ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 49

ትንሳኤ—ርግጽ ተስፋ!

ትንሳኤ—ርግጽ ተስፋ!

“ትንሳኤ ኪኸውን፡ . . . ኣብ ኣምላኽ ተስፋ ኣሎኒ።”—ግብ. 24:15

መዝሙር 151 ኪጽውዕ

መላለዪ *

1-2. ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ እንታይ ዜደንቕ ተስፋ ኣለዎም፧

ተስፋ ኣዝያ ኣገዳሲት እያ። ገሊኦም ሰባት ተስፋኦም ዕዉት ሓዳር ኣብ ምግባር፡ ጥዕና ዘለዎም ቈልዑ ኣብ ምዕባይ፡ ወይ ካብ ከቢድ ሕማም ኣብ ምሕዋይ ዘተኰረ እዩ። ንሕና ክርስትያናት እውን ተመሳሳሊ ነገር ንምነ ንኸውን። ተስፋና ግና ካብዚ ናታቶም ኣጸቢቓ ትዓቢ እያ። እወ፡ ንሕና ንዘለኣለም ብህይወት ክንነብርን እንፈትዎም ሰብና ኺትንስኡን ኢና ተስፋ እንገብር።

2 ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ትንሳኤ ኪኸውን፡ . . . ኣብ ኣምላኽ ተስፋ ኣሎኒ” ኢሉ እዩ። (ግብ. 24:15) ተስፋ ትንሳኤ ኸም ዘለዎ ዝገለጸ ናይ መጀመርታ ሰብ ግና ንሱ ኣይኰነን። ሓደ ኻብቶም ኣበው ዝዀነ እዮብ እውን ከምኡ ኢሉ ነይሩ እዩ። ኣምላኽ ከም ዚዝክሮን መሊሱ ህያው ከም ዚገብሮን ይኣምን ነይሩ እዩ።—እዮ. 14:7-10, 12-15

3. ካብ 1 ቈረንቶስ ምዕራፍ 15 ክንጥቀም እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

3 “ትንሳኤ ምዉታት” ገለ ኻብቲ ናይ ኵሉ ክርስትያናዊ ትምህርቲ “መሰረት” ወይ “ናይ መጀመርታ ትምህርቲ” እዩ። (እብ. 6:1, 2) ጳውሎስ ብዛዕባ ትንሳኤ ዝገለጾ ነገር፡ ኣብ 1 ቈረንቶስ ምዕራፍ 15 ተመዝጊቡ ኣሎ። እቲ ዝጸሓፎ ድማ፡ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ሃኒጽዎም ኪኸውን ኣለዎ። እታ ምዕራፍ እቲኣ፡ ነቲ ንነዊሕ ግዜ ሒዝናዮ ዘለና ተስፋ ኽትሃንጸልናን ከተደልድለልናን ትኽእል እያ።

4. ነቲ ብዛዕባ እቶም ዝሞቱ ሰብና ዘሎና ተስፋ፡ ወሳኒ ዝዀነ እንታይ እዩ፧

4 ትንሳኤ የሱስ ክርስቶስ ነቲ ብዛዕባ እቶም ዝሞቱ ሰብና ዘሎና ተስፋ ወሳኒ እዩ። ክፍሊ እቲ ጳውሎስ ንሰብ ቈረንቶስ ‘ዘበሰሮም ብስራት’ እዩ ነይሩ። (1 ቈረ. 15:1, 2) መሕልፎ እኳ ደኣስ፡ ሓደ ክርስትያን ብትንሳኤ ዘይኣምን እንተ ዀይኑ፡ እምነቱ ኸንቱ ኸም ዝዀነት እዩ ገሊጹሎም። (1 ቈረ. 15:17) ኣብ ትንሳኤ የሱስ ምእማን፡ ሕመረት ክርስትያናዊ ተስፋና እዩ።

5-6. ኣብ 1 ቈረንቶስ 15:3, 4 ዚርከብ ቃላት እንታይ ትርጉም እዩ ዘለዎ፧

5 ጳውሎስ ብዛዕባ ትንሳኤ ኺገልጽ ጅምር ምስ ኣበለ፡ ሰለስተ ሓቅታት ኣበጊሱ እዩ። እዚ ድማ፡ (1) “ክርስቶስ ምእንቲ ሓጢኣትና ሞይቱ እዩ።” (2) “ተቐቢሩ ኸኣ እዩ።” (3) “ከምቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ዚብሎ ድማ፡ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ተንሲኡ እዩ።”—1 ቈረንቶስ 15:3, 4 ኣንብብ።

6 ሞትን ቀብርን ትንሳኤን የሱስ ንዓና እንታይ ትርጉም ኣለዎ፧ ነብዪ ኢሳይያስ፡ መሲሕ ‘ካብ ምድሪ ህያዋን ከም ዚቝረጽን ምስ እኩያት መቓብር ከም ዚውሃቦን’ ተነብዩ ነይሩ እዩ። እዚ ጥራይ ግና ኣይኰነን። ኢሳይያስ ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “ሓጢኣት ብዙሓት ተሰኪሙ” ኢሉ እዩ። የሱስ በጃ ብምኽፋል፡ ነዚ ፈጺምዎ እዩ። (ኢሳ. 53:8, 9, 12፣ ማቴ. 20:28፣ ሮሜ 5:8) ስለዚ፡ ሞትን ቀብርን ትንሳኤን የሱስ ካብ ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ኽንከውን፡ ምስ እንፈትዎም ዝሞቱ ሰብና ድማ ዳግም ክንራኸብ ዜኽእል ድልዱል መሰረት ኣንቢሩ እዩ።

ናይ ብዙሓት መሰኻኽር ምስክርነት

7-8. ክርስትያናት ብዛዕባ ትንሳኤ የሱስ ርግጸኛታት ኪዀኑ ዚሕግዞም እንታይ እዩ፧

7 ብዛዕባ ትንሳኤ ዘሎና ተስፋ ምስ ትንሳኤ የሱስ ይተኣሳሰር እዩ፣ ስለዚ፡ የሱስ ከም ዝተንስአ ኽንኣምን ኣሎና። እሞ ደኣ የሆዋ ንየሱስ ከም ዘተንሰኦ ኸመይ ጌርና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል፧

8 የሱስ ከም ዝተንስአ ዚምስክሩ ብዙሓት ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ነይሮም እዮም። (1 ቈረ. 15:5-7) እቲ ጳውሎስ ዝጠቐሶ ናይ መጀመርታ ምስክር፡ ሃዋርያ ጴጥሮስ (ኬፋ) እዩ ነይሩ። ጴጥሮስ ንየሱስ ድሕሪ ትንሳኤኡ ኸም ዝረኣዮ፡ ገሊኦም ደቀ መዛሙርቲ ሓቢሮም እዮም። (ሉቃ. 24:33, 34) ብተወሳኺ ድማ፡ እቶም “ዓሰርተው ክልተ” ሃዋርያት ንየሱስ ድሕሪ ትንሳኤኡ ርእዮምዎ እዮም። ድሕሪኡ፡ ክርስቶስ “ካብ 500 ንዚበዝሑ ኣሕዋት ብሓንሳእ ተራእይዎም” እዩ፣ እዚ ኸኣ ምናልባት ኣብቲ ኣብ ማቴዎስ 28:16-20 ተጠቒሱ ዚርከብ ኣብ ገሊላ እተገብረ ዜሐጕስ ኣኼባ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ የሱስ ‘ንያእቆብ ተራእይዎ’ እዩ፣ እዚ ያእቆብ እዚ ድማ እቲ የሱስ መሲሕ ምዃኑ ዘይኣምን ዝነበረ ብኣደ ሓዉ እዩ ኪኸውን ዘለዎ። (ዮሃ. 7:5) ያእቆብ ከኣ ንየሱስ ተንሲኡ ምስ ረኣዮ፡ ኪኣምን ክኢሉ እዩ። ጳውሎስ ነታ መልእኽቲ እቲኣ ኣብ ከባቢ 55 ድ.ክ. ኪጽሕፋ ኸሎ፡ ብዙሓት ነቲ ትንሳኤ ብዓይኖም ዝረኣዩ መሰኻኽር ብህይወት ነይሮም እዮም። ስለዚ፡ ጥርጣረ ዝሓደሮ ዘበለ፡ ነቶም ብህይወት ዝነበሩ እሙናት መሰኻኽር ኪውከሶም ይኽእል ነይሩ እዩ።

9. ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 9:3-5 ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ ጳውሎስ እንታይ ንትንሳኤ የሱስ ዜራጕድ መርትዖ እዩ ርእዩ፧

9 ድሕርዚ፡ የሱስ ንጳውሎስ ተራእዮ። (1 ቈረ. 15:8) ጳውሎስ (ሳውል) ናብ ደማስቆ ኪኸይድ ከሎ፡ ድምጺ እቲ ኻብ ምዉታት ዝተንስአ የሱስ ሰምዐ፣ ንየሱስ እውን ሰማያዊ ኽብሪ ለቢሱ ብራእይ ረኣዮ። (ግብሪ ሃዋርያት 9:3-5 ኣንብብ።) እዚ ንጳውሎስ ዘጋጠሞ ነገር ከኣ፡ ትንሳኤ የሱስ ጽውጽዋይ ዘይምዃኑ ዜራጕድ መርትዖ እዩ።—ግብ. 26:12-15

10. እቲ ጳውሎስ ብዛዕባ ትንሳኤ የሱስ ዝነበሮ እምነት እንታይ ኪገብር እዩ ደሪኽዎ፧

10 ጳውሎስ ኣቐዲሙ ሰጓጕ ክርስትያናት ስለ ዝነበረ፡ ምስክርነቱ ንገሊኦም ፍሉይ ኣገዳስነት ነይርዎ እዩ። ብዛዕባ ትንሳኤ የሱስ ምስ ኣመነ፡ ንኻልኦት ሰባት ነዚ ሓቂ እዚ ኼእምኖም ጽዒሩ እዩ። ብዛዕባ ሞትን ትንሳኤን የሱስ ኪሰብኽ ከሎ፡ ተዘቢጡ፡ ተኣሲሩ፡ ከምኡ እውን መርከብ ተሰይራቶ እያ። (1 ቈረ. 15:9-11፣ 2 ቈረ. 11:23-27) ብዛዕባ ትንሳኤ የሱስ ርግጸኛ ብምንባሩ እውን፡ ነዚ እምነቱ እዚ እናተጣበቐ ኺመውት ፍቓደኛ ነይሩ እዩ። እዚ ናይ ቀደም ምስክርነት እዝስ፡ የሱስ ካብ ምዉታት ከም ዝተንስአ ኣየእምነካንዶ፧ ኣብ ትንሳኤ ዘሎካ እምነትከ ኣየደልድለልካንዶ፧

ግጉይ ኣረኣእያ ተኣሪሙ

11. ገሊኦም ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ሰባት ብዛዕባ ትንሳኤ ግጉይ ኣረኣእያ ዝነበሮም ስለምንታይ ኪኸውን ይኽእል፧

11 ገሊኦም ኣብታ ኣብ ግሪኽ እትርከብ ከተማ ቈረንቶስ ዝነበሩ ሰባት፡ ብዛዕባ ትንሳኤ ግጉይ ኣረኣእያ ነይርዎም እዩ፣ ሕሉፍ ሓሊፎም፡ “ትንሳኤ ምዉታት የልቦን” ክሳዕ ምባል በጺሖም ነይሮም እዮም። ስለምንታይ፧ (1 ቈረ. 15:12) ኣብ ግሪኽ ኣብ እትርከብ ከተማ ኣቴና ዝነበሩ ፈላስፋታት፡ ብትንሳኤ የሱስ የባጭዉ ነይሮም እዮም። እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ንገሊኦም እቶም ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ሰባት ጸልይዎም ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ግብ. 17:18, 31, 32) ገሊኦም ከኣ ትንሳኤ ብምሳልያዊ መገዲ ኸም ዚኸውን፡ ማለት ሓደ ብሓጢኣት “ምዉት” ዝነበረ ሰብ፡ ክርስትያን ምስ ኰነ “ህያው” ከም ዚኸውን ይሓስቡ ነይሮም ይዀኑ። ዝዀነ ዀይኑ፡ ንትንሳኤ ኪኽሕዱ ኸለዉ፡ ንእምነቶም ከንቱ እዮም ዚገብርዋ ነይሮም። ኣምላኽ ንየሱስ ዘየተንሰኦ እንተ ዀይኑ፡ በጃ ኣይተኸፍለን፡ ኵላቶም እውን ገና ምስ ሓጢኣቶም ምቐጸሉ። ስለዚ፡ እቶም ንትንሳኤ ዘይተቐበሉ፡ ናይ ሓቂ ተስፋ ኣይነበሮምን።—1 ቈረ. 15:13-19፣ እብ. 9:12, 14

12. ብመሰረት 1 ጴጥሮስ 3:18, 22፡ ትንሳኤ የሱስ ካብቲ ቕድሚኡ ዝዀነ ትንሳኤ ብኸመይ ይፍለ፧

12 ጳውሎስ፡ ‘ክርስቶስ ካብ ምዉታት ከም ዝተንስአ’ ብብሕቲ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። እቲ ትንሳኤ እቲ ኻብቲ ቕድሚኡ ኣብ ምድሪ ዝዀነ ትንሳኤ ይበልጽ ነይሩ እዩ፣ ከመይሲ፡ እቶም ሽዑ ዝተንስኡ ሰባት መሊሶም ሞይቶም እዮም። ስለዚ፡ ጳውሎስ ንየሱስ፡ “በዅሪ እቶም ዝሞቱ” ኢሉ ጸዊዕዎ እዩ። ብኸመይ እዩ የሱስ ቀዳማይ ዀይኑ፧ ድሕሪ ሙማቱ ብመንፈስ ህያው ዝዀነን ካብ ደቂ ሰብ ናብ ሰማይ ዝዓረገን ናይ መጀመርታ ንሱ እዩ።—1 ቈረ. 15:20፣ ግብ. 26:23፣ 1 ጴጥሮስ 3:18, 22 ኣንብብ።

እቶም ‘ህያዋን ዚዀኑ’

13. ጳውሎስ ኣብ መንጎ ኣዳምን የሱስን እንታይ ንጽጽር እዩ ገይሩ፧

13 ከመይ ኢሉ እዩ ሞት ሓደ ሰብ ንሚልዮናት ሰባት ህይወት ኬምጽኣሎም ዚኽእል፧ ጳውሎስ ነዛ ሕቶ እዚኣ ጽቡቕ ገይሩ መሊስዋ ኣሎ። ነቲ ኣዳም ኣብ ደቂ ሰብ ዘምጽኦ ነገር ምስቲ ክርስቶስ ዝኸፈቶ ኣጋጣሚ ኣነጻጺርዎ ኣሎ። ብዛዕባ ኣዳም ኪዛረብ ከሎ፡ “ከምቲ ሞት ብሓደ ሰብ ዝመጸ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። ኣዳም ምስ ሓጥአ፡ ኣብ ገዛእ ርእሱን ኣብ ዘርኡን ጥፍኣት ኣምጺኡ እዩ። ክሳዕ ሕጂ ሳዕቤናት ዘይተኣዛዝነቱ ጾይርና ኣለና። ኣምላኽ ንወዱ ስለ ዘተንስኦ ግና፡ ብሩህ መጻኢ ኺህልወና ይኽእል እዩ። ጳውሎስ ነዚ ኼረድእ ከሎ፡ “ትንሳኤ ምዉታት እውን ብሓደ ሰብ [ብየሱስ] እዩ ዝመጸ። ከምቲ ዅላቶም ብኣዳም ዝሞቱ፡ ከምኡ ድማ ኵላቶም ብክርስቶስ ህያዋን ኪዀኑ እዮም” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ።—1 ቈረ. 15:21, 22

14. ኣዳም ኪትንስእ ድዩ፧ ግለጽ።

14 ጳውሎስ “ኵላቶም ብኣዳም ዝሞቱ” ኺብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ ብዛዕባ እቶም ካብ ኣዳም ሓጢኣትን ዘይፍጽምናን ዝወረሱ እሞ በዚ ምኽንያት እዚ መወትቲ ዝዀኑ ዘርኢ ኣዳም እዩ ዚዛረብ ነይሩ። (ሮሜ 5:12) ኣዳም ካብቶም ‘ህያዋን ዚዀኑ’ ሰባት ኣይኰነን። እቲ ክርስቶስ ዝኸፈሎ በጃ ንኣዳም ኣይሽፍነሉን እዩ፣ ስለምንታይሲ፡ ኣዳም ደይ መደይ ኢሉ ትእዛዝ ኣምላኽ ኪጥሕስ ከሎ፡ ፍጹም ሰብ እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ ኣዳም ካብቲ በጃ ኣይጥቀምን እዩ። የግዳስ፡ ግዲኡ ኸምቶም በቲ “ወዲ ሰብ” “ኣጣል” ተባሂሎም ዚፍረዱ ሰባት፡ “ናይ ዘለኣለም ጥፍኣት” እዩ።—ማቴ. 25:31-33, 46፣ እብ. 5:9

የሱስ ካብቶም ናብ ሰማያዊ ህይወት ዝተንስኡ ብዙሓት ሰባት፡ ቀዳማይ እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 15-16 ርአ) *

15. ኣብቶም “ህያዋን ኪዀኑ” እተባህሉ “ዅላቶም” ዚጠቓለሉ መን እዮም፧

15 ጳውሎስ፡ “ኵላቶም ብክርስቶስ ህያዋን ኪዀኑ እዮም” ከም ዝበለ እውን ኣይንረስዕ። (1 ቈረ. 15:22) ጳውሎስ ንመልእኽቱ ናብቶም ሰማያዊ ትንሳኤ ዚረኽቡ ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ቕቡኣት ክርስትያናት እዩ ጽሒፍዋ። እቶም ክርስትያናት እቲኦም ‘ብክርስቶስ የሱስ እተቐደሱ፡ ቅዱሳት ኪዀኑ ኸኣ እተጸውዑ’ እዮም ነይሮም። ብዘይካዚ፡ ጳውሎስ፡ ንሳቶም “ምስ ክርስቶስ ሓድነት ኣልይዎም ዝሞቱ” ኸም ዝዀኑ እውን ጠቒሱ እዩ። (1 ቈረ. 1:2፣ 15:18፣ 2 ቈረ. 5:17) ብድራኸ መንፈስ ኣብ ዝጸሓፋ ኻልእ ደብዳበ ኸኣ፡ “ብኣምሳል ሞቱ [ሞት የሱስ] ምስኡ እንተ ሓቢርና፡ ብኣምሳል ትንሳኤኡ እውን ብርግጽ ምስኡ ኽንሓብር ኢና” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። (ሮሜ 6:3-5) የሱስ ብመንፈስ ተንሲኡን ናብ ሰማይ ከይዱን እዩ። ስለዚ፡ ኵሎም እቶም ‘ምስ ክርስቶስ ሓድነት ዘለዎም፡’ ማለት ኵሎም እቶም ብመንፈስ እተቐብኡ ክርስትያናት፡ መወዳእታኦም ከምኡ ኪኸውን እዩ።

16. ጳውሎስ ንየሱስ “በዅሪ” ኢሉ ብምጽዋዕ እንታይ እዩ ዚእምት ነይሩ፧

16 ጳውሎስ፡ “ክርስቶስ በዅሪ እቶም ዝሞቱ” ዀይኑ ኸም ዝተንስአ ጽሒፉ ኣሎ። ቅድሚኡ ኣልኣዛርን ካልኦት ሰባትን ኣብ ምድሪ ኻብ ምዉታት ተንሲኦም ነይሮም እዮም፣ ካብ ምዉታት ብመንፈስ ህያው ኰይኑ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዝረኸበ ቐዳማይ ግና የሱስ እዩ። ስለዚ፡ ንሱ ምስቲ እስራኤላውያን ንኣምላኽ ከም መባእ ዜቕርብዎ ዝነበሩ በዅሪ ፍርያት ኪመሳሰል ይኽእል እዩ። ብተወሳኺ ድማ፡ ጳውሎስ ንየሱስ “በዅሪ” ኢሉ ብምጽዋዕ፡ ካልኦት ድሕሪኡ ኻብ ምዉታት ናብ ሰማያዊ ህይወት ከም ዚትንስኡ እዩ ዚእምት ነይሩ። ሃዋርያትን ካልኦት ‘ምስ ክርስቶስ ሓድነት ዘለዎም’ ሰባትን ንየሱስ ኪስዕብዎ ምዃኖም እዩ ዚሕብር ነይሩ። ግዜኡ ምስ ኣኸለ፡ ከም ናይ የሱስ ዝኣመሰለ ትንሳኤ ኸም ዚረኽቡ እዩ ሓቢሩ።

17. እቶም ‘ምስ ክርስቶስ ሓድነት ዘለዎም’ ሰባት መዓስ እዮም ሰማያዊ ዓስቦም ዚረኽቡ፧

17 ሰማያዊ ትንሳኤ እቶም ‘ምስ ክርስቶስ ሓድነት ዘለዎም’ ሰባት፡ ኣብቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቈረንቶስ ዝጸሓፈሉ እዋን ኣይጀመረን ነይሩ። የግዳስ፡ ጳውሎስ፡ “ነፍሲ ወከፍ በብመስርዑ እዩ፦ ክርስቶስ ከም በዅሪ፣ ደሓር ከኣ እቶም ናይ ክርስቶስ ዘበሉ፡ ንሱ ኣብዚ ኣብ ዚህልወሉ እዋን” ብምባል ናብ መጻኢ እዩ ኣመልኪቱ። (1 ቈረ. 15:23፣ 1 ተሰ. 4:15, 16) ሎሚ፡ ኣብቲ ኣቐዲሙ እተዘርበሉ ክርስቶስ ‘ኣብዚ ዚህልወሉ እዋን’ ኢና እንነብር ዘለና። እወ፡ እቶም ዝሞቱ ሃዋርያትን ካልኦት ብመንፈስ እተቐብኡ ክርስትያናትን፡ ሰማያዊ ዓስቦም ንምርካብን ‘ብኣምሳል ትንሳኤኡ ምስኡ ንምሕባርን’ ክሳዕ እቲ ክርስቶስ ኣብዚ ዚህልወሉ እዋን ኪጽበዩ ነይርዎም እዩ።

ርግጽ ተስፋ ኣሎካ!

18. (ሀ) ድሕሪ እቲ ሰማያዊ ትንሳኤ፡ ካልእ ትንሳኤ ኸም ዚህሉ ኽንድምድም እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) ኣብ 1 ቈረንቶስ 15:24-26 ተሓቢሩ ኸም ዘሎ፡ ኣብ ሰማይ እንታይ ኪኸውን እዩ፧

18 ኵሎም እቶም ምስ ክርስቶስ ኣብ ሰማይ ኪነብሩ ተስፋ ዘይብሎም እሙናት ክርስትያናት ደኣኸ፧ ንሳቶም እውን ተስፋ ትንሳኤ ኣለዎም። ጳውሎስን ካልኦት ናብ ሰማይ ዚኸዱ ሰባትን ኣብቲ “ዝቐደመ ትንሳኤ ምዉታት” ከም ዚትንስኡ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። (ፊል. 3:11) እዝስ ስዒቡ ኻልእ ትንሳኤ ኸም ዘሎ ዜመልክት ደይኰነን፧ እዚ ኸኣ ምስቲ እዮብ ብዛዕባ መጻኢ ዝበሎ ዚሰማማዕ እዩ። (እዮ. 14:15) “እቶም ናይ ክርስቶስ ዘበሉ፡ ንሱ ኣብዚ ኣብ ዚህልወሉ እዋን” ንዅሉ መንግስትን ንዅሉ ስልጣንን ኪስዕር ከሎ፡ ምስኡ ኣብ ሰማይ ኪዀኑ እዮም። እቲ “ናይ መወዳእታ ጸላኢ [ዝዀነ] ሞት” እውን ኪስዓር እዩ። እቲ ዝወረስናዮ ሞት፡ ነቶም ናብ ሰማይ ዚትንስኡ ኣይኪጸልዎምን እዩ። ነቶም ካልኦት ደኣኸ፧—1 ቈረንቶስ 15:24-26 ኣንብብ።

19. እቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም እንታይ እዮም ኪጽበዩ ዚኽእሉ፧

19 እቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም እንታይ እዮም ኪጽበዩ ዚኽእሉ፧ ኣብቲ ጳውሎስ፡ “ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ትንሳኤ ኪኸውን . . . ተስፋ ኣሎኒ” ኢሉ እተዛረቦ ቓላት ተመርኲሶም ተስፋ ኼሕድሩ ይኽእሉ እዮም። (ግብ. 24:15) ሓጥኣን መሸም ናብ ሰማይ ኣይኣትዉን እዮም፣ ስለዚ፡ እዚ ቓላት እዚ ነቲ ኣብ መጻኢ ኣብ ምድሪ ዚኸውን ትንሳኤ እዩ ዜመልክት።

ብትንሳኤ ንኣምን እንተ ዄንና፡ ዜሐጕስ መጻኢ ኸም ዚህልወና ንተኣማመን ኢና (ሕጡብ ጽሑፍ 20 ርአ) *

20. ተስፋኻ ብኸመይ እያ ደልዲላ፧

20 ብዘይ ጥርጥር፡ “ትንሳኤ ኪኸውን” እዩ! እቶም ኣብ ምድሪ ዳግም ህያው ዚዀኑ፡ ኣብኣ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ኣጋጣሚ ኺህልዎም እዩ። ነዚ ኽትኣምኖ ትኽእል ኢኻ። እዛ ተስፋ እዚኣ ኻብቲ ብሰንኪ ሞት እትፈትዎም ሰብካ ዘጋጠመካ ሓዘን ከተጸናንዓካ እያ። ከመይሲ፡ ኣብቲ ክርስቶስን ካልኦትን ‘1,000 ዓመት ዚነግሱሉ’ እዋን፡ እቶም ሰብካ ኻብ ምዉታት ኪትንስኡ ይኽእሉ እዮም። (ራእ. 20:6) ንስኻ እውን እቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ቅድሚ ምጅማሩ እንተ ሞይትካ፡ መጻኢኻ ውሑስ ምዃኑ ርግጽ ተስፋ ኺህልወካ ይኽእል እዩ። “እታ ተስፋ እቲኣ ኣይተሕፍርን እያ።” (ሮሜ 5:5) ሕጂ ንኣምላኽ ከተገልግል ከለኻ፡ ከተጽንዓካን ሓጐስ ክትውስኸልካን እያ። ኣብ እትስዕብ ዓንቀጽ ከም እንርእዮ ግና፡ ካብ 1 ቈረንቶስ ምዕራፍ 15 እንምሃሮ ተወሳኺ ነገር ኣሎ።

መዝሙር 147 ተስፋ ህይወት ዘለኣለም

^ ሕ.ጽ. 5 ቀዳማይ ቈረንቶስ ምዕራፍ 15 ኣብ ትንሳኤ እያ እተተኵር። እዚ ትምህርቲ እዚ ንዓና ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ የሱስ ከም ዝተንስአኸ ስለምንታይ ኢና ኽንኣምን እንኽእል፧ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነዚ ሕቶታት እዝን ብዛዕባ ትንሳኤ ንዚልዓል ካልእ ኣገዳሲ ሕቶታትን ክትምልስ እያ።

^ ሕ.ጽ. 56 መግለጺ ስእሊ፦ የሱስ፡ ቀዳማይ ናብ ሰማይ ዝዓረገ እዩ። (ግብ. 1:9) ገለ ኻብቶም እተጸምበርዎ ደቀ መዛሙርቱ፡ ቶማስ፡ ያእቆብ፡ ልድያ፡ ዮሃንስ፡ ማርያም፡ ጳውሎስ ኪጥቀሱ ይከኣሉ።

^ ሕ.ጽ. 58 መግለጺ ስእሊ፦ ንነዊሕ እዋን ምስኡ ዘገልገለት ሰበይቱ ዝሞተቶ ሓው። ንሳ ኸም እትትንስእ ይኣምን እዩ፣ ንየሆዋ እውን ብተኣማንነት የገልግሎ እዩ።