ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንቓል ሓቂ ብቕኑዕ ከነማቕል ክሕግዘና ዝኽእል እንታይ እዩ፧

ንቓል ሓቂ ብቕኑዕ ከነማቕል ክሕግዘና ዝኽእል እንታይ እዩ፧

ንቓል ሓቂ ብቕኑዕ ከነማቕል ክሕግዘና ዝኽእል እንታይ እዩ፧

ሓ ደ እዋን ናይ ሓንቲ ጋዜጣ ሪፖርተር ኰይኑ ዝዓዪ ሓያሲ ሓደ ተዋስኦ ኽርኢ ኸደ። ነቲ ዝረኣዮ ስለ ዘይፈተዎ ኸኣ “ቍም ነገር ዘይብሉ ነገር እንተ ደሊኻ: ብእተኻኣለካ መጠን ነዚ ተዋስኦ ኽትርእዮ ኣሎካ” ኢሉ ጸሓፈ። ጸኒሑ: እቶም ኣዳለውቲ ናይቲ ተዋስኦ ነቲ ናይቲ ሓያሲ ቓላት ብምጥቃስ ረክላም ኣሕተሙ። እቲ ዝጠቐስዎ ቓላት “ብእተኻኣለካ መጠን ነዚ ተዋስኦ ኽትርእዮ ኣሎካ” ዝብል ነበረ። እዚ ረክላም ንቓላት እቲ ሓያሲ ብትኽክል እዩ ጠቒስዎ: እንተዀነ ግን: ካብቲ ቕድሚኡ ዘሎ ሓሳባት ስለ ዝፈለይዎ ነቲ እተዋህበ ርእይቶ ጠውዩ እዩ ኣቕሪብዎ።

እዚ ኣብነት እዚ: ንሓደ መግለጺ ቕድሚኡን ድሕሪኡን ዘሎ ሓሳባት ብኸመይ ከም ዝጸልዎ እዩ ዘርእየና። እተወሰነ ቓላት ካብቲ እተሰዅዓሉ ሓሳባት ኣውጺእካ ምጥቃስ: ልክዕ ከምቲ ሰይጣን ንየሱስ ከስሕቶ ኽፍትን ከሎ ትርጕም ናይ ጥቕስታት ጠውዩ ዘቕረቦ: ትርጕሙ ክቕይሮ ይኽእል እዩ። (ማቴዎስ 4:⁠1-11) በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ ንሓደ መግለጺ ቕድሚኡን ድሕሪኡን ዘሎ ሓሳባት ኣብ ግምት ምእታው ንትርጕሙ ብዝያዳ ንኽንርድኦ ይሕግዘና። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ ኣብ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕቲ ኽንገብር ከሎና እቲ ጸሓፊ እንታይ ይብል ከም ዘሎ ብዝያዳ ንምርዳእ ቅድሚ እታ ጥቕስን ድሕሪኣን ዘሎ ሓሳባት ከምኡውን ድሕረ⁠-​ባይታ ምርኣይ ጥበባዊ ዝኸውን።

ብጥንቃቐ ተጠቐመሉ

ካብ ሓደ ጽሑፍ ወይ መደረ እተወሰነ ቓላት ወይ ሓሳባት ምስ እንወስድ ቅድሚኡን ድሕሪኡን ዝጸሓፍ ወይ ዝበሃል ነገራት መብዛሕትኡ ግዜ ንትርጕሙ ይጸልዎ እዩ። ናይ ሓደ ፍጻመ ወይ ኵነታት ድሕረ⁠-​ባይታ እውን ዓብዪ ኣገዳስነት ኣለዎ። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ሃዋርያ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ “ንርእስኻ እቲ ቓል ሓቂ ብቕንዕና ዜማቕል [“ትኽንትኽ ዚምህር:” ትርጕም 1990 ]: ዜሕፍር ዜብሉ ፍቱን ዓያዪ ጌርካ: ንኣምላኽ ከተርእዮ ጽዐር” ከም ዝበሎ ኽንርኢ ኸሎና ንሓደ ጥቕሲ ቕድሚኡን ድሕሪኡን ዘሎ ሓሳባት ምምርማር ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 2:15) ቃል ኣምላኽ ብቕኑዕ ንምምቓል: ፈለማ ንሕና ብግቡእ ክንርድኦ ኣሎና: ድሕሪኡ ንኻልኦት ብቕንዕናን ብትኽክልን ንገልጸሎም። ነቲ ደራሲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ የሆዋ ንዘሎና ኣኽብሮት ነዚ ንኽንገብር ክድርኸና እዩ: ኣብ ከባቢ ጥቕስታት ዘሎ ሓሳባት ምምርማር ከኣ ኣብዚ መዳይ እዚ ብዙሕ ክሕግዘና እዩ።

ድሕረ⁠-​ባይታ ናይ ካልአይቲ መልእኽቲ ጢሞቴዎስ

ንኣብነት: ካልአይቲ መልእኽቲ ጢሞቴዎስ እስከ ንመርምር። a ፈለማ ብዛዕባ ድሕረ⁠-​ባይታ ናይታ መልእኽቲ ንምፍላጥ ነዚ ዝስዕብ ሕቶታት ክንሓትት ንኽእል ኢና:- ‘ካልአይቲ መልእኽቲ ጢሞቴዎስ ዝጸሓፋ መን እዩ፧ መዓስ ተጻሒፋ፧ ኣብ ትሕቲ ኸመይ ዝበለ ዅነታት ተጻሒፋ፧’ ድሕርዚ እዚ ዝስዕብ ክንሓትት ንኽእል ኢና:- ‘እቲ እዛ መልእኽቲ እተጻሕፈትሉ “ጢሞቴዎስ” ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ዅነታት እዩ ነይሩ፧ ኣብዛ መልእኽቲ ዘሎ መምርሒ ዘድለዮኸ ስለምንታይ እዩ፧’ መልሲ ናይዚ ሕቶታት እዚ ብዛዕባ እዛ መልእኽቲ ዘሎና ምርዳእ ኣጸቢቑ የስፍሖ: ሎሚ ንሕና ኻብኡ ብኸመይ ከም እንጥቀም ንኽንግንዘብ ድማ ይሕግዘና።

ኣብ መጀመርታ ኻልአይቲ መልእኽቲ ጢሞቴዎስ እተጻሕፈ ሓሳባት: እታ መልእኽቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ዝጸሓፋ ደብዳበ ምዃና እዩ ዝሕብረና። ኣብ ካልእ ጥቕስታት ከኣ ጳውሎስ ነዛ መልእኽቲ ኽጽሕፍ ከሎ: ምእንቲ እቲ ብስራት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኸም ዝነበረ ይሕብረና። ብዙሓት ራሕሪሖምዎ ብምንባሮም: ሞቱ ዝቐረበ ዀይኑ ይስምዖ ነበረ። (2 ጢሞቴዎስ 1:⁠15, 16፣ 2:⁠8-10፣ 4:⁠6-8) ስለዚ: ነዛ መልእኽቲ ኣብቲ ንኻልኣይ ግዜ ኣብ ሮሜ እተኣስረሉ እዋን ማለት ብ65 ከ.ኣ.ዘ. ኣቢሉ እዩ ጽሒፍዋ ክኸውን ዘለዎ። ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ ኔሮ ንሞት ከም ዝፈረዶ ዝፍለጥ እዩ።

ድሕረ⁠-​ባይታ ናይ ካልአይቲ መልእኽቲ ጢሞቴዎስ ከምዚ ይመስል። ይኹን እምበር: ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ብዛዕባ ጸገማቱ ዘለዎ መረረ ኽገልጸሉ ኢሉ ኸም ዘይጸሓፋ ምፍላጥና ብፍላይ ከነቕልበሉ ዝግባእ ነገር እዩ። ኣብ ክንድኡስ ንጢሞቴዎስ ዓርኩ ገና ጽንኩር እዋን ይጽበዮ ኸም ዘሎ ኣጠንቀቖ: ንኸየስግልን ንኽድልድልን ነቲ ዝሃቦ መምርሒ ንኻልኦት ንኽነግሮምን ከኣ ኣተባብዖ። ንሳቶም እውን ብግዲኦም ንኻልኦት ንምሕጋዝ ብእተኻእሎም መጠን ድሉዋት ይዀኑ። (2 ጢሞቴዎስ 2:⁠1-7) ጳውሎስ ኣብ ጽንኩር ግዜ ጸገማት እናኣሕለፈ ክነሱ ንኻልኦት ሓልዮቱ ብምርኣይ ከመይ ዝበለ ሰናይ ኣብነት ኰን እዩ ገዲፉልና! እዚስ ንዓና ኣየ ኸመይ ዝበለ ማዕዳ ዀን እዩ!

ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ “ፍቁር ወደይ” ኢሉ ጸዊዕዎ ኣሎ። (2 ጢሞቴዎስ 1:⁠2) እዚ በጽሒ እዚ ኣብ ናይ ክርስትያን ግሪኽ ቅዱሳት ጽሑፋት ብተደጋጋሚ እሙን ብጻይ ጳውሎስ ምዃኑ ተጠቒሱ ኣሎ። (ግብሪ ሃዋርያት 16:⁠1-5፣ ሮሜ 16:⁠21፣ 1 ቈረንቶስ 4:⁠17) ጳውሎስ ነዛ መልእኽቲ እዚኣ ኽጽሕፈሉ ኸሎ: ዕድመ ጢሞቴዎስ ኣብ 30ታት ዝነበረ እዩ ዝመስል፣ ስለዚ ገና መንእሰይ እዩ ነይሩ። (1 ጢሞቴዎስ 4:⁠12) እንተዀነ ግን: ምናልባት ን14 ዓመታት ‘ምስ ጳውሎስ ብምግልጋሉ:’ ብተኣማንነቱ ዝመጸ ድሮ ጽቡቕ ስም ኣጥርዩ ነበረ። (ፊልጲ 2:⁠19-22) ጢሞቴዎስ ገና መንእሰይ እኳ እንተ ነበረ: ጳውሎስ ግን ንኻልኦት ሽማግለታት “ረብሓ ብዜብሉ ቓል ከይብአሱ:” የግዳስ ኣብ ከም እምነትን ምጽዋርን ዝኣመሰለ ኣገዳሲ ነገራት ከተኵሩ ኽምዕዶም ሓላፍነት ሃቦ። (2 ጢሞቴዎስ 2:⁠14) ጢሞቴዎስ: ተዓዘብትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ክሸይም እውን መዝነት ተዋሂብዎ ነይሩ። (1 ጢሞቴዎስ 5:⁠22) ይኹን እምበር: ሓላፍነቱ ንምጥቃም ርእሰ⁠-​ተኣማንነት ይጐድሎ ነይሩ ክኸውን ይኽእል እዩ።​—⁠2 ጢሞቴዎስ 1:⁠6, 7

እዚ መንእሰይ ዝነበረ ሽማግለ: ከቢድ ብድሆታት ኣጋጢምዎ እዩ። ብቐዳምነት: ሄሜኔዎስን ፊሌጦስን ዝበሃሉ ኽልተ ውልቀ⁠-​ሰባት “ትንሳኤ ቕድሚ ሕጂ ዀይኑ” እናበሉ “እምነት ሓያሎ ሰባት ይገላብጡ” ምንባሮም እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 2:⁠17, 18) ትንሳኤ ብመንፈሳዊ መገዲ ጥራይ ምዃኑ: ክርስትያናት ከኣ ድሮ ኸም ዝተንስኡ ይምህሩ ዝነበሩ እዩ ዝመስል። ምናልባት ነቲ ጳውሎስ ክርስትያናት ብበደሎም ምዉታት ከም ዝነበሩ: ብመንፈስ ኣምላኽ ግን ህያዋን ከም ዝዀኑ ዝሕብር ሓሳባት ቈንጺሎም ብምውጻእ ጠቒሶምዎ ክዀኑ ይኽእሉ እዮም። (ኤፌሶን 2:⁠1-6) ጳውሎስ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ክሕደት ጽልዋ እናወሰኸ ከም ዝኸይድ ኣጠንቀቐ። እዚ ይፈልጥ ብምንባሩ ድማ “ነቲ ጥዑይ ትምህርቲ ዘይዕገሱሉ ዘመን ኪመጽእ እዩ: ሽዑ ኣእዛኖም ካብ ሓቂ ኺመልሱ: ናብ ጽውጽዋያትውን ኪምለሱ እዮም” ኢሉ ጸሓፈ። (2 ጢሞቴዎስ 4:3, 4) እዚ ጳውሎስ ኣቐዲሙ ዝሃቦ ማዕዳ: ጢሞቴዎስ ነቲ እተዋህቦ ምኽሪ ብህጹጽ ክስዕብ ከም ዘድልዮ እዩ ዘርኢ።

ካልአይቲ መልእኽቲ ጢሞቴዎስ ሕጂ ዘለዋ ኣገዳስነት

ኣብ ላዕሊ ኸም ዝረኣናዮ: ጳውሎስ እንተ ወሓደ ኻብዚ ዝስዕብ ሰለስተ ምኽንያታት ተበጊሱ ንኻልአይቲ መልእኽቲ ጢሞቴዎስ ከም ዝጸሓፋ ኸነስተውዕል ንኽእል ኢና። እዚ ድማ (1) ሞቱ ኸም ዝቐረበ ብምፍላጡ: ድሕሪ ሙማቱ ኸኣ ንጢሞቴዎስ ክሕግዞ ስለ ዘይክእል ከዳልዎ ይጽዕር ነበረ። (2) ንጢሞቴዎስ ነተን ኣብ ትሕቲኡ ዘለዋ ጉባኤታት ካብ ክሕደትን ካልእ ጐዳኢ ጽልዋታትን ንኽሕልወን ከዳልዎ ባህጊ ነበሮ። (3) ጢሞቴዎስ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ትሑዝ ንክኸውንን ንናይ ሓሶት ትምህርትታት ኣብ ዝጻረረሉ እዋን ኣብ ርጡብ ፍልጠት ቅዱሳት ጽሑፋት ንኽውከልን ከተባብዖ ደልዩ ነበረ።

ነዚ ድሕረ⁠-​ባይታ እዚ ምፍላጥና: ካልአይቲ መልእኽቲ ጢሞቴዎስ ንዓና ኣገዳሲት ምዃና ንኽንርዳእ ይሕግዘና። ኣብዚ ግዜና እውን ከም ሄሜኔዎስን ፊሌጦስን ዝኣመሰሉ እምነትና ኽገላብጡ ዝፍትኑ ኸሓድቲ ናይ ርእሶም ኣተሓሳስባ የስፋሕፍሑ እዮም። ብዘይ​ካዚ: እቲ ጳውሎስ ተነብዩሉ ዝነበረ “ክፉእ ዘመን” መጺኡ እዩ። ብዙሓት ሰባት ነቲ ጳውሎስ “እቶም ብክርስቶስ የሱስ ብፍርሃት እግዚኣብሄር ኪነብሩ ዚደልዩ ዅሎም ኪስጐጉ እዮም” ብምባል ዝሃቦ መጠንቀቕታ ሓቂ ዀይኑ ረኺቦምዎ እዮም። (2 ጢሞቴዎስ 3:1, 12) ጸኒዕና ኽንቀውም እንኽእል ግን ብኸመይ ኢና፧ ልክዕ ከም ጢሞቴዎስ ምኽሪ ናይቶም ንሓያሎ ዓመታት ንየሆዋ ዘገልገሉ ሰባት ንስማዕ። ብናይ ብሕቲ መጽናዕቲ: ብጸሎት: ብክርስትያናዊ ሕውነት: ከምኡውን በቲ ዘይንበቕዖ ሕያውነት የሆዋ ‘ክንድልድል’ ንኽእል ኢና። ኣብ ርእሲ እዚውን ኣብቲ ርጡብ ፍልጠት ዘለዎ ሓይሊ ብምትእምማን: ነቲ ጳውሎስ ‘እቲ ጥዑይ ቃል ንምሳሌ ሓዞ’ ብምባል ዝሃቦ ለበዋ ኽንስዕቦ ንኽእል ኢና።​—⁠2 ጢሞቴዎስ 1:⁠13

‘ምሳሌ እቲ ጥዑይ ቃል’

ጳውሎስ ኣብዚ “ጥዑይ ቃል” ዝበሎ ነየናይ እዩ፧ ነዚ መግለጺ እዚ እተጠቕመ ነቲ ናይ ሓቂ ክርስትያናዊ ሰረተ⁠-​እምነት ንኸመልክት እዩ። ናብ ጢሞቴዎስ ኣብ ዝጸሓፋ ቐዳመይቲ መልእኽቱ እቲ “ጥዑይ ቃል” ብመሰረቱ ናይ “ጐይታና የሱስ ክርስቶስ” ምዃኑ ገሊጹ እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 6:⁠3) ሓደ ሰብ ነቲ ጥዑይ ቃል ከም ምሳሌ ገይሩ ምስ ዝስዕቦ: ጥዑይ ኣተሓሳስባ ይህልዎ ከምኡውን ፈቃርን ሓላይን ይኸውን። ኣገልግሎትን ትምህርትታትን የሱስ ምስቲ ኣብ ብምሉኡ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ትምህርትታት ስለ ዝሰማማዕ: እታ “ጥዑይ ቃል” እትብል መግለጺ ንዅሉ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ እውን ከተመልክት ትኽእል እያ።

ምሳሌ እቲ ጥዑይ ቃል: ጢሞቴዎስ ኰነ ዅሎም ክርስትያን ሽማግለታት ክሕልዉዎ ዘለዎም “ጽቡቕ ሕድሪ” እዩ ነይሩ። (2 ጢሞቴዎስ 1:⁠13, 14) ጢሞቴዎስ ‘ብዅሉ ዓቕልን ብምህሮን እቲ ቓል ክሰብኽ: ብጊዜኡን ብዘይ​ጊዜኡን ከስምዕ: ክገንሕ: ክቀጽዕ: ክምዕድ’ ነበሮ። (2 ጢሞቴዎስ 4:2) ብግዜ ጢሞቴዎስ ናይ ክሕደት ትምህርትታት የስፋሕፍሕ ምንባሩ ኻብ ፈለጥና: ጳውሎስ ነቲ ጥዑይ ቃል ብህጹጽ ምምሃር ኣድላዪ ምዃኑ ዘጕልሓሉ ምኽንያት ክንርድኦ ንኽእል ኢና። ጢሞቴዎስ ብዓቕልን ብናይ ምምሃር ክእለትን ‘እናገንሐ: እናቐጽዐ: እናመዓደ’ ነቲ መጓሰ ኽሕልዎ ኸም ዝነበሮ እውን ክንርኢ ንኽእል ኢና።

ጢሞቴዎስ ነቲ ቓል ንመን እዩ ኽሰብኮ፧ ኣብ ከባቢ እታ ጥቕሲ ዘሎ ሓሳባት ጢሞቴዎስ ሽማግለ ኸም ምዃኑ መጠን ኣብ ውሽጢ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኽሰብኽ ከም ዝነበሮ እዩ ዝሕብረና። ተጻረርቲ ዝገብርዎ ዝነበሩ ጸቕጢ ኣብ ግምት ብምእታው: መንፈሳዊ ሚዛኑ ሓልዩ ብትብዓት ቃል ኣምላኽ ክእውጅ ደኣ እምበር ሰብኣዊ ፍልስፍና: ናይ ብሕቲ ኣረኣእያ: ወይ ዘይጠቅም ግምታዊ ዘረባ ኽዛረብ ኣይነበሮን። ልክዕ እዩ: እዚ ቕኑዕ ዝንባለ ኻብ ዘይብሎም ገለ ሰባት ምጽራር ከምጽእ ይኽእል እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 1:⁠6-8፣ 2:⁠1-3, 23-26፣ 3:⁠14, 15) ይኹን እምበር: ጢሞቴዎስ ነቲ ጳውሎስ ዝሃቦ ምኽሪ ብምስዓብ: ልክዕ ከም ጳውሎስ ንኽሕደት ካብ ምጽራር ከቋርጽ ኣይነበሮን።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 20:⁠25-32

ጳውሎስ ነቲ ቓል ብዛዕባ ምስባኽ እተዛረቦ ቓላት: ካብ ጉባኤ ወጻኢ ንዘለዉ ሰባት ንምስባኽ እውን ዝውዕል ድዩ፧ ኣብ ከባቢ እታ ጥቕሲ ተገሊጹ ኸም ዘሎ: እወ የመልክት እዩ። ከመይሲ: ኣስዕብ ኣቢሉ “ንስኻ ግና ብዅሉ ተጠንቀቕ: መከራ ጽገብ: ግብሪ ወንጌላዊ ግበር: ኣገልግሎትካ መልእ” ኢሉ እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 4:5) ወንጌላውነት: ማለት ንዘይኣመንቲ ናይ ምድሓን ብስራት ናይ ምስባኽ ተግባር: ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ኣገዳሲ ቦታ ኣለዎ። (ማቴዎስ 24:⁠14፣ 28:⁠19, 20) ከምቲ ቓል ኣምላኽ ኣብ ጉባኤ “ብዘይ​ጊዜኡ” ማለት ብግዜ ሽግር እውን ምስባኽ ዘይቋረጽ: ነቶም ካብ ጉባኤና ወጻኢ ዘለዉ ሰባት ኣብ ጽንኩር ኵነታት እውን ከይተረፈ ጸኒዕና ንሰብከሎም ኢና።​—⁠1 ተሰሎንቄ 1:⁠6

እንሰብኮን እንምህሮን ነገራት ኣብቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቓል ኣምላኽ እተመስረተ እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ምሉእ ዘይጕዱል ምትእምማን ኣሎና። ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ: ንተግሳጽ: ንምቕናዕ: ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ” በሎ። (2 ጢሞቴዎስ 3:16) እዘን ቓላት እዚኣተን: መጽሓፍ ቅዱስ መንፈስ ዝነፈሶ ቓል ኣምላኽ ምዃኑ ንምሕባር ብተደጋጋሚ ምጥቃሰን ጌጋ ኣይኰነን። ጳውሎስ ክጽሕፈን ከሎ ግን ሓሳቡ እንታይ እዩ ነይሩ፧

ጳውሎስ ንሓደ ኣብ ውሽጢ ጉባኤ ‘ኽግስጽ: ከቕንዕ: ንጽድቂ ኽእድብ’ ሓላፍነት ዝነበሮ ሽማግለ እዩ ዝዛረቦ ነይሩ። ስለዚ: ንጢሞቴዎስ ኣብቲ ኻብ ንእስነቱ ኣትሒዙ እተማህሮ መንፈስ ዝነፈሶ ቓል ዘለዎ ጥበብ ክውከል እዩ ዘዘኻኽሮ ነይሩ። ከም ጢሞቴዎስ ዝኣመሰሉ ሽማግለታት ሓድሓደ ግዜ ንእተጋገዩ ኽግስጹ ኣለዎም። ከምዚ ኽገብሩ ኸለዉ ወትሩ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ክምርኰሱ ኣለዎም። ቅዱሳት ጽሑፋት መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ስለ ዝዀነ ድማ ኣብኡ እተመርኰሰ ተግሳጽ ካብ ኣምላኽ ዝመጸ እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ተግሳጽ ዘይቅበል ዝዀነ ይኹን ሰብ: ናይ ሰባት ሓሳባት ዘይኰነስ ነቲ ኻብ የሆዋ ዝመጸ መንፈስ ዝነፈሶ ምኽሪ እዩ ምቕባል ዝኣቢ።

ካልአይቲ መልእኽቲ ጢሞቴዎስ ኣዝዩ ሰፊሕ ኣምላኻዊ ጥበብ ዝሓዘት እያ። ነቲ ጥቕስታት ምስ ከባቢኡ እናኣረኣአና ምስ እንምርምራ ድማ ዝያዳ ጥቕሚ ኢና እንረክብ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ነቲ ኣብዛ መልእኽቲ እዚኣ ዘሎ ትምህርቲ ላዕለ⁠-​ላዕሉ ጥራይ ኢና ርኢናዮ: እንተዀነ ግን መጽሓፍ ቅዱስ ከነንብብ ከሎና ኣብ ከባቢ ጥቕሲ ዘሎ ሓሳባትን ድሕረ⁠-​ባይታን ምምርማር ክሳዕ ክንደይ ጠቓሚ ምዃኑ ኽንርኢ ንኽእል ኢና። እዚ ድማ ‘ነቲ ቓል ሓቂ ብቕኑዕ ነማቕል’ ከም ዘሎና ርግጸኛታት ንኽንከውን ይሕግዘና እዩ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ተወሳኺ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ: ኣብቲ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተ​ሓትመ ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ 2ይ ጥራይ (እንግሊዝኛ) ገጽ 1105-8 ርአ።

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]

ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ነተን ጉባኤታት ንኽሕልወን ከዳልዎ ደለየ

[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ስእሊ]

ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ኣብቲ ኣብ መንፈስ ዝነፈሶ ቓል ዘሎ ጥበብ ክውከል ኣዘኻኸሮ