ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃር

ካብ መላእኽቲ ኣምላኽ እንረኽቦ ሓገዝ

ትግርኛ
ካብ መላእኽቲ ኣምላኽ እንረኽቦ ሓገዝ
https://cms-imgp.jw-cdn.org/img/p/1102003031/univ/art/1102003031_univ_sqr_xl.jpg
lr ምዕ. 11

ምዕራፍ 11

ካብ መላእኽቲ ኣምላኽ እንረኽቦ ሓገዝ

ካብ መላእኽቲ ኣምላኽ እንረኽቦ ሓገዝ

ገለ ሰባት ‘ክንርእዮ እንኽእል ነገራት ጥራይ ኢና እንኣምን’ ይብሉ። እዚ ግን ዕሽነት እዩ። ብዓይንና ፈጺምና ርኢናዮ ዘይንፈልጥ: ግን ከኣ ብሓቂ ዘሎ ብዙሕ ነገራት ኣሎ። ሓደ ኻብኡ ኽትጠቅስ ምኸኣልካዶ፧⁠—

እነተንፍሶ ኣየር ሓደ ኻብኡ እዩ። ነዚ ኽንድህስሶ ንኽእልዶ፧⁠— ኢድካ ሓፍ ኣብል እሞ ኡፍ በለሉ። ገለ ነገርዶ ተሰሚዑካ፧⁠— እወ: ተሰሚዑካ እዩ: እንተዀነ ግን: ነቲ ኣየር ክትርእዮዶ ትኽእል ኢኻ፧⁠—

ብዛዕባ እቶም ክንርእዮም ዘይንኽእል መንፈሳውያን ኣካላት ድሮ ተዘራሪብናሉ ኢና። ገሊኣቶም ገበርቲ ሰናይ: ገሊኣቶም ግን ገበርቲ ኽፉእ ወይ እኩያት ምዃኖም ተማሂርና ኢና። ካብቶም ክንርእዮም ዘይንኽእል ሰናይ ዚገብሩ መንፈሳውያን ኣካላት ገለ እስከ ጥቐስ።⁠— እወ: የሆዋ ኣምላኽ: የሱስ: ከምኡውን ጽቡቕ ዚገብሩ መላእኽቲ ኣለዉ። እኩያት መላእኽቲኸ ኣለዉዶ፧⁠— መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዘለዉ ይነግረና እዩ። ብዛዕባኦም እተመሃርካዮ እስከ ንገረኒ።⁠—

እቶም ሰናይ ዚገብሩ መላእኽቲ ይኹኑ እቶም እኩያት መላእኽቲ ኻባና ዝሓየሉ ምዃኖም ንፈልጥ ኢና። እቲ ዓብዪ መምህር ብዛዕባ መላእኽቲ ብዙሕ ነገራት ይፈልጥ እዩ። ምኽንያቱ ንሱ ኣብ ምድሪ ሕጻን ኰይኑ ቕድሚ ምውላዱ መልኣኽ እዩ ነይሩ። ኣብ ሰማይ ምስ ካልኦት መላእኽቲ ይነብር ነይሩ እዩ። ብሚልዮናት ንዚቝጸሩ መላእኽቲ እውን ይፈልጥ ነበረ። ኵሎም እዞም መላእኽቲ እዚኣቶምሲ ስማት ኣለዎምዶ፧⁠—

ኣምላኽ ንኸዋኽብቲ ስም ከም ዘውጸኣሎም ተማሂርና ኢና። ኵሎም መላእኽቲ እውን ስማት ከም ዘለዎም ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ‘ቛንቋ መላእኽቲ’ ስለ ዚነግረና: ንሓድሕዶም ኪዘራረቡ ኸም ዚኽእሉ ንፈልጥ ኢና። (1 ቈረንቶስ 13:1) መላእኽቲ ብዛዕባ እንታይ ዚዘራረቡ ይመስለካ፧ ብዛዕባ እቶም ኣብ ምድሪ ዘለና ሰባት ይዘራረቡ ድዮም፧⁠—

እቶም ኣጋንንቲ ዚበሃሉ ናይ ሰይጣን መላእኽቲ ንየሆዋ ኸም ዘይንእዘዞ ንኺገብሩና ኢሎም ከም ዚፍትኑና ንፈልጥ ኢና። ስለዚ: ከመይ ገይሮም ከም ዜስሕቱና ዚዘራረቡ ኪዀኑ ኣለዎም። የሆዋ ምእንቲ ኺጸልኣና ንዓታቶም ክንመስል እዮም ዚደልዩና። እቶም እሙናት መላእኽቲ ኣምላኽከ፧ ንሳቶም እውን ብዛዕባና ዚዘራረቡዶ ይመስለካ፧⁠— እወ: ይዘራረቡ እዮም። ኪሕግዙና ይደልዩ እዮም። ሕጂ: ገለ ኻብ መላእኽቲ ኣምላኽ ነቶም ንየሆዋ ዜፍቅርዎን ዜገልግልዎን ዝነበሩ ሰባት ብኸመይ ከም ዚሓገዝዎም ክነግረካ እየ።

ንኣብነት: ኣብ ባቢሎን ዚነብር ዳንኤል ዚበሃል ሰብኣይ ነበረ። ኣብታ ሃገር እቲኣ ዝነበሩ ብዙሓት ሰባት ንየሆዋ ኣየፍቅርዎን እዮም ነይሮም። ሕሉፍ ሓሊፎም ናብ የሆዋ ኣምላኽ ዝጸለየ ሰብ ኪቕጻዕ ምዃኑ ዚእዝዝ ሕጊ ኣውጽኡ። ዳንኤል ግን ናብ የሆዋ ምጽላዩ ኣየቋረጸን። ንዳንኤል እንታይ ከም ዝገበርዎስ ትፈ​ልጥዶ፧⁠—

እወ: እኩያት ሰባት ንዳንኤል ናብ ጕድጓድ ኣናብስ ከም ዚድርበ ገበሩ። ኣብኡ ድማ በይኑ ምስ ዝጠመዩ ኣናብስ ነበረ። ሽዑ እንታይ ከም ዘጋጠሞስ ትፈልጥዶ፧⁠— ዳንኤል ‘ኣምላኽ መልኣኹ ልኢኹ: ኣፍ ኣናብስ ዓጸወ’ በለ። ዋላ ሓንቲ ጕድኣት ኣይወረዶን! መላእኽቲ ነቶም ንየሆዋ ዜገልግልዎ ዜደንቕ ነገራት ኪገብሩሎም ይኽእሉ እዮም።​—⁠ዳንኤል 6:18-22

ኣምላኽ ንዳንኤል ንምድሓን እንታይ እዩ ዝገበረ፧

ካልእ ብዛዕባ እቲ ጴጥሮስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝኣተወሉ ግዜ ዚገልጽ ዛንታ ኽነግረካ። ንሱ ነቲ ዓብዪ መምህር ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ: ዓርኩ ኸም ዝነበረ ትዝክሮ ኢኻ። ጴጥሮስ ንገለ ሰባት የሱስ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ምስ ነገሮም ስለ ዝጸልእዎ: ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተውዎ። ምእንቲ ኸይሃድም ድማ ወተሃደራት ይሕልውዎ ነበሩ። ኪሕግዞ ዚኽእል ነይሩዶ፧⁠—

ጴጥሮስ ኣብ መንጎ ኽልተ ሓለውቲ ደቂሱ: ኣእዳዉ ኸኣ ብሰንሰለት ተኣሲሩ ነበረ። መጽሓፍ ቅዱስ ግን ከምዚ ይብለና:- “እንሆ ኸኣ: መልኣኽ እግዚኣብሄር ኣብ ጥቓኡ ደው በለ: ኣብታ ቤት ማእሰርቲ ድማ ብርሃን በርሄ: ንጴጥሮስውን መሰንገሊኡ ተንክዩ፤ ቀልጢፍካ ተንስእ: ኢሉ ኣበራበሮ።”

ሓደ መልኣኽ ንጴጥሮስ ካብ ማእሰርቲ ኺወጽእ ዝሓገዞ ብኸመይ እዩ፧

ሽዑ: እቲ ጴጥሮስ ተኣሲሩሉ ዝነበረ መቓውሕ ወይ ሰንሰለት ካብ ኣእዳዉ ወደቐ። እቲ መልኣኽ ከኣ ‘ክዳንካ ተኸደን: ኣሳእንካ ኸኣ ግበር እሞ ስዓበኒ’ በሎ። እቲ መልኣኽ ንጴጥሮስ ይሕግዞ ስለ ዝነበረ እቶም ሓለውቲ ደው ኬብልዎም ኣይከኣሉን። ቀጺሎም ናብ ማዕጾ ሓጺን በጽሑ እሞ ዘይልሙድ ነገር ኣጋጠመ። እቲ ማዕጾ ባዕሉ ተኸፍተ! ጴጥሮስ ስብከቱ ምእንቲ ኪቕጽል እቲ መልኣኽ ካብ ቤት ማእሰርቲ ኣውጽኦ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 12:3-11

ንዓናኸ መላእኽቲ ኺሕግዙና ይኽእሉ ድዮም፧⁠— እወ: ይኽእሉ እዮም። ከምዚ ኺበሃል ከሎ ግን ዝዀነ ይኹን መጕዳእቲ ወይ ማህሰይቲ ንኸየጋጥመና ይከላኸሉልና እዮም ማለት ድዩ፧⁠— ከምኡ ማለት ኣይኰነን። ናይ ዕሽነት ተግባራት ንገብር እንተደኣ ዄንና: ንኸይንጕዳእ ኣይከላኸሉልናን እዮም። ናይ ዕሽነት ተግባራት እንተ ዘይገበርና እውን ማህሰይቲ ኼጋጥመና ይኽእል እዩ። መላእኽቲ ኸምዚ ንኸየጋጥመና ኺከላኸሉልና ኣይተላእኩን። ኣብ ክንዳኡስ ኣምላኽ ኪዓይዎ ዘለዎም ፍሉይ ዕዮ ሂብዎም እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ: ብዛዕባ ሓደ ኣብ ኵላ ምድሪ ንዚነብሩ ሰባት ንኣምላኽ ኬምልኹ ዚነግር መልኣኽ ይገልጽ እዩ። (ራእይ 14:6, 7) እቲ መልኣኽ ከመይ ገይሩ እዩ ነጊርዎም፧ ኵሉ ሰብ ምእንቲ ኺሰምዖ ኢሉ ኻብ ሰማይ ድዩ ዓው ኢሉ ተዛሪቡ፧⁠— ኣይኰነን: ኣብ ክንዳኡስ: ኣብ ምድሪ ዘለዉ ሰዓብቲ የሱስ ንኻልኦት ሰባት ብዛዕባ ኣምላኽ ይነግርዎም እሞ: መላእኽቲ ኸኣ ኣብ ዕዮኦም ይመርሕዎም። መላእኽቲ: ኵሎም እቶም ብዛዕባ ኣምላኽ ብሓቂ ኺፈልጡ ዚደልዩ ሰባት ነቲ መልእኽቲ ኸም ዚሰምዕዎ ይገብሩ እዮም። ኣብ ዕዮ ስብከት ክንጽመድ ንኽእል ኢና: መላእኽቲ ኸኣ ኪሕግዙና እዮም።

እንተዀነ ግን: ንኣምላኽ ዘየፍቅሩ ሰባት እንተደኣ ኣሸጊሮምናኸ፧ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንተ ዘእትዉናኸ፧ መላእኽቲ ኼውጽኡና ይኽእሉ ድዮም፧⁠— እወ: ይኽእሉ እዮም። ይኹን እምበር: ኵሉ ሳዕ ኣይኰኑን ከምኡ ዚገብሩ።

እዚ መልኣኽ እዚ ንጳውሎስ እንታይ እዩ ዚብሎ ዘሎ፧

ሓደ ኻብቶም ሰዓብቲ የሱስ ዝነበረ ጳውሎስ እውን ሓደ ግዜ እሱር ነይሩ እዩ። ሕማቕ ማዕበል ኣብ እተላዕለሉ እዋን ብመርከብ ይጐዓዝ ነበረ። ይኹን እምበር: መላእኽቲ ብኡንብኡ ኻብቲ ቤት ማእሰርቲ ኣየውጽእዎን። ምኽንያቱ ድማ ብዛዕባ ኣምላኽ ኪመሃሩ ዜድልዮም ካልኦት ሰባት ነይሮም እዮም። ሓደ መልኣኽ ‘ጳውሎስ: ኣብ ቅድሚ ቄሳር ደው ክትብል ኢኻ። ኣይትፍራህ’ በሎ። እወ: ጳውሎስ ነቲ ናይ ዓለም ገዛኢ ዝነበረ ቄሳር ምእንቲ ኺሰብከሉ ናብኡ ኺውሰድ ነበሮ። መላእኽቲ: ጳውሎስ ኣበይ ከም ዝነበረ ስለ ዚፈልጡ: ይሕግዝዎ ነበሩ። ንሕናውን ንኣምላኽ ብሓቂ ነገልግሎ እንተደኣ ዄንና: መላእኽቲ ኺሕግዙና ይኽእሉ እዮም።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 27:23-25

መላእኽቲ ዚዓይዎ ኻልእ ዓብዪ ዕዮ እውን ኣሎ: ነዚ ድማ ድሕሪ ቐረባ ግዜ ኺፍጽምዎ እዮም። ኣምላኽ ንእኩያት ሰባት ዜጥፍኣሉ ግዜ ኣዝዩ ቐሪቡ እዩ። ኵሎም እቶም ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዘየምልኽዎ ሰባት ኪጠፍኡ እዮም። እቶም ‘ንመላእኽቲ ኽንርእዮም ስለ ዘይንኽእል ኣይንኣምኖምን ኢና’ ዚብሉ ሰባት ክሳዕ ክንደይ ከም እተጋገዩ ኺግንዘቡ እዮም።​—⁠2 ተሰሎንቄ 1:6-8

እዚኸ ንዓና እንታይ ትርጕም እዩ ዘለዎ፧⁠— ኣብ ጐድኒ መላእኽቲ ኣምላኽ እንተደኣ ዄንና: ኪሕግዙና እዮም። እንተዀነ ግን: ኣብ ጐድኖም ዲና ቜምና ዘሎና፧⁠— ንየሆዋ ነገልግሎ እንተደኣ ዄንና: ኣብ ጐድኖም ኢና ዘሎና። ንየሆዋ ኸነገልግሎ ኺበሃል ከሎ ኸኣ: ካልኦት ሰባት ንኼገልግልዎ ንነግሮም ማለት እዩ።

መላእኽቲ ንናብራ ሰባት ብኸመይ ከም ዚትንክፍዎ ንኽትፈልጥ መዝሙር 34:7፣ ማቴዎስ 4:11፣ 18:10፣ ሉቃስ 22:43፣ ከምኡውን ግብሪ ሃዋርያት 8:26-31 ኣንብብ።