ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካልኦት ብጌጋ እተረድኡኻ ኰይኑዶ ይስምዓካ ኢዩ፧

ካልኦት ብጌጋ እተረድኡኻ ኰይኑዶ ይስምዓካ ኢዩ፧

ካልኦት ብጌጋ እተረድኡኻ ኰይኑዶ ይስምዓካ ኢዩ፧

 ኣንቶንዮ: ዓርኩ ልዮናርዶ ሃንደበት ብዘይተፈልጠ ምኽንያት ገጽ ስለ ዝኸልኦ ሕማቕ ተሰምዖ። a ኣብ እተፈላለየ ኣጋጣሚታት ሰላም ኣይበሎን: ክራኸቡ ኸለዉ ኸኣ ኣብ መንጎኦም ዓቢ ቐጽሪ ዘሎ ኢዩ ዝመስል። ኣንቶንዮ ዓርኩ ብጌጋ እተረድኦ ገለ ነገር ገይሩ ወይ ተዛሪቡ ከይከውን ስግኣት ሓደሮ። ግን እንታይ ኢዩ ገይሩ፧

ካልኦት ብጌጋ ክርድኡኻ ዘሎ ነገር ኢዩ። መብዛሕትኡ ንኣሽቱ ዀይኑ ብቐሊሉ ክዕረ ዝኽእል ኢዩ። ገሊኡ ግን ብፍላይ ንኽትፈትሖ ብዙሕ ጻዕሪ ገይርካ ኽነስኻ እቲ ጌጋ ምርዳእ ምስ ዝቕጽል ተስፋ ዘቝርጽ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ካልኦት ብጌጋ ክርድኡኻ ዝኽእሉ ስለምንታይ ኢዮም፧ ግጉይ ምርዳእ ነቶም ዝምልከቶም ሰባት ብኸመይ ኢዩ ዝትንክፎም፧ ንዝገበርካዮ ነገር ካልኦት ብጌጋ ምስ ዝርድእዎ እንታይ ክትገብር ምኸኣልካ፧ ካልኦት ብዛዕባኻ ዘለዎም ኣመለኻኽታ ብሓቂ ዘገድስዶ ኢዩ፧

ክትኣልዮ ዘይትኽእል ክውንነት

ሰባት ሓሳባትናን ድራኸታትናን ከንብብዎ ስለ ዘይክእሉ ውዒሎም ሓዲሮም ንቓላትናን ተግባራትናን ካልእ ትርጕም ክህብዎ ይኽእሉ ኢዮም። ካልኦት ብጌጋ ከም ዝርድኡኻ ክገብር ዝኽእል ብዙሕ ኵነታት ኣሎ። ሓድሓደ ግዜ ሓሳባትና ከምቲ ዝድለ ኣነጺርና ብልክዕ ኣይነመሓላልፎን ኢና። ኣብቲ ኸባቢ ዘሎ ድምጽን ካልእ ዕንቅፋታትን እቶም እንዛረቦም ዘሎና ሰባት ምሉእ ኣቓልቦ ገይሮም ንኸይሰምዑና ክዓግቶም ይኽእል ኢዩ።

ገሊኡ ተግባራትን ባህርያትን ከኣ ብቐሊሉ ብኻልእ ክትርጐም ዝኽእል ኢዩ። ንኣብነት: ሓደ ሓናኽ ሰብ ዘይምቕሉል: ብሰብ ዘይግደስ ወይ ዕቡይ ይበሃል ይኸውን። ሕሉፍ ብሕታዊ ተመክሮታት ንገለ ዅነታት ምኽንያታዊ ዝዀነ ምላሽ ኣብ ክንዲ እትህበሉ ስምዒታዊ ምላሽ ከም እትህበሉ ኽገብር ይኽእል ኢዩ። ናይ ባህልን ቋንቋን ፍልልያት ሰባት ንሓድሕዶም ከምቲ ዝድለ ገይሮም ንኸይረዳድኡ ምኽንያት ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚውን ርጡብ ዘይኰነ ጸብጻብን ሕሜትን ምስ ዝህሉ: ንእተባህለ ወይ እተገብረ ነገራት ዝወሃቦ ትርጕም ካብቲ ናይ መጀመርታ እማመ ፍልይ ዝበለ ዀይኑ እንተ ተረኽበ ከገርመና የብሉን። ሓቂ ኢዩ: ኵሉ እዚ እተጠቕሰ ነገራት ነቶም ድራኸታቶም ዘይትርጉሙ እተዋህቦ ኰይኑ ዝስምዖም ሰባት ብዙሕ ኣየጸናንዖምን ይኸውን።

ንኣብነት: ኣና ብግርህነት መሓዝኣ ክሳዕ ክንደይ ህብብቲ ምዃና ብድሕሪኣ ተዛረበት። እቲ ዝሃበቶ ርእይቶ ዘይትርጉሙ ተዋሂብዎ ተወርየ እሞ መሓዝኣ ሓደ ዝፈልጥኦ ወዲ ይግደሰላ ስለ ዝነበረ ብእኡ ከም ዝቐንኣትላ ገይራ ብምትርጓም ኣብ ቅድሚ ሓያለይ ካልኦት ወቐሰታ። እቲ ኣና ዝሃበቶ ርእይቶ ምሉእ ብምሉእ ብኻልእ ስለ እተተርጐመ: ዘረባኣ ክፍኣት ከም ዘይብሉ ንምርግጋጽ እተገብረ ዅሉ ጻዕሪ ኸንቱ ዀይኑ ተረፈ። እቲ ዅነታት እቲ ጠንቂ ዓቢ ማህሰይቲ ኢዩ ዀይኑ። ኣና ነቲ እተፈጥረ ዘይምርድዳእ ምሉእ ብምሉእ ክሳዕ እተደቅሶ ብዙሕ ግዜ ኢዩ ወሲዱላ።

ካልኦት ብዛዕባኻ ዝህብዎ ገምጋም ኣብቲ ንድራኸታትካ ዘለዎም ምርዳእ እተመርኰሰ ኢዩ። ስለዚ እምበኣር ሰባት ንድራኸኻ ብጌጋ ምስ ዝትርጕምዎ ሕማቕ ክስምዓካ ባህርያዊ ኢዩ። ሰባት ብዘይምኽንያት ኢዮም ብጌጋ ዝርድኡኒ ዘለዉ ኢልካ ትቝጣዕ ትኸውን። እዚ ገምጋም እዚ ብኻልእ ተመሊኦም ዝበልዎ: መሰረት ዘይብሉ ወቐሳ: ወይ ምሉእ ብምሉእ ጌጋ ዀይኑ ክስምዓካ ይኽእል ኢዩ። ብፍላይ ንርእይቶ ናይቶም ብጌጋ እተረድኡኻ ሰባት ኣርዚንካ ትርእዮ እንተድኣ ዄንካ ኣጸቢቑ ክሃስየካ ይኽእል ኢዩ።

ካልኦት ብዛዕባኻ ዝሓስብዎ ነገራት ከቘጥዓካ ዝኽእል እኳ እንተዀነ ናይ ካልኦት ርእይቶ ምኽባር ግን ግቡእ ኢዩ። ካልኦት ዝሓስብዎ ዕሽሽ ክትብሎ ክርስትያናዊ ኣይኰነን: ቃላትናን ተግባራትናን ኣብ ካልኦት ሰባት ጐዳኢ ሳዕቤን ክህልዎ እውን ፈጺምና ኣይንደልን ኢና። (ማቴዎስ 7:⁠12፣ 1 ቈረንቶስ 8:⁠12) ስለዚ ሓድሓደ ግዜ ነቲ ኻልኦት ብዛዕባኻ ዘሕደርዎ ግጉይ ምርዳእ ንምዕራይ ጻዕሪ ምግባር ክሓተካ ይኽእል ኢዩ። ይኹን እምበር: ተቐባልነት ንምርካብ ብዙሕ ምጭናቕ ኣወንታዊ ውጽኢት የብሉን: ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻ ዘሎካ ግቡእ ኣኽብሮት ከም እተጥፍእ ወይ እተነጸግካ ኰይኑ ከም ዝስምዓካ ዝገብር ኢዩ። ልዕሊ ዅሉ ድማ እቲ ናይ ሓቂ እንታይነትካ ኣብቲ ኻልኦት ብዛዕባኻ ዝሓስብዎ እተመርኰሰ ኣይኰነን።

በቲ ሓደ ሸነኽ ድማ እቲ ኣንጻርካ ዝወሃብ ነቐፌታ ኣብ ብቑዕ ምኽንያት እተመርኰሰ ዀይኑ ትረኽቦ ትኸውን። እዚ እውን እንተዀነ ጭንቀት ክፈጥረልካ ይኽእል ኢዩ። ይኹን እምበር ነቲ ናይ ገዛእ ርእስኻ ዘይፍጽምና ብፍታውን ብቕንዕናን ኣፍልጦ ምስ እትህበሉ: እቲ ዘድሊ ለውጢ ንኽትገብር ስለ ዝድርኸካ እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ተመክሮ ንጥቕምኻ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።

ኣሉታዊ ሳዕቤን

ግጉይ ምርዳእ ከቢድ ሳዕቤን ክህልዎ ወይ ከይህልዎ ይኽእል ኢዩ። ንኣብነት: ሓደ ሰብ ኣብ ቤት መግቢ ዓው ኢሉ ክዛረብ ከሎ ትሰምዖ እሞ እዚ ሰብ እዚ ቅጭጭ ዘይብሎ ወይ ከኣ ኣቓልቦ ኻልኦት ክስሕብ ዝደሊ ገይርካ ትወስዶ ትኸውን። ምናልባት ግን ተጋጊኻ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። እቲ ንሱ ዝዛረቦ ዘሎ ሰብ ናይ ምስማዕ ጸገም ዘለዎ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ወይ ከኣ ሓንቲ ተሓዚት መዝገብ ተጸዊጋ ትህሉ ትኸውን: ምኽንያቱ ግን ስለ እተጸልኣ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ሽሕኳ እዚ ግጉይ ምርዳእ እዚ ኣሉታዊ ስምዒት ዘሕድር እንተዀነ ከቢድ ወይ ነባሪ ሳዕቤን ግን የብሉን። ሓድሓደ ግዜ ግን ጌጋ ምርዳእ ምሕዳር ጐዳኢ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ኣብ ታሪኽ ጥንታዊት እስራኤል እተፈጸመ ክልተ ኣብነት ንርአ።

ናሓሽ: ንጉስ ዓሞን: ምስ ሞተ ዳዊት ነቲ ኣብ ክንዲ ኣቦኡ ክነግስ ጀሚሩ ዝነበረ ሓኑን ንኸጸናንዖ ኢሉ ልኡኻት ሰደደሉ። ይኹን እምበር: ምብጻሕ ናይቶም ልኡኻት ንምድሪ ዓሞን ክስልዩ ኢሎም ብጽልኢ ከም ዝመጹ ገይርካ ብጌጋ ስለ እተተርጐመ: ሓኑን መጀመርታ ነቶም ልኡኻት ከዋርዶም: ድሕሪኡ ኸኣ ምስ እስራኤል ክዋጋእ ተደረኸ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ ብውሕዱ 47,000 ሰባት ሞቱ: ኵሎም ብሰንኪ እቲ ንቕኑዕ ድራኸ እተዋህቦ ግጉይ ምርዳእ ኢዮም ሞይቶም።​—⁠1 ዜና መዋእል 19:⁠1-19

ኣብ ታሪኽ እስራኤል ኣቐድም ኣቢሉ ዘጋጠመ ጌጋ ምርዳእ እውን ነይሩ ኢዩ። እዚ ግን ብፍልይ ዝበለ መገዲ ኢዩ ተፈቲሑ። ነገድ ሮቤልን ጋድን ፈረቓ ነገድ ምናሴን ኣብ ስግር ርባ ዮርዳኖስ ሓደ ዓቢ መሰውኢ ሃነጹ። እቶም ዝተረፉ ነገድ እስራኤል ነዚ ተግባር እዚ ጥልመት ወይ ኣንጻር የሆዋ ምዕላው ከም ዝዀነ ገይሮም ወሰድዎ። ወተሃደራዊ ስጕምቲ ኽወስዱ ድማ ተዳለዉ። ከቢድ ስጕምቲ ቕድሚ ምውሳዶም ግን በቲ ዘይተኣማንነት ገይሮም እተረድእዎ ተግባር ከም እተቘጥዑ ንምግላጽ ልኡኻት ሰደዱ። ከምኡ ምግባሮም ከኣ ሰናይ ኢዩ ነይሩ: ከመይሲ እቶም ነቲ መሰውኢ ዝሃነጽዎ ሰባት ካብ ንጹህ ኣምልኾ ምዕላው ዝብል ድራኸ ፈጺሙ ከም ዘይነበሮም ኢዮም ምላሽ ሂቦም። ብኣንጻሩ እኳ ድኣ እቲ መሰውኢ ኣብ የሆዋ ንዝነበሮም ተኣማንነት ከም መዘኻኸሪ ክኸውን ኢሎም ኢዮም ሃኒጾምዎ። ብሰንኪ እዚ ግጉይ ምርዳእ እዚ ድማ ብዙሕ ህይወት ምጠፍአ ነይሩ: ጥበብ ግን እዚ ሳዕቤን እዚ ከም ዘይመጽእ ገበረት።​—⁠እያሱ 22:⁠10-34

ነቲ ጕዳይ ብፍቕሪ ኣደቅሶ

ነዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ክልተ ጸብጻባት ምንጽጻሩ ሃናጺ ኢዩ። ነቲ ጕዳይ ምንጻሩ ኸኣ ምስትውዓል ምዃኑ ርዱእ ኢዩ። ኣብቲ ዝረኣናዮ ዳሕረዋይ ታሪኽ እቶም ክልተ ወገናት ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ብምዝርራቦም ጥራይ ክንደይ ዝኣክል ህይወት ካብ ጥፍኣት ከም ዝደሓነ እሞ ሕስብ ኣብሎ! መብዛሕትኡ ግዜ ንሓደ ሰብ እቲ ናይ ሓቂ ድራኸኡ ብዘይምርዳእካ ኣብ ሓደጋ ዝወድቕ ህይወት ሰብ እኳ እንተ ዘይሃለወ: ምስቲ ሰብ ዝነበረካ ዕርክነት ግን ኣብ ሓደጋ ክወድቕ ይኽእል ኢዩ። ስለዚ እምበኣር: ሓደ ሰብ ዝበደለካ ዀይኑ እንተድኣ ተሰሚዑካ ነቲ ዅነታት ብሓቂዶ ተረዲእካዮ ኢኻ ወይስ ብጌጋ ኢኻ ተርጒምካዮ፧ እቲ በዲሉኒ እትብሎ ዘሎኻ ሰብ ድራኸኡ እንታይ ኢዩ ነይሩ፧ ሕተቶ። ብጌጋ እተረዳኣካ ኰይኑ ይስምዓካዶ ኢዩ፧ ተዘራረበሉ። ኒሕ ሒዙካ ካብ ምዝርራብ ኣይትቈጠብ።

የሱስ ንዘይምርድዳእ ከተደቅሰሉ ዘኽእል ጽቡቕ ምኽሪ ሂቡ ኣሎ:- “እምበኣርከ መባእካ ናብ መሰውኢ እንተ ኣምጻእካ: ሓውካ ሐዚኑልካ ምህላዉ ኸኣ ኣብኡ እንተ ሐሰብካ: ነቲ መባእካ ኣብኡ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ ሕደጎ: ኪድ: ቅድም ምስቲ ሓውካ ተዐረቕ: ደሓር ድማ ተመሊስካ መባእካ ኣቕርብ።” (ማቴዎስ 5:⁠23, 24) ስለዚ እቲ ኽግበር ዘሎዎ ግቡእ ነገር ንኻልኦት ከይጸንበርካ ነቲ ሰብ ብብሕቲ ቐሪብካ ምዝራብ ኢዩ። እቲ በዳሊ ነቲ ጕዳይ ካብ ካልእ ሰብ እንተድኣ ሰሚዕዎ ነቲ ነገር መሊሱ ኢዩ ዘግድዶ። (ምሳሌ 17:⁠9) ሸቶኻ ብመንፈስ ፍቕሪ ገይርካ ሰላም ንምፍጣር ክኸውን ኣለዎ። ነቲ ግድል ህድእ ኢልካ ብንጹር: ፈኲስ: ዘይወቅስ ቃላት ገይርካ ግለጾ። እቲ ዘጋጠመ ዅነታት እንታይ ስምዒት ከም ዘሕደረልካ ግለጸሉ። ነቲ ንሱ ዝህቦ ሓሳባት እውን ተጠንቂቕካ ስምዓዮ። ብሃወኽ ግጉይ ድራኸ ኸም ዘለዎ ገይርካ ኣይትሕሰብ። ብግርህነት እተገብረ ምዃኑ ምስ ዝገልጸልካ እመኖ። ፍቕሪ “ኵሉ ትኣምን” ምዃና ኣይትረስዕ።​—⁠1 ቈረንቶስ 13:⁠7

ርግጽ ኢዩ እቲ ጕዳይ ምስ ደቀሰ እውን ከይተረፈ: ገና ስምዒት ክህሰ ወይ ቀጻሊ ዝዀነ ኣሉታዊ ሳዕቤናት ክህሉ ከም ዝኽእል ፍሉጥ ኢዩ። እንታይ ክግበር ምተኻእለ፧ ነቲ ነገር ንምድቃስ እትወስዶ ምኽንያታዊ ስጕምትታት ኣድላዪ ክኸውን ከሎ ብቕንዕና ይቕረታ ምሕታት እውን ግቡእ ኢዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት እቲ እተበደለ ሰብ ነቲ ከምዚ ዝስዕብ ዝብል መንፈስ ዝነፈሶ ምኽሪ ክስዕቦ የድሊ:- “ንሓድሕድኩም እናተጻወርኩም: እቲ ሓደ ኣብቲ ሓደ ኽሲ እንተለዎ: ይቕረ ተበሃሀሉ። ከምቲ ክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም: ንስኻትኩምውን ከምኡ ይቕረ በሉ። ኣብ ልዕሊ እዚ ዅሉውን ፍቕሪ: ማእሰር ፍጻሜ እያ እሞ: ልበስዋ።”​—⁠ቈሎሴ 3:⁠13, 14፣ 1 ጴጥሮስ 4:⁠8

ዘይፍጹማት ክሳዕ ዝዀንና ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ከጋጥምን ስምዒትና ክጉዳእን ይኽእል ኢዩ። ዝዀነ ይኹን ሰብ ሓልዮት ብዘይብሉ ወይ ከኣ ጭካነ ዘለዎ ብዝመስል መገዲ ጌጋ ክፍጽም ወይ ክዛረብ ይኽእል ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል:- “ኵላትና ብብዙሕ ነገር ንስሕት ኢና እሞ: ሓደ ብቓል ዘይስሕት እንተሎ: ንሱ ንብዘሎ ስጋኡ ኺለጕም ዚከኣሎ: ብቑዕ ሰብኣይ እዩ።” (ያእቆብ 3:⁠2) የሆዋ ኣምላኽ ነዚ ኣጸቢቑ ስለ ዝፈልጦ: እዚ ዝስዕብ መምርሒ ሂቡና ኣሎ:- “ኵራ ኣብ ውሽጢ ዓያሱ እዩ መሕደሪኡ እሞ: ብመንፈስካ ንዅራ ኣይትተሃወኽ። ንስኻውን ብዙሕ ጊዜ ንኻልኦት ከም ዝረገምካ: ልብኻ ይፈልጥ እዩ እሞ: ባርያኻ ኺረግመካ ኸሎ ኸይትሰምዕሲ: ንዚዝረብ ዘበለ ዅሉ ቓላት ኣይተቕልበሉ።”​—⁠መክብብ 7:⁠9, 21, 22

“እግዚኣብሄር እዩ ልቢ ዚመዝን”

ካልእ ሰብ ብዛዕባኻ ንዘለዎ ሕማቕ ርእይቶ ኸተዐርዮ ዘይክኣል ኰይኑ ምስ ዝስምዓካኸ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧ ተስፋ ኣይትቝረጽ። ብእተኻእለካ መጠን ክርስትያናዊ ባህርያት ምዅስኳስን ምንጽብራቕን ቀጽል። ኣብቲ ከተመሓይሸሉ ዘሎካ መዳያት የሆዋ ክሕግዘካ ለምኖ። እቲ ኸም ሰብ መጠን ዘሎካ ዋጋ ብኣውራኡ ብኻልኦት ሰባት ዝውሰን ኣይኰነን። የሆዋ ጥራይ ኢዩ ልክዕ ገይሩ “ልቢ ዚመዝን።” (ምሳሌ 21:⁠2) ሰባት ንየሱስ እኳ ከይተረፈ ኣትሒቶም ርእዮምዎን ንዒቖምዎን ኢዮም። እዚ ግን ነቲ የሆዋ ኣብኡ ዝነበሮ ኣመለኻኽታ ክጸልዎ ኣይክኣለን። (ኢሳይያስ 53:⁠3) ካልኦት ብዛዕባኻ ግጉይ ኣመለኻኽታ እኳ እንተለዎም: የሆዋ ከም ዝርድኣካ ብምትእምማን ‘ልብኻ ከተፍስሰሉ’ ትኽእል ኢኻ: ምኽንያቱ ድማ “እግዚኣብሄርሲ ሰብ ከም ዚርእዮ ኣይርእን: ሰብ ነቲ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዘሎ እዩ ዚርኢ: እግዚኣብሄር ግና ልቢ እዩ ዚርኢ።” (መዝሙር 62:⁠8፣ 1 ሳሙኤል 16:⁠7) ሰናይ ዘበለ ንምግባር ትጸንዕ እንተድኣ ዄንካ እቶም ብዛዕባኻ ግጉይ ርእይቶ ከም ዝህሉ ዝገበሩ ሰባት ድሕሪ ገለ ግዜ ጌጋኦም ተኣሚኖም ኣረኣእያኦም ክቕይሩ ይኽእሉ ኢዮም።​—⁠ገላትያ 6:⁠9፣ 2 ጢሞቴዎስ 2:⁠15

እቲ ኣብ መእተዊ ናይ ዓንቀጽና እተጠቕሰ ኣንቶንዮ ዘኪርካዮዶ ኣሎኻ፧ ትብዕ ኢሉ ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ብምስዓብ ምስ ልዮናርዶ ተዘራረበ እሞ እንታይ ዘቘጥዖ ነገር ከም ዝገበረ ሓተቶ። ፍሪኡኸ እንታይ ነበረ፧ ልዮናርዶ በዚ ደንጽይዎ: ኣንቶንዮ ምንም ዝበደሎ ነገር ከም ዘየለ ብወገኑውን ኣንጻሩ ንምኻድ ኢሉ ዘርኣዮ ጠባይ ከም ዘየለ ብምርግጋጽ መለሰሉ። ሰላምታ ዘየጽገቦ መሲሉ እንተድኣ ተራእይዎ ዀይኑ ድማ ብሓሳብ ተዋሒጡ ነይሩ ክኸውን ከም ዝኽእል ነገሮ። ልዮናርዶ ከይተፈለጦ ንስምዒት ዓርኩ ብምህሳዩ ይቕረታ ሓቲቱ: ነቲ ነገር ስለ እተዘራረበሉ ድማ ንኣንቶንዮ ኣመስገኖ። ኣብ መጻኢ ኣብ ካልኦት ከምኡ ዝኣመሰለ ድራኸ ንኸየሕድር ዝያዳ ክጥንቀቕ ምዃኑ ድማ ነገሮ። እቲ ኣብ መንጎኦም ዝነበረ ወጥሪ ኣልጊሱ እዞም ክልተ ኣዕሩኽ እዚኣቶም ከም ቀደሞም ዝያዳ ክቀራረቡ ኸኣሉ።

ካልኦት ብጌጋ ምስ ዝርድኡኻ ኣየሐጕስን ኢዩ። ይኹን እምበር: ነቲ ጕዳይ ንምድቃስ ዝከኣለካ ዘበለ ዅሉ ብምግባር ነቲ ብዛዕባ ፍቕርን ይቕረ ምባልን ዝገልጽ መሰረታዊ ስርዓታት ኣብ ግብሪ እንተድኣ ኣውዒልካዮ: ንስኻውን ሰናይ ፍረ ክትዓጽድ ኢኻ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣብዚ ዓንቀጽ እዚ ዘሎ ገሊኡ ኣስማት ተቐይሩ ኢዩ።

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ነቲ ጕዳይ ብፍቕሪ ከም ዝድቅስ ምግባሩን ይቕረ ምባልን ዘሐጕስ ውጽኢት ክህልዎ ይኽእል ኢዩ