ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 11

ድሕሪ ጥምቀት እውን ‘ሓድሽ ስብእና ልበስ’

ድሕሪ ጥምቀት እውን ‘ሓድሽ ስብእና ልበስ’

“ሓድሽ ስብእና ልበሱ።”—ቈሎ. 3:10

መዝሙር 49 ልቢ የሆዋ ነሐጕስ

መላለዪ *

1. ንስብእናና ብዓብዪኡ ዚጸልዎ እንታይ እዩ፧

 ካብ እንጥመቕ ሒደት መዓልትታት ወይ ብዙሕ ዓመታት ንግበር ብዘየገድስ፡ ኵላትና የሆዋ ዚፈትዎ ስብእና ኽንለብስ ንደሊ ኢና። ከምኡ ዓይነት ሰባት ምእንቲ ኽንከውን ኣተሓሳስባና ኽንሕሉ ኣሎና። ስለምንታይሲ፡ ንስብእናና ብዓብዪኡ ዚጸልዎ ኣተሓሳስባና እዩ። ወትሩ ብዛዕባ ስጋዊ ነገራት ንሓስብ እንተ ዄንና፡ ሕማቕ ምዝራብና ወይ ምግባርና ዘይተርፍ እዩ። (ኤፌ. 4:17-19) በቲ ኻልእ ሸነኽ ግና፡ ንኣእምሮና ብጽቡቕ ሓሳባት እንተ መሊእናዮ፡ ንየሆዋ ኣቦና ባህ ዜብሎ ነገራት ክንዛረብን ክንገብርን ኪቐልለና እዩ።—ገላ. 5:16

2. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንምርምር፧

2 ኣብ ዝሓለፈት ዓንቀጽ ከም ዝረኣናዮ፡ ሕማቕ ሓሳባት ናብ ኣእምሮና ኸይመጽእ ክንዓግቶ ኣይንኽእልን ኢና። ነቲ ሓሳባት ከይንትግብሮ ኽንመርጽ ግና ንኽእል ኢና። ቅድሚ ምጥማቕና፡ የሆዋ ዚጸልኦ ኣዘራርባን ተግባራትን ከነወግድ ኣሎና። እዚ፡ ኣረጊት ስብእና ንምቕንጣጥ፡ እቲ ቐዳማይን ወሳንን ስጕምቲ እዩ። ንየሆዋ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኸነሐጕሶ ግና፡ ነቲ “ሓድሽ ስብእና ልበሱ” ዚብል ትእዛዝ እውን ክንእዘዞ ኣሎና። (ቈሎ. 3:10) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ክንምልስ ኢና፦ “ሓድሽ ስብእና” እንታይ እዩ፧ ነዚ ሓድሽ ስብእና ኽንለብሶን ለቢስናዮ ኽንቕጽልን እንኽእልከ ብኸመይ ኢና፧

“ሓድሽ ስብእና” እንታይ እዩ፧

3. ብመሰረት ገላትያ 5:22, 23፡ “ሓድሽ ስብእና” እንታይ እዩ፧ ሓደ ሰብከ ነዚ ብኸመይ ኪለብሶ ይኽእል፧

3 “ሓድሽ ስብእና” ኺብሃል ከሎ፡ ንባህርያት የሆዋ ዜንጸባርቕ ኣተሓሳስባን ተግባራትን ማለት እዩ። ሓድሽ ስብእና ዝለበሰ ሰብ፡ ኣብ ህይወቱ ፍረ መንፈስ ኣምላኽ ይፈሪ፣ ማለት፡ መንፈስ ቅዱስ ንሓሳባቱን ንስምዒታቱን ንተግባራቱን ኪጸልዎ ይፈቅድ እዩ። (ገላትያ 5:22, 23 ኣንብብ።) ንኣብነት፡ ንየሆዋን ንህዝቡን የፍቅር እዩ። (ማቴ. 22:36-39) ከምዚ ዓይነት ሰብ፡ ኣብ ትሕቲ ፈተና እውን ሓጐሱ ይዕቅብ እዩ። (ያእ. 1:2-4) ገባሪ ሰላም እዩ። (ማቴ. 5:9) ምስ ካልኦት ኣብ ዘለዎ ርክብ፡ ዕጉስን ለዋህን እዩ። (ቈሎ. 3:13) ሰናይ ዝዀነ ይፈቱ፡ ይገብሮ ኸኣ። (ሉቃ. 6:35) ኣብቲ ሰማያዊ ኣቦኡ ድልድልቲ እምነት ከም ዘላቶ፡ ብግብሩ የርኢ። (ያእ. 2:18) ካልኦት ኬቘጥዕዎ ኸለዉ ልእመት የርኢ፡ ኪፍተን ከሎ ኸኣ፡ ርእሱ ይገትእ እዩ።—1 ቈረ. 9:25, 27፣ ቲቶ. 3:2

4. ሓድሽ ስብእና ንምልባስ፡ ነቲ ኣብ ገላትያ 5:22, 23 ተጠቒሱ ዘሎ ባህርያት፡ ነንበይኑ ኸተማዕብሎ ትኽእልዶ፧ ግለጽ።

4 ሓድሽ ስብእና ንምልባስ፡ ንዅሉ እቲ ኣብ ገላትያ 5:22, 23ን ኣብ ካልእ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስን እተጠቕሰ ባህርያት ከነማዕብል ኣሎና። * እዚ ባህርያት እዚ፡ ከምቲ ነንበይኑ ዚልበስ ክዳን ኣይኰነን። እኳ ደኣስ፡ ሓያሎ ኻብዚ ባህርያት እዚ ንሓድሕዱ እተተሓሓዘ እዩ። ንኣብነት፡ ንብጻይካ ብሓቂ ተፍቅሮ እንተ ዄንካ፡ ትዕገሶን ትልውሃሉን ኢኻ። ናይ ሓቂ ሕያዋይ ንምዃን ከኣ፡ ልኡምን ርእሱ ዚገትእን ክትከውን ኣሎካ።

ሓድሽ ስብእና ብኸመይ ንለብስ፧

ሓሳብ የሱስ ብዘማዕበልና መጠን፡ ብዝያዳ ንዕኡ ንመስል፡ ባህርያቱ ኸኣ ብዝያዳ ነንጸባርቕ (ሕጡብ ጽሑፍ 5, 8, 10, 12, 14 ርአ)

5. ‘ሓሳብ ክርስቶስ ይሃልወና’ ኺብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ ብዛዕባ የሱስ ከነጽንዕ ዘሎናኸ ስለምንታይ ኢና፧ (1 ቈረንቶስ 2:16)

5 ቀዳማይ ቈረንቶስ 2:16 ኣንብብ። ሓድሽ ስብእና ምእንቲ ኽንለብስ፡ ‘ሓሳብ ክርስቶስ ኪህልወና’ የድሊ። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ሓሳብ ክርስቶስ ክንፈልጥን ንዕኡ ኽንመስሎን ኣሎና። የሱስ፡ ፍረ መንፈስ ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ኣንጸባሪቑ እዩ። ንባህርያት የሆዋ፡ ከም ጽሩይ መስትያት፡ ብልክዕ እዩ ኣንጸባሪቕዎ። (እብ. 1:3) ሓሳብ የሱስ ብዘማዕበልና መጠን፡ ብዝያዳ ንዕኡ ንመስል፡ ባህርያቱ ኸኣ ብዝያዳ ነንጸባርቕ።—ፊል. 2:5

6. ሓድሽ ስብእና ኽንለብስ ክንጽዕር ከለና፡ እንታይ ሓቅታት ኢና ኽንዝክር ዘሎና፧

6 ብሓቂዶ ኣብነት የሱስ ክንስዕብ ንኽእል ኢና፧ ምናልባት፡ ‘የሱስ ፍጹም ስለ ዝዀነ፡ ኣነ ምሉእ ብምሉእ ክመስሎ ኣይክእልን እየ’ ኢልና ንሓስብ ­ንኸውን። ከምኡ ዚስመዓካ እንተ ዀይኑ፡ እስከ ነዚ ሓቅታት እዚ ሕሰበሉ። ቀዳማይ፡ ብመልክዕ የሆዋን የሱስን ኢኻ ተፈጢርካ። ስለዚ፡ ክትመስሎም ድሌት እንተ ኣልዩካ፡ ብእተወሰነ ኽትመስሎም ትኽእል ኢኻ። (ዘፍ. 1:​26) ካልኣይ፡ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ፡ ኣብ ዩኒቨርስ ካብ ዘሎ ሓይሊ፡ እቲ ዝሓየለ እዩ። ብሓገዙ፡ ብርእስኻ ኽትፍጽሞ ዘይትኽእል ነገራት ክትፍጽም ትኽእል ኢኻ። ሳልሳይ፡ ኣብዚ እዋን እዚ፡ የሆዋ ፍጹም ­ብዝዀነ መገዲ ፍረ መንፈስ ክትፈሪ ኣይጽበየካን እዩ። እኳ ደኣስ፡ እቲ ፈቃር ኣቦና፡ ነቶም ምድራዊ ተስፋ ዘሎና፡ ናብ ፍጽምና ምእንቲ ኽንበጽሕ 1,000 ዓመት ሂቡና ኣሎ። (ራእ. 20:1-3) ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ የሆዋ ኻባና ዚደልዮ፡ ዚከኣለና ኽንገብርን ሓገዝ ንምርካብ ኣብኡ ኽንውከልን እዩ።

7. ሕጂ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

7 በየናይ ፍሉይ መዳያት ኢና ንየሱስ ክንመስሎ እንኽእል፧ ሕጂ፡ ኣሕጽር ኣቢልና፡ ኣርባዕተ መዳያት ፍረ መንፈስ ኣምላኽ ክንርኢ ኢና። ካብቲ የሱስ ነዘን ባህርያት እዚኣተን ዘንጸባረቐሉ መገዲ፡ እንታይ ከም እንምሃር ከኣ ክንርኢ ኢና። ብተወሳኺ፡ ሓድሽ ስብእና ንምልባስ ኣብ እንገብሮ ጻዕሪ ኺሕግዘና ዚኽእል ገለ ሕቶታት ክንርኢ ኢና።

8. የሱስ፡ ፍቕሪ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

8 የሱስ እታ ንየሆዋ ዘላቶ ዓባይ ፍቕሪ፡ ምእንቲ ኣቦኡን ምእንታናን መስዋእቲ ኪኸፍል ደሪኻቶ እያ። (ዮሃ. 14:31፣ 15:13) ዕምቈት እታ ንሰባት ዘላቶ ፍቕሪ፡ ኣብ ምድራዊ ህይወቱ ተራእዩ እዩ። ገሊኦም እኳ እንተ ተጻረርዎ፡ ኵሉ ግዜ ፈቃርን ርሕሩሕን እዩ ነይሩ። ንሰባት ፍቕሪ ኸም ዘለዎ ዘርኣየሉ ቐንዲ መገዲ፡ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ብምምሃር እዩ። (ሉቃ. 4:43, 44) ብኢድ ሓጥኣን ተሳቕዩ ኺመውት ፍቓደኛ ብምዃን ከኣ፡ ንኣምላኽን ንሰብን ጥቕሚ ርእሳ እትስውእ ፍቕሪ ኣርእዩ እዩ። በዚ ኸምዚ፡ ንዅላትና ናይ ዘለኣለም ህይወት እንረኽበሉ መገዲ ኸፈተልና።

9. ከም የሱስ ብኸመይ ፍቕሪ ኸነርኢ ንኽእል፧

9 ነቲ ሰማያዊ ኣቦና ስለ እነፍቅሮ፡ ርእስና ወፊናን ተጠሚቕናን ኢና። ስለዚ፡ ከም የሱስ፡ በቲ ንሰባት እንሕዘሉ መገዲ፡ ንየሆዋ ኸም እነፍቅሮ ኸነርኢ ይግባእ። ሃዋርያ ዮሃንስ፡ “ነቲ ዝረኣዮ ሓዉ ዘየፍቅሮስ፡ ነቲ ዘይረኣዮ ኣምላኽ ኬፍቅሮ ኣይክእልን እዩ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። (1 ዮሃ. 4:20) ንርእስና ኸምዚ ኢልና ኽንሓትት ንኽእል ኢና፦ ‘ንሰባት ዓሚቝ ፍቕሪ ኣሎኒ ድዩ፧ ሰባት ዘይእሩም ባህርያት ኬርእዩኒ ኸለዉ እውን ከይተረፈ እርሕርሓሎም ድየ፧ ብፍቕሪ ተደሪኸ ግዜይን ጥሪተይን ንኻልኦት ብዛዕባ የሆዋ ኣብ ምምሃር አውዕሎ ድየ፧ ነቲ ዝገብሮ ጻዕርታት፡ መብዛሕትኦም ሰባት ዘየማስውሉ፡ ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ዚጻረርዎ እኳ እንተ ዀኑ፡ ከምዚ ምግባር ክቕጽል ፍቓደኛ ድየ፧ ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ናይ ምግባር ዕዮ፡ ዝያዳ ግዜ ኽምድብ እኽእል ድየ፧’—ኤፌ. 5:15, 16

10. የሱስ ገባሪ ሰላም ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧

10 የሱስ ገባሪ ሰላም እዩ ነይሩ። ካልኦት ኬጋፍዕዎ ኸለዉ እውን ክፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ ኣይመለሰን። እኳ ደኣስ፡ ሰላም ንምግባር ተበግሶ ይወስድ፡ ንሰባት ከኣ ንዝነበሮም ዘይምስምማዓት ኬደቅሱ የተባብዖም ነይሩ እዩ። ንኣብነት፡ ሓደ ሰብ፡ ኣምልኾኡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ተቐባልነት ምእንቲ ኺረክብ፡ ፈለማ ምስ ሓዉ ኪዕረቕ ከም ዘለዎ ምሂሩ እዩ። (ማቴ. 5:9, 23, 24) ኣብ መንጎ ሃዋርያቱ መኖም ከም ዚዓቢ ኽርክር ኣብ ዚለዓለሉ ዝነበረ እዋን፡ ጸገማቶም ኪፈትሑ ብተደጋጋሚ ሓጊዝዎም እዩ።—ሉቃ. 9:46-48፣ 22:24-27

11. ገበርቲ ሰላም ክንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

11 ገባሪ ሰላም ንምዃን፡ ዘይምስምማዓት ምውጋድ ጥራይ ኣኻሊ ኣይኰነን። ምስ ካልኦት ሰላም ንምግባር ተበግሶ ኽንወስድ ኣሎና፣ ኣብ መንጎ ኣሕዋትን ኣሓትን ዘይምርድዳእ እንተ ተፈጢሩ ድማ፡ ኬደቅስዎ ኸነተባብዖም ኣሎና። (ፊል. 4:2, 3፣ ያእ. 3:17, 18) ንርእስና ኸምዚ ኢልና ኽንሓትት ንኽእል ኢና፦ ‘ምስ ካልኦት ሰላም ንምግባር መስዋእቲ ክኸፍል ድሉው ድየ፧ ኣሕዋትን ኣሓትን እንተ ኣጕህዮምኒ፡ እቕየም ድየ፧ እቲ ጌጋ ናይቲ ሰብ እኳ እንተ ዀነ፡ ምእንቲ ኽንዕረቕ፡ ንሱ ኺመጸኒ ድየ ዝጽበ፡ ወይስ ኣነ ተበግሶ እወስድ እየ፧ ግቡእ ኣብ ዝዀነሉ እዋን፡ ንዘይሰማምዑ ሰባት ኪዕረቑ አተባብዕ ድየ፧’

12. የሱስ ለውሃት ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

12 የሱስ ለዋህ እዩ ነይሩ። (ማቴ. 11:28-30) ኣብ ኣጸጋሚ ዅነታት እውን ከይተረፈ፡ ልኡምን ተዓጻጻፍን ብምዃን፡ ለውሃት ኣርእዩ እዩ። ንኣብነት፡ ሓንቲ ፊንቄኣዊት ሰበይቲ ንጓላ ኼሕውየላ ምስ ለመነቶ፡ ኣብ ፈለማ ንሕቶኣ ኣይተቐበሎን፣ ዓባይ እምነት ምስ ኣርኣየት ግና፡ ብለውሃት ንጓላ ኣሕወየላ። (ማቴ. 15:22-28) የሱስ ለዋህ ነይሩ ኺብሃል ከሎ ግና፡ ይለማለም ነይሩ ማለት ኣይኰነን። ሓድሓደ ግዜ፡ ነቶም ዜፍቅሮም ተሪር ተግሳጽ ብምሃብ፡ ለውሃት የርእዮም ነይሩ እዩ። ንኣብነት፡ ጴጥሮስ፡ ፍቓድ የሆዋ ኻብ ምፍጻም ድሕር ኬብሎ ምስ ፈተነ፡ ኣብ ቅድሚ ኻልኦት ደቀ መዛሙርቱ ገኒሕዎ እዩ። (ማር. 8:32, 33) ከምኡ ዝገበረ፡ ንጴጥሮስ ኬዋርዶ ኢሉ ዘይኰነስ፡ ኬሰልጥኖን ነቶም ካልኦት ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ደረቶም ከይሓልፉ ኼጠንቅቖምን ኢሉ እዩ። ጴጥሮስ ሓፊሩ ኪኸውን ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ካብቲ ተግሳጽ ግና ተጠቒሙ እዩ።

13. ናይ ሓቂ ለውሃት እነርኢ ብኸመይ ኢና፧

13 ሓድሓደ ግዜ፡ ነቶም እተፍቅሮም ሰባት ብግልጺ ምኽሪ ብምሃብ፡ ብሓቂ ኸም እትልውሃሎም ከተርእዮም ትኽእል ኢኻ። ኣብ ስርዓታት ቃል ኣምላኽ ተመርኲስካ ምኽሪ ብምሃብ ንየሱስ ምሰሎ። ልኡም ኩን። እቶም ምኽሪ እትህቦም ንየሆዋን ንዓኻን ስለ ዜፍቅሩ፡ ጽቡቕ ምላሽ ከም ዚህቡኻ ተኣማመን። ንርእስኻ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ሕተታ፦ ‘ሓደ ዘፍቅሮ ሰብ ጌጋ ኺገብር ከሎ ምስ ዝርኢ፡ ንምዝራብ ትብዓት ኣሎኒ ድዩ፧ ምኽሪ ኽህቦ ዜድልየኒ እንተ ዀይኑ፡ ብለውሃት ድየ ዝገብሮ ወይስ፡ ተሪር ቃላት እየ ዝጥቀም፧ ምኽሪ ኽህብ ዝደረኸኒ ነገር እንታይ እዩ፧ እቲ ሰብ ቅጭ ስለ ዘምጽኣለይ ድዩ ወይስ፡ ክሕግዞ ስለ ዝደሊ እየ፧’

14. የሱስ ሕያውነት ዜርኢ ብኸመይ እዩ፧

14 የሱስ ብዛዕባ ሕያውነት ይፈልጥ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ይትግብሮ እውን እዩ። ንኣቦኡ ስለ ዜፍቅሮ፡ ብቕኑዕ ድራኸ፡ ወትሩ ቅኑዕ ነገር ይገብር እዩ። ሕያውነት ዘለዋ ሓለፋ፡ ኣብ ካልኦት ብእተሕድሮ ጽልዋ ይርአ እዩ። ከመይሲ፡ ሕያዋይ ሰብ ወትሩ ንኻልኦት ኪሕግዝ እዩ ዚደሊ። እቲ ቕኑዕ እንታይ ምዃኑ ምፍላጥ ጥራይ እኹል ኣይኰነን። የግዳስ፡ ነቲ ቕኑዕ ነገር ብቕኑዕ ድራኸ ኽንገብሮ ኣሎና። ምናልባት ሓደ ሰብ፡ ‘ብሕማቕ ተደሪኽካ፡ ቅኑዕ ነገር ኪግበር ይከኣል ድዩ፧’ ኢሉ ይሓትት ይኸውን። እወ፡ ይከኣል እዩ። ንኣብነት፡ የሱስ ንድኻታት ኪምጽውቱ ኸለዉ፡ ካልኦት ኪርእዩሎም ብዛዕባ ዚደልዩ ዝነበሩ ሰባት ተዛሪቡ እዩ። ተግባራቶም ብላዕለ ላዕሉ ጽቡቕ ዚመስል እኳ እንተ ነበረ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ግና፡ ተቐባልነት ኣይነበሮን።—ማቴ. 6:1-4

15. ብሓቂ ሕያዎት ክንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

15 ናይ ሓቂ ሕያዎት ክንከውን እንኽእል፡ ብቕኑዕ ድራኸ ቕኑዕ ምስ እንገብር እዩ። ስለዚ፡ ‘ቅኑዕ ዘበለ እንታይ ምዃኑ እፈልጥ ጥራይ ዘይኰነስ፡ እገብሮ እውን ድየ፧ ሕያውነት ከርኢ ዚድርኸኒ እንታይ እዩ፧’ ኢልና ንርእስና ንሕተት።

ነቲ ሓድሽ ስብእናና ብኸመይ ንዕቅቦ፧

16. መዓልቲ መዓልቲ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧ ስለምንታይከ፧

16 ነቲ ሓድሽ ስብእና ንምልባስ እንገብሮ ጻዕሪ፡ ‘ምስ ተጠመቕና ኼብቅዕ እዩ’ ኢልና ኽንሓስብ የብልናን። ነቲ ምልኩዕ ዝዀነ “ሓድሽ ክዳንና” ወትሩ ኽንዕቅቦ ኣሎና። መዓልቲ መዓልቲ ፍረ መንፈስ ኣምላኽ ክንፈርየሉ እንኽእል መገድታት ብምንዳይ፡ ነዚ ኽንገብሮ ንኽእል ኢና። ከመይሲ፡ የሆዋ ናይ ተግባር ኣምላኽ እዩ። መንፈሱ እውን ንጡፍ እዩ። ስለዚ፡ ፍረ መንፈስ ኣምላኽ ክንፈሪ ዝያዳ ብዝጸዓርና መጠን፡ የሆዋ ብመንፈሱ ኣቢሉ ይሕግዘና እዩ። (ዘፍ. 1:2) እምበኣር፡ ኵሉ መዳያት ፍረ መንፈስ፡ ንተግባር ኬለዓዕለና ይግባእ። ንኣብነት፡ ወደ መዝሙር ያእቆብ፡ “እምነት ብዘይ ግብሪ ምውትቲ እያ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። (ያእ. 2:26) ብዛዕባ እተን ካልኦት መዳያት ፍረ መንፈስ ኣምላኽ እውን ከምኡ ኺብሃል ይከኣል እዩ። ነተን መዳያት ፍረ መንፈስ ብዘንጸባረቕናየን መጠን፡ መንፈስ ኣምላኽ ኣባና ይዓዪ ኸም ዘሎ ኢና እነርኢ።

17. ኣብ ገሊኡ እዋናት፡ ፍረ መንፈስ እንተ ዘየንጸባሪቕና እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

17 ካብ ዚጥመቑ ነዊሕ ዓመታት ዝገበሩ ክርስትያናት እውን እንተ ዀኑ፡ ፍረ መንፈስ ዘየንጸባርቑሉ እዋናት ኣሎ። እቲ ኣገዳሲ ነገር ግና፡ ተስፋ ዘይምቝራጽ እዩ። ነዚ ምሳሌ እስከ ንርአ። እትፈትዎ ኽዳንካ እንተ ተቐዲዱ፡ ብኡብኡ ዲኻ እትድርብዮ፧ ኣይፋልን። እንተ ተኻኢሉ፡ ነቲ እተቐድደ ኽፋል ትሰፍዮ ኢኻ። ብድሕሪኡ እውን ከይቅደደካ ትጥንቀቕ ኢኻ። ብተመሳሳሊ፡ ምናልባት ንሓደ ሰብ ኣብ ሓደ እዋን ለውሃት፡ ትዕግስቲ ወይ ፍቕሪ እንተ ዘየርኢኻዮ፡ በዚ ተስፋ ኣይትቝረጽ። ካብ ልቢ ይቕረታ ብምሕታት፡ ምስቲ ሰብ ንዝነበረካ ጽቡቕ ርክብ፡ ክትዕቅቦ ትኽእል ኢኻ። ብድሕሪኡ ኸኣ፡ ከተመሓይሽ ጽዓር።

18. ብዛዕባ እንታይ ኢኻ ርግጸኛ ኽትከውን እትኽእል፧

18 የሱስ ኣብነት ስለ ዝገደፈልና፡ ኣዚና ኸነመስግንዶ ኣይግብኣናን፧ ኣተሓሳስባኡ ኽንቀድሕ ብዝጸዓርና መጠን፡ ንዕኡ ኽንመስል ይቐልለና እዩ። ንየሱስ ብዝያዳ ብዝመሰልናዮ መጠን ከኣ፡ ሓድሽ ስብእና ኽንለብስ ዝቐለለ ኪዀነልና እዩ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ካብ ፍረ መንፈስ ኣምላኽ፡ ነተን ኣርባዕተ መዳያት ጥራይ ኢና ርኢና። ነቲ ኻልእ መዳያት ፍረ መንፈስ ኣምላኽ እውን ግዜ መዲብካ ብምጽናዕ፡ ብኸመይ ተንጸባርቖ ኸም ዘለኻ ስለምንታይ ዘይትምርምር። ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ እዚ፡ ኣብ መሐበሪ ምርምር ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ኣብ ትሕቲ “ክርስትያናዊ ህይወት” ዚብል ርእሰ ነገር፡ “ፍረ መንፈስ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ፡ ዝርዝር ዓንቀጻት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ዚከኣለካ እንተ ጌርካ፡ የሆዋ ነቲ ሓድሽ ስብእና ኽትለብስን ለቢስካዮ ኽትቅጽልን ብርግጽ ኪሕግዘካ እዩ።

መዝሙር 127 ከመይ ዝበልኩ እየ ክኸውን ዚግብኣኒ!

^ ሕ.ጽ. 5 ድሕረ ባይታና ብዘየገድስ፡ “ሓድሽ ስብእና” ኽንለብስ ንኽእል ኢና። ከምኡ ንምግባር ድማ ኣተሓሳስባና ብቐጻሊ ኸነዐርን ንየሱስ ክንመስሎ ክንጽዕርን ኣሎና። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ገለ ኻብ ኣተሓሳስባን ተግባራትን የሱስ ክንርኢ ኢና። ብተወሳኺ፡ ድሕሪ ጥምቀት እውን ብኸመይ ንየሱስ ብቐጻሊ ኽንመስሎ ኸም እንኽእል ክንምርምር ኢና።

^ ሕ.ጽ. 4 ኣብ ገላትያ 5:22, 23፡ ኵሉ እቲ መንፈስ ኣምላኽ ከነማዕብሎ ዚሕግዘና ባህርያት ኣይተዘርዘረን። ብዛዕባ እዚ፡ ኣብ ናይ ሰነ 2020 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ” ዚብል ዓንቀጽ ርአ።