ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገበር | ኣብ ስድራ ቤትካ ሰላም ምግባር

ኣብ ቤትካ ንዚልዓል ባእሲ ብኸመይ ደው ተብሎ፧

ኣብ ቤትካ ንዚልዓል ባእሲ ብኸመይ ደው ተብሎ፧

ኣብ ስድራ ቤትካ ብቐጻሊ ባእሲ የጋጥም እንተ ኣልዩኸ፧ እዚ ግርጭታት እዚ ምናልባት ብተደጋጋሚ የጋጥምን እናዓበየ ይኸይድን ይህሉ ይኸውን። እዚ ዘይምስምማዕ ብኸመይ ከም ዝጀመረ እውን ኣይትፈልጥን ትኸውን። እንተዀነ ግና ንሓድሕድኩም ትፋቐሩ ኢኹም፣ ሓደ ነቲ ሓደ ኺጐድኦ እውን ኣይደልን እዩ።

ኣብ ስድራ ቤት ናይ ኣረኣእያ ፍልልይ ስለ ዘሎ ጥራይ ሓዳር ይበታተን እዩ ማለት ከም ዘይኰነ ኽትርስዕ የብልካን። ኣብ ቤትካ ሰላም ወይ ምግርጫው ከም ዚህሉ ዚገብር፡ ዘይምርድዳእ ዘይኰነስ እቲ ንዘይምርድዳእ እትሕዘሉ መገዲ እዩ። ኣብ ስድራ ቤትካ ንዚልዓል ባእሲ ኸተወግድ ዚሕግዘካ ገለ ነጥብታት እስከ መርምር።

1. ዓጸፌታ ኣይትመልስ።

ክርክር፡ እንተ ወሓደ ኣብ መንጎ ኽልተ ሰባት እዩ ኺህሉ ዚኽእል፣ ክልቲኦም ኣብ ክንዲ ዚዛረቡ ሓዲኦም ጽን ኢሉ ምስ ዚሰምዕ ግና እቲ ርሱን ቈየቛ ኺሃድእ ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ዜቘጥዕ ነገር ኬጋጥመካ ኸሎ ነቲ ዓጸፌታ ንኽትምልስ ዚደፋፍኣካ ስምዒት ኣሰንፎ። ርእስኻ ብምግታእ ግቡእ ርእሰ ኣኽብሮት ዓቅብ፡ ክብረትካ ድማ ሓሉ። ኣብ ክርክር ካብ ምርታዕ ንላዕሊ ሰላም ስድራ ቤትካ ዝያዳ ኸም ዜገድስ ኣይትረስዕ።

“ዕጨይቲ እንተ ተወድኤ፡ ሓዊ ይጠፍእ፡ ሓማዪ እንተ ዘየሎ ኸኣ ባእሲ ይውዳእ።”ምሳሌ 26:20

2. ንስምዒታት ኣባል ስድራ ቤትካ ተረድኣሉ።

ንብጻይካ ብኣቓልቦን ብድንጋጽን ብምስማዕ ከምኡ እውን ንዘረባኡ ብዘይምዅላፍ ወይ ኣቐዲምካ ብዘይምፍራድ፡ ቍጥዓ ኸተህድእን ሰላም ክትዕቅብን ትኽእል ኢኻ። ሕማቕ ድራኸ ኸም ዘለዎ ጌርካ ኣብ ክንዲ እትድምድም ስምዒታቱ ተረድኣሉ። እቲ ዝገበሮ ነገራት ብሰንኪ ዘይፍጽምና ኪኸውን ስለ ዚኽእል ብተንኰል ከም ዝገበሮ ጌርካ ኣይትርኣዮ። ጐዳኢ ዘረባ እውን እንተ ተዛረበ፡ ብሕሱም ወይ ብቒመኛ መንፈስ ተላዒሉ ዘይኰነስ፡ ምናልባት ከይሓሰበ ስለ እተዛረበ ወይ ስምዒቱ ስለ እተጐድአ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

“ልባዊ ርሕራሐ፡ ለውሃት፡ ትሕትና፡ ልእመት፡ ዓቕሊ ልበሱ።”ቈሎሴ 3:12

3. ግዜ ወሲድካ ገዛእ ርእስኻ ኣህድእ።

ቍጥዓኻ ኺግንፍል ምስ ዚጅምር፡ ክሳዕ እትሃድእ ንግዜኡ እልይ ምባል ጥበባዊ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ካብ ቍጥዓኻ ኽሳዕ እትሃድእ ናብ ካልእ ክፍሊ ኽትከይድ ወይ ደገ ወጺእካ ዘወር ክትብል ትኽእል ኢኻ። ከምዚ ኺብሃል ከሎ፡ ምላሽ ንኸይትህብ ክትሕንግድ ወይ ነቲ ነገር ጐሲኻ ኽትሓልፎ ወይ እውን ክትስጕደም ኣሎካ ማለት ኣይኰነን። እኳ ደኣስ፡ እዚ ግዜ እዚ፡ ኣምላኽ ትዕግስትን ምስትውዓልን ምርዳእን ኪህበካ እትጽልየሉ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

“ናብ ምሕርቃም ስኒ ኸይበጽሔ ኻብ ቈየቛ ርሐቕ።”ምሳሌ 17:14

4. እንታይ ከም እትብልን ብኸመይ ከም እትብሎን ተጠንቂቕካ ሕሰበሉ።

ንብጻይካ ዚጐድእ ሃሳዪ ቓላት ኣብ ምምራጽ ምስ እተተኵር፡ ነቲ እተላዕለ ጸገም የጋድዶ እምበር ኣየህድኦን። ስለዚ፡ ነቲ እተጐድአ ስምዒት እተፍቅሮ ሰብ ዜረስርስ ዘረባ ኽትዛረብ ጽዓር። ንብጻይካ ብዛዕባ እቲ ንስኻ ኸምዚ ተሰሚዕዎ ኪኸውን ኣለዎ ኢልካ እትሓስቦ ኣብ ክንዲ እትዛረቦ፡ ብትሕትና ብዛዕባ እቲ ንሱ እተሰምዖ ኺገልጸልካ ሕተቶ፡ ስለቲ ኻብኡ ዝረኸብካዮ ሓገዝ ወይ ምኽሪ ድማ ኣመስግኖ።

“ከም ዚቘርጽ ሰይፊ ገይሩ ዚዛረብ ሰብ አሎ፡ መልሓስ እቶም ጠቢባን ግና ጥዕና እዩ።”ምሳሌ 12:18

5. ዓው ዓው ከይበልካ ሰላም ብዜስፍን መገዲ ተዛረብ።

ናይ ሓደ ኣባል ስድራ ቤት ዓቕሊ ምስኣን፡ ብቐሊሉ ንኻልኦት ኬሕርቖም ይኽእል እዩ። ማዕረ ኽንደይ ሓሪቕካ ኸም ዘለኻ ብዘየገድስ፡ ካብ ምሕጫጭ ወይ ምጽራፍ ወይ እውን ዓው ዓው ምባል ተቘጠብ። ከም “ብዛዕባይ ኣይትግደስን ኢኻ” ወይ “ፈጺምካ ኣይትሰምዓንን ኢኻ” ዝኣመሰለ ጐዳኢ ኽስታት ኣርሕቕ። ኣብ ክንዳኡ፡ ንመጻምድትኻ ሃዲእካ ተግባራቱ ብኸመይ ከም ዝተንከፈካ ግለጸሉ (“. . . ብምግባርካ ተጐዲአ እየ”)። ንብጻይካ ነው ምባልን ምጽፋዕን ብእግሪ ምቕላዕን ኣብ ልዕሊኡ ኻልእ ናይ ዓመጽ ተግባር ምፍጻምን ኣቕሊልካ ዚርአ ኣይኰነን። ምጽራፍን ናይ ንዕቀት ቃላት ምዝራብን ምጕብዕባዕን እውን ብተመሳሳሊ ኸምኡ እዩ።

“ኵሉ ምረትን ቍጥዓን ነድርን ታዕታዕን ጸርፍን ኵሉ ኽፍኣትን ካባኻትኩም ይርሓቕ።”ኤፌሶን 4:31

6. ይቕረታ ንምሕታት ቅልጡፍ ኩን፣ ነቲ ዅነታት ንምዕራይ እንታይ ክትገብር ከም ዝሓሰብካ ድማ ግለጽ።

ኣሉታዊ ስምዒታት፡ ቀንዲ ሸቶኻ ሰላም ምግባር ምዃኑ ኸም እትርስዕ ኪገብረካ ኣይተፍቅደሉ። ንስኻን ብጻይካን እንተ ተባኢስኩም፡ ክልቴኹም ኢኹም እትኸስሩ። ሰላም እንተ ጌርኩም ድማ ክልቴኹም ኢኹም እትዕወቱ። ስለዚ፡ በቲ ዘጋጠመ ባእሲ ብኸፊሉ ተሓታቲ ምዃንካ ተኣመን። ዋላ እውን ጌጋ ኸም ዘይብልካ ርግጸኛ እንተ ዀንካ፡ ብምቝጣዕካን ብኣገባብ ኣዘራርባኻን ወይ ብዘይፍላጥ ኣብቲ ባእሲ ኣበርክቶ ብምግባርካን ይቕረታ ኽትሓትት ትኽእል ኢኻ። ካብ ኣብ ክርክር ምዕዋት ወይ ናይ ገዛእ ርእስኻ ኽብሪ ንላዕሊ፡ ሰላማዊ ርክብ ምህላው እዩ ዝያዳ ዜገድስ። ሓደ ሰብ ይቕረታ ምስ ዚሓተካ፡ ይቕረ ንምባል ቅልጡፍ ኩን።

“ኪድ ተደፊእካ ንብጻይካ ለምኖ።”ምሳሌ 6:3ትርጉም 1990።

እቲ ኽርክር ደው ድሕሪ ምባሉ ኣብ ስድራ ቤትካ ሰላም ንምስፋን እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ እዛ እትቕጽል ዓንቀጽ ነዚ ኽትገልጽ እያ።