ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃር

ሰናይ ምግባር ከቢድ ዚዀነሉ ምኽንያት

ትግርኛ
ሰናይ ምግባር ከቢድ ዚዀነሉ ምኽንያት
https://cms-imgp.jw-cdn.org/img/p/1102003046/univ/art/1102003046_univ_sqr_xl.jpg
lr ምዕ. 26

ምዕራፍ 26

ሰናይ ምግባር ከቢድ ዚዀነሉ ምኽንያት

ሰናይ ምግባር ከቢድ ዚዀነሉ ምኽንያት

ሳውል ክፉእ ነገራት ኪገብር ከሎ መን እዩ ዚሕጐስ ነይሩ፧⁠— ሰይጣን ድያብሎስ እዩ። እቶም ናይ ኣይሁድ መራሕቲ ሃይማኖት እውን ይሕጐሱ ነይሮም እዮም። ሳውል: ወደ መዝሙር እቲ ዓብዪ መምህር ምስ ኰነ እሞ ጳውሎስ ተባሂሉ ኺጽዋዕ ምስ ጀመረ ግን: እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ኪጸልእዎ ጀመሩ። ስለዚ: ንሓደ ወደ መዝሙር የሱስ ሰናይ ንኺገብር ስለምንታይ ከም ዚኸብዶስ ተረዲኡካዶ፧

ጳውሎስ ሰናይ ዘበለ ኺገብር ከሎ እንታይ መከራ እዩ ዘሕለፈ፧

ሓደ እዋን እቲ ሊቀ ኻህናት ዝነበረ ሃናንያ ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰባት ንጳውሎስ ኣብ ገጹ ኺዘብጥዎ ኣዘዞም። ኬእስሮ እውን ከይተረፈ ፈቲኑ እዩ። ጳውሎስ ወደ መዝሙር የሱስ ምስ ኰነ ብዙሕ መከራ እዩ ኣሕሊፉ። ንኣብነት: ክፉኣት ሰባት ቀጥ​ቂጦምዎ እዮም: ብእምኒ እውን ኪቐትልዎ ፈቲኖም እዮም።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 23:1, 2፣ 2 ቈረንቶስ 11:​24, 25

ሓያሎ ሰባት ንኣምላኽ ዘየሐጕስ ነገራት ንኽንገብር ኪፍትኑና ይጽዕሩ እዮም። ስለዚ እምበኣር: ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ሕሰበሉ:- ሰናይ ዘበለ እተፍቅር ክሳዕ ክንደይ ኢኻ፧ ካልኦት ሰናይ ብምግባርካ ኺጸልኡኻ ኸለዉ እውን ከይተረፈ ሰናይ ተፍቅር ዲኻ፧ ከምዚ ምግባርሲ ትብዓት ዚሓትትዶ ኣይኰነን፧⁠—

‘ሰናይ ብምግባርና ሰባት ዚጸልኡና ግን ስለምንታይ እዮም፧ ኪሕጐሱዶ ኣይኰኑን ዚግብኦም፧’ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን። መብዛሕትኡ ግዜ ሰባት ንየሱስ በቲ ዝገበሮ ሰናይ ነገራት ይፈትውዎ ነይሮም እዮም። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ኸኣ ተቐማጦ ናይ ሓንቲ ኸተማ ብምሉኦም ኣብ ገበላ ወይ ኣፍ ደገ እታ የሱስ ኣዕሪፉላ ዝነበረ ገዛ ተኣከቡ። የሱስ ሕሙማት የሕዊ ስለ ዝነበረ እዮም ናብኡ ኸይዶም።​—⁠ማርቆስ 1:33

ሓድሓደ ግዜ ግን ሰባት ነቲ የሱስ ዚምህሮ ዝነበረ ትምህርትታት ኣይፈትውዎን እዮም ነይሮም። ኵሉ ሳዕ ቅኑዕ ዘበለ እኳ ይምህር እንተ ነበረ: ገሊኣቶም ግን ሓቂ ስለ እተዛረበ ኣጸቢቖም ከም ዚጸልእዎ ኣርእዮም እዮም። ሓደ መዓልቲ ኣብታ ዝዓበየላ ኸተማ ናዝሬት: ናብቲ ኣይሁድ ንኣምላኽ ንምምላኽ ዚእከቡሉ ዝነበሩ ቤት ጸሎት ምስ ከደ: ከምዚ ኣጋጢሙ እዩ።

ኣብኡ ኸኣ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ጽቡቕ ዝርርብ ሃበ። እቶም ሰባት መጀመርታ ፈተውዎ። በቲ ኻብ ኣፉ ዚወጽእ ዝነበረ ሰናይ ዘረባ ኸኣ ተገረሙ። የሱስ እቲ ኣብ ከተማኦም ዝዓበየ መንእሰይ ምዃኑ ኺኣምኑ ኣይከኣሉን።

ቀጺሉ ግን የሱስ ካልእ ፍልይ ዝበለ ነገር እውን ተዛረበ። ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ነቶም ካብ ኣይሁድ ዘይኰኑ ሰባት ፍሉይ ቈላሕታ ዝገበረሎም ግዜያት ነገሮም። የሱስ እዚ ምስ በለ: ኣብቲ ቤት ጸሎት ዝነበሩ ሰባት ተቘጥዑ። ስለምንታይ ከም እተቘጥዑስ ትፈልጥዶ፧⁠— ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም ንሳቶም ጥራይ ከም ዝዀኑ: ካብ ካልኦት ሰባት ድማ ዚበልጹ ዀይኑ ይስምዖም ስለ ዝነበረ እዩ። ስለዚ ድማ ንየሱስ በቲ ዝበሎ ነገር ጸልእዎ። እንታይ ኪገብርዎ ኸም ዝፈተኑኸ ትፈልጥዶ፧⁠—

መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብለና:- ‘ንየሱስ ሒዞም: ካብ ዓዲ ናብ ወጻኢ ኣውጽእዎ: ኬጽድፍዎ ኸኣ ናብ ገምገም ከረን ወሰድዎ። ንሱ ግና ብማእከሎም ሓሊፉ ኸደ።’​—⁠ሉቃስ 4:16-30

እዞም ሰባት እዚኣቶም ንየሱስ ኪቐትልዎ ዚደልዩ ዘለዉ ስለምንታይ እዮም፧

ከምዚ እንተ ዜጋጥመካ ነይሩ: ናብቶም ሰባት ኬድካ እንደገና ብዛዕባ ኣምላኽ ምተዛረብካዮምዶ፧⁠— ከምዚ ምግባር ትብዓት ዚሓትትዶ ኣይኰነን፧⁠— የሱስ ግን ሓደ ዓመት ዚኸውን ጸኒሑ ናብ ናዝሬት ተመሊሱ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ኣብ ቤት ጸሎቶም መሀሮም” ይብለና። የሱስ ነቶም ፍቕሪ ኣምላኽ ዘይነበሮም ሰባት ፈሪሁ ሓቂ ምዝራብ ኣይገደፎን።​—⁠ማቴዎስ 13:54

ኣብ ካልእ ግዜ ኸኣ የሱስ ብሰንበት ሓደ ኢዱ ዝነቐጸት ሰብኣይ ኣብ ዝነበሮ ስፍራ ነበረ። የሱስ ነቲ ሰብኣይ ኬሕውዮ ኻብ ኣምላኽ እተዋህቦ ኽእለት ነይርዎ እዩ። ገለ ኻብቶም ኣብኡ ዝነበሩ ሰባት ግን ንየሱስ ጸገማት ኪፈጥሩሉ ይጽዕሩ ነበሩ። እቲ ዓብዪ መምህርከ እንታይ ገበረ፧⁠— መጀመርታ ኸምዚ ኢሉ ሓተቶም:- ‘በጊዕ እንተ ትህልወኩም እሞ ኣብ መዓልቲ ሰንበት ኣብ ዓብዪ ጕድጓድ እንተ ትወድቕ መውጻእኩምዋዶ፧’

እወ: ኣብታ ኺዓርፉላ ዚግብኦም ሰንበት እውን ከይተረፈ ነታ በጊዕ መውጽእዋ ነይሮም። ስለዚ: የሱስ ‘ካብ በጊዕ: ሰብ ኣዝዩ ስለ ዚበልጽ ብሰንበት ንሰብ ምሕጋዝ ይሓይሽ’ በሎም። የሱስ ነዚ ሰብኣይ እዚ ሕማሙ ብምፍዋስ ኪሕግዞ ኸም ዝነበሮ ንጹር እዩ ነይሩ።

የሱስ ነቲ ሰብኣይ ኣእዳዉ ኺዝርግሕ ነገሮ። ሽዑ ንሽዑ ኸኣ ሓወየት። እቲ ሰብኣይሲ ኣየ ኽንደይ ተሓጒሱ ኪኸውን ኣለዎ! እቶም ካልኦት ሰባትከ ተሓጒሶምዶ፧⁠— ኣይተሓጐሱን። ንየሱስ ብዝያዳ እኳ ደኣ ጸልእዎ። ወጺኦም ከኣ ኪቐትልዎ ተማኸሩ።​—⁠ማቴዎስ 12:9-14

ሎሚ እውን እቲ ዅነታት ከምኡ እዩ። ዝገበርና እኳ እንተ ገበርና: ንዅሉ ሰብ ከነሐጕስ ኣይንኽእል ኢና። ስለዚ: ብሓቂ ንመን ከነሐጕስ ከም እንደሊ ኽንውስን ኬድልየና እዩ። ንየሆዋ ኣምላኽን ንወዱ የሱስ ክርስቶስን ከነሐጕስ ንደሊ እንተደኣ ዄንና: ኵሉ ሳዕ ዚመሃሩና ኽንገብር ኬድልየና እዩ። እዚ ኽንገብር ከለና ግን መን እዩ ኺጸልኣና ዚኽእል፧ ሰናይ ዘበለ ኺንገብር እናደለና ኸም ዚኸብደና ዚገብር መን እዩ፧⁠—

ሰይጣን ድያብሎስ እዩ። ካልእኸ መን ይመስለካ፧⁠— እቶም ክፉእ ነገራት ንኺኣምኑ ድያብሎስ ዜታለሎም ሰባት እዮም። የሱስ ነቶም ኣብ ግዜኡ ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት “ንስኻትኩም ካብቲ ኣቦኹም ድያብሎስ ኢኹም: እታ ትምኒት ኣቦኹም ክትገብሩውን ትደልዩ አሎኹም” በሎም።​—⁠ዮሃንስ 8:44

ብድያብሎስ ዚፈተዉ ብዙሓት ሰባት ኣለዉ። የሱስ ነዚኣቶም “ዓለም” ኢሉ እዩ ዚጽውዖም። ብዛዕባ እንታይ ዓይነት “ዓለም” ዚዛረብ ዝነበረ ይመስለካ፧⁠— ዮሃንስ ምዕራፍ 15 ቍጽሪ 19 ኣውጺእና እሞ ንርአ። እዚ ዚስዕብ የሱስ እተዛረቦ ቓላት ከኣ ነንብብ:- “ካብ ዓለም እንተ ትዀኑስ: ዓለም ነቲ ናታ ዝዀነ ትፈትዎ እያ እሞ: ምፈተወትኩም ነይራ። ኣነ ደኣ እየ ኻብ ዓለም ዝሐሬኹኹም እምበር: ካብ ዓለም ኣይኰንኩምን: ስለዚ ዓለም ትጸልኣኩም እያ።”

ስለዚ እምበኣር: እታ ንደቀ መዛሙርቲ የሱስ እትጸልእ ዓለም ብዅሎም እቶም ሰዓብቱ ዘይኰኑ ሰባት ዝቘመት እያ። ዓለም ንደቀ መዛሙርቲ የሱስ እትጸልኦም ግን ስለምንታይ እያ፧⁠— ብዛዕባ እዚ እሞ ሕሰብ። ገዛኢ ዓለም መን እዩ፧⁠— መጽሓፍ ቅዱስ ‘ብዘላ ዓለም በቲ እኩይ ተታሒዛ ኣላ’ ይብለና። እቲ እኩይ ከኣ ሰይጣን ድያብሎስ እዩ።​—⁠1 ዮሃንስ 5:19

ሰናይ ክትገብር ከቢድ ዝዀነሉ ምኽንያት ሕጂ ተረዲኡካዶ፧⁠— ከም ዚኸብደና ዚገብርዎ ሰይጣንን እታ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽሩ ዘላ ዓለምን እዮም። ይኹን እምበር: ካልእ ምኽንያት እውን ኣሎ። እዚ እንታይ ምዃኑስ ትፈልጦዶ፧⁠— ኣብ ምዕራፍ 23 እዛ መጽሓፍ እዚኣ: ኵላትና ብሓጢኣት ከም እተወለድና ተማሂርና ኢና። ሓጢኣትን ድያብሎስን ዓለምን ምስ ኣልገሱ ዜሐጕስዶ ኣይኰነን ዚኸውን፧⁠—

እዛ ዓለም እዚኣ ምስ ሓለፈት: እቶም ሰናይ ዚገብሩ እንታይ ኪዀኑ እዮም፧

መጽሓፍ ቅዱስ “ዓለም ትሐልፍ እያ” ይብለና። እዚ ማለት ከኣ ኵሎም እቶም ሰዓብቲ እቲ ዓብዪ መምህር ዘይኰኑ ሰባት ኣይኪህልዉን እዮም ማለት እዩ። ንዘለኣለም ኪነብሩ ኣይኪፍቀደሎምን እዩ። ንዘለኣለም ዚነብር መን ምዃኑ ትፈልጥዶ፧⁠— መጽሓፍ ቅዱስ ቀጺሉ “እቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለኣለም ይነብር” ይብለና። (1 ዮሃንስ 2:17) እወ: እቶም ሰናይ ወይ “ፍቓድ ኣምላኽ” ዚገብሩ እዮም ኣብታ ኣምላኽ ዜምጽኣ ሓዳስ ዓለም ዚነብሩ። ስለዚ: ከቢድ እኳ እንተዀነ ሰናይ ክንገብርዶ ኣይኰንናን እንደሊ፧⁠—

ሰናይ ምግባር ስለምንታይ ቀሊል ከም ዘይኰነ ዚሕብር እዚ ዚስዕብ ጥቕስታት ሓቢርና ነንብብ:- ማቴዎስ 7:13, 14፣ ሉቃስ 13:23, 24፣ ከምኡውን ግብሪ ሃዋርያት 14:21, 22