይኑ እዩ ዚስምዖም። ሓንቲ ሊሳ እትበሃል ሰበይቲ: ወዲ ወዳ ምስ ተቐትለ: “ክሳዕ ሕጂ ‘ኣምላኽ ስለምንታይ ፈቐዶ፧’ ዚብል ሕቶ የጨንቐኒ እዩ” በለት። ኣስዕብ ኣቢላውን “ዋላ እኳ ኣብ ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ እምነት እንተ ዘየጥፋእኩ: እምነተይ ግን ከም ቀደም ድልድልቲ ኣይኰነትን” በለት። ብተመሳሳሊ: ሓንቲ ኣደ እቲ ሕጻን ወዳ ምስ ተጐድአ: “ኣምላኽ በቲ ዘጋጠመኒ ነገራት ኣየጸናንዓንን። ከም ዚሓልየለይ ድማ ምልክት ወይ ድንጋጽ ኣየርኣየንን” በለት። እዚ ጥራይ ዘይኰነ እውን “ንኣምላኽ ፈጺመ ይቕረታ ኣይክገብረሉን እየ” በለት።

ገለ ሰባት ነቲ ኣብ ከባቢኦም ዘሎ ዅነታት ኪርእዩ ኸለዉ ንኣምላኽ የማርሩዎ እዮም። ብድኽነትን ጥሜትን ዚሳቐ ሕብረተሰብ: ተስፋ ዝቘረጹ ስደተኛታት ውግእ: ብሰንኪ አይድስ ዝዘኽተሙ ሓያሎ ቘልዑ: ከምኡውን ብኻልእ ሕማማት ዚሳቐዩ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ይርእዩ ኣለዉ። ነዝን ካልእ ከምዚ ዝኣመሰለ ዜሕዝን ፍጻመታትን ኣብ ግምት ብምእታው: ኣምላኽ ስጕምቲ ዘይወስድ ስለ ዚመስሎም ተሓታቲ ይገብርዎ።

ከም ሓቂ ግን: ኣምላኽ በቲ ንደቅሰብ ዜጋጥሞም ዘሎ ሽግራት ተሓታቲ ኣይኰነን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ ኣምላኽ ድሕሪ ሓጺር እዋን ንጸገማት ደቅሰብ ከም ዜወግዶ ኽንኣምን ዜኽእለና እኹል ምኽንያታት ኣሎና። እምበኣር: ኣምላኽ ብሓቂ ኸም ዚሓልየልና ንኽትፈልጥ ናብዛ እትቕጽል ገጽ ገንጺልካ ኸተንብብ ንዕድመካ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣስማት ተቐዪሩ እዩ።