ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንህይወተይ ዝቐየረት ሓጻር መልእኽቲ

ንህይወተይ ዝቐየረት ሓጻር መልእኽቲ

ታሪኽ ህይወት

ንህይወተይ ዝቐየረት ሓጻር መልእኽቲ

ኢረን ሆኽስቴንባኽ ዘዘንተወቶ

ብ1972 ጓል 16 ዓመት ከሎኹ ኣብ ኔዘርላንድ ኣውራጃ ብረባንት ኣብ እትርከብ ከተማ ኣይንትሆቨን ሰሉስ ምሸት ምስ ወለደይ ናብ ሓደ ሃይማኖታዊ ኣኼባ ኸድኩ። ኣብቲ ኣኼባ እቲ: ዓቕለይ ጽብብ ኢሉኒ ኣብዛ ጽፍረይ ክኣቱ ደለኹ። ሽዑ ኽልተ ጐራዙት “ፍቕርቲ ኢረን: ክንሕግዘኪ ንደሊ ኢና” ዝብል ሓጻር መልእኽቲ ዝሓዘት ንእሽቶ ወረቐት ሃባኒ። እታ ጽሕፍቲ እቲኣ ንህይወተይ ከም እትቕይሮ ኣይተገንዘብኩን ነይረ። ቀጺሉ ዘጋ መኒ ነገር ቅድሚ ምንጋረይ ግን ብዛዕባ ኣተዓባብያይ ክነግረኩም።

ኣብ ደሴት በሊቱንግ ኣብ ኢንዶኔዥያ እየ ተወሊደ። ንገለ ኻብቲ ኣብታ ትሮፒካዊት ደሴት ዝነበረ ድምጽታት እዝክሮ እየ። ብንፋስ ሓሸሸሽ ዝብል ድምጺ ኣግራብ: ደሃይ ናይቲ ኣብ ከባቢና ዝውሕዝ ዝነበረ ውሒዝ: ሰሓቕ ናይቶም ኣብ ጥቓ ገዛና ዝጻወቱ ቘልዑ: ከምኡውን ኣብ ቤትና ዝስማዕ ዝነበረ ሙዚቃ ኣይርስዖን እየ። ብ1960 ጓል ኣርባዕተ ዓመት ከሎኹ: ስድራ​ቤትና ኻብ ኢንዶኔዥያ ናብ ኔዘርላንድ ገዓዘት። ብመ​ርከብ ነዊሕ ጕዕዞ ተጐዓዝና: ድምጺ ናይታ ዝፈትዋ መጻወቲተይ​—⁠ከበሮ ዝሓዘት ባምቡላ​—⁠እሞ ኸኣ ኣይርስዖን እየ። ጓል ሸውዓተ ዓመት ከሎኹ: ብሰንኪ ሕማም ናይ ምስማዕ ተኽእሎይ ጠፍአ: ካብ ሽዑ ጀሚረ ኸኣ ዝዀነ ይኹን ድምጺ ኽሰምዕ ኣይክእልን እየ። ቅድም ዝሰምዖ ዝነበርኩ ጥራይ እየ ኽዝክር ዝኽእል።

ጸማም ኰይነ ዘሕለፍክዎ እዋን ቍልዕነት

ካብቲ ወለደይ ዝገብሩለይ ዝነበሩ ፍቕራዊ ሓልዮት እተላዕለ እቲ ጸማም ምዃን ዘምጽኦ ሳዕቤን ኣብቲ መጀመርታ ምሉእ ብምሉእ ኣይፍለጠንን እዩ ነይሩ። እቲ ንምስማዕ ክሕግዘኒ ተባሂሉ እተዋህበኒ ብዙሕ ጥቕሚ ዘይነበሮ ገዚፍ መስምዒ እዝኒ እውን ከይተረፈ የስሕቐኒ እዩ ነይሩ። ጐረባብተይ ቈልዑ ምሳይ ክዘራረቡ ምስ ዝደልዩ ሓሳባቶም ብኵርሽ ገይሮም ኣብቲ ማርሻፐዲ ይጽሕፍዎ እሞ ኣነ ኸኣ ብቓለይ እምልሰሎም። ይኹን እምበር: ድምጸይ ኣይሰምዖን እየ ነይረ።

እናዓበኹ ምስ ከድኩ ግን ካብቶም ኣብ ከባብየይ ዘለዉ ሰባት እተፈለኹ ምዃነይ ክፍለጠኒ ጀመረ። ገለ ሰባት ክሰምዕ ብዘይ ምኽኣለይ ከላግጹለይ: ገሊኣቶም ከኣ ከግልሉኒ ኸለዉ እውን ከስተብህለሉ ጀመርኩ። ጽምዋ ኽስምዓኒ: ጸማም ምዃን እንታይ ማለት ምዃኑ ኣጸቢቑ ኽርድኣኒ ጀመረ። እናዓበኹ ብዝኸድኩ መጠን ከኣ ምጽማም እንታይ ማለት ምዃኑ ኸስተውዕል ብምጅማረይ ናይ ምስማዕ ተኽእሎ ንዘለዎም ሰባት ክፈርህ ጀመርኩ።

ወለደይ ኣብቲ ናይ ጸማማት ቤት ትምህርቲ ኽኣቱ ስለ ዝደለዩኒ ኻብታ ኣብ ኣውራጃ ሊምበርግ ዝነበረት ዓዲ ናብ ከተማ ኣይንትሆቨን ገዓዝና። ኣቦይ ኣብታ ኸተማ ስራሕ ከናዲ ኸሎ: ሓወይን ኣሓተይን ከኣ ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ኣተዉ። ምእንታይ ክብሉ ንዝገበርዎ ምቅይያራት ኣዝየ እየ ዘማስወሉ። ኣብ ቤት ትምህርቲ ንመጠን ድምጸይ ክቈጻጸርን ኣነጺረ ክዛረብን ተማሃርኩ። መምህራነይ ናይ ምልክት ቋንቋ ዘይጥቀሙ እኳ እንተ ነበሩ: መማህርተይ ግን ብናይ ምልክት ቋንቋ ምዝራብ ምሂሮምኒ እዮም።

ተጠልየ ዘሕለፍክዎ ናብራ

ምስ ዓበኹ ወለደይ ምሳይ ንኽረዳድኡ ኣጸቢቖም ይጽዕሩ እኳ እንተ ነበሩ: ብዙሕ ዘይርድኣኒ ነገራት ነይሩ እዩ። ንኣብነት: ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ይመሃሩ ኸም ዝነበሩ ኣይርድኣንን እዩ ነይሩ። ሓደ መዓልቲ ግን ወለደይ ኣብ ሓደ ብዙሓት ሰባት ኣብ መናብር ኰፍ ኢሎምሉ ዝነበሩ ቦታ ኽወስዱኒ ትዝ ይብለኒ። ኵሎም ንቕድሚት እዮም ዝጥምቱ ነይሮም: እንሓንሳእ የጣቕዑ: ጸጸኒሖም ከኣ ደው ይብሉ ነበሩ። ይኹን እምበር: እዞም ሰባት እዚኣቶም ስለምንታይ ከምኡ ይገብሩ ከም ዝነበሩ ኣይፈልጥን እየ ነይረ። ደሓር ግን ኣብ ዓብዪ ኣኼባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ዝነበርኩ ተረድኣኒ። ወለደይ ኣብ ከተማ ኣይንትሆቨን ኣብ እትርከብ ንእሽቶ ኣደራሽ እውን ኣዘውቲሮም ይወስዱኒ ነበሩ። ኵሎም ኣብቲ ኣደራሽ ዝነበሩ ሰባት ሕያዎት: ወለደይ ከኣ ሕጉሳት ስለ ዝነበሩ ባህ ይብለኒ ነበረ: ንምንታይ ኵሉ ግዜ ኣዘውቲርና ንኸይድ ከም ዝነበርና ግን ኣይፈልጥን ነበርኩ። ሕጂ ግን እታ ንእሽቶ ኣደራሽ: ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምንባራ እፈልጥ እየ።

እቲ ዘሕዝን ግን ኣብቲ ኣኼባ ነቲ ዝቐርብ ዝነበረ ትምህርቲ ክነግረኒ ዝኽእል ዋላ ሓደ ሰብ ኣይነበረን። እቶም ተኣከብቲ ኽሕግዙኒ ይደልዩ እኳ እንተ ነበሩ: ብኸመይ ክሕግዙኒ ኸም ዝኽእሉ ዘይፈልጡ ምንባሮም ሕጂ እዩ ተረዲኡኒ። ኣብዚ ኣኼባታት እዚ ንበይነይ እተገለልኩ ዀይኑ ስለ እተሰምዓኒ ‘ካብ ኣብዝስ ናብ ቤት ትምህርቲ ኸይደ ነይረ እንተ ዝኸውን ምሓሸኒ’ ዝብል ሓሳባት ይመጸኒ ነበረ። ከምኡ ኢለ እናሓሰብኩ ኸለኹ: ክልተ ጐራዙት ሓንቲ ሓጻር መልእኽቲ ኣብ ወረቐት ጽሒፈን ሃባኒ። እታ ኣብ መእተዊ ዝጠቐስክዋ ሓጻር መልእኽቲ ኸኣ እዚኣ እያ። እዛ መልእኽቲ እዚኣ ኻብቲ ተገሊለ ዝነብረሉ ዝነበርኩ ዅነታት ወጺአ ባህ ዘብል ምሕዝነት ንኽጅምር ክትሕግዘኒ እያ ዝብል ሓሳብ ኣይነበረንን።

ባህ ዘብል ምሕዝነት ምምስራት

እተን ነዛ ሓጻር መልእኽቲ እዚኣ ዝሃባኒ ኮሌትን ሄርሚነን: ዕድሚአን ኣብ መጀመርታ 20ታት እዩ ነይሩ። ኣብታ ዝእከበላ ዝነበርኩ ጉባኤ ስርዓታውያን ፓይነራት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ወይ ከኣ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ዀይነን ከገልግላ ከም እተመደባ ኸኣ ድሕሪ ገለ ግዜ ፈለጥኩ። ኮሌትን ሄርሚነን ናይ ምልክት ቋንቋ ዘይፈልጣ እኳ እንተዀና: ክዛረባኒ ኸለዋ ካብቲ ናይ ከናፍረን ምንቅስቓስ ሓሳባተን ከንብቦ ኸኣልኩ: በዚ መገዲ እዚ ኣጸቢቕና ተረዳዳእና።

ኮሌትን ሄርሚነን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክመርሓለይ ከም ዝደልያ ወለደይ ምስ ፈለጡ ተሓጒሶም እዮም። ይኹን እምበር: እዘን ጐራዙት ካብኡ ንላዕሊ እየን ገይረናለይ። ኣብቲ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዝወሃብ ዝነበረ ትምህርትታት ክትርጕማለይን ምስቶም ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ኣሕዋትን ኣሓትን ከመሓዝዋንን ይጽዕራ ነበራ። ኣብ ስብከት ዝጥቀማሉ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቀራርባ ምሳይ ይለማመዳ ነበራ: ኣብ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ዝወሃበኒ ኽፍሊ ንኽዳሎ ኸኣ ይሕግዛኒ ነበራ። ሕስብ እሞ ኣብልዎ: ሕጂ ሕሉፍ ሓሊፈ ኣብ ቅድሚ ናይ ምስማዕ ጸገም ዘይብሎም ሰባት ቀሪበ ብትብዓት ክፍሊ ከቕርብ ክኢለ ኣሎኹ።

ኣብ ርእሲ እዚ: ኮሌትን ሄርሚነን ኣባታተን ምትእምማን ከም ዝሓድረኒ እውን ገይረናኒ እየን። ዕጉሳት እየን ነይረን: ጽን ኢለን ከኣ ይሰምዓኒ ነበራ። ዝበዝሕ ግዜ ብጕድለታተይ ንስሕቕ እኳ እንተ ነበርና: ኣየላግጻለይን እየን ነይረን፣ ምስአን ብምዃነይ እውን ኣይሽቝረራን እየን ነይረን። ስምዒታተይ ክርዳኣለይ ይጽዕራ ነበራ: ማዕሪአን ደኣ እምበር ኣትሒተን ኣይርእያንን እየን ነይረን። እዘን ሕያዎት ኣዋልድ እዚኣተን ኣዝዩ ኽቡር ህያብ ማለት ፍቕረንን ምሕዝነተንን እየን ሂበናኒ።

ካብ ኵሉ ንላዕሊ ድማ ኮሌትን ሄርሚነን የሆዋ ኣምላኽና ኸም ሓደ ትውክልቲ ዝግበሮ ዓርኪ ገይረ ንኽፈልጦ ምሂረናኒ እየን። የሆዋ ኣብ ጉባኤ ኾፍ ኢለ ኸሎኹ ከም ዝርእየኒ: ጸማም ምዃን ማለት ከኣ እንታይ ዓይነት ስምዒት ከም ዘሕድረለይ ይርድኦ ምዃኑ ገለጻለይ። እቲ ኣብ የሆዋ ዘሎና ፍቕሪ ንሰለስቴና መሓዙት ስለ ዘቀራረበና ኣዝየ እየ ዘመስግን! በቲ የሆዋ ዝገበረለይ ሓልዮትን ንዕኡ ዘሎኒ ፍቕርን ተደሪኸ ብሓምለ 1975 ህይወተይ ከም ዝወፈኹ ብማይ ጥምቀት ኣርኣኹ።

ምስ ሓደ ፍሉይ ብጻይ ዝገበርክዎ ጕዕዞ

ኣብቲ ዝቐጸለ ዓመታት ምስ ሓያሎ ኣሕዋትን ኣሓትን ተላለኹ። ምስ ሓደ ሓው ድማ ፍሉይ ምሕዝነት መስረትኩ: ብ1980 ከኣ ተመርዓና። ብድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸናሕኩ ፓይነር ኰይነ ኸገልግል ጀመርኩ: ብ1994 ኣነን ሃሪ ብዓል ቤተይን ናይ ዳች ናይ ምልክት ቋንቋ ኣብ ዝዝረበሉ ኸባቢ ፍሉያት ፓይነራት ኴንና ኸነገልግል ተመደብና። ብዓል ቤተይ ናይ ምስማዕ ሽግር ኣይነበሮን፣ ስለዚ: ድሕሪ ሓደ ዓመት ተተካኢ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ዀይኑ እተፈላለያ ጉባኤታት ክበጽሕ ምስ ተመደበ ኣነ እውን ምስኡ ክኸይድ ስለ ዝነበረኒ ብድሆ ዀነኒ።

ነዚ ብድሆ እዚ ብኸመይ ከም እተዋጻእኩሉ ኸዘንትወልኩም። ንሓንቲ ጉባኤ ንመጀመርታ ግዜ ኽንበጽሓ ኸሎና: ውዓል ሕደር ከይበልኩ ምስ ሓያሎ ኣሕዋትን ኣሓትን እላለ ነበርኩ። ክሰምዕ ከም ዘይክእል እሕብሮም: ናባይ እናጠመቱ ቀስ ኢሎም ክዛረቡ ኸኣ እነግሮም። ኣብቲ ናይ ጉባኤ ኣኼባ እውን ብኡንብኡ መልሲ ኽምልስ ጻዕሪ እገብር እየ። ኣብታ ሰሙን እቲኣ ኣብ ዝግበር ኣኼባታት ይኹን ግራት ኣገልግሎት ክትርጕመለይ ፍቓደኛ ዝዀነ ሰብ እንተ ኣልዩ እውን ኣቐዲመ እሓትት እየ።

ከምዚ ዝኣመሰለ ሜላ ምዝውታረይ ብዙሕ ሓጊዙኒ እዩ: አረ ሓድሓደ ግዜስ ኣሕዋትን ኣሓትን ክሰምዕ ዘይክእል ምዃነይ ካብ ምርስዖም እተላዕለ ዘስሕቕ ኵነታት ይፍጠር ነይሩ እዩ። ንኣብነት: መኪና እናዘወሩ ኸለዉ ኣብ ከተማ ብእግረይ ክኸይድ ምስ ዝርእዩኒ ጥሩምባ ከም ዝነፍሑለይ እሞ ቍሊሕ ከም ዘይበልክዎም ይነግሩኒ። ዘሎኒ ጸገማት ዝርስዓሉ ኣጋጣሚታት እውን ነይሩ። ንኣብነት: ሓድሓደ ግዜ ምስጢራዊ ዝዀነ ነገር ንብዓል ቤተይ ኣብ እዝኑ ሕሽዅ ኢለ ኽነግሮ እደሊ እሞ ሃንደበት ሽቝርር ኢሉ ኽርእዮ ኸሎኹ ግን እቲ “ሕሽዅ” ኢለ ኽነግሮ ዝሓሰብክዎ ዓው ኢለ ከም እተዛረብክዎ ይርድኣኒ።

ቈልዑ እውን ብዘይ​ተጸበኽዎ መገዲ ይሕግዙኒ እዮም። ኣብ ሓንቲ ንመጀመርታ ግዜ ዝበጻሕናያ ጉባኤ: ሓደ ወዲ ትሽዓተ ዓመት ቈልዓ: ገለ ኻብቶም ኣብ ጉባኤኡ ዘለዉ ኣሕዋትን ኣሓትን ክዛረቡኒ ኸም እተሰከፉ ኣስተባህለ እሞ ሓደ ነገር ክገብር ወሰነ። መጺኡ ብኢዱ ሒዙ ኣብ ማእከል እታ ጉባኤ ደው ኣበለኒ እሞ ዓው ኢሉ “ምስ ኢረን ኸላልየኩም: ክትሰምዕ ኣይትኽእልን እያ!” በሎም። ሽዑ ዅሎም እናቐረቡ ኽላለዩኒ ጀመሩ።

በዓል ቤተይ ናይ ወረዳ ምብጻሕ ክገብር ከሎ ምስኡ እኸይድ ስለ ዝነበርኩ ፈተውተይ እናበዝሑ ኸዱ። ሕጂ ናብራ ህይወተይ ካብቲ ንበይነይ ተገሊለ ዝነብረሉ ዝነበርኩ ዅነታት ኣዝዩ እተፈልየ እዩ። ካብታ ኮሌትን ሄርሚነን ነታ ሓጻር መልእኽቲ ዝሃባኒ ምሸት ኣትሒዘ ምሕዝነት ክሳዕ ክንደይ ሓይሊ ከም ዘለዎ ኣብ ህይወተይ ርእየዮ: ዝቐርቡኒ ኣዝዮም ፍሉያት ኣዕሩኽ ከኣ ክረክብ ክኢለ እየ። ዝያዳ ዅሉ ድማ ንየሆዋ: ነቲ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ዝበለጸ ዓርኪ: ኽፈልጦ ኸኣልኩ። (ሮሜ 8:⁠38, 39) እወ: እታ ሓጻር መልእኽቲ ንህይወተይ ኣጸቢቓ እያ ቐይራታ!

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

ድምጺ ናይታ ዝፈትዋ መጻወቲተይ እዝክሮ እየ

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ኣገልግሎትን ምስ ሃሪ በዓል ቤተይን ከሎኹ