ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንኣምልኾ ኽንእከብ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

ንኣምልኾ ኽንእከብ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

“ብሕብረት . . . ጸኒዖም ነበሩ።”—ግብ. 2:42

መዝሙር፦ 20, 27

1-3. (ሀ) ክርስትያናት ብሕብረት ኪእከቡ ኸም ዚደልዩ ብኸመይ ኣርእዮም፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።) (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ብዛዕባ እንታይ ክንመያየጥ ኢና፧

ኮሪና ጓል 17 ዓመት ከላ፡ ኣዲኣ ተኣስረት፡ ኣብ ሶቭየት ናብ ዚርከብ ደምበ ሸቕሊ ድማ ተወስደት። ጸኒሓ፡ ኮሪና እውን ካብ ዓዳ ኣሽሓት ኪሎ ሜተራት ርሒቑ ናብ ዚርከብ ሳይበርያ ተወስደት። ኣብኡ ኸኣ ከም ባርያ ኣብ ብርቱዕ ቍሪ ብዘይ እኹል ክዳውንቲ ኣብ ግዳም ክትሰርሕ ትግደድ ነበረት። እዚ ዅሉ ጽንኩር ኵነታት እኳ ተሕልፍ እንተ ነበረት፡ ምስ ካልእ ሓብቲ ዀይና ናብ ሓደ ኣኼባ ጉባኤ ኽትከይድ ቈሪጻ ነበረት።

2 ብዛዕባ እቲ ዝኸደትሉ መገዲ ኽትገልጽ ከላ፡ “ካብቲ እንሰርሓሉ ቦታ ምሸት ብምብጋስ፡ ናብቲ 25 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ዚርከብ መደበር ባቡር ብእግርና ተጓዒዝና። ባቡር ከኣ ሰዓት ክልተ ናይ ለይቲ ነቒላ። ሽዱሽተ ሰዓት ብባቡር ምስ ተጐዓዝና ድማ ናብ ቦታ ኣኼባና ንምብጻሕ 10 ኪሎ ሜተር ብእግርና ተጓዒዝና” ትብል። እዚ ዅሉ ጕዕዞስ ክሒስዋዶ፧ ኮሪና ኸምዚ ትብል፦ “ኣብቲ ኣኼባ፡ ግምቢ ዘብዐኛ ኣጽኒዕና፡ መዝሙራት መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ ዘሚርና። ንዓና ኣዝዩ ሃናጽን እምነት ዜደልድልን ኣጋጣሚ እዩ ነይሩ።” ናብ ስራሕ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ እኳ እንተ ተመልሳ፡ ኣካያዲ ስራሕ እቲ ሕርሻ ግና ኮሪናን ብጸይታን ከም ዘየለዋ እኳ ኣየስተብሃለን።

3 ህዝቢ ኣምላኽ ብሕብረት ንዚገብርዎ ኣኼባ ኣኽቢሮም እዮም ዚርእይዎ። ክርስትያናዊት ጉባኤ ደድሕሪ ምቛማ ኸይወዓለ ኸይሓደረ፡ ብዛዕባ ሰዓብቲ የሱስ “ብሕብረት . . . ጸኒዖም ነበሩ” ዚብል ነንብብ። (ግብ. 2:42) ንስኻ እውን ከማታቶም ኣዘውቲርካ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ክትእከብ ትደሊ ትኸውን። ኰይኑ ግና፡ ንዅሎም ክርስትያናት ዕንቅፋታት የጓንፎም እዩ። ዓለማዊ ስራሕ፡ ብዙሕ ዋኒን፡ ወይ መዓልታዊ ሃለኽለኽ ዜምጽኦ ድኻም ኣብ ኣኼባታት ንምእካብ ኣጸጋሚ ኺገብሮ ይኽእል እዩ። ነዚ ዕንቅፋታት እዚ ሰጊርና ኣብ ኣኼባታት ኣዘውቲርና ንምእካብ እንታይ ኪድርኸና ይኽእል፧ [1] መጽሓፍ ቅዱስ ንእንምህሮም ሰባትን ንኻልኦትን፡ ኣብ ኣኼባታት ምእካብ ዘለዎ ኣገዳስነት ከመይ ጌርና ኸነረድኦም ንኽእል፧ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ንኣምልኾ ብሕብረት ክንእከበሉ ዘሎና ሸሞንተ ምኽንያት ክንርኢ ኢና። ነዚ ምኽንያታት እዚ ኸኣ ኣብዚ ዚስዕብ ሰለስተ ኽፋል ክንከፍሎ ንኽእል ኢና። እዚ ኸኣ፡ ኣብ ኣኼባታት ክትእከብ ከለኻ፡ (1) ንስኻ ብኸመይ ከም እትጽሎ፡ (2) ካልኦት ብኸመይ ከም ዚጽለዉ፡ (3) የሆዋ ብኸመይ ከም ዚጽሎ እዩ። [2]

ንስኻ ብኸመይ ከም እትጽሎ

4. ብሕብረት ምእካብና፡ ብዛዕባ የሆዋ ኽንምሃር ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

4 ኣብ ኣኼባታት ንምሃር። ኵሉ ኣኼባ ጉባኤ ብዛዕባ ኣምላኽና የሆዋ ይምህረና እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ቀረባ እዋን ዳርጋ ንኽልተ ዓመት ዚኸውን፡ ብዙሓት ጉባኤታት ነታ ንየሆዋ ቕረቦ ዘርእስታ መጽሓፍ ኣብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ ኣጽኒዐናኣ እየን። እቲ ኣብ ባህርያት ኣምላኽ እተገብረ መጽናዕቲ፡ ምስቲ ኣሕዋትን ኣሓትን ዚህብዎ ልባዊ ሓሳባት ተደሚሩ፡ ንሰማያዊ ኣቦና የሆዋ ዘሎካ ፍቕሪ ኣየደልደሎንዶ፧ መደረታትን መርኣያታትን ንባብ መጽሓፍ ቅዱስን ብኣቓልቦ ምስ እንሰምዕ እውን፡ ብዛዕባ ቓል ኣምላኽ ዘሎና ፍልጠት ይውስኽ እዩ። (ነህ. 8:8) ንኣብነት፡ ሰሙን ሰሙን ካብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ንዚጐልሕ ነጥብታት ክትዳሎን ኣብኡ ዚቐርብ ሓሳባት ክትሰምዕን ከለኻ፡ እንታይ መንፈሳዊ ሃብቲ ኸም እትረክብ እሞ ሕስብ ኣብሎ።

5. ኣኼባታት ነቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመሃርካዮ ኣብ ግብሪ ንምውዓልን ስብከትካ ንምምሕያሽን ብኸመይ ሓጊዙካ፧

5 ኣብ ኣኼባታት፡ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ከመይ ጌርና ኣብ ኵሉ መዳይ ህይወትና ኣብ ግብሪ ኸም እነውዕሎ ንምሃር ኢና። (1 ተሰ. 4:9, 10) ንኣብነት፡ መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ ንህዝቢ ኣምላኽ ዜድልዮም ትምህርቲ ይህቦም እዩ። መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ ንሸቶታትካ ዳግም ከም እትምርምር፡ ንብጻይካ ክርስትያን ይቕረ ኸም እትብል፡ ወይ ንጸሎትካ ኸም እተመሓይሽ ገይሩካዶ ይፈልጥ፧ ኣብ መንጎ ሰሙን ዚግበር ኣኼባ እውን ንኣገልግሎትና ዕጡቓት ክንከውን ይምህረና እዩ። ከመይ ጌርና ብስራት ከም እንሰብኽን ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት ብውጽኢታዊ መገዲ ኸም እንምህርን ንምሃር ኢና።—ማቴ. 28:19, 20

6. ብኸመይ እዩ ኣኼባታትና ዜተባብዓናን ዜበርትዓናን፧

6 ኣብ ኣኼባታት ንተባባዕ። እዚ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ስርዓት እዚ ኣእምሮኣውን ስምዒታውን መንፈሳውን ድኻም የስዕበልና እዩ። ብኣንጻሩ ግና፡ ኣኼባታት ጉባኤ የተባብዓናን የበርትዓናን እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 15:30-32 ኣንብብ።) ኣብ ሓያሎ ኣኼባታትና፡ ፍጻመ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ንምርምር ኢና። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ እቲ የሆዋ ዘተስፈወና ናይ መጻኢ ተስፋታት ከም ዚፍጸም ዘሎና እምነት ይድልድል እዩ። እቶም ኣብ መድረኽ ኰይኖም ዚዛረቡ ጥራይ ኣይኰኑን ዜተባብዑና። ሓሳባት ዚህቡን ካብ ልቦም ዚዝምሩን ክርስትያናት ብጾትና እውን ይሃንጹና እዮም። (1 ቈረ. 14:26) ቅድሚ ኣኼባን ድሕሪኡን ምስ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክንዛራረብ ከለና ኸኣ፡ ዚፈትዉና ፈተውትና ስለ ዝረኸብና፡ ናይ ሓቂ እፎይታ ይስምዓና።—1 ቈረ. 16:17, 18

7. ምስ ጉባኤ ሓቢርና ኽንእከብ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

7 ኣብ ኣኼባታት፡ መንፈስ ቅዱስ ንረክብ። የሱስ ክርስቶስ፡ “እቲ እዝኒ ዘለዎ፡ እቲ መንፈስ ንጉባኤታት ዚብለን ዘሎ ይስማዕ” ኢሉ እዩ። (ራእ. 2:7) እወ፡ የሱስ ንክርስትያናዊት ጉባኤ ብመንፈስ ቅዱስ ኣቢሉ እዩ ዚመርሓ። ፈተና ምእንቲ ኽንጻረር፡ ንኣገልግሎት ተባዓትን ዕጡቓትን ምእንቲ ኽንከውን፡ ጽቡቕ ውሳነታት ድማ ምእንቲ ኽንገብር፡ መንፈስ ቅዱስ የድልየና እዩ። ነቲ መንፈስ እቲ ንምርካብ፡ ንእንረኽቦ ዘበለ ዅሉ ኣጋጣሚታት፡ እንተላይ ንኣኼባታት ጉባኤ ኽንጥቀመሉዶ ኣይግባእን፧

ካልኦት ብኸመይ ከም ዚጽለዉ

8. ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ምእካብናን ሓሳብ ምሃብናን ምዝማርናን፡ ንኣሕዋትና ዚሕግዞም ብኸመይ እዩ፧ (“ካብ ኣኼባ ኺምለስ ከሎ፡ ወትሩ ጽቡቕ ይስምዖ” ዘርእስታ ሳጹን እውን ርአ።)

8 ኣብ ኣኼባታት ንኣሕዋትና ዘሎና ፍቕሪ ኽንገልጽ ኣጋጣሚ ይኽፈተልና። ብዛዕባ እቲ ገሊኦም ኣብ ጉባኤኻ ዘለዉ ኣሕዋትን ኣሓትን ዝጾርዎ ጸገማት እሞ ኣጸቢቕካ ሕሰብ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ንሓድሕድና ንተሓላለ” ኢሉ ኺጽሕፍ እምበኣር ሓቁ እዩ። ጳውሎስ ቀጺሉ፡ “ኣኼባና ኣይንሕደግ” ብምባል፡ ከመይ ጌርና ኸም እንተሓላለ ገለጸ። (እብ. 10:24, 25፣ እ.ጽ.) ኣብ ኣኼባታት ምእካብካ፡ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትካ ግዜኻን ቈላሕታኻን ሓልዮትካን ዚግብኦም ምዃኑ ኢኻ እተርኢ። ብተወሳኺ፡ እቲ ኻብ ልቢ ዝፈልፈለ ሓሳባትን መዝሙርን፡ ኣመንቲ ንዝዀኑ ብጾትካ የተባብዖም እዩ።—ቈሎ. 3:16

9, 10. (ሀ) ኣብ ዮሃንስ 10:16 ዚርከብ ቃላት የሱስ ከመይ ገይሩ ምስ ኣሕዋትና ምእካብ ዘለዎ ኣገዳስነት ክንርዳእ ከም ዚሕግዘና ግለጽ። (ለ) ኣዘውቲርና ኣብ ኣኼባ ምእካብና፡ ብኣባላት ስድራ ቤቱ ንእተደርበየ ሰብ ክንሕግዝ ዜኽእለና ብኸመይ እዩ፧

9 ኣብ ኣኼባታት ምስ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና ሓድነት ይህልወና። (ዮሃንስ 10:16 ኣንብብ።) የሱስ ንርእሱ ምስ ጓሳ፡ ንሰዓብቱ ድማ ምስ መጓሰ ኣባጊዕ ኣመሳሲሉ ኣሎ። ሕስብ እሞ ኣብሎ፦ ክልተ ኣባጊዕ ኣብ ዅርባ እንተ ኣልየን፡ ክልተ ኣባጊዕ ድማ ኣብ ስንጭሮ እንተ ኣልየን፡ ሓንቲ በጊዕ ከኣ ኣብ ካልእ ትበልዕ እንተ ኣልያ፡ ነተን ሓሙሽተ ኣባጊዕ ከም መጓሰ ጌርና ንርእየን ዲና፧ ብሓፈሻኡ፡ ሓደ መጓሰ ኣባጊዕ ኣብ ትሕቲ ሓልዮት ሓደ ጓሳ ዀይነን ብሓንሳእ እየን ዚጕዓዛ። ብተመሳሳሊ፡ ኰነ ኢልና ገዛእ ርእስና እንተ ፈሊና፡ ንጓሳና ኽንስዕቦ ኣይንኽእልን ኢና። ክፍሊ እተን “ጓሳአን . . . ሓደ” ዝዀነ “ሓደ መጓሰ” ንምዃን ምስ ካልኦት ክርስትያናት ብሓባር ክንእከብ ኣሎና።

10 ኣብ ኣኼባታት ክንእከብ ከለና፡ ንሓድነት ሕውነትና ኣበርክቶ ንገብር ኢና። (መዝ. 133:1) ገሊኦም ክርስትያን ብጾትና፡ ብወለዶምን ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ተሰጒጎም እዮም። የሱስ ግና ዜፍቅርዎምን ዚሓልዩሎምን መንፈሳውያን ስድራ ቤት ከም ዚህቦም ቃል ኣትዩሎም እዩ። (ማር. 10:29, 30) ኣዘውቲርና ኣብ ኣኼባታት ክንእከብ ከለና፡ ንኸምዚኣቶም ዝበሉ ፍቕራት ብጾትና፡ ኣቦ፡ ኣደ፡ ሓው፡ ወይ ሓብቲ ኽንኰኖም ንኽእል ኢና። እዝስ ኣብ ኣኼባታትና ንምእካብ ዚከኣለና ዘበለ ኽንገብር ኪድርኸናዶ ኣይግባእን፧

የሆዋ ብኸመይ ከም ዚጽሎ

11. ኣብ ኣኼባታት፡ ንየሆዋ ዚግብኦ ኽንህቦ ኣጋጣሚ ዚኽፈተልና ብኸመይ እዩ፧

11 ኣብ ኣኼባ፡ ንየሆዋ ዚግብኦ ንህቦ። የሆዋ ፈጣሪና ብምዃኑ፡ ውዳሰን ግርማን ምስጋናን ክብርን ይግብኦ እዩ። (ራእይ 7:12 ኣንብብ።) ኣብ ኣኼባና ብዛዕባ የሆዋ ኽንጽልን ክንዝምርን ክንዛረብን ከለና፡ እቲ ኣጸቢቑ ዚግብኦ ኣምልኾ ኢና እንህቦ ዘለና። ነቲ ኣዝዩ ብዙሕ ዝገበረልና ኣምላኽ ክብሪ ምሃብ ዓብዪ መሰል እዩ።

12. ነቲ ኣብ ኣኼባታት ክንእከብ እተዋህበና ትእዛዝ ክንሕሉ ኸለና፡ የሆዋ ኸመይ ይስምዖ፧

12 የሆዋ ተኣዛዝነትና እውን ይግብኦ እዩ። ብፍላይ ኣብ ግዜ መወዳእታ ኣኼባና ኸይንሓድግ ኣዚዙና እዩ። ነቲ ትእዛዝ እቲ ፈቲና ምስ እንእዘዞ፡ የሆዋ ባህ ይብሎ እዩ። (1 ዮሃ. 3:22) ሰሙን ሰሙን ኣብ ኣኼባ ኽንእከብ እንገብሮ ጻዕሪ የስተብህለሉን ኣኽቢሩ ይርእዮን እዩ።—እብ. 6:10

13, 14. ኣብ ኣኼባታት፡ ንየሆዋን ንየሱስን እንቐርቦም ብኸመይ ኢና፧

13 ኣብ ኣኼባ ምስ እንእከብ፡ የሆዋ ንዕኡን ንወዱን ክንቀርቦም ከም እንደሊ ይርኢ። ኣብ ኣኼባና፡ እቲ ዓብዪ መምህርና ብቓሉ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ ይምህረና እዩ። (ኢሳ. 30:20, 21) ኣብ ኣኼባና እተኣከቡ ዘይኣመንቲ እኳ፡ “ኣምላኽ ብሓቂ ኣብ መንጎኹም እዩ” ኢሎም ኪድምድሙ ይኽእሉ እዮም። (1 ቈረ. 14:23-25) የሆዋ ንኣኼባታትና ብመንፈስ ቅዱሱ ገይሩ ይባርኾ፡ ነቲ ቕዱስ ጽሑፋዊ ትምህርቲ ድማ ብንጥፈት ይመርሖ እዩ። እምበኣር፡ ኣብ ኣኼባታትና ድምጺ የሆዋ ንሰምዕ፡ ፍቕራዊ ሓልዮቱ ኸኣ ንርኢ ኢና። በዚ ኸምዚ፡ ንዕኡ ንቐርቦ ኢና።

14 ሓደ ግዜ የሱስ፡ “ክልተ ወይ ሰለስተ ዀይኖም ብስመይ ኣብ እተኣከቡሉ፡ ኣነ ኣብ ማእከሎም እየ” በለ። (ማቴ. 18:20) እዚ የሱስ እተዛረቦ መሰረታዊ ስርዓት፡ ንኣኼባታትና እውን ዚምልከት እዩ። ክርስቶስ ርእሲ ጉባኤ ስለ ዝዀነ፡ “ኣብ መንጎ” ጉባኤታት ህዝቢ ኣምላኽ ‘ይመላለስ’ እዩ። (ራእ. 1:20–2:1) ሕስብ እሞ ኣብሎ! የሆዋን የሱስን ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታትና ብንጥፈት የበርትዑና እዮም። የሆዋ ነቲ ንዕኡን ንወዱን ክንቀርቦም ዘሎና ህንጥዮት ኪርእዮ ኸሎ ኸመይ ዚስምዖ ይመስለካ፧

15. ናብ ኣኼባታት ምኻድና፡ ንኣምላኽ ክንእዘዞ ኸም እንደሊ ዜርኢ ብኸመይ እዩ፧

15 ኣብ ኣኼባ ምእካብና፡ ንልዑላውነት ኣምላኽ ከም እንድግፍ የርኢ። የሆዋ ኣብ ኣኼባታት ክንእከብ እኳ እንተ ኣዘዘና፡ ከምኡ ኽንገብር ግና ኣየገድደናን እዩ። (ኢሳ. 43:23) ስለዚ፡ ንትእዛዙ ኽንእዘዝ ከለና፡ ንየሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ካብ ልቢ ኸም እነፍቅሮን ንግዝኣቱ ኽሳዕ ክንደይ ከም እንድግፍን ኢና እነርኢ። (ሮሜ 6:17) ንኣብነት፡ ኣስራሒና ምእንቲ ዓለማዊ ስራሕና ኢልና ኣዘውቲርና ኻብ ምእካብ ክንበኵር ጸቕጢ ይገብረልና ይኸውን። ወይ ድማ ተጻራሪ መንግስቲ፡ ንኣምልኾ እንተ ተኣኪብና፡ መቕጻዕቲ፡ ማእሰርቲ፡ ወይ ካብኡ ዝገደደ ነገር ከም ዜስዕበልና የጠንቅቐና ይኸውን። ወይ ከኣ ኣብ ኣኼባ ኣብ ክንዲ እንእከብ፡ ክንዘናጋዕ ንፍተን ንኸውን። ኣብ ኵሉ እዚ ዅነታት እዚ፡ ‘ንመን ኢና እነገልግል፧’ ዚብል ምርጫ እዩ ዚቐርበልና። (ግብ. 5:29) ንልዑላውነት የሆዋ ኽንድግፍ ምስ እንውስን፡ ንልቡ ነሐጕሶ ኢና።—ምሳ. 27:11

ኣብ ኣኼባታት እናተኣከብካ ጸኒዕካ ንበር

16, 17. (ሀ) ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ንኣኼባታቶም ኣዝዮም ኣኽቢሮም ይርእይዎ ኸም ዝነበሩ ኸመይ ጌርና ንፈልጥ፧ (ለ) ሓውና ጆርጅ ጋንገስ ብዛዕባ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ከመይ ይስምዖ ነበረ፧

16 እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ድሕሪ እቲ ብጰንጠቈስጠ 33 ድ.ክ. ዝዀነ ዜደንቕ ተኣምር፡ ንሓጺር እዋን ጥራይ ኣይኰነን ዚእከቡ ዝነበሩ። የግዳስ፡ “ብትምህርቲ ሃዋርያትን ብሕብረትን . . . ጸኒዖም ነበሩ።” (ግብ. 2:42) እታ “ጸኒዖም ነበሩ” ተባሂላ እተተርጐመት ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ ከም እተጻወሩ ወይ ብብርቱዕ ጻዕሪ ኸም ዝጸንዑ ትእምት እያ። እቶም ክርስትያናት እቲኦም ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ሮሜ ስለ ዝነበሩ፡ ካብ መራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ ድማ ተቓውሞ የጋጥሞም ብምንባሩ፡ ንዓታቶም ኣብ ኣኼባታት ምእካብ ቀሊል ኣይነበረን። ይኹን እምበር፡ ጸኒዖም እዮም።

17 ብዙሓት ኣብዚ ግዜና ዚርከቡ ኣገልገልቲ የሆዋ ንክርስትያናዊ ኣኼባታትና ዘለዎም ልዑል ኣኽብሮት ኣርእዮም እዮም። ኣብ ኣመሓዳሪ ኣካል ልዕሊ 22 ዓመት ዘገልገለ ጆርጅ ጋንገስ፡ “ምስ ኣሕዋት ምእካብ፡ ንዓይ ሓደ ኻብቲ ኣብ ህይወተይ ልዕሊ ዅሉ ባህ ዚብለንን ምንጪ መተባብዒ ዚዀነለይን እዩ። እንተ ተኻኢሉ፡ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ካብቶም ቀዳሞት ዚመጹን ካብቶም ዳሕሮት ዚወጹን ምዃን እፈቱ እየ። ምስ ህዝቢ ኣምላኽ ክዛራረብ ከለኹ፡ ውሽጣዊ ሓጐስ ይስምዓኒ እዩ። ኣብ መንጎኦም ክኸውን ከለኹ፡ ኣብ ቤተይ ምስ ስድራ ቤተይ፡ ኣብ መንፈሳዊ ገነት ከም ዘለኹ ይስምዓኒ እዩ” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉ ኸኣ፡ “ከምቲ ኮምፓስ ወትሩ ናብ ሰሜን እትሕብር፡ ውሽጣዊ ሓሳበይን ትምኒተይን እውን ኣብ ኣኼባታት ምእካብ እዩ” በለ።

18. ብዛዕባ ኣኼባታትና ኸመይ እዩ ዚስምዓካ፧ እንታይ ክትገብርከ ኢኻ ቘሪጽካ ዘለኻ፧

18 ንኣምልኾ የሆዋ ብዛዕባ እንገብሮ ኣኼባታት ከምኡ ድዩ ዚስምዓካ፧ እምበኣር፡ ወትሩ ጸኒዕካ ኣብ ኣኼባታት ክትእከብ ቈራጽነት ግበር። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ምስቲ፡ “ኦ የሆዋ፡ ንቤት ማሕደርካ . . . እፈትዎ እየ” ዝበለ ንጉስ ዳዊት ክትሰማማዕ ኢኻ።—መዝ. 26:8

^ [1] (ሕጡብ ጽሑፍ 3) ገሊኦም ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና፡ ከም ከቢድ ሕማም ብዝኣመሰለ ኻብ ዓቕሞም ንላዕሊ ብዝዀነ ዅነታት ኣብ ኣኼባታት ብስሩዕ ኪእከቡ ኣይክእሉን እዮም። የሆዋ ንዅነታቶም ከም ዚርድኦን ነቲ ብምሉእ ነፍሶም ዜቕርቡሉ ኣምልኾ ኣጸቢቑ ኸም ዚሕጐሰሉን ርግጸኛታት ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ሽማግለታት ንኸምዚኣቶም ዝበሉ እተሸገሩ ኣሕዋት፡ ካብቲ መንፈሳዊ መደባት ኪጥቀሙሉ ዚኽእሉ ሓገዝ ኪገብሩሎም ይኽእሉ እዮም። ምናልባት ነቲ መደብ ብተሌፎን ኬመሓላልፉሎም ወይ ነቲ ኣኼባታት ኪቐድሑሎም ይኽእሉ እዮም።

^ [2] (ሕጡብ ጽሑፍ 3) “ኣብ ኣኼባታት እንእከበሉ ምኽንያታት” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።