ኢሳይያስ 59:1-21

  • ሓጢኣት እስራኤል ካብ ኣምላኽ የርሕቕ (1-8)

  • ኑዛዜ ሓጢኣት (9-15ሀ)

  • የሆዋ ንዚንስሑ ይድግፎም (15ለ-21)

59  እንሆ፡ ኢድ የሆዋ ንምድሓን ሓጻር ኣይኰነትን፣+እዝኑ ድማ ንምስማዕ እትጻንዖ ኣይኰነትን።+  2  ስሕተትኩም ደኣ እዩ ኻብ ኣምላኽኩም ፈልዩኩም።+ ሓጢኣትኩም ከኣ እዩ ገጹ ኻባኻትኩም ከም ዚሓብእንምስማዕ ከም ዚኣብየኩምን ገይርዎ።+  3  ከመይሲ፡ ኣእዳውኩም ብደም፡+ኣጻብዕኩም ድማ ብስሕተት ተበኪለን እየን። ከናፍርኩም ሓሶት ይዛረባ፡+ ልሳንኩም እውን ዓመጻ ተዕዘምዝም።  4  ንጽድቂ ዚጽውዕ የልቦን፣+ብሓቂ ናብ ፍርዲ ዚኸይድ እውን የልቦን። ብኸንቱነት* ይእመኑ፡+ ዘይረብሕ ነገር ድማ ይዛረቡ። ሽግር ጠኒሶም፡ ጕድኣት ይወልዱ።+  5  እንቋቝሖታት መርዛም ተመን የንቍሑ፣ዓለባ ሳሬት ከኣ ይኣልሙ።+ እንቋቝሖታቶም ዚበልዕ ይመውት፣እተጨፍለቐ እንቋቝሖ ድማ ኣፍዑት ይነቍሕ።  6  ዓለባ ሳሬቶም ክዳን ኣይኪኸውንን እዩ፣ብዚገብርዎ ኸኣ ኣይኪኽደኑን እዮም።+ ግብሮምሲ ጐዳኢ እዩ፣ኣብ ኣእዳዎም ድማ ተግባር ዓመጻ ኣሎ።+  7  ኣእጋሮም ናብ ክፍኣት ይጐይያ፣ንጹህ ደም ናብ ምፍሳስ ከኣ ይቕልጥፉ።+ ሓሳባቶም ሓሳብ ጕድኣት እዩ፣ጥፍኣትን ጸበባን ኣብ መገድታቶም ኣሎ።+  8  ንመገዲ ሰላም ኣይፈለጥዋን፣ኣብ ኣሰራቶም ፍትሒ የልቦን።+ ንመገድታቶም ድማ የቕንንዎ። ብእኡ ዚኸይድ ዘበለ ንሰላም ኣይፈልጣን።+  9  ስለዚ እዩ ፍትሒ ኻባና ዝረሓቐ፡ጽድቂ እውን ዘየርከበና። ንብርሃን ተስፋ ጌርናስ፡ እንሆ ግና፡ ጸልማት፣ንድምቀት፡ ግናኸ ብድነ ንመላለስ ኣለና።+ 10  ከም ዕዉራት፡ መንደቕ ሃሰስ ንብል፡ኣዒንቲ ኸም ዘይብሎም፡ ሃሰስ ንብል ኣለና።+ ቀትሪ ኸሎስ፡ ከም ኣብ ጸልማት ምሸት ንዕንቀፍ ኣለና፣ኣብ መንጎ እቶም ብርቱዓት፡ ከም ምዉታት ኢና። 11  ከም ድብታት ሕኒን ንብል፡ከም ረገቢት ከኣ ብሓዘን ኩኩ ንብል ኣለና። ንፍትሒ ተስፋ ጌርናስ፡ ግናኸ የልቦን፣ንድሕነት፡ ንሱ ግና ካባና ርሑቕ እዩ። 12  ዕልወትናስ ኣብ ቅድሜኻ ብዙሕ እዩ፣+ኵሉ ሓጢኣትና ይምስክረልና ኣሎ።+ ዕልወትናስ ምሳና ኣሎ፣ንስሕተትና ድማ ኣጸቢቕና ንፈልጦ ኢና።+ 13  ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣቢስና፡ ንዕኡ እውን ክሒድናዮ፣ንኣምላኽና ዝባንና መሊስናሉ። ብዛዕባ ጭቈናን ዕልወትን ተዛሪብና፣+ሓሶት ጠኒስና፡ ካብ ልብና ኸኣ ቃላት ሓሶት ኣዕዘምዚምና።+ 14  ፍትሒ ንድሕሪት ተመሊሱ፣+ጽድቂ ድማ ኣብ ርሑቕ ቈይሙ፣+ከመይሲ፡ ሓቂ* ኣብ ኣደባባይ ተዓንቂፋ፣ቅኑዕ ዘበለ ኺኣቱ ኣይከኣለን። 15  ሓቂ* ጠፊኣ፣+ካብ ክፉእ ዚርሕቕ ዘበለ ድማ ተዘሚቱ። የሆዋ እዚ ርእዩስ፡ፍትሒ ስለ ዘየልቦ፡ ጕህዩ።*+ 16  ሓደ እኳ ኸም ዘየልቦ ርእዩ፣ሓደ እኳ ኣብ ክንዲ ኻልእ ከም ዘይልምን ርእዩ ተገሪሙ፣ስለዚ፡ ቅልጽሙ ድሕነት ኣምጺኡ፣*ጽድቁ እውን ደጊፍዎ። 17  ንጽድቂ ኸም ድርዒ ለቢስዎ፣ኣብ ርእሱ ድማ ናይ ድሕነት* ቍራዕ ርእሲ ገይሩ።+ ክዳውንቲ ሕነ ኸም ክዳን ተኸዲኑ፣+ከም ብቐምሽ ላዕሊ* ኸኣ ብቕንኣት ተወንዚፉ። 18  ከከም ግብሮም ኪፈድዮም እዩ፦+ ቍጥዓ ንተጻረርቱ፡ ፍዳ ንጸላእቱ።+ ንደሴታት ከኣ ዚግብአን ኪፈድየን እዩ። 19  ካብ ምዕራብ ጸሓይ፡ ስም የሆዋ፡ካብ ምብራቕ ጸሓይ ድማ፡ ክብሩ ኺፈርሁ እዮም፣ከመይሲ፡ ከምቲ መንፈስ የሆዋ ምስ ከብከቦኣበርቲዑ ዚውሕዝ ፈለግ ኰይኑ ኺመጽእ እዩ። 20  “ንጽዮንን ነቶም ካብ ኣበሳ ዘልገሱ ኣብ ያእቆብ ዘለዉን+ተበጃዊ+ ኺመጽእ እዩ”+ ይብል የሆዋ። 21  “ኣነስ ምሳታቶም ዝኣቶኽዎ ኺዳን እዚ እዩ”+ ይብል የሆዋ። “ኣባኻ ዘሎ መንፈሰይን ኣብ ኣፍካ ዘንበርክዎ ቓለይን፡ ካብ ኣፍካ፡ ካብ ኣፍ ደቅኻ፡* ወይ ካብ ኣፍ ደቂ ደቅኻ፡* ካብ ሕጂ ንዘለኣለም ኣይኪርሕቕን እዩ” ይብል የሆዋ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ብባዶነት።”
ወይ፡ “ቅንዕና።”
ወይ፡ “ቅንዕና።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ኽፉእ ነይሩ።”
ወይ፡ “ዓወት ኣምጺኡሉ።”
ወይ፡ “እጅገ ብዘይብሉ ቐምሽ።”
ወይ፡ “ዓወት።”
ቃ.ቃ.፡ “ዘርእኻ።”
ቃ.ቃ.፡ “ዘርኢ ዘርእኻ።”