ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሓደ ዘርዕድ ምስጢር ይፍታሕ

ሓደ ዘርዕድ ምስጢር ይፍታሕ

ምዕራፍ 34

ሓደ ዘርዕድ ምስጢር ይፍታሕ

1. (ሀ) ዮሃንስ ነታ ዓባይ ኣመንዝራን እቲ ዘፍርሕ ምውጥሓን ምስ ረኣየ እንታይ ተሰምዖ: ስለምንታይከ፧ (ለ) ሎሚ እቲ ክፍሊ ዮሃንስ ናይ ዓለም ፍጻመታት ነቲ ትንቢታዊ ትርኢት ንምፍጻም ክቕላዕ ከሎ እንታይ ይስምዖ፧

 ዮሃንስ ነታ ዓባይ ኣመንዝራን እቲ ዘፍርሕ ምውጥሓን ምስ ረኣየ እንታይ ተሰምዖ፧ ባዕሉ “ምስ ርኤኽዋ ኸኣ ብርቱዕ ምግራም ተገረምኩ” ብምባል ይምልስ። (ራእይ 17:6ለ) ከምዚ ዝኣመሰለ ትርኢት ብኣተሓሳስባ ናይ ሰባት ክእለም ፈጺሙ ኣይክእልን ኢዩ። እንተዀነ ግን: ኣብ በረኻ ኣብ ልዕሊ ሓደ ዘፍርህ ቀይሕ ዝሕብሩ ኣራዊት እተወጥሐት: ሓንቲ ብዕልግቲ ኣመንዝራ ኣላ! (ራእይ 17:3) ሎሚውን እቲ ክፍሊ ዮሃንስ: ናይ ዓለም ፍጻመታት ነቲ ትንቢታዊ ትርኢት ንምፍጻም ክቕላዕ ከሎ ዓቢ ምግራም ኢዩ ዝግረም። ህዝቢ ዓለም ነዚ እንተ ዝርእይዎ ‘ዘይእመን ኢዩ!’ ምበሉ: መራሕቲ ዓለም ከኣ ‘ዘይሕሰብ ኢዩ!’ ኢሎም መቃልሑ። እቲ ትርኢት ግን ኣብዚ ግዜና ዘደንጹ ክውንነት ኢዩ። ህዝቢ ኣምላኽ ዛጊት ኣብ ፍጻሜ ናይቲ ትርኢት ጕሉሕ ዝዀነ ግደ ኣሎዎም: እዚ ድማ እቲ ትንቢት ናብቲ ዘስደምም መዛዘሚኡ ገጹ ክስጕም ከም ዝዀነ ዘረጋግጸሎም ኢዩ።

2. (ሀ) ነቲ ናይ ዮሃንስ ምግራም ብምምላሽ: እቲ መልኣኽ እንታይ ኢዩ ዝነግሮ፧ (ለ) ሎሚ ነቲ ክፍሊ ዮሃንስ ተገሊጹሉ ዘሎ እንታይ ኢዩ: እዚኸ ብኸመይ ኢዩ እተገብረ፧

2 እቲ መልኣኽ ነቲ ናይ ዮሃንስ ምግራም የስተብህለሉ። ስለዚ ኸኣ ዮሃንስ ከምዚ ብምባል ይቕጽል:- “እቲ መልኣኽ ከኣ: ስለምንታይ ተገረምካ፧ ምስጢር እታ ሰበይትን ምስጢር እቲ ጸዊርዋ ዘሎ ሾብዓተ ርእስን ዓሰርተ ቐርንን ዘለዎ ኣራዊትን ኣነ ኽነግረካ እየ: በለኒ።” (ራእይ 17:7) ሕጂ እቲ መልኣኽ ነቲ ምስጢር ክቐልዖ ኢዩ! እቲ እተፈላለየ መዳያት ናይቲ ትርኢትን: እቲ ክቕላዕ ዘለዎ መሳጢ ፍጻመታትን ነቲ ተገሪሙ ዘሎ ዮሃንስ ይገልጸሉ። ብተመሳሳሊ: ሎሚውን እቲ ነቒሑ ዘሎ ክፍሊ ዮሃንስ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት መላእኽቲ ኰይኑ ከገልግል ከሎ: ምርዳእ ናይቲ ትንቢት ተገሊጽሉ ኢዩ። “ምፍታሕ ናይ እግዚኣብሄርዶ ኣይኰ[ነን]፧” ከምቲ እሙን ዮሴፍ ንሕናውን እምነት ኣሎና። (ዘፍጥረት 40:8፣ ምስ ዳንኤል 2:29, 30 ኣረኣእዮ።) ህዝቢ ኣምላኽ የሆዋ ንትርጕም ናይቲ ራእይን ኣብ ህይወቶም ዘሎዎ ጽልዋን ክገለጸሎም ከሎ: ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ሕምብርቲ ኢዮም ኰይኖም ዘለዉ። (መዝሙር 25:14) ልክዕ ኣብቲ ግቡእ ግዜኡ: ምስጢር ናይታ ሰበይትን ናይቲ ኣራዊትን ገሊጹሎም ኣሎ።—መዝሙር 32:8

3, 4. (ሀ) ብ1942 ኤን. ኤች. ኖር እንታይ ህዝባዊ ዝርርብ ኢዩ ዝሃበ: መንነት ናይቲ ቐዪሕ ዝሕብሩ ኣራዊትከ ብኸመይ ኢዩ ፈልዩ ዝሓበረ፧ (ለ) ኤን. ኤች. ኖር እንታይ እቲ መልኣኽ ንዮሃንስ ዝነገሮ ቃላት እዩ እተመያየጠሉ፧

3 ካብ 18 ክሳዕ 20 መስከረም 1942: ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣብቲ ዝለዓለ ደረጅኡ በጺሑሉ ኣብ ዝነበረ ግዜ: ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ቲኦክራሲያዊት ሓዳስ ዓለም ዝብል ኣሰምብሊ ኣካየዱ። እታ ቐንዲ ከተማ ክሊቭላንድ: ኦሃዮ: ምስተን ካብ 50 ንላዕሊ ዝዀና ዓቢ ኣኼባ ዝካየደለን ዝነበረ ከተማታት ብቴሌፎን ተታሓሒዛ ነበረት: ዝለዓለ ቝጽሪ ተኣከብቲ ድማ 129,699 ነበረ። እቲ ናይ ውግእ ኵነታት ኣብ ዘፍቀዶ ቦታታት እውን: ኣብ ዙርያ ዓለም ካልእ ዓበይቲ ኣኼባታት ነቲ ፕሮግራም ደገምዎ። ኣብቲ ግዜቲ ብዙሓት ካብ ህዝቢ የሆዋ እቲ ውግእ እናቐጸለ ኣብቲ ናይ ኣምላኽ ውግእ ኣርማጌዶን ክበጽሕ ይጽበዩ ነበሩ፣ ስለዚ ኸኣ እታ “ሰላም—ነባሪ ክኸውንዶ ይኽእል ኢዩ፧” እትብል ኣርእስቲ ናይቲ ህዝባዊ ዝርርብ ብዙሕ ህንጥዮት ኣለዓዓለት። እቲ ንሃገራት ዝጽበየን ዝነበረ ኵነታት ኣንጻር ሰላም ክነሱ: ኤን. ኤች. ኖር እቲ ሓድሽ ፕረዚደንት ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ብዛዕባ ሰላም ክዛረብ ዝኽእል ከመይ ገይሩ ኢዩ፧ a ምኽንያቱ: እቲ ክፍሊ ዮሃንስ ነቲ ናይ ኣምላኽ ትንቢታዊ ቓል ‘ኣዝዩ የቕልበሉ’ ስለ ዝነበረ ኢዩ።—እብራውያን 2:1፣ 2 ጴጥሮስ 1:19

4 እታ “ሰላም—ነባሪ ክኸውንዶ ይኽእል ኢዩ፧” እትብል ዝርርብ ኣብቲ ትንቢት እንታይ ብርሃን ኢያ ዝሃበት፧ ኤን. ኤች. ኖር ነቲ ኣብ ራእይ 17:3 ዘሎ ቀይሕ ዝሕብሩ ኣራዊት ከም እተኣሳሰራ መንግስታት ገይሩ መንነቱ ብምሕባር: ብመሰረት እዘን ቀጺለን ዘለዋ እቲ መልኣኽ ንዮሃንስ ዝበሎ ቃላት ዝርርቡ ይቕጽል:- “እቲ ዝርኤኻዮ ኣራዊት ነበረ የሎን ከኣ: ካብ መዓሙቝ ድማ ኪወጽእ ናብ ጥፍኣትውን ኪኸይድ እዩ።”—ራእይ 17:8ሀ

5. (ሀ) “እቲ . . . ኣራዊት ነበረ” ደሓር ከኣ “የሎን” እተባህለ ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) ኤን. ኤች. ኖር ነቲ “እዛ እተኣሳሰራ መንግስታት ኣብ መዓሙቝ ድያ ክትተርፍ” ዝብል ሕቶ ብኸመይ መለሰሉ፧

5 “እቲ . . . ኣራዊት ነበረ።” (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) እወ: ካብ 10 ጥሪ 1920 ጀሚሩ ምስ 63 ኣብ እተፈላለየ ግዜ ኣባላቱ ዝዀና ሃገራት: እተኣሳሰራ መንግስታት ዝብል ስም ሒዙ ይነብር ነበረ። በብግደ ግን ጃፓን: ጀርመን: ከምኡውን ኢጣልያ ካብቲ ማሕበር ወጻ: ሶቭየት ሕብረት ነበር ከኣ ካብቲ ማሕበር ተወገደት። ብመሰከረም 1939 ከኣ እቲ ናይ ጀርመን ናዚ ውልቀ-መላኺ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣልዓለ። b ኣብ ዓለም ሰላም ክትዕቅብ ብዘይምኽኣላ እተኣሳሰራ መንግስታት ኣብ ናይ ዘይምዕያይ መዓሙቝ ተደርበየት። ብ1942 ነበር ኰይና ተረፈት። ቅድሚ እዚ ግዜዚ ወይ ብድሕሪኡ ዘይኰነስ ልክዕ ኣብቲ ጽንኵር ግዜ እቲ ኢዩ የሆዋ ነቲ ምሉእ ዕምቘት ትርጕም ናይቲ ትርኢት ንህዝቡ ዝገለጸሎም! ኣብቲ ቲኦክራሲያዊት ሓዳስ ዓለም ዝብል ኣርእስቲ ዝነበሮ ኣሰምብሊ: ኤን. ኤች. ኖር ምስቲ ትንቢት ብምስምማዕ “እቲ ኣራዊት . . . የሎን” ኢሉ ክእውጅ ከኣለ። (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ቀጺሉ ኸኣ “እዛ እተኣሳሰራ መንግስታት ኣብ መዓሙቝ ድያ ክትተርፍ፧” ዝብል ሕቶ ኣቕረበ። ንራእይ 17:8 ብምጥቃስ “እታ ማሕበር ናይ ዓለም ሃገራት እንደገና ክትንስእ ኢያ” ዝብል መልሲ ሃበ። ንሓቅነት ናይቲ ትንቢታዊ ቃል የሆዋ ንምርግጋጽ ድማ ልክዕ ከምኡ ዀነ!

ካብ መዓሙቝ ምውጻእ

6. (ሀ) እቲ ቐዪሕ ዝሕብሩ ኣራዊት ካብ መዓሙቝ ዝወጸ መዓስ ኢዩ: እንታይ ዝብል ሓድሽ ስም ሒዙኸ ኢዩ ዝወጸ፧ (ለ) ሕቡራት ሃገራት ናይቲ ቀይሕ ዝሕብሩ ኣራዊት ትንሳኤ እትኸውን ስለምንታይ ኢያ፧

6 እቲ ቐዪሕ ዝሕብሩ ኣራዊት ብርግጽ ካብቲ መዓሙቝ ወጺኡ ኢዩ። ብ26 ሰነ 1945 ኣብ ሳንፍራንሲስኮ: ሕ.መ.ኣ.: ብጫውጫውታ ዝመልኦ ዳንኬራ 50 ዝዀና ሃገራት ንቻርተር ናይ ሕቡራት ሃገራት ክቕበላ መረጻ። እዛ ኣካል እዚኣ “ኣህጉራዊ ሰላምን ድሓንን ንምዕቃብ” ክትዓዪ ነበራ። ኣብ መንጎ እተኣሳሰራ መንግስታትን ሕቡራት ሃገራትን ብዙሕ ምምስሳል ነበረ። ዘ ዎርልድ ቡክ ኢንሳይክሎፐድያ ከምዚ ይብል:- “ሕ.ሃ. ብገለ መገድታት ነታ ድሕሪ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ዝቘመት እተኣሳሰራ መንግስታት ትመስል ኢያ። . . . ብዙሓት ካብተን ንሕ.ሃ. ዝመስረታ ሃገራት: ንእተኣሳሰራ መንግስታትውን መስሪተንኣ ኢየን። ከም እተኣሳሰራ መንግስታት: ሕ.ሃ. ከኣ ኣብ መንጎ ሃገራት ሰላም ንምዕቃብ ክትሕግዝ ኢያ ቘይማ። እቶም ቀንዲ ኣካላት ናይ ሕ.ሃ. ኣጸቢቘም ነቲ ናይ እተኣሳሰራ መንግስታት ዝመስሉ ኢዮም።” ሕ.ሃ. እምበኣር ብርግጽ ናይቲ ቀዪሕ ዝሕብሩ ኣራዊት ትንሳኤ ኢያ ነይራ። ገለ 190 ዝኸውን ቍጽሪ ኣባላታ ካብቲ 63 ኣባላት ናይ እተኣሳሰራ መንግስታት ኣጸቢቑ ዝበዝሐ ኢዩ፣ ካብታ ቅድሚኣ ዝነበረት ዝሰፍሐ ሓላፍነታት እውን ወሲዳ ኣላ።

7. (ሀ) ተቐማጦ ምድሪ ነቲ ዝተንስአ ቐዪሕ ዝሕብሩ ኣራዊት በየናይ መገዲ ኢዮም ኣድኒቘሞ፧ (ለ) ካብ ሕ.ሃ. ዝመሎቘ ሸቶ እንታይ ኢዩ: ብዛዕባ እዚኸ ዋና ጸሓፊ ናይቲ ውድብ እንታይ በለ፧

7 ኣብ መጀመርታ: ኣብ ሕ.ሃ. ብዙሕ ተስፋታት ተገይሩ ኢዩ። እዚ: ንመፈጸምታ ናይቲ “ካብ ምስራት ዓለም ጀሚሩ ስሞም ኣብ መጽሓፍ [“ጥቕላል:” NW] ህይወት ዘይተጻሕፈ ኣብ ምድሪ ዚነብሩ: እቲ ኣራዊት ከም ዝነበረን ከም ዘየሎን ከም ዚመጽእን ምስ ረአዩ: ኪግረሙ እዮም” ዝብል ናይቲ መልኣኽ ቃላት ኢዩ። (ራእይ 17:8ለ) ተቐማጦ ምድሪ ነቲ ካብቲ ኣብ ኒው ዮርክ ኢስት ሪቨር ዝርከብ ኣዝዩ ዓቢ ዝዀነ ዋና ቤት ጽሕፈቱ ኰይኑ ዝዓዪ ሓድሽ ገዚፍ ሓወልቲ ኣድኒቘሞ ኢዮም። እንተዀነ ግን: ናይ ሓቂ ሰላምን ድሕንነትን ካብ ሕቡራት ሃገራት መሊቑ ኢዩ። ኣብ መብዛሕትኡ መበል 20 ክፍለ-ዘበን: ናይ ዓለም ሰላም በቲ “ርጉጽ ናይ ሓድሕድ ምጥፍፋእ” (mutual assured destruction)—ብሓጺር MAD—ዝብል ስግኣት ጥራይ ኢዩ ተዓቂቡ: እቲ ናይ ኣጽዋር ምድላብ ቅድድም ከኣ ብዘሰንብድ ኢዩ ዝውስኽ ዘሎ። ብድሕሪ ዳርጋ ናይ 40 ዓመታት ጻዕሪ ናይ ሕቡራት ሃገራት: ብ1985 ጃቪየ ፐረዝ ዴ ኪዩላር ዋና ጻሓፊ ናይቲ ውድብ ዝነበረ “ኣብ ሓደ ካልእ መዋእል ድርቅና ኢና እንነብር ዘሎና: እንታይ ከም እንገብሮ ከኣ ኣይንፈልጥን ኢና” ክብል ሓዘኑ ገለጸ።

8, 9. (ሀ) ሕ.ሃ. ንናይ ዓለም ግድላት መልሲ ዘይብላ ስለምንታይ ኢዩ: ብመሰረት ናይ ኣምላኽ ፍርዲኸ ድሕሪ ሓጺር እዋን እንታይ ክትከውን ኢያ፧ (ለ) እቶም ንሕ.ሃ. ዝመስረቱን ዘድንቑን ኣስማቶም ኣብቲ ናይ ኣምላኽ “ጥቕላል ህይወት” ዘይርከብ ስለምንታይ ኢዩ፧ (ሐ) መንግስቲ የሆዋ ብዓወት እንታይ ክትፍጽም ኢያ፧

8 ሕ.ሃ. መልሲ የብላን። ስለምንታይከ፧ ምኽንያቱ ናይ ሕ.ሃ. ወሃብ ህይወት: እቲ ንዅሉ ወድሰብ ህይወት ዝሃበ ኣይኰነን። መዓልትታት ህይወታ ክሓጽራ እየን: ከመይሲ ብመሰረት ናይ ኣምላኽ ፍርዲ: ‘ናብ ጥፍኣት ክኸይድ እዩ።’ እቶም ንሕ.ሃ. ዝመስረቱን ዘድንቑን ስሞም ኣብቲ ናይ ኣምላኽ ጥቕላል ህይወት ኣይርከብን ኢዩ። ሓጢኣተኛታትን መወትን ሰባት: መብዛሕትኦም ከኣ ንስም ኣምላኽ ዘላግጹ: ነቲ የሆዋ ኣምላኽ ብደቅሰብ ዘይኰነስ ብመንግስቲ ናይቲ ቅቡኡ ገይሩ ክፍጽሞ ምዃኑ ዝኣወጆ ነገር ብሕ.ሃ. ኣቢሎም ክረኽብዎ ዝኽእሉ ከመይ ገይሮም ኢዮም፧—ዳንኤል 7:27፣ ራእይ 11:15

9 ሕ.ሃ.: ነታ በቲ መስፍናዊ ግዝኣቱ መወዳእታ ዘይብሉ መስፍን ሰላም ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ እትመሓደር መሲሓዊት መንግስቲ: ከተምስል እትደሊ ጸርፊ ዝመልኣ ማሕበር ኢያ። (ኢሳይያስ 9:6, 7) ሕ.ሃ. ገለ ግዝያዊ ዝዀነ ሰላም ክትኣልም እኳ እንተ ትኽእል: ውግእ ቀልጢፉ እንደገና ምተላዕለ። እዚ: ባህሪ ናይ ሓጢኣተኛታት ሰባት ኢዩ። ‘ስሞም ካብ ምስራት ዓለም ጀሚሩ ኣብ ጥቕላል ህይወት ኣይተጻሕፈን።’ እታ ብክርስቶስ እትመሓደር መንግስቲ የሆዋ ኣብ ምድሪ ዘለኣለማዊ ሰላም ከተቕውም ጥራይ ዘይኰነስ ብመሰረት መስዋእታዊ በጅነት የሱስ: ነቶም ኣብ ዝኽሪ ኣምላኽ ዘለዉ ጻድቃንን ሓጥኣንን ምዉታት ከተተንስኦም ኢያ። (ዮሃንስ 5:28, 29፣ ግብሪ ሃዋርያት 24:15) እዚ ድማ ንዅሎም እቶም ካብ ሰይጣንን ዘርኡን መጥቃዕቲ እኳ እንተወረዶም ጽኑዓት ኰይኖም እተረኽቡን ገና ብሕጂ ተኣዛዝነቶም ከርእዩ ዘለዎም ካልኦትን ዘጠቓለለ ኢዩ። እቲ ናይ ኣምላኽ ጥቕላል ህይወት: ብርግጽ ስም ናይቶም ተረርቲ ልቢ ዝዀኑ ደገፍቲ ዓባይ ባቢሎን ወይ ከኣ ናይቶም ነቲ ኣራዊት ምስጋድ ዝቐጸሉ ሰባት ፈጺሙ ኣይክሕዝን ኢዩ።—ዘጸኣት 32:33፣ መዝሙር 86:8-10፣ ዮሃንስ 17:3፣ ራእይ 16:2፣ 17:5

ሰላምን ድሓንን—ከንቱ ተስፋ

10, 11. (ሀ) ብ1986 ሕ.ሃ. እንታይ ኣወጀት: እቲ መልሲኸ እንታይ ነበረ፧ (ለ) ኣብ ኣሲዚ ኢጣልያ ምእንቲ ሰላም ክጽልያ እተኣከባ “ናይ ሃይማኖት ስድራቤታት” ክንደይ ኢየን: ኣምላኽከ ንኸምዚ ዝበለ ጸሎት ይምልሰሉ ድዩ፧ ግለጾ።

10 ሕቡራት ሃገራት ንተስፋታት ደቅሰብ ንምብርታዕ ኢላ 1986 “ሰላምን መጻእን ናይ ሰብ ንምሕላው” ዝብል ቀንዲ ኣርእስቲ ዘለዎ “ኣህጉራዊ ዓመት ሰላም” ክትከውን ኣወጀት። እተን ዝዋግኣ ዝነበራ መንግስታት እንተወሓደ ንሓደ ዓመት ኣጽዋረን ከውርዳ ተጸውዓ። እቲ ዝሃብኦ መልሲ እንታይ ነበረ፧ ብመሰረት እቲ በቲ ኣህጉራዊ ትካል ምርምር ሰላም ዝቐረበ ጸብጻብ: ብምኽንያት እቲ ኣብ 1986 እተገብረ ውግእ ሓሙሽተ ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት ተቐትሉ! ፍልይ ዝበለ ሰናቲምን ንመዘከርታ ዝኸውን ቴምብራትን ተሓቲሙ እኳ እንተወጸ: መብዝሕትአን ሃገራት ኣብታ ዓመት እቲኣ ነቲ ናይ ሰላም ሓሳብ ንምስዓብ ዝገበርኦ ኣበርክቶ ዳርጋ ኣይነበረን። እንተዀነ ግን: እተን ኵሉ ሳዕ ምስ ሕ.ሃ. ጽቡቕ ርክብ ክህልወን ዝደልያ ናይ ዓለም ሃይማኖታት ነታ ዓመት እቲኣ ብእተፈላለየ መገድታት ገይረን ከፍልጣኣ ቈሪጸን ተላዕላ። ብ1 ጥሪ 1986 ጳጳስ ዮሃንስ ጳውሎስ ካልኣይ: ንዕዮ ናይ ሕ.ሃ. ኣሞጐሶ: ነታ ሓዳስ ዓመት ከኣ ንሰላም ወፈያ። ብ27 ጥቅምቲ ኸኣ ንመራሕቲ ናይ ብዙሓት ኣብ ዓለም ዘለዋ ሃይማኖታት ኣብ ኣሲዚ: ኢጣልያ ምእንቲ ሰላም ክጽልዩ ኣከቦም።

11 ኣምላኽ ከምዚ ዝኣመሰለ ምእንቲ ሰላም ዝጽለ ጸሎት ይምልሸሉዶ፧ እዞም መራሕቲ ሃይማኖት እዚኣቶም ናብ ኣየናይ ኣምላኽ ኢዮም ዝጽልዩ ዝነበሩ፧ እንተትሓቶም: ነፍሲ ወከፍ ጕጀለ እተፈላለየ መልሲ ምሃበ ነይሩ። ቤት መቕደስ ናይቶም ብእተፈላለየ መገዲ ዝቐርብ ልመና ክሰምዑ ዝኽእሉ ሚልዮናት ኣማልኽቲ ኣሎዶ ኢዩ፧ ብዙሓት ካብቶም ተሳተፍቲ ነቲ ናይ ህዝበ-ክርስትያን ስላሴ ዘምልኹ ኢዮም ነይሮም። c ቡድሂስትን ሂንዱን ካልኦትን ናብቶም ቍጽሪ ዘይብሎም ኣማልኽቲ ተደጋጋሚ ጸሎት የቕርቡ ነበሩ። ኵሉ ዅሉ ብኸም ናይ ካንተርቡሪ ኣንግሊካን ሊቀ-ጳጳስ: ናይ ቡድሂዝም ዳላይ ላማ: ናይ ሩስያ ኦርቶዶክስ መራሕ ሃይማኖት: ናይ ቶክዮ ሺንቶ ቤት መቕደሳት ማሕበር ፕረዚደንት: ኣብ ኣፍሪቃ ዝመበቈሉ ሃይማኖት: ከምኡውን ብኽንቲት እተሸለመ ናይ ርእሲ መሸፈኒ ዝገበሩ ክልተ ኣመሪካን ኢንድያን ዝኣመሰሉ ምርኡያት እተወከላ 12 “ናይ ሃይማኖት ስድራቤታት” ተኣከባ። እተፈላለየ ሕብርታት ዘለዎ ጕጅለ ብምንባሩ: ንናይ ቲቪ ጸብጻብ ዝኸውን ዘስተንክር ምርኢት ኢዩ ነይሩ። ሓደ ጕጅለ ኣብ ሓደ እዋን ብዘይ ምቍራጽ ን12 ሰዓታት ዝኣክል ይጽሊ ነበረ። (ምስ ሉቃስ 20:45-47 ኣረኣእዮ።) ካብቲ እተጸለየ ጸሎት ግን: ነቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ተኣከብቲ ኣንጠልጢሉ ዝነበረ ዝናም ዝሓዘለ ደበና ሰንጢቑ ዝሓለፈ ነይሩዶ ይኸውን፧ ኣይነበረን: ምኽንያቱ ኸኣ እዚ ዝስዕብ ኢዩ:-

12. ኣምላኽ ነቲ ናይ ዓለም መራሕቲ ሃይማኖት ዝገበርዎ ጸሎት ዘይሰምዓሉ ምኽንያታት እንታይ ኢዩ፧

12 እቶም ሃይማኖታውያን እቲኣቶም ምስቶም ‘ብስም የሆዋ ዝመላለሱ’ ከተነጻጽሮም ከሎኻ: ካብኣቶም ዋላ ሓደ እኳ ናብቲ ስሙ ኣብ መጀመርታ ጽሑፍ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ 7,000 ግዜ ንላዕሊ ዝርከብ ህያው ኣምላኽ የሆዋ ዝጸለየ ኣይነበረን። (ሚክያስ 4:5 NWኢሳይያስ 42:8, 12) d ከም ጕጅለ መጠን ንኣምላኽ ብስም የሱስ ገይሮም ኣይቀረብዎን: አረ መብዛሕትኦም ብየሱስ ክርስቶስ ዝኣምኑውን ኣይኰኑን። (ዮሃንስ 14:13፣ 15:16) ዋላ ሓደ ካብኣቶም ነቲ ኣብዚ ግዜና ክዕየ ዘለዎ ፍቓድ ኣምላኽ ማለት ናይ ሓቂ ተስፋ ደቅሰብ—ሕቡራት ሃገራት ዘይኰነትስ—እታ እትመጽእ ዘላ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዝዀነት ኣብ ብዘላ ዓለም ናይ ምእዋጅ ዕዮ ዝገብር የለን። (ማቴዎስ 7:21-23፣ 24:14፣ ማርቆስ 13:10) ብሓፈሽኡ ሃይማኖታዊ ማሕበራቶም: ነቲ ናይ መበል 20 ክፍለ-ዘበን ክልተ ናይ ዓለም ውግኣት እውን ብምሕዋስ: ኣብቲ ደማዊ ውግኣት ታሪኽ ኢደን ኣእትየን ኢየን። ንኸምዚኦም ዝበሉ ኣምላኽ ከምዚ ይብሎም:- “ምህለላ እኳ እንተ ኣብዛሕኩም: ኣይሰምዕን እየ: ኣእዳውኩም ደም መሊኤን እየን።”—ኢሳይያስ 1:15፣ 59:1-3

13. (ሀ) ናይ ዓለም ሃይማኖታውያን መራሕቲ ምስ ሕቡራት ሃገራት ተጸምቢሮም ናይ ሰላም ጻውዒት ምቕራቦም ኣገዳስነት ዘለዎ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) እቲ ናይ ሰላም ድልየቶም ኣበየናይ ብመለኮታዊ መገዲ እተነግረ ዝለዓለ ደረጃ ኢዩ ዝውዳእ፧

13 ብተወሳኺ: ኣብዚ ግዜ እዚ ናይ ዓለም ሃይማኖታውያን መራሕቲ ምስ ሕቡራት ሃገራት ተጸምቢሮም ናይ ሰላም ጻውዒት ምቕራቦም ኣገዳስነት ዘሎዎ ኢዩ። ብሕልፊ ኣብዚ ብዙሓት ካብቶም ህዝቦም ሃይማኖት ዝጥንጥንሉ ዘለዉ ዘመናዊ መዋእል: ንሕ.ሃ. ንናይ ገዛእ ርእሶም ረብሓ ጽልዋ ክገብሩላ ይደልዩ ኢዮም። ከምቶም ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበሩ ዘይእሙናት መራሕቲ “ሰላም ዜልቦስ: ሰላም ሰላም” ይብሉ ኣለዉ። (ኤርምያስ 6:14) ብዘይጥርጥር እቲ ናይ ሰላም ድልየቶም እናወሰኸ ብምኻድ ንደገፍ ናይቲ “መዓልቲ ጐይታ ኸም ሰራቒ ዀይና ብለይቲ [ክትመጽእ እያ]። . . . ሰላምን ደሓንን እዩ ኺብሉ ኸለዉ: ንጥንስቲ ቕልውላው ከም ዚሕዛ: ሽዑ ጥፍኣት ብድንገት ይመጾም: ከቶውን ኣይከምልጡን እዮም” ብምባል ሃዋርያ ጳውሎስ እተነበዮ ዝለዓለ ደረጃ ክበጽሕ ኢዩ።—1 ተሰሎንቄ 5:2, 3

14. እዚ ናይ “ሰላምን ደሓንን” ጭድርታ እንታይ መልክዕ ኢዩ ክሕዝ ዚኽእል: ሓደ ሰብ ብእኡ ካብ ምስሓት ክድሕን ዝኽእል ከመይ ገይሩ ኢዩ፧

14 ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ፖለቲከኛታት ነቲ ደቅሰብ ዘውጽእዎ መደባት ክገልጹ ኸለዉ ነታ “ሰላምን ደሓንን” እትብል ሓረግ ተጠቒሞምላ ኢዮም። መራሕቲ ዓለም ዝገብርዎ ዘለዉ ኸምዚ ዝኣመሰለ ጻዕርታት ን1 ተሰሎንቄ 5:3 ፍጻሜኣ ኸም እትርከብ ይገብራ ድዩ፧ ወይስ ጳውሎስ ብዛዕባ ሓደ ንኣቓልቦ ዓለም ዚስሕብ ኣዝዩ ጕሉሕ ፍጻመ ጥራይ ኢዩ ዝዛረብ ነይሩ፧ መብዛሕትኡ ግዜ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ምሉእ ብምሉእ ዚርድኣና: ድሕሪ ምፍጻሙ ወይ ፍጻሜኡ ኣብ ዝረኸበሉ እዋን ጥራይ ስለ ዝዀነ: ነዚ ኽንጽበዮ ኢዩ ዘሎና። ክሳዕ ሽዑ ግን: ሃገራት ሰላምን ደሓንን ከም ዝረኸባ እኳ እንተ ተዛረባ: ብመሰረቱ ዝዀነ ይኹን ነገር ከም ዘይልወጥ ክርስትያናት ይፈልጡ ኢዮም። ስስዐ: ጽልኢ: ገበን: ምብትታን ስድራቤት: ጾታዊ ርኽሰት: ሕማም: ሓዘንን ሞትን ገና ኺህሉ ኢዩ። ንትርጕም ፍጻመታት ዓለም ነቒሕካ ትከታተሎ እንተደኣ ኣሊኻን ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘሎ ትንቢታዊ መጠንቀቕታ እንተደኣ ኣቕሊብካሉን ንዓኻ እቲ ናይ “ሰላምን ደሓንን” ኣዋጅ ኣይኬታልለካን እዩ።—ማርቆስ 13:32-37፣ ሉቃስ 21:34-36

[እግረ-ጽሑፋት]

a ጀይ. ኤፍ. ራዘርፎርድ ብ8 ጥሪ 1942 ሞተ: ኤን. ኤች. ኖር ከኣ ፕረዚደንት ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ዀይኑ ተክኦ።

b ብ20 ሕዳር 1940 ጀርመን፣ ኢጣልያ፣ ጃፓን: ከምኡውን ሃንጋሪ “ሓዳስ እተኣሳሰራ መንግስታት” ንምቛም ተፈራረማ፣ ድሕሪ ኣርባዕተ መዓልቲ ኸኣ እቲ ንሃይማኖታዊ ሰላም ከምኡውን ንሓድሽ ስርዓት: ቅዳሴን ጸሎትን ክግበር ዝብል ናይ ቫቲካን ፈነወ ሰዓበ። እታ “ሓዳስ እተኣሳሰራ መንግስታት” እቲኣ: ፈጺማ ኣይተተግበረትን።

c እቲ ናይ ስላሴ ኣምር: ካብ ጥንታዊት ባቢሎን እተበገሰ ኢዩ ነይሩ: ኣብኡ ሻማሽ እቲ ናይ ጸሓይ ኣምላኽ: ሲን እቲ ናይ ወርሒ ኣምላኽ: ኢሽታር ድማ ናይ ኰዀብ ኣምላኽ ከም ስሉስ ኣምላኽ ይምለኹ ነበሩ። ግብጺ እውን ንኦስሪስ: ኢሲስ: ከምኡውን ሆራስ ኣብ ምምላኽ ናታ ኣብነት ሰዓበት። እቲ ናይ ኣሶር ቀንዲ ኣምላኽ ዝነበረ ኣሹርውን ሰለስተ ኣራእስ ከም ዘሎዎ ኰይኑ ኢዩ ተሳኢሉ ዘሎ። ነዚ ኣብነት እዚ ብምቕዳሕ ኣብ ናይ ካቶሊክ ቤተ-ክርስትያናት ኣምላኽ ሰለስተ ኣራእስ ከም ዘሎዎ ገይሮም ይስእልዎ።

d ወብስተርስ ሰርድ ኒው ኢንተርናሽናል ዲክሸነሪ (እንግሊዝኛ) ናይ 1993 ንየሆዋ ኣምላኽ ከም “ኣፍልጦ ዝወሃበሉ ዝለዓለ ኣምላኽ ከምኡውን ብናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝምለኽ ኣምላኽ” ዝብል መግለጺ ይህበሉ።

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 250 ዘሎ ሳጹን]

እቲ ናይ “ሰላም” ግርምቢጥ

ዋላ’ኳ 1986 ብሕ.ሃ. ኣህጉራዊት ዓመት ሰላም ተባሂላ እንተ ተኣወጀት: እቲ ነብሰ-ቕትለታዊ ዝዀነ ናይ ኣጽዋር ቅድድም ሰማይ ደየበ። ዎርልድ ሚሊታሪ ኤንድ ሶሺያል ኤክስፐንዲቸር 1986 (እንግሊዝኛ) እዚ ዝስዕብ ዘተሓሳስብ ጸብጻብ የቕርብ:-

ብ1986 ንዓለምለኸ ውትህድርና እተገብረ ወጻኢ 900 ሺሕ ሚልዮን ዶላር በጽሐ።

እቲ ኣብ ሓደ ሰዓት ንዓለምለኸ ውትህድርና ዝግብር ወጻኢ: ነቶም ብምኽንያት እቲ መከላኸሊ ዝርከቦ ተመሓላለፊ ሕማማት ኣብ ዓመት ዝሞቱ 3.5 ሚልዮን ዝኣኽሉ ሰባት ንምንጋፍ ምኣኸለ ነይሩ።

ኣብ ብዘላ ዓለም ካብ ሓሙሽተስ ሓደ ሰብ: ብድኽነት ተበሊዑ ኢዩ ዝነብር ነይሩ። ኵሎም እዞም ብጥሜት ዝሳሓጉ ሰባት: ብዋጋ ናይቲ ዓለም ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልቲ ንኣጽዋር ዘጥፈኣቶ ገንዘብ: ንሓደ ዓመት ምሉእ ክምገቡ ምኸኣሉ ነይሮም።

ናይቲ ኣብ ዓለም ተዀሚሩ ዘሎ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ናይ ምንታጕ ሓይሊ: ካብቲ ናይ ቸርኖቢል ምንታጕ 160,000,000 ግዜ እተዓጻጸፈ ኢዩ ነይሩ።

ሓደ ኑክሌራዊ ቦምባ ካብቲ ኣብ ሂሮሺማ ብ1945 እተደርበየ ቦምባ 500 ግዜ ዝያዳ ናይ ምንታጕ ሓይሊ ዘሎዎ ኰይኑ ክስራሕ ይኽእል ነይሩ።

ናይ ኑክሌራዊ ኣጽዋር መደበር ምስ ካብ ሓደ ሚልዮን ሂሮሺማታት ንላዕሊ ዝመጣጠን ኢዩ። 2,700 ግዜ ናይቲ 38 ሚልዮን ሰባት ዝሞቱሉ: ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ዝነተጐ ሓይሊ ዘለዎ ነበረ።

ውግኣት ብዙሕ ዝደጋገምን: ብዙሕ ሞት ዘስዕብን ኰይኑ ነበረ። ኣብ መበል 18 ክፍለ-ዘበን ብዝሒ ናይቲ ኣብ ውግእ ዘጋጠመ ሞት 4.4 ሚልዮን በጺሑ ነይሩ: ኣብ መበል 19 ክፍለ-ዘበን 8.3 ሚልዮን: ኣብተን ናይ መጀመርታ 86 ዓመታት ናይ መበል 20 ክፍለ-ዘበን 98.8 ሚልዮን በጺሑ ነበረ። ካብ መበል 18 ክፍለ-ዘበን ጀሚሩ: እቲ ኣብ ውግእ ዘጋጥም ሞት: ካብቲ ናይ ዓለም ብዝሒ ህዝቢ ዝውስኸሉ: ብሽዱሽተ ግዜ እተዓጻጸፈ ብናህሪ ወሰኽ ኣርእዩ ኣሎ። ካብቲ ናይ 19 ክፍለ-ዘበን ኣብቲ ናይ መበል 20 ክፍለ-ዘበን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ውግእ ዘጋጠመ ሞት ብዓሰርተ ግዜ ይበዝሕ።

[ኣብ ገጽ 247 ዘሎ ስእልታት]

ከምቲ ብዛዕባ እቲ ቐዪሕ ዝሕብሩ ኣራዊት ብትንቢት ተነጊሩ ዝነበረ: እትኣሳሰራ መንግስታት ኣብ ግዜ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣብ መዓሙቝ ኣተወት: እንተዀነ ግን ከም ሕቡራት ሃገራት ኰይና ተንስአት

[ኣብ ገጽ 249 ዘሎ ስእልታት]

ነቲ ናይ ሕ.ሃ. “ናይ ሰላም ዓመት” ንምድጋፍ: ወኪላት ናይ ዓለም ሃይማኖታት ኣብ ኣሲዚ ኢጣልያ ናይ ጸሎት ባቤል ኣቕረቡ: ካብኣቶም ግን ሓደ እውን ይኹን ናብቲ ህያው ኣምላኽ የሆዋ ዝጸለየ የለን