ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ ከባቢ ዓለም

ኣትኵሮ ኣብ ኤውሮጳ

ኣትኵሮ ኣብ ኤውሮጳ

እታ ሓደ እዋን ኣዝያ ሃይማኖታዊት ዝነበረት ኤውሮጳ፡ ኣብዚ ግዜ እዚ ብሓፈሻ ሃይማኖታዊት ኣይኰነትን። ይኹን እምበር፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ዝቐረበ ጸብጻባት ዜና ኤውሮጳ ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ ብኸመይ ከም ዚተኣሳሰር የገርመካ ይኸውን።

ድምጺ ኣደ ዘለዎ ጥቕምታት

ኣብ ሚላኖ፡ ኢጣልያ ዚርከቡ ተመራመርቲ፡ እቶም ቅድሚ ግዜኦም እተወልዱ እሞ፡ ኣብ ሕክምና ኸለዉ ኣብ ጉምቦ ኢዶም ብእተኣስረሎም መሳርሒ ኣቢሎም ድምጺ ኣዴታቶም ከም ዚሰምዑ እተገብሩ ህጻናት፡ ሓያሎ ጥዕናዊ ጥቕምታት ከም ዝረኸቡ ገለጹ። እዚ ኣገባብ እዚ፡ ነቲ እቲ ናጽላ ኣብ ማህጸን ኣዲኡ ኸሎ ንድምጻ ዜለልየሉ መገዲ ንምቕዳሕ ዝዓለመ እዩ ነይሩ። እቲ መጽናዕቲ፡ “ነቶም ቅድሚ ግዜኦም እተወልዱ ናጽላታት፡ ድምጺ ኣዴታቶም ብኣጋኡ ምርካብ ጠቓሚ ጽልዋ ኣለዎ” ብምባል ደምደመ።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ “ንነፍሰይ ኣህዳእክዋ፡ ስቕ ኣበልክዋ፡ ከም ጡብ ዝሐደገ ሕጻን ኣብ ሕቝፊ ኣዲኡ . . . እያ።”—መዝሙር 131:2

ርእሰ ፍትወት ዜተባብዕ ድዩ፧

ብመሰረት እቲ ኣብ ነዘርላንድስ ን565 ቈልዑ እተገብረ መጽናዕቲ፡ እቶም ብወለዶም “ካብ ካልኦት ቈልዑ ኣዝዮም እተፈልዩ ኸም ዝዀኑን ፍሉይ ክንክን ከም ዚግብኦምን” ዚንገሩ ቘልዑ፡ ካብ መዛኑኦም ሕሉፍ ርእሰ ፍትወት ዘለዎም ኰይኖም ተረኽቡ፣ ናይ ዓብላልነት መንፈስ እውን ኣርእዮም እዮም። ኣካያዲ እቲ መጽናዕቲ፡ “ቈልዑ፡ ወለዶም ካብ ካልኦት ቈልዑ ኣዝዮም እተፈልዩ ኸም ዝዀኑ ምስ ዚነግርዎም ይኣምንዎም እዮም፣ እዚ ኸኣ ንዕኦም ኰነ ንማሕበረ ሰብ ጽቡቕ ኣይኰነን” በለ።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ ‘ነፍሲ ወከፍ ኣብ መንጎኹም ዘሎ፡ ብዛዕባ ርእሱ ኻብቲ ዚግብኦ ኣዕዚዙ ኸይሓስብ፡ የግዳስ፡ ብልብምና ኺሓስብ እብሎ ኣለኹ።’—ሮሜ 12:3

ሚእቲ ዓመት ዝዕድሚኦም ኣወንታውያን ሰባት

ኣብ ዩኒቨርስቲ ሀይደልበርግ ጀርመን ዚርከቡ ተመራመርቲ፡ ልዕሊ ሚእቲ ዓመት ዝዕድሚኦም ሰባት፡ ሕማምን ኣካላዊ ድሩትነት እናሃለዎም ክነሱ ብህይወት ንምንባር ሓያል ባህጊ ኸም ዘለዎም እዮም ዚገልጹ። ካብ ነፍሲ ወከፍ ቃለ መጠይቕ እተገብረሎም ኣርባዕተ ሰባት እቶም ሰለስተ ብህይወት ንምቕጻል ክቱር ባህጊ ኸም ዘለዎምን ብእተኻእሎም መጠን ንህይወት ኬስተማቕርዋ ኸም ዚደልዩን ገሊጾም እዮም። እዚኣቶም፡ ብሕታዊ ሸቶታቶም ዝወቕዑ፡ ኣወንታውያንን ትስፉዋትን ዝዀኑ፡ ምንባር ትርጉም ከም ዘለዎ ዚስምዖም ከምኡ እውን ሃይማኖታውን ስነ ምግባራውን መለክዒታቶም ዝዓቀቡ ሰባት እዮም።

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ከምቲ ኣብ መክብብ 3:11 እተጠቕሰ፡ እቲ ብህይወት ንምቕጻል ዘሎና ተፈጥሮኣዊ ባህጊ እንታይ እዩ ዜርኢ፧