ንየሆዋ ቕረቦ

ኣምላኽ ክትቀርቦ ይዕድመካ። እዛ መጽሓፍ እዚኣ ብኸመይ ከም እትቐርቦ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ከተርእየካ እያ።

መቕድም

ምስ የሆዋ ኣምላኽ ፈጺሙ ዘይብተኽ ርክብ ክትምስርት ትኽእል ኢኻ።

ምዕራፍ 1

“እንሆ፡ እዚ ኣምላኽና እዩ!”

ሙሴ፡ ስም ኣምላኽ መን ምዃኑ እናፈለጠ ኽነሱ፡ ኪንገሮ ዝሓተተ ስለምንታይ እዩ፧

ምዕራፍ 2

ንኣምላኽ ብሓቂዶ ኽትቀርቦ ትኽእል ኢኻ፧

እቲ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ የሆዋ ኣምላኽ፡ ዕድመ ኣቕሪቡልና፡ ቃል እውን ኣትዩልና ኣሎ።

ምዕራፍ 3

“ቅዱስ፡ ቅዱስ፡ ቅዱስ እዩ የሆዋ”

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ቅድስና ምስ ጽባቐ ተተሓሒዙ ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧

ምዕራፍ 4

‘የሆዋ ብዓል ዓብዪ ሓይሊ እዩ’

ሓይሊ ኣምላኽ ከም እንፈርሆ ኺገብረናዶ ይግባእ እዩ፧ ‘እወ’ ኸምኡ እውን ‘ኣይፋልን’ ኢልና ኽንምልስ ንኽእል ኢና።

ምዕራፍ 5

‘እቲ ሰማይን ምድርን ዝገበረ’ የሆዋ ንምፍጣር ዚጥቀመሉ ሓይሊ

ፍጥረታት ኣምላኽ፡ ካብታ ገዛፍ ጸሓይ ክሳብ እታ ዝደቐቐት ሃሚንግበርድ እትብሃል ዑፍ ብዛዕባ ኣምላኽ ይምህሩና እዮም።

ምዕራፍ 6

እቲ “ሓያል ተዋጋኢ” ዝዀነ የሆዋ ንጥፍኣት ዚጥቀመሉ ሓይሊ

“ኣምላኽ ሰላም” መለኮታዊ ውግእ ዚዋጋእ ብኸመይ እዩ፧

ምዕራፍ 7

‘ኣምላኽ መዕቈቢና እዩ’—ንምዕቋብ ዚጥቀመሉ ሓይሊ

ኣምላኽ ንኣገልገልቱ ብኽልተ መገድታት የዕቍቦም፣ እቲ ሓደ ዓይነት ዕቝባ ግና ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።

ምዕራፍ 8

እቲ “ንዅሉ እሕድሶ ኣለኹ” ዝበለ የሆዋ ንምሕዳስ ዚጥቀመሉ ሓይሊ

የሆዋ ንጹህ ኣምልኾ ኸም ዚምለስ ገይሩ እዩ። እሞ ደኣ ኣብ ዚመጽእ እንታይ ናይ ምሕዳስ ዕዮ እዩ ኺፍጽም፧

ምዕራፍ 9

“ክርስቶስ ሓይሊ ኣምላኽ . . . እዩ”

የሱስ ዝገበሮ ተኣምራትን ዝመሃሮ ትምህርትታትን ብዛዕባ የሆዋ እንታይ እዩ ዚገልጽ፧

ምዕራፍ 10

ኣብ ኣጠቓቕማ ሓይልኹም “ንኣምላኽ ምሰልዎ”

ካብ እትግምቶ ንላዕሊ ሓይሊ ኺህልወካ ይኽእል እዩ። ንሓይልኻ ብግቡእ ክትጥቀመሉ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

ምዕራፍ 11

“ኵሉ መገድታቱ ፍትሒ እዩ”

ፍትሒ ተፈታዊት ባህርይ ኣምላኽ ዝዀነት ብኸመይ እያ፧

ምዕራፍ 12

“ኣብ ኣምላኽዶ ዓመጻ ኣሎ፧”

የሆዋ ዓመጻ ዚጸልእ ካብ ኰነ፡ ዓለም በዚ ዝመልአት ስለምንታይ እያ፧

ምዕራፍ 13

“ሕጊ የሆዋ ፍጹም እዩ”

ስርዓተ ሕጊ፡ ፍቕሪ ዜስፍን ብኸመይ እዩ፧

ምዕራፍ 14

የሆዋ ‘ምእንቲ ብዙሓት ዚሓልፍ በጃ’ ኣዳለወ

እዚ ቐሊል ግናኸ ዓሚቝ ትምህርቲ ንኣምላኽ ክትቀርቦ የኽእለካ።

ምዕራፍ 15

የሱስ ‘ፍትሒ ኣብ ምድሪ ኺምስርት እዩ’

የሱስ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ንፍትሒ ዘለዎ ደገፍ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧ ሎሚ ኸምኡ ዚገብር ዘሎ ብኸመይ እዩ፧ ኣብ መጻኢ ፍትሒ ዚምስርት ብኸመይ እዩ፧

ምዕራፍ 16

ምስ ኣምላኽ ኣብ እትገብሮ ምምልላስ ‘ፍትሒ ግበር’

ፍትሒ ነቲ ብዛዕባ ቕኑዕን ጌጋን ዘሎና ኣረኣእያ ዀነ ነቲ ንሰባት እንሕዘሉ መገዲ ተጠቓልል።

ምዕራፍ 17

‘ኣየወ፡ መዓሙቝ ጥበብ ኣምላኽ!’

ጥበብ ኣምላኽ ካብ ፍልጠቱን ምርዳኡን ምስትውዓሉን ሓለፍ ዝበለ ስለምንታይ እዩ፧

ምዕራፍ 18

ኣብ “ቃል ኣምላኽ” ዚርከብ ጥበብ

ኣምላኽ ብሰባት ገይሩ ሓሳባቱ ኣብ መጽሓፍ ዘስፈሮ ስለምንታይ እዩ፧ ገሊኡ ጸብጻብ ኪምዝገብ ከሎ፡ ገሊኡ ዘይተመዝገበሉ ምኽንያትከ እንታይ እዩ፧

ምዕራፍ 19

“ኣብ ቅዱስ ምስጢር ዘሎ ጥበብ ኣምላኽ”

እቲ ኣምላኽ በብቝሩብ ዝገለጸልና ቕዱስ ምስጢር እንታይ እዩ፧

ምዕራፍ 20

“ጥበበኛ ዝልቡ፡” ግናኸ ትሑት

እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዅሉ ፍጥረት ዝዀነ የሆዋ ትሑት ዚኸውን ብኸመይ እዩ፧

ምዕራፍ 21

የሱስ ‘ጥበብ ኣምላኽ’ ገለጸ

ትምህርትታት የሱስ ኣዝዩ መሳጢ ብምንባሩ፡ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ኺሕዝዎ እተላእኩ ሰባት ጥራይ ኢዶም ተመልሱ።

ምዕራፍ 22

ነታ “ናይ ላዕሊ ጥበብ” ኣብ ህይወትካ ትዓይየላዶ ኣለኻ፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ጥበብ ኣምላኽ ከነጥርየሉ እንኽእል 4 መዳይ ይገልጽ።

ምዕራፍ 23

“ንሱ ቕድም ኣፍቂሩና እዩ”

“ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ” ዚብል ሓሳባት እንታይ ማለት እዩ፧

ምዕራፍ 24

‘ካብ ፍቕሪ ኣምላኽ ኪፈልየና’ ዚኽእል የልቦን

‘ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘይትፍቶ ወይ ዘይትጠቅም ኢኻ’ ዚብል ሓሳብ ሓሶት እዩ።

ምዕራፍ 25

“ርሕራሐ ኣምላኽና”

እቲ ኣምላኽ ንዓኻ ዘለዎ ስምዒት ከምቲ ኣደ ንውላዳ ዘለዋ ስምዒት እዩ ኺብሃል ዚከኣል ብኸመይ እዩ፧

ምዕራፍ 26

“ንይቕረታ ድልዊ” ዝዀነ ኣምላኽ

ኣምላኽ ኵሉ ነገራት ዚዝክር እንተ ዀይኑ፡ ይቕረ ኺብልን ኪርስዕን ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

ምዕራፍ 27

‘ሕያውነቱስ ክንደይ ዓብዪ እዩ!’

ሕያውነት ኣምላኽ ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

ምዕራፍ 28

“ንስኻ በይንኻ እሙን ኢኻ”

ተኣማንነት ኣምላኽ ካብ ናይ ካልኦት ዚበልጽ ስለምንታይ እዩ፧

ምዕራፍ 29

‘ንፍቕሪ ክርስቶስ ምፍላጣ’

ፍቕሪ የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ዚንጸባረቐሉ ሰለስተ መዳያት ፍቕሪ የሱስ።

ምዕራፍ 30

“ብፍቕሪ ተመላለሱ”

ኣብ ቀዳማይ ቈረንቶስ፡ ፍቕሪ ኸነርእየሉ እንኽእል መገድታት ጐሊሑ ኣሎ።

ምዕራፍ 31

‘ንኣምላኽ ቅረቦ፡ ንሱ እውን ኪቐርበካ እዩ’

ንገዛእ ርእስኻ ኽትሓትቶ እትኽእል ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ሕቶ እንታይ እዩ፧ እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧