ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክፍሊ 3

ኣብ ገነት፡ ህይወት ከመይ ይመስል ነበረ፧

ኣብ ገነት፡ ህይወት ከመይ ይመስል ነበረ፧

የሆዋ ንኣዳምን ንሄዋንን ብዙሕ ጽቡቕ ነገራት ሃቦም። ዘፍጥረት 1:28

የሆዋ ነታ ናይ መጀመርታ ሰበይቲ ዝዀነት ሄዋን ሰርሓ፣ ሰበይቱ ኽትኰኖ ኸኣ ንኣዳም ሃቦ።—ዘፍጥረት 2:21, 22

የሆዋ ንኣዳምን ንሄዋንን፡ ፍጹም ወይ ኣበር ዘይብሉ ኣእምሮን ኣካልን ከም ዚህልዎም ገይሩ እዩ ፈጢርዎም።

እታ መንበሪቶም፡ ገነት ኤደን እያ ነይራ፣ ወሓይዝን ፍረታት ዚፈሪ ኣእዋምን እንስሳታትን ዝነበርዋ፡ ኣዝያ ጽብቕቲ ቦታ እያ ነይራ።

ኣምላኽ ተዛሪብዎምን ምሂርዎምን እዩ። ንዕኡ እንተ ዚሰምዕዎ ነይሮም፡ ኣብ ገነታዊት ምድሪ ንዘለኣለም ኪነብሩ ምኸኣሉ።

ኣምላኽ ካብ ሓንቲ ኻብተን ኣብ ገነት ዝነበራ ኣእዋም ከይበልዑ ኣዘዞም። ዘፍጥረት 2:16, 17

ሓደ ኻብቶም መላእኽቲ፡ ካብ ኣምላኽ ዓለወ። እቲ እኩይ መልኣኽ፡ ሰይጣን ድያብሎስ እዩ።

የሆዋ ንኣዳምን ንሄዋንን፡ ኣብ ገነት ካብ እትርከብ ሓንቲ ኦም እንተ በሊዖም፡ ከም ዚሞቱ ነገሮም።

ሰይጣን፡ ኣዳምን ሄዋንን ንየሆዋ ኺእዘዝዎ ኣይደለየን። ስለዚ፡ ብተመን ተጠቒሙ ንሄዋን፡ ካብ ፍረ እታ ኦም እንተ በሊዓ ኸም ዘይትመውት፡ ኣብ ክንዳኡስ፡ ከም ኣምላኽ ከም እትኸውን ነገራ። እዚ ግና ሓሶት እዩ ነይሩ።—ዘፍጥረት 3:1-5