ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክፍሊ 8

ሞት የሱስ ንዓኻ እንታይ ትርጉም ኣለዎ፧

ሞት የሱስ ንዓኻ እንታይ ትርጉም ኣለዎ፧

የሱስ፡ ንሕና ብህይወት ምእንቲ ኽንነብር ኢሉ ሞተ። ዮሃንስ 3:16

ኣብ ሳልስቲ እታ የሱስ ዝሞተላ መዓልቲ፡ እተወሰና ኣንስቲ ናብቲ መቓብሩ ምስ ከዳ፡ እቲ መቓብር ጥራዩ ጸንሐን። የሆዋ ንየሱስ ካብ ምዉታት ኣተንስኦ።

የሱስ ጸኒሑ ንሃዋርያቱ ተራእዮም።

የሆዋ ንየሱስ፡ ሓያልን ዘይመውትን መንፈሳዊ ፍጡርን ገይሩ ኣተንስኦ። ደቀ መዛሙርቲ የሱስ፡ ንሱ ናብ ሰማይ ኪዓርግ ከሎ ርእዮምዎ እዮም።

ኣምላኽ ንየሱስ ኣተንሲኡ፡ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ገበሮ። ዳንኤል 7:13, 14

የሱስ ንደቂ ሰብ ምእንቲ ኺብጀዎም፡ ህይወቱ ሃበ። (ማቴዎስ 20:28) ኣምላኽ በዚ በጃ እዚ ኣቢሉ፡ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ኣጋጣሚ ኸፊቱልና ኣሎ።

የሆዋ ንየሱስ፡ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዚገዝእ ንጉስ ገይሩ ሸይምዎ እዩ። ካብ ምድሪ ተንሲኦም ሰማያዊ ህይወት ዚረኽቡ 144,000 ዝቝጽሮም እሙናት ሰባት ከኣ ምስኡ ኺነግሱ እዮም። የሱስን እቶም 144,000ን፡ ብጽድቂ እትገዝእ ሰማያዊት መንግስቲ ኺምስርቱ እዮም፣ እዚኣ ኸኣ መንግስቲ ኣምላኽ ትብሃል።—ራእይ 14:1-3

መንግስቲ ኣምላኽ ንምድሪ ገነት ክትገብራ እያ። ውግእን ገበንን ድኽነትን ጥሜትን ኣይኪህሉን እዩ። ሰባት ብሓቂ ሕጉሳት ኪዀኑ እዮም።—መዝሙር 145:16