ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ርእይቶ መጽሓፍ ቅዱስ

ቅድሚ መርዓ ዚግበር ጾታዊ ርክብ

ቅድሚ መርዓ ዚግበር ጾታዊ ርክብ

ቅድሚ መርዓ ዚግበር ጾታዊ ርክብ ጌጋ ድዩ፧

“ፍቓድ ኣምላኽሲ . . . ካብ ምንዝርና ኽትርሕቁ እዩ።”1 ተሰሎንቄ 4:3

ሰባት እንታይ ይብሉ፧

ኣብ ገሊኡ ባህልታት፡ ክልተ ዘይተመራዓዉ ሰባት ብስምምዕ ጾታዊ ርክብ እንተ ፈጺሞም፡ ከም ነውሪ ጌርካ ኣይርአን እዩ። ኣብ ገሊኡ ቦታታት እሞ ኸኣ፡ ዘይተመራዓዉ መንእሰያት ገለ ዓይነት ጾታዊ ተግባር ኪፍጽሙ ቕቡል እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

መጽሓፍ ቅዱስ ነታ “ምንዝርና” እትብል ቃል፡ ካብ ሓዳር ወጻኢ ንዚፍጸም ጾታዊ ተግባራት ንምምልካት እዩ ዚጥቀመላ። ኣምላኽ ድማ፡ ኣምለኽቱ ‘ኻብ ምንዝርና ኺርሕቁ’ እዩ ዚጽበዮም። (1 ተሰሎንቄ 4:3) ምንዝርና ማዕረ እቲ ኸም ዝሙትን ጥንቈላን ስኽራንን ኣምልኾ ጣኦትን ቅትለትን ስርቅን ዝኣመሰለ ኸቢድ ሓጢኣት ተጠቒሱ ኣሎ።—1 ቈረንቶስ 6:9, 10፣ ራእይ 21:8

ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ብቐዳምነት፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ‘ኣምላኽ ንኣመንዝራታት ከም ዚፈርዶም’ የጠንቅቐና እዩ። (እብራውያን 13:4) ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ጾታዊ ስነ ምግባር ዝሃቦ ሕጊ እንተ ተኣዚዝናዮ ድማ፡ ንየሆዋ ኣምላኽ ከም እነፍቅሮ ዜርኢ እዩ። (1 ዮሃንስ 5:3) ንሱ ኸኣ ነቶም ንትእዛዛቱ ዚሕልውዎ ይባርኾም እዩ።—ኢሳይያስ 48:18

ዘይተመራዓዉ ሰባት፡ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ጾታዊ ተግባር እንተ ፈጺሞም፡ ከም ርኽሰት ድዩ ዚቝጸር፧

“ምንዝርናን ኵሉ ርኽሰትን ወይስ ስስዐ . . . ኣባኻትኩም ከቶ ኣይሰማዕ።”ኤፌሶን 5:3

ሰባት እንታይ ይብሉ፧

ብዙሓት ሰባት፡ ክልተ ዘይተመራዓዉ ሰባት ጾታዊ ርክብ ክሳዕ ዘይፈጸሙ፡ ካልእ ዓይነት ጾታዊ ተግባር ምፍጻሞም ዋላ ሓንቲ ጌጋ ዘይብሉ ዀይኑ ይስምዖም።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ጾታዊ ርኽሰት ኪገልጽ ከሎ፡ ምንዝርና ጥራይ ዘይኰነስ፡ “ርኽሰትን” “ንውርምናን” እውን ይጠቅስ እዩ። (2 ቈረንቶስ 12:21) ብንጹር እምበኣር፡ ዋላ እውን ጾታዊ ርክብ ኣይገበር፡ ካብ ሓዳር ወጻኢ ዚግበር ኣምላኽ ዚጸልኦ ብዙሕ ዓይነት ጾታዊ ተግባራት ኣሎ ማለት እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ጾታዊ ተግባራት ኣብ መንጎ እቶም እተመርዓዉ ሰብኣይን ሰበይትን ጥራይ እተሓጽረ ምዃኑ እዩ ዚገልጽ። “ህርፋን ፍትወተ ስጋ” እውን ይዅንን እዩ። (1 ተሰሎንቄ 4:5) እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ንሰብኣይ ይኹን ንሰበይቲ ብማዕረ ዚምልከት ሓደ ኣብነት እስከ ንርአ፦ ሓንቲ ሰበይቲ ምስ ዓርካ ጾታዊ ርክብ ከይትፍጽም ቈሪጻ እያ ንበል። ኰይኑ ግና፡ ካልእ ዓይነት ጾታዊ ተግባራት ትፍጽም እያ። ንሳን ዓርካን ከምኡ ምግባሮም፡ ዘይናቶም ዝዀነ ነገር ከም ዚሃርፉ ወይ ከም ዚምነዩ ዜርኢ እዩ። ስለዚ፡ “ብህርፋን ፍትወተ ስጋ” ተሓተትቲ እዮም። ከምዚ ዓይነት ጾታዊ ስስዐ ኸኣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተዀነነ እዩ።—ኤፌሶን 5:3-5

ካብ ጾታዊ ርኽሰት ክትርሕቕ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

“ካብ ምንዝርና ህደሙ።”1 ቈረንቶስ 6:18

ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቶም ቅድሚ መርዓ ጾታዊ ርክብ ዚገብሩ ሰባት፡ ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘለዎም ዕርክነት ኣብ ሓደጋ እዮም ዜእትውዎ።—ቈሎሴ 3:5, 6

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

መጽሓፍ ቅዱስ ንሰባት፡ ‘ካብ ምንዝርና ኺሃድሙ’ እዩ ዚመኽሮም። (1 ቈረንቶስ 6:18) ስለዚ፡ ሓደ ሰብ ብእተኻእሎ መጠን፡ ካብ ዝዀነ ይኹን ናብ ጾታዊ ርኽሰት ኪስሕቦ ዚኽእል ነገር ኪርሕቕ ኣለዎ። (ምሳሌ 22:3) ንኣብነት፡ ብስነ ምግባራዊ መዳይ ንጹህ ምእንቲ ኪኸውን፡ ምስቶም ነቲ ኣምላኽ ንጾታዊ ርክብ ብዚምልከት ዝሃቦ ስርዓት ዕሽሽ ዚብልዎ ሰባት ኪቀራረብ የብሉን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ምስ ጠቢባን ዚመላለስ ጠቢብ ይኸውን፡ ምስ ዓያሱ ዚመሐዞ ግና ሕሱም ይኸውን” ኢሉ እዩ ዜጠንቅቕ።—ምሳሌ 13:20

ንኣእምሮና ብርኹስ ሓሳባት እንተ መሊእናዮ፡ ናብ ጾታዊ ርኽሰት ኪመርሓና ይኽእል እዩ። (ሮሜ 8:5, 6) ስለዚ፡ ካብ ዝዀነ ይኹን ጾታዊ ተግባራት ዜርኢ ወይ ከኣ ካብቲ ንኣምላኽ ዜጕህዮ ጾታዊ ርክብ ዜተባብዕ ሙዚቃን ቪድዮን ጽሑፍን ክትርሕቕ ጥበባዊ እዩ።—መዝሙር 101:3