ምዕራፍ 19
ምብኣስ ግቡእ ድዩ፧
ሓይሎም ኬርእዩ ዚደልዩ ኣወዳት ወይ ኣዋልድ ኣጋጢሞምኻዶ ይፈልጡ፧— ምስ ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ክትሓብር ትደሊዶ፧ ወይስ ምስ ሓደ ሕያዋይ ወይ ሰላማዊ ሰብ ኢኻ ኽትሓብር እትደሊ፧— እቲ ዓብዪ መምህር “ገበርቲ ሰላም: ውሉድ ኣምላኽ ኪበሀሉ እዮም እሞ: ብጹኣን [ወይ: ሕጉሳት] እዮም” በለ።—ማቴዎስ 5:9
ይኹን እምበር: ሓድሓደ ግዜ ኻልኦት ሰባት ኬሕርቐና ዚኽእል ነገራት ይገብሩ እዮም። እዝስ ሓቂዶ ኣይኰነን፧— ስለዚ: ሕነ ኽንፈዲ ንደፋፋእ ንኸውን። ሓደ እዋን ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ምስ የሱስ ኰይኖም ናብ የሩሳሌም ኪኸዱ ኸለዉ: ከምዚ ኣጋጠሚዎም ነይሩ እዩ። ብዛዕባኡ ኽነግረካ እየ።
ቍሩብ መገዲ ምስ ተጓዕዙ: የሱስ ንገለ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ሓንቲ ዓዲ ናይ ሰማርያ ኸይዶም ዜዕርፉሉ ቦታ ኼዳልዉ ለኣኾም። ሳምራውያን እተፈልየ ሃይማኖት ስለ ዝነበሮም ግን ኪቕበልዎም ኣይደለዩን። ናብ ከተማ የሩሳሌም ከይዱ ንዜምልኽ ሰብ ኣይፈትውዎን እዮም ነይሮም።
ያእቆብን ዮሃንስን ንሳምራውያን ሕነ ምእንቲ ኺፈድዩ እንታይ ኪገብሩ እዮም ዝደለዩ፧
ንዓኻ ኸምዚ ኣጋጢሙካ ነይሩ እንተ ዚኸውን እንታይ ምገበርካ ኔርካ፧ ምሓረቕካዶ፧ ሕነ ኽትፈዲዶ ምደለኻ፧— እቶም ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ዝነበሩ ያእቆብን ዮሃንስን ሕነ ኺፈድዩ ደለዩ። ንየሱስ “ሓዊ ኻብ ሰማይ ወሪዱ ኼጥፍኦም ክንብልዶ ትደሊ ኢኻ፧” በልዎ። ደቂ ነጎዳ ዚብል ሳጓ ኼውጽኣሎም እምበኣር ሓቁ እዩ ነይሩ። ከምኡ ምግባር ቅኑዕ ከም ዘይኰነ ነገሮም።—ሉቃስ 9:51-56፣ ማርቆስ 3:17
ሓድሓደ ግዜ ሰባት ሕሱማት ኪዀኑና ይኽእሉ እዮም። ገሊኣቶም ቈልዑ ምስኣቶም ሓቢርና ኽንጻወት ኣይደልዩናን ይዀኑ። “ምሳና ኽትሓብር ኣይንደልን ኢና” ኺብሉና እውን ይኽእሉ እዮም። ከምዚ ኼጋጥመና ኸሎ የጕህየና እዩ: ኣይኰነን ድዩ፧ ሕነ ንኽንፈዲ ሓደ ነገር ክንገብር እውን ንሓስብ ንኸውን። ሕነ ኽንፈዲ ግን ግቡእ ድዩ፧—
መጽሓፍ ቅዱስና ገንጺልና ምሳሌ ምዕራፍ 24 ቍጽሪ 29 እሞ ነውጽእ። ከምዚ ትብል:- “ከምታ ዝገበረኒ ኽገብሮ: ንሰብ ከም ግብሩ ኽፈድዮ እየ: ኣይትበል።”
እዚ እንታይ ማለት ይመስለካ፧— ሕነ ኽንፈዲ ኸም ዘይብልና እዩ ዚነግረና ዘሎ። ሓደ ሰብ ስለ ዝጨከነልና ኽንጭክነሉ ግቡእ ኣይኰነን። ይኹን እምበር: ኪበኣሰና ኢሉ ዚተዃትዀና እንተደኣ ዀይኑኸ፧ እናተጻረፈ ኼሕርቐካ ይፍትን ይኸውን። እናላገጸ ድማ ፈራሕ ይብለካ: አረ በጅባጅ እውን ይብለካ ይኸውን። እንታይ ኢኻ ኽትገብር ዘሎካ፧ ክትበኣስ ይግብኣካዶ፧—
መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዚብል እስከ እንደገና ንርአ። ኣብ ትርጕም 1990 ማቴዎስ ምዕራፍ 5 ቍጽሪ 39 እንተ ኣውጺእና: የሱስ “የማነይቲ መትልሕካ ንዚጸፍዓካ ግና እታ ኻልኣይቲውን ምለሰሉ” በለ። ከምዚ ኺብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ፧ ሓደ ሰብ ብቡኛ ወይ ብጕስጢ ኣብ ሓደ ሸነኽ ገጽካ እንተደኣ ሃሪሙካ: በቲ ሓደ ሸነኽ ገጽካ ንኺሃርመካ እውን ቀርበሉ ማለቱ ድዩ፧—
ኣይፋሉን: የሱስ ፈጺሙ ኸምኡ ማለቱ ኣይኰነን። ጽፍዒት ምስ ቡኛ ሓደ ኣይኰነን። ምስ ኰነ ኢልካ ዚግበር ምጕናጽ ወይ ምንውናው ኪመሳሰል ዚኽእል እዩ። ሓደ ሰብ ባእሲ ንምልዕዓል ኢሉ ኺጸፍዓና ይኽእል እዩ። ኬሕርቐና እዩ ድልየቱ። እንተደኣ ሓሪቕና እሞ ንሕናውን ከምታ ዝገበረና እንተደኣ ጌርናዮ እንታይ እዩ ዚስዕብ፧— ምናልባት ክንበኣስ ኢና።
የሱስ ግን ንደቀ መዛሙርቱ ኺበኣሱ ኣይደለዮምን። ስለዚ: ሓደ ሰብ እንተደኣ ጸፊዑና: ንሕናውን ክንጸፍዖ ግቡእ ኣይኰነን። ክንሓርቕን ክንበኣስን የብልናን። እንተደኣ ተባኢስና ግን ካብቲ ነቲ ባእሲ ዝጀመሮ ሰብ ኣይንሓይሽን ኢና።
ህውከት እንተደኣ ተላዒሉ: እንታይ ምግባር እዩ ዝሓሸ ዚመስለካ፧— ገዲፍካዮ ምኻድ እዩ ዜዋጽእ። እቲ ሰብ ንእተወሰነ ግዜ ንኽትበኣስ ዚደፋፍኣካ እኳ እንተዀነ: ተሓሊሉ ኺገድፎ ይኽእል እዩ። ገዲፍካዮ ምኻድ: ድኹም ምዃንካ ኣይኰነን ዜርኢ። ቅኑዕ ዘበለ ንምስዓብ ሓያል ምዃንካ እዩ ዜርኢ።
ሓደ ሰብ ኪበኣሰና ምስ ዝደሊ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧
እንተዀነ ግን: ተባኢስካ ምስ እተሕምቕከ: እንታይ እዩ ኼጋጥመካ ዚኽእል፧— እቲ ዝሃረምካዮ ሰብ ምስ ኣዕሩኹ ኺምለሰካ ይኽእል እዩ። ብበትሪ ወይ ብኻራ እውን ከይተረፈ ኺጐድኡኻ ይኽእሉ እዮም። ስለዚ እምበኣር: የሱስ ስለምንታይ ክትበኣሱ የብልኩምን ከም ዝበለናስ ተረዲኡካዶ፧—
ካልኦት ሰባት ኪበኣሱ እንተደኣ ርኢናኸ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧ ክንዘሪ ይግብኣና ድዩ፧— መጽሓፍ ቅዱስ: እቲ ቕኑዕ እንታይ ምዃኑ ይነግረና እዩ። ምሳሌ ምዕራፍ 26 ቍጽሪ 17 ንገንጽል። ከምዚ ኸኣ ትብል:- “እቲ ናብ ዘይነገሩ ዚአቱ ሓላፍ መገዲ ከምቲ ንእዝኒ ኸልቢ ዚሕዝ እዩ።”
ኣብ ባእሲ ኻልኦት ምእታው ንእዝኒ ኸልቢ ምስ ምሓዝ ኪመሳሰል ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ ክትጕዳእ ትኽእል ኢኻ: ስለዚ ኸምኡ ኣይትግበር
ንኸልቢ ኣእዛኑ ዕሙኽ ኣቢልካ እንተደኣ ሒዝካዮ: እንታይ እዩ ኼጋጥመካ ዚኽእል፧ እቲ ኸልቢ ስለ ዜሕሞ ሕኒን ኪብለካ ይኽእል እዩ: ኣይኰነን ድዩ፧ እቲ ኸልቢ ኺፍንጽገካ ይደሊ: ንስኻ ኸኣ እትሪርካ ትሕዞ: ሕርቃኑ ኸኣ እናገደደ ይኸይድ። እንተደኣ ፈኒኻዮ: ኪነኻኽሰካ እዩ። እንተዀነ ግን: ኣእዛኑ ንሓዋሩ ሒዝካዮ ደው ክትብልዶ ትኽእል ኢኻ፧—
ኣብ ባእሲ ኻልኦት ሰባት ምስ እንጽምበር እውን: ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጸገም ንኣቱ ኣሎና ማለት እዩ። ነቲ ባእሲ መን ከም ዝጀመሮ ወይ ስለምንታይ ይበኣሱ ኸም ዘለዉ ኣይንፈልጥን ኢና። ሓደ ሰብ ይውቃዕ ይህሉ ይኸውን: ምናልባት ግን ካብቲ ዚወቕዖ ዘሎ ሰብ ገለ ነገር ሰሪቑ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እንተ ዘሪናሉ: ንሰራቒ ዘሪና ማለት እዩ። ከምዚ ምግባር ከኣ ግቡእ ኣይኰነን።
ስለዚ: ባእሲ እንተደኣ ርኢኻ: እንታይ ኢኻ ኽትገብር ዘሎካ፧— ኣብ ቤት ትምህርቲ እንተደኣ ዀይኑ: ጐዪኻ መምህር ክትጽውዕ ትኽእል ኢኻ። ካብ ቤት ትምህርቲ ወጻኢ እንተደኣ ዀይኑ ኸኣ: ሓደ ኻብ ወለድኻ ወይ ፖሊስ ክትጽውዕ ትኽእል ኢኻ። እወ: ካልኦት ሰባት ኪበኣሱ ኺደልዩ ኸለዉ እውን ከይተረፈ ሰላማውያን ክንከውን ኣሎና።
ባእሲ እንተደኣ ርኢኻ: እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧
ናይ ሓቂ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ብእተኻእሎም መጠን ኣብ ባእሲ ንኸይኣትዉ ይጽዕሩ እዮም። በዚ ኸምዚ ቕኑዕ ዘበለ ንምግባር ሓያላት ምዃንና ነርኢ። መጽሓፍ ቅዱስ: ወደ መዝሙር የሱስ ‘ንዅሉ ለዋህ ኪኸውን እምበር: ኪበኣስ ከም ዘይግብኦ’ ይነግረና።—2 ጢሞቴዎስ 2:24
ሕጂ ድማ ካብ ባእሲ ንኽንርሕቕ ኪሕግዘና ዚኽእል ጽቡቕ ምኽሪ ዝሓዘለ ተወሳኺ ጥቕስታት ንርአ:- ሮሜ 12:17-21 ከምኡውን 1 ጴጥሮስ 3:10, 11

