ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክፍሊ 12

ዜሐጕስ ናብራ ስድራ ቤት ኪህልወካ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

ዜሐጕስ ናብራ ስድራ ቤት ኪህልወካ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

ፍቕሪ፡ ቀንዲ መሰረት ዜሐጕስ ስድራ ቤት እያ። ኤፌሶን 5:33

ኣምላኽ፡ መውስቦ ኣብ መንጎ ሓደ ሰብኣይን ሓንቲ ሰበይትን ኪኸውን እዩ ስርዓት ኣውጺኡ።

ፈቃር ሰብኣይ ንሰበይቱ ብለውሃትን ብምስትውዓልን እዩ ዚሕዛ።

ሰበይቲ ምስ ሰብኣያ ኽትተሓባበር ኣለዋ።

ውሉዳት ንወለዶም ኪእዘዙ ኣለዎም።

ለዋህን እሙንን ደኣ እምበር፡ ሕሱምን ጠላምን ኣይትኹን። ቈሎሴ 3:5, 8-10

ቃል ኣምላኽ፡ ሰብኣይ ንሰበይቱ ኸም ርእሱ ገይሩ ኼፍቅራ፡ ሰበይቲ ኸኣ ንሰብኣያ ኣጸቢቓ ኸተኽብሮ ይምዕድ።

ካብ ሓዳር ወጻኢ ዚግበር ጾታዊ ርክብ ጌጋ እዩ። ድርብ መውስቦ እውን ጌጋ እዩ።

ቃል የሆዋ፡ ስድራ ቤታት ብኸመይ ሕጉሳት ከም ዚዀና ይምህር እዩ።