ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ—ህያው ታሪኽ እቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሱ ሰባት

እዚ ዓምድታት እዚ፡ ንታሪኽ እቶም ሓለፍ ዝበለት እምነት ዘርኣዩ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሱ ሰብኡትን ኣንስትን ህያው ገይሩ የቕርቦ። a ኣብነታዊ እምነት እቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሱ ሰባት፡ እምነትካ ንምድልዳልን ንኣምላኽ ክትቀርቦን ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።

a እዚ ዓምድታት እዚ፡ ነቲ ታሪኽ ኣብ ኣእምሮኻ ምእንቲ ኽትስእሎን ኣብኡ ኸም ዝነበርካ ጌርካ ምእንቲ ኽትሓስብን፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይርከብ ተወሳኺ ዝርዝራት ሒዙ ኣሎ። እዚ ተወሳኺ ዝርዝራት እዚ፡ ምስ ጸብጻባት መጽሓፍ ቅዱስን ታሪኻዊ መዛግብትን ስነ ጥንታዊ ርኽበታትን ምእንቲ ኺሰማማዕ ብጥንቃቐ ምርምር ተገይሩሉ እዩ።

ካብ ፍጥረት ክሳዕ ማይ ኣይሂ

ኣቤል—“ምዉት ክነሱ . . . ብእምነቱ ይዛረብ ኣሎ”

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣቤል ብዙሕ ዘይተጠቕሰ ኽነሱ፡ ካብኡን ካብ እምነቱን እንታይ ኢና ኽንምሃር እንኽእል፧

ሄኖክ—‘ንኣምላኽ ባህ ኣበሎ’

ስድራ ቤት እትኣሊ ወይ ከኣ ቅኑዕ ምዃኑ ንእትኣምነሉ ነገር ጽኑዕ መትከል ኪህልወካ እትቃለስ ሰብ እንተ ዄንካ፡ ካብ እምነት ሄኖክ ብዙሕ ኽትምሃር ትኽእል ኢኻ።

ኖህ—“ምስቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ተመላለሰ”

ኖህን ሰበይቱን ደቆም ኣብ ምዕባይ እንታይ ብድሆ እዩ ነይርዎም፧ መርከብ ኪሰርሑ ኸለዉ እምነት ዘርኣዩኸ ብኸመይ እዮም፧

ኖህ—ኣምላኽ ንዕኡ “ሻምናይ ርእሱ ሓለዎ”

ኖህን ስድራ ቤቱን ኣብቲ ወዲ ሰብ ቅድሚኡ ርእይዎ ዘይፈልጥ ኣዝዩ ጽንኩር እዋን፡ ብኸመይ ድሒኖም፧

ካብ ማይ ኣይሂ ኽሳዕ ጻኦት

ኣብራም—‘ኣቦ ዅሎም እቶም ዚኣምኑ’

ኣብራም እምነት ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧ በየናይ መገድታት ኢኻ ነታ ኣብራም ዝሓደጋ እምነት ክትስዕብ እትደሊ፧

ሳራ—“መልክዐኛ ሰበይቲ”

ኣብ ግብጺ፡ መሳፍንቲ ፈርኦን ነታ መልክዐኛ ሳራ ይጥምትዋ። እቲ ስዒቡ ዘጋጠመ ነገር ይድንጽወካ ይኸውን።

ሳራ—ኣምላኽ “ልዕልቲ” ኢሉ ጸውዓ

እዚ ሓድሽ ስም እዚ ንሳራ ዚበቅዕ ስለምንታይ እዩ፧

ዮሴፍ—“ዝሐለምክዎ ሕልሚ እማ ስምዑ”

ዮሴፍ ኣብ ስድራ ቤቱ ዘሕለፎ ኣጸጋሚ ኣተዓባብያ፡ ነተን ሎሚ ሰብኣይ ኣደ ወይ ሰበይቲ ኣቦ ዘለወን ስድራ ቤታት፡ መለበሚ ኪዀነን ይኽእል እዩ።

ዮሴፍ—‘ከመይ ገይረኸ እዚ ዓብዪ ኽፍኣት ክገብር እኽእል፧’

ዮሴፍ ነቲ ሰበይቲ ጶጢፋር ንኸተስድዖ ኢላ ብዘ⁠ይምቍራጽ ዝገበረቶ ጻዕሪ ኺቃወሞ ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧

ዮሴፍ—“እቲ ምፍታሕ ናይ እግዚኣብሄርዶ ኣይኰነን፧”

ዮሴፍ ንሕልምታት እቲ ግብጻዊ ኣሰላፍ ሜስን, ሰንካት እንጌራን, ከምኡ እውን ፈርኦንን ብትብዓት ኪፈትሕ ዘኽኣሎ እንታይ እዩ፧ ዮሴፍ ኣብ ውሽጢ ሓደ መዓልቲ ካብ ቤት ማእሰርቲ ናብ ቤተ መንግስቲ እተሰጋገረ ብኸመይ እዩ፧

ዮሴፍ—“ኣነዶ ኣብ ክንዲ ኣምላኽ እየ፧”

ስድራ ቤትካ ቕንኢ፡ ጥልመት፡ ወይ ጽልኢ ኣጋጢምዋዶ ይፈልጥ፧ ከምኡ እንተ ኣጋጢምዋ፡ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ታሪኽ ዮሴፍ ኪጠቕመካ ይኽእል እዩ።

እዮብ—“ንጽህናይ ኣይሓድግን እየ!”

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ዛንታ እዮብ ንሽግር፡ ንመከራ፡ ወይ ኣብ እምነትና ንዜጋጥም ካልእ ፈተናታት ክንዋጽኣሉ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

እዮብ—የሆዋ ኻብ ስቓዩ ኣሕወዮ

ኣስኣሰር እምነት እዮብ እንተ ስዒብና፡ እዚ ንሰይጣን ሕርር ኵምትር ኬብሎ፡ ነቲ ፈቃር ልቢ የሆዋ ድማ ደስ ኬብሎ እዩ።

ሚርያም—“ንየሆዋ ዘምሩሉ”!

እስራኤላውያን ቀይሕ ባሕሪ ምስ ተሳገሩ፡ ነብዪት ሚርያም ንኣንስቲ እስራኤል እናመርሐት መዝሙር ዓወት ዘመረት። ካብ ህይወታ ብዛዕባ ትብዓትን እምነትን ትሕትናን ክንምሃር ንኽእል ኢና።

ካብ ጻኦት ክሳዕ ቀዳማይ ንጉስ እስራኤል

ረሃብ—‘ብግብሪ ጸደቐት’

ዛንታ ረሃብ፡ ኵላትና ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዋጋ ኸም ዘሎና ዜርኢ ብኸመይ እዩ፧ ካብታ ረሃብ ዝነበረታ እምነት እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧

ዴቦራ—‘ኣነ ኣብ እስራኤል ኣደ ዀይነ ተንሳእኩ’

እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዚርከብ ጸብጻብ ዴቦራ፡ ብዛዕባ እምነትን ትብዓትን እንታይ እዩ ዚምህረና፧

ሩት—“ናብ እትኸድዮ እኸይድ”

ሩት ቤተ ሰባን ዓዳን ክትሓድግ ፍቓደኛ ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኽብርቲ ዝገበራ ባህርያት እንታይ እዩ ነይሩ፧

ሩት—“ብልጽቲ ሰበይቲ”

እቲ ሩትን ቦኣዝን ዝመስረትዎ ሓዳር ኣገዳሲ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧ ብዛዕባ ስድራ ቤት ካብ ሩትን ናእሚን እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧

ሃና—ብጸሎት ልባ ናብ ኣምላኽ ኣፍሰሰት

እታ ሃና ኣብ የሆዋ ዝነበረታ እምነት፡ ነቲ ኽትጻወሮ ዘይክኣል ዝመስል ዝነበረ ዅነታት ንኽትጻወሮ ሓጊዛታ እያ።

ሳሙኤል—“ኣብ ቅድሚ የሆዋ ይዓቢ ነበረ”

ሳሙኤል ፍልይ ዝበለ ኣተዓባብያ ዝነበሮ ብኸመይ እዩ፧ ኣብ ማሕደር የሆዋ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ድልድልቲ እምነት ንኼጥሪ ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧

ሳሙኤል—ዜጕሂ ነገራት እናኣጋጠሞ ኽነሱ ጸንዐ

ኵላትና ንእምነትና ዚፍትን ሽግራትን ዜጕሂ ነገራትን የጋጥመና እዩ። ካብቲ ሳሙኤል ዘርኣዮ ጽንዓት እንታይ ንምሃር፧

ካብ ቀዳማይ ንጉስ እስራኤል ክሳዕ ልደት የሱስ

ዮናታን—‘ንየሆዋ ኺዓግቶ ዚኽእል ነገር የልቦን’

ዮናታን ምስ ካልኣዩ ዀይኑ ኣብ ልዕሊ ጭፍራ ዕጡቓት ፍልስጥኤማውያን መጥቃዕቲ ፈንዩ እዩ፣ እቲ ተግባር ከኣ ዓብዪ ታሪኽ ኰይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ።

ዳዊት—“እቲ ውግእ ናይ የሆዋ እዩ”

ዳዊት ንጐልያድ ኬሰንፎ ዘኽኣሎ እንታይ እዩ፧ ካብ ታሪኽ ዳዊት እንታይ ንምሃር፧

ዳዊትን ዮናታንን—“ኣዝዮም ዚፋተዉ ኣዕሩኽ”

እተፈላለየ ድሕረ ባይታን ዕድመን ዝነበሮም ክልተ ሰባት ከመይ ገይሮም እዮም ናይ ቀረባ ኣዕሩኽ ኪዀኑ ኽኢሎም፧ ተመክሮኦምከ ዕርክነት ንምምስራት ኪሕግዘካ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

ኣቢጋይል—ብምስትውዓል ስጕምቲ ወሰደት

ካብቲ ኣቢጋይል ዝነበራ ተካል ሓዳር እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧

ኤልያስ—ንንጹህ ኣምልኾ ተሓለቐሉ

ነቶም ንትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚጻረሩ ሰባት ክንዛረቦም ከለና፡ ንኤልያስ ክንመስሎ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

ኤልያስ—ብንቕሓት ተኸታተለን ተጸበየን

ነብዪ ኤልያስ እቲ የሆዋ ዘተስፈዎ ተስፋ ኺፍጸም እናተጸበየ ብጸሎት ነቒሑ ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧

ኤልያስ—ብኣምላኹ ተጸናንዐ

ንኤልያስ ተስፋ ቘሪጹ ሞት ከም ዚምነ ዝገበሮ ፍጻመታት እንታይ እዩ ነይሩ፧

ኤልያስ—ምጕዳል ፍትሒ እናሃለወ ኽነሱ፡ ጸንዐ

ግዳይ ግፍዒ ዄንካዶ ትፈልጥ፧ ኣምላኽ ንዅሉ ነገራት ኬተዓራርዮ ትህንጠዶ፧ ኣስኣሰር እቲ እሙን ዝነበረ ኤልያስ ብኸመይ ክትስዕብ ከም እትኽእል ርአ።

ኤልያስ—ክሳዕ መወዳእታ ተጻወረ

እቲ ኤልያስ ብተኣማንነት ብምጽዋር ዝሓደገልና ኣብነት፡ ኣብ እዋን ሽግር እምነትና ኸነደልድል ኪሕግዘና ይኽእል።

ዮናስ—ካብ ጌጋታቱ ተማህረ

ብዛዕባ እቲ ኻብ የሆዋ ዚውሃበካ ዕዮ፡ ከም ዮናስ ፍርሂ ተሰሚዑካዶ ይፈልጥ፧ ዛንታ ዮናስ ብዛዕባ ትዕግስትን ምሕረትን የሆዋ ይምህረና እዩ።

ዮናስ—ብዛዕባ ምሕረት ተማህረ

ዛንታ ዮናስ ንርእስና ብቕንዕና ኽንምርምራ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

ኣስቴር—ንህዝቢ ኣምላኽ ተሓለቐትሎም

ከም ኣስቴር ጥቕሚ ርእስና ብምስዋእ ፍቕሪ ኸነርኢ እምነትን ትብዓትን ይሓትት

ኣስቴር—ብጥበብን ብትብዓትን ጥቕሚ ርእሳ ብምስዋእን ስጕምቲ ወሰደት

ኣስቴር ምእንቲ የሆዋን ምእንቲ ህዝቡን ጥቕሚ ርእሳ ብምስዋእ ስጕምቲ ዝወሰደት ብኸመይ እያ፧

ካብ ልደት የሱስ ክሳዕ ሞት ሃዋርያት

ማርያም—“እነኹ ባርያ የሆዋ”

እቲ ማርያም ንገብርኤል መልኣኽ ዝሃበቶ ምላሽ ብዛዕባ እምነታ እንታይ እዩ ዚገልጽ፧ ማርያም እንታይ ካልእ ጽቡቕ ባህርያት እዩ ነይርዋ፧

ማርያም—‘ኣብ ልባ ትሓስቦ ነበረት’

እቲ ማርያም ኣብ ቤት-ልሄም ዘጋጠማ ነገራት ነቲ ኣብ ተስፋታት የሆዋ ዝነበራ እምነት ኣደልዲሉላ እዩ።

ማርያም—ሰይፊ ሓዘን ተጻወረቶ

ማርያም ኣደ የሱስ ዝሓደገቶ ኣብነት፡ “ነዊሕ ሰይፊ” ሓዘን እንተ ኣጋጢሙካ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ።

ዮሴፍ—ስድራ ቤቱ ዘዕቈበን ዝናበየን ጽኑዕ ኣቦ

ዮሴፍ ስድራ ቤቱ ዘዕቈበ ብኸመይ እዩ፧ ንማርያምን ንየሱስን ናብ ግብጺ ዝወሰዶም ስለምንታይ እዩ፧

ማርታ—“ኣሚነ ኣለኹ”

ማርታ ኣብ ሓዘና እውን እተደንቕ እምነት ዘርኣየት ብኸመይ እያ፧

ማርያም መግደላዊት—“ንጐይታ ርእየዮ!”

እዛ እምንቲ ሰበይቲ እዚኣ፡ ንኻልኦት ምብሳር ፍሉይ መሰል ተዋህባ።

ጴጥሮስ—ምስ ፍርህን ጥርጣረን ተቓለሰ

ጥርጣረ ኣዝዩ ጐዳኢ እዩ። ጴጥሮስ ግና ነቲ ንየሱስ ብዛዕባ ምስዓብ ዝነበሮ ጥርጣረ ኣሰኒፍዎ እዩ።

ጴጥሮስ—ብተኣማንነት ፈተናታት ሰገረ

እምነትን ተኣማንነትን ጴጥሮስ ነቲ ኻብ የሱስ እተዋህቦ መአረምታ ኪቕበል ዝሓገዞ ብኸመይ እዩ፧

ጴጥሮስ—ካብ ጐይታኡ፡ ይቕረ ምባል ተማህረ

የሱስ ንጴጥሮስ ብዛዕባ ይቕረ ምባል እንታይ እዩ ምሂርዎ፧ የሱስ ንጴጥሮስ ይቕረ ኸም ዝበለሉ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

ጢሞቴዎስ—“ብጐይታ ፍቑረይን እሙን ውሉደይን”

ጢሞቴዎስ ካብ ሓፋር መንእሰይ ናብ ዜደንቕ ክርስትያን ሓላዊ ኺልወጥ ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧ እቲ ሓፋር መንእሰይ ዝነበረ ጢሞቴዎስ፡ ንፉዕ ክርስትያን ሓላዊ ኪኸውን ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧