ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 22

ክንሕሱ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

ክንሕሱ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

ምናልባት ሓንቲ ጓል ነዲኣ “ሕራይ: ካብ ቤት ትምህርቲ ምስ ተፈደስና ቐልጢፈ ኺመጽእ እየ” ትብላ። እንተዀነ ግን: ምስ መሓዙታ ኽትጻወት ትድንጒ እሞ ነዲኣ “ምስ ተፈደስና: መምህርና ኣደንጕያትኒ” ትብላ። ከምዚ ኢልካ ምምኽናይ ቅኑዕዶ ይመስለካ፧⁠—

እዚ ወዲ እዚ እንታይ ጌጋ እዩ ገይሩ፧

ወይ ከኣ ሓደ ወዲ ኣብ ገዛ ዅዕሶ ቐሊዑ ኸሎ: ነቦኡ “ኣብ ገዛ ኣይቀላዕኩን” እንተ ዚብሎ ጌጋዶ ኣይኰነን፧⁠—

እቲ ዓብዪ መምህር: እቲ ቕኑዕ እንታይ ምዃኑ ነጊሩና እዩ። “ነገርኩምሲ፤ እወ: እወ: ኣይኰነን: ኣይኰነን ደኣ ይኹን። ካብዚ ዝበዝሔ ኻብቲ ኽፉእ እዩ” በለ። (ማቴዎስ 5:37) የሱስ ከምዚ ኺብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ፧⁠— ነቲ ዝበልናዮ ኽንገብሮ ኣሎና ማለቱ እዩ።

ሓቂ ምዝራብ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ዜርኢ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ታሪኽ ኣሎና። እዚ ታሪኽ እዚ ኸኣ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ኢና ንዚብሉ ዝነበሩ ኽልተ ሰባት ዚምልከት እዩ። እንታይ ከም ዘጋጠመ እስከ ንርአ።

የሱስ ምስ ሞተ ድሕሪ ኽልተ ወርሒ ኣቢሉ: ሓያሎ ሰባት በዓላት ሓምሳ ወይ ጴንጠቈስጠ ዚበሃል ዓብዪ ናይ ኣይሁድ በዓል ኬብዕሉ ኻብ ርሑቕ ቦታ ናብ የሩሳሌም ይመጹ ነበሩ። ሃዋርያ ጴጥሮስ: ነቶም ሰባት ዜደንቕ ዝርርብ ብምሃብ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ የሱስ ነገሮም። መብዛሕትኦም ካብቶም ናብ የሩሳሌም ዝመጹ ሰባት ብዛዕባ የሱስ እተመሃሩ ንመጀመርታ ግዜኦም እዩ ነይሩ። ዝያዳ ኺፈልጡ ይደልዩ ነበሩ። ስለዚ እንታይ እዮም ገይሮም፧

ካብቲ ዝሓሰብዎ ንላዕሊ ጸንሑ። ድሕሪ ገለ ግዜ ግን ገሊኣቶም ገንዘቦም ስለ እተወድኦም: ምግቢ ንኺዕድጉ ሓገዝ ኣድለዮም። እቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ ነቶም በጻሕቲ ኺሕግዝዎም ደለዩ። ስለዚ ድማ መብ​ዛሕትኦም ዝነበሮም ጥሪት እናሸጡ ነቲ ገንዘብ ናብ ሃዋርያት የሱስ የምጽእዎ ነበሩ። እቶም ሃዋርያት ከኣ ነቲ ገንዘብ ነቶም ዜድልዮም ይህብዎም ነበሩ።

ኣባላት እታ ኣብ የሩ​ሳሌም ዝነበረት ክር​ስት​ያናዊት ጉባኤ ዝነበሩ ሃናንያን ሰበይቱ ሰጲራን ዝነበሮም ግራት ሸጡ። ሽጥዎ ዝበሎም ሰብ ኣይነበረን። ኪሸጥዎ ዝወሰኑ ባዕሎም እዮም። እዚ ግን ነቶም ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ስለ ዘፍቀሩ ዘይኰነስ: ሰባት ክብ ኣቢሎም ኪርእይዎም ይደልዩ ስለ ዝነበሩ እዮም። ስለዚ ድማ ንዅሉ እቲ ገንዘብ ንኻልኦት ንምሕጋዝ ከም ዝሃቡ ኣምሲሎም ኪዛረቡ ወሰኑ። ገለ ኽፋል እቲ ገንዘብ ጥራይ ሂቦም ክነሶም ብምሉኡ ኸም ዝሃቡ ተዛረቡ። እዝስ እንታይ ምበልካዮ፧⁠—

ሃናንያ ናብ ሃዋርያት ከይዱ ነቲ ገንዘብ ሃቦም። ንዅሉ እቲ ገንዘብ ከም ዘይሃበ ኣምላኽ ይፈልጥ እዩ። ስለዚ ድማ ኣምላኽ ንጴጥሮስ ብዛዕባ እቲ ገንዘብ ሓቂ ኸም ዘይተዛረበ ገለጸሉ።

ሃናንያ ንጴጥሮስ እንታይ ኢሉ እዩ ሓስዩ ዝነግሮ ዘሎ፧

ጴጥሮስ ቀጺሉ ኸምዚ በለ:- ‘ሃናንያ: ከምዚ ኽትገብር ንኺደፋፍኣካ ስለምንታይ ንሰይጣን ፈቒድካሉ፧ እቲ መሬት ናትካ እዩ ነይሩ። ክትሸጦ ግዴታ ኣይነበረካን። ምስ ሸጥካዮ እውን ነቲ ገንዘብ ኣብ ድላይካ ኸተውዕሎ ትኽእል ኔርካ ኢኻ። ካብቲ ገንዘብ መቒልካ ኣትሪፍካ ኸለኻ ግን ኵሉ ኸም ዝሃብካ ኣምሲልካ እተዛረብካ ስለምንታይ ኢኻ፧ ንዓና ጥራይ ዘይኰነስ: ንኣምላኽ እውን ኢኻ ዝሓሶኻ።’

እዚ ኸቢድ ነገር እዩ ነይሩ። ሃናንያ ሓሶት እዩ ተዛሪቡ። ነቲ ብኣፉ እተዛረበሉ ኣይኰነን ዚገብር ነይሩ። የግዳስ: የምስል ጥራይ እዩ ነይሩ። መጽሓፍ ቅዱስ ቀጺሉ እንታይ ከም ዘጋጠመ ይነግረና። ከምዚ ይብል:- ‘ሃናንያ ቓላት ጴጥሮስ ምስ ሰምዐ: ወደቐ: ሞተ ኸኣ።’ ኣምላኽ እዩ ቀዚፍዎ ወይ ቀቲልዎ። ድሕርዚ ኣጕባዝ ተሰኪሞም ወሰድዎ እሞ ቐበርዎ።

ሃናንያ ስለ ዝሓሰወ እንታይ እዩ ኣጋጢምዎ፧

ድሕሪ ሰለስተ ሰዓት: ሰጲራ መጸት። ንሰብኣያ እንታይ ከም ዘጋጠሞ ኣይፈለጠትን። ስለዚ: ጴጥሮስ ‘ንመሬትኩምዶ ብኽንዲ እቲ ዝሃብኩምና ገንዘብ ኢኹም ሼጥኩሞዎ፧’ ኢሉ ሓተታ።

ሰጲራ ‘እወ: ልክዕ ብኽንድኡ ኢና ሼጥናዮ’ ኢላ መለሰት። እዚ ግን ሓሶት እዩ። ነቲ መሬት ምስ ሸጥዎ: ካብቲ ገንዘብ ንዓታቶም ኣትሪፎም እዮም። ስለዚ: ኣምላኽ ንሰጲራ እውን ቀዘፋ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 5:1-11

ካብቲ ንሃናንያን ሰጲራን ዘጋጠሞም ነገር እንታይ ኢና ኽንመሃር እንኽእል፧⁠— ኣምላኽ ሓሰውቲ ኸም ዘይፈቱ እዩ ዚምህረና። ኵሉ ሳዕ ሓቂ ኽንዛረብ እዩ ዚደልየና። ሓያሎ ሰባት ግን ሓሶት ምዝራብ ሽግር ኣየምጽእን እዩ ይብሉ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ቅኑዕ ዘለዉዶ ይመስለካ፧⁠— ኵሉ እዚ ኣብ ምድሪ ዘሎ ሕማምን ስቓይን ሞትን ብሓሶት ዝመጸዶ ይመስለካ፧⁠—

የሱስ ከም ዝበሎ እቲ ብመጀመርታ ሓሶት እተዛረበ መን እዩ፧ ሳዕቤኑኸ እንታይ ነበረ፧

ድያብሎስ ነታ ቐዳመይቲ ሰበይቲ ዝዀነት ሄዋን ሓሶት ከም እተዛረባ ኣይትረስዕ። ትእዛዝ ኣምላኽ እንተ ኣፍሪሳ: ካብታ ንኸይትበልዕ ዝኸልከላ ፍረ ድማ እንተ በሊዓ ኸም ዘይትመውት ነገራ። ሄዋን ንድያብሎስ ኣሚና ኻብታ ፍረ በልዐት። ንኣዳም እውን ከም ዚበልዕ ገበረቶ። ክልቲኦም ሓጥኡ: ኵሎም ደቆም እውን ሓጥኣን ኰይኖም ተወልዱ። ሓጥኣን ስለ ዝዀኑ ኸኣ: ተሳቕዮም ሞቱ። እዚ ዅሉ መከራ እዚ ብኸመይ እዩ ጀሚሩ፧⁠— ብሓሶት እዩ ጀሚሩ።

የሱስ ንድያብሎስ “ሓሳዊ እዩ እሞ: ንሓሶትውን ኣቦኣ እዩ” ኪብሎ እምበኣር ሓቁ እዩ። ብመጀመርታ ሓሶት እተዛረበ ንሱ እዩ። ሓደ ሰብ ሓሶት ኪዛረብ ከሎ እምበኣር ነቲ ፈለማ ድያብሎስ ዝገበሮ እዩ ዚገብር ዘሎ። ሓሶት ንኽንዛረብ እንተደኣ ተፈቲንና: ብዛዕባ እዚ ኽንሓስብ ኬድልየና እዩ።​—⁠ዮሃንስ 8:44

መዓስ ኢኻ ንኽትሕሱ እትፍተን፧⁠— ጌጋ ነገራት ምስ እትገብርዶ ኣይኰነን፧⁠— ኰነ ኢልካ እኳ እንተ ዘይኰነ: ሓደ ነገር ትሰብር ትኸውን። ብዛዕባኡ እንተደኣ ተሓቲትካ: ሓውካ ወይ ሓብትኻ ኸም ዝሰበርዎ ጌርካ ኽትዛረብ ይግባእዶ፧ ወይ ከኣ ከመይ ኢሉ ኸም እተሰብረ ዘይትፈልጥ መሲልካ ኽትቀርብ ግቡእ ድዩ፧⁠—

መዓስ ኢኻ ኽትሕሱ እትፍተን፧

ዕዮ ገዛ እንተ ዚህልወካ እሞ ፍርቁ ጥራይ እንተ ትሰርሖኸ: ከይወዳእካዮ ወዲኤዮ ኽትብልሲ ግቡእዶ ይመስለካ፧ ንሃናንያን ሰጲራን ክንዝክሮም ኣሎና። ሓቂ ኣይተዛረቡን። ኣምላኽ ስለ ዝቐዘፎም ከኣ እዚ ኽሳዕ ክንደይ ሕማቕ ምዃኑ ኣርእዩና እዩ።

ስለዚ: እቲ ዝገበርናዮ ነገር እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ: ብዛዕባኡ እንተደኣ ሓሲና: ዝኸፍአ እዩ ዚኸውን: ፍርቁ ሓቂ ፍርቁ ሓሶት ጌርና እውን ክንዛረብ የብልናን። መጽሓፍ ቅዱስ “ሓቂ ተዛረቡ” ይብለና። “ንሓድሕድኩም ኣይትተሓሳሰዉ” እውን ይብለና። የሆዋ ዅሉ ሳዕ ሓቂ እዩ ዚዛረብ: ንዓናውን ኵሉ ሳዕ ሓቂ ኽንዛረብ እዩ ዚጽበየና።​—⁠ኤፌሶን 4:25፣ ቈሎሴ 3:9

ኵሉ ሳዕ ሓቂ ኽንዛረብ ኣሎና። ኣብ ዘጸኣት 20:16፣ ምሳሌ 6:​16-​19፣ 12:19፣ 14:5፣ 16:6፣ ከምኡውን እብራውያን 4:13 ከምኡ ኽንገብር ከም ዘሎና እዩ ጐሊሑ ዘሎ።