መብርሂ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ
ምሳሌ 3:5, 6—“ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ”
“ብምሉእ ልብኻ ብየሆዋ ተኣመን፣ ኣብ ኣእምሮኻ ድማ ኣይትጸጋዕ። ኣብ ኵሉ መገድታትካ ንዕኡ ኣስተብህለሉ። ንሱ ኸኣ ንመገድታትካ ኬቕንዖ እዩ።”—ምሳሌ 3:5, 6፡ ትርጉም ሓዳስ ዓለም።
“ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተአመን፡ ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ፡ ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ፡ ንሱ ኸኣ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ።”—ምሳሌ 3:5, 6፡ ትርጉም 1956።
ትርጉም ምሳሌ 3:5, 6
ኣገዳሲ ውሳነታት ክንገብር ከለና፡ ኣብ ርእስና ኣብ ክንዲ እንውከል፡ ካብ የሆዋ a ኣምላኽ መምርሒ ኽንደሊ ኣሎና።
“ብምሉእ ልብኻ ብየሆዋ ተኣመን።” እንገብሮ ነገራት ኵሉ ብመገድታት ኣምላኽ እንተ ጌርናዮ፡ ብእኡ ኸም እንእመን ነርኢ። እወ፡ ብምሉእ ልብና ብኣምላኽ ክንእመን ኣሎና። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እታ ልቢ እትብል ቃል፡ መብዛሕትኡ ግዜ ንውሽጣዊ መንነት ሰብ ተመልክት፣ እዚ ድማ ንውሽጣዊ ስምዒትን ድራኸን ኣተሓሳስባን ዝንባለን የጠቓልል። ስለዚ፡ ብምሉእ ልብና ብኣምላኽ ምእማን ኪብሃል ከሎ ኻብ ስምዒት ንላዕሊ ዜጠቓልል እዩ። ፈጣሪና ነቲ ንዓና ዚሓይሽ ከም ዚፈልጥ ኣጸቢቕና ስለ እንኣምን ብፍታው እንገብሮ ምርጫ እዩ።—ሮሜ 12:1።
“ኣብ ኣእምሮኻ ድማ ኣይትጸጋዕ።” ኣብ ዘይፍጹም ኣተሓሳስባና ኽንጽጋዕ ስለ ዘይንኽእል፡ ብኣምላኽ ክንእመን ኣሎና። ኣብ ገዛእ ርእስና ጥራይ እንተ ተወኪልና ወይ ብስምዒትና ተደሪኽና ውሳነ እንተ ጌርና፡ ኣብ ፈለማ ጽቡቕ ዚመስል ኣብ መወዳእታኡ ግና ሕማቕ ሳዕቤን ዘለዎ ምርጫ ኽንገብር ንኽእል ኢና። (ምሳሌ 14:12፣ ኤርምያስ 17:9) ጥበብ ኣምላኽ ካብ ጥበብና ኣዝዩ ዚበልጽ እዩ። (ኢሳይያስ 55:8, 9) ብኣተሓሳስባ ኣምላኽ እንተ ተመሪሕና፡ ኣብ ህይወትና ኣሳልጦ ኽንረክብ ኢና።—መዝሙር 1:1-3፣ ምሳሌ 2:6-9፣ 16:20።
“ኣብ ኵሉ መገድታትካ ንዕኡ ኣስተብህለሉ።” ኣብ ኵሉ ኣገዳሲ መዳይ ህይወትናን ኣብ እንገብሮ ውሳነታትን፡ ኣረኣእያ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ኽንፈልጥ ይግባእ። ነዚ እንገብሮ ኸኣ መምርሒ ኽንረክብ ናብኡ ብምጽላይን ነቲ ኣብ ቃሉ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ኣብ ግብሪ ብምውዓልን እዩ።—መዝሙር 25:4፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17።
“ንሱ ኸኣ ንመገድታትካ ኬቕንዖ እዩ።” ኣምላኽ በቲ ንሱ ዝሰርዖ መለክዒታት ጽድቂ ምእንቲ ኽንመላለስ ብምሕጋዝ ንመገድታትና የቕንዖ እዩ። (ምሳሌ 11:5) በዚ ኸምዚ ኻብ ዘየድሊ ጸገማት ንስተር፡ ኣብ ህይወትና ድማ ሓጐስ ይህልወና።—መዝሙር 19:7, 8፣ ኢሳይያስ 48:17, 18።
ኣብ ከባቢ ምሳሌ 3:5, 6 ዘሎ ሓሳባት
መጽሓፍ ምሳሌ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሕጉስን ዕዉትን ህይወት ኪህልወና ዚሕግዘና መሰረታዊ ስርዓታት ሒዛ ኣላ። እተን ቀዳሞት ትሽዓተ ምዕራፋት፡ ሓደ ኣቦ ንፍቑር ውላዱ ኸም ዚህቦ ምኽሪ እየን። ምዕራፍ 3፡ እቶም ንጥበብ ኣምላኽና ዚስዕብዎን ኣብ ግብሪ ዜውዕልዎን ዚረኽብዎ ረብሓታት ተጕልሕ።—ምሳሌ 3:13-26።
a የሆዋ ብሕታዊ ስም ኣምላኽ እዩ።—መዝሙር 83:18።

