ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ | ኤልያስ

ክሳዕ መወዳእታ ተጻወረ

ክሳዕ መወዳእታ ተጻወረ

 ኤልያስ፡ ንጉስ ኣከኣብ ከም ዝሞተ ሰምዐ። እቲ ብዕድመ ዝደፍአ ነብዪ፡ ጭሕሙ እናፈተለን ኣማዕድዩ እናጠመተን ብዛዕባ እቲ ምስቲ እኩይ ንጉስ እተራኸበሉ እዋናት ኪሓስብ ከሎ እሞ ኣብ ኣእምሮና ንስኣሎ። ኤልያስ ብዙሕ እዩ ተጻዊሩ። ኣከኣብን ሰበይቱ ንግስቲ ኢዛቤልን ብዙሕ ሳዕ ኣፈራሪሆምዎን ሰጒጎምዎምን እዮም፣ አረ ኣብ ኣፍ ሞት እውን በጺሑ ነይሩ እዩ። ኢዛቤል ንብዙሓት ነብያት የሆዋ ኣብ ዘቕተለትሉ እዋን ኣከኣብ ደው ኬብላ ኣይፈተነን። እዞም ሰብ ሓዳር እዚኦም ኣዝዮም ስሱዓት ካብ ምዃኖም እተላዕለ ነቲ ንጹህን ጻድቕን ዝነበረ ናቦትን ንደቁን ኬቕትሉ ውዲት ኣሊሞም እዮም። ሽዑ፡ ኤልያስ ነቲ የሆዋ ኣብ ልዕሊ ኣከኣብን ኣብ ልዕሊ ብዘሎ ስርወ ንግስነቱን ዚወርድ ፍርዲ ተዛሪቡ ነይሩ እዩ። እዋኑ ምስ ኣኸለ፡ እቲ ኣምላኽ ዝበሎ ኺፍጸም ጀመረ። እወ፡ ኣማውታ ኣከኣብ ልክዕ ከምቲ የሆዋ እተዛረቦ ዀነ።—1 ነገስት 18:4፣ 21:1-26፣ 22:37, 38፣ 2 ነገስት 9:26

 እንተዀነ ግና፡ ኤልያስ ብድሕሪኡ እውን ኪጻወር ከም ዘለዎ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ከመይሲ፡ ኢዛቤል ገና ብህይወት ነይራ እያ፣ ኣብ ስድራ ቤታን ኣብቲ ህዝብን ከኣ ሕማቕ ጽልዋ ተሕድር ነይራ እያ። ስለዚ፡ ኤልያስ ድሕሪኡ እውን ብድሆታት ኪሰግር ነይርዎ እዩ፣ ነቲ ብጻዩን ተካኢኡን ኤልሳእ ዚምህሮ ብዙሕ ነገራት ከኣ ነይርዎ እዩ። እምበኣር፡ ነተን ንኤልያስ እተዋህባኦ ናይ መወዳእታ ሰለስተ ዕዮታት እስከ ንርአ። እምነቱ ድማ ኪጻወር ብኸመይ ከም ዝሓገዘቶ ኽንምርምር ከለና፡ ኣብ ኣጸጋሚ እዋን እናነበርና ንእምነትና ብኸመይ ከም እነደልድላ ኽንምሃር ንኽእል ኢና።

ንኣሓዝያ መልእኽቲ ፍርዲ ነገሮ

 እቲ ወዲ ኣከኣብን ኢዛቤልን ዝዀነ ኣሓዝያ ኣብ እስራኤል ነገሰ። ዕሽነት ወለዱ ግና መለበሚ ኣይኰኖን፣ የግዳስ ንሱ እውን በቲ እኩይ መገድታቶም ተመላለሰ። (1 ነገስት 22:52) ከማታቶም ንበዓል ኣምለኸ። ኣምልኾ በዓል ከኣ ኣብ መቕደስ ዚግበር ምንዝርናን መስዋእቲ ሕጻናትን ዜተባብዕ ንሰዓብቱ ዜሕስር ሃይማኖት እዩ ነይሩ። እሞ ደኣ ንኣሓዝያ መገዱ ኣቐዪሩ ነቲ ህዝቢ ኻብቲ ጠላም መገዱ ናብ የሆዋ ኸም ዜምልሶ ዚገብር ኵነታት ይፍጠርዶ ይኸውን፧

 ነቲ ትዕቢተኛ መንእሰይ ንጉስ ሃንደበት ሓደጋ ኣጋጠሞ። ካብ ደርቢ ቤቱ በቲ ርቡብ ወዲቑ ብኸቢድ ቈሰለ። ህይወቱ ኣብ ሓደጋ ወዲቓ እኳ እንተ ነበረት፡ ካብ የሆዋ ሓገዝ ኣይለመነን። የግዳስ፡ ካብ ቍስሉ ዚሓዊ እንተ ዀይኑ ንበዓል-ዜቡብ ኪሓትቱሉ ናብ ዔቅሮን፡ ናብ ከተማ እቶም ጸላእቶም ዝዀኑ ፍልስጥኤማውያን ልኡኻት ለኣኸ። የሆዋ በዚ ብዙሕ ጐሃየ። ንመልኣኹ ናብ ኤልያስ ልኢኹ ድማ ነቶም ልኡኻት ኣብ መገዲ ኺረኽቦም ነገሮ። ኤልያስ ከኣ ናብቲ ንጉስ ኪምለሱ እሞ ሓደ ኣዝዩ ኸቢድ መልእኽቲ ኼብጽሑሉ ነገሮም። እወ፡ ኣብ እስራኤል ኣምላኽ እናሃለወ፡ ኣሓዝያ ኻብ ካልእ ሓገዝ ብምልማኑ፡ ከቢድ ሓጢኣት እዩ ገይሩ። ስለዚ፡ ኣሓዝያ ኻብቲ ዝደቀሰሉ ዓራት ከም ዘይትንስእ፡ የሆዋ ወሰነ።—2 ነገስት 1:2-4

 ኣሓዝያ ግና ኣይተነስሐን፣ ኣብ ክንዳኡስ፡ “እቲ ኺረኽበኩም ደዪቡስ፡ እዚ ዘረባ እዚ እተዛረበኩም ሰብኣይከ ኸመይ ይመስል፧” ኢሉ ሓተተ። እቶም ልኡኻት ድማ፡ እቲ ሰብኣይ ተራ ኽዳን ነብያት ተኸዲኑ ኸም ዝነበረ ምስ ነገርዎ፡ ብኡብኡ “ኤልያስ . . . እዩ” በለ። (2 ነገስት 1:7, 8) ኤልያስ ቀሊልን ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ዘተኰረን ህይወት ከም ዝነበሮ፡ ካብቲ ተራ ኣከዳድናኡ ኺርአ ይከኣል ነይሩ እዩ። እቲ ብፍቕረ ንዋይ እተዋሕጠ ስሱዕ ኣሓዝያ ዀነ ወለዱ ግና ከምኡ ኣይነበሩን። ኣብነት ኤልያስ፡ ነቲ የሱስ ቀሊል ናብራ ኽንነብርን ዓይንና ኣብቲ ብዝያዳ ዜገድስ ነገራት ከም እተተኵር ክንገብርን ዝሃበና ምኽሪ የዘኻኽረና እዩ።—ማቴዎስ 6:22-24

 ኣሓዝያ ሕነ ኽፈዲ ስለ ዝደለየ፡ ንኤልያስ ምእንቲ ኺኣስርዎ ኢሉ ንሓደ ሓለቓ ምስ 50 ወተሃደራቱ ሰደዶ። ንሳቶም ድማ ንኤልያስ፡ “ኣብ ርእሲ ኸረን ኮፍ ኢሉ” a ረኸብዎ፣ እቲ ሓለቓ ኸኣ “ውረድ” ኢሉ ብስም ንጉስ ኣዘዞ፣ ምእንቲ ኪቕተል እዩ ውረድ ዚብሎ ነይሩ። ሕስብ እሞ ኣብሎ! ኤልያስ “ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ” ከም ዝዀነ እናፈለጡ እዮም ኬፈራርህዎ ዚፍትኑ ነይሮም። ዓብዪ ጌጋ እዮም ተጋግዮም! ኤልያስ ድማ ነቲ ሓለቓ፡ “ኣነ ናይ ኣምላኽ ሰብ እንተ ዀይነስ፡ ሓዊ ኻብ ሰማያት ይውረድ፡ ንዓኻን ን50 ሰብካን ከኣ ይብላዕኩም” በሎ። ሽዑ፡ ኣምላኽ ስጕምቲ ወሰደ! “ሓዊ ኻብ ሰማያት ወሪዱ፡ ንዕኡን ነቶም 50 ሰቡን በልዖም።” (2 ነገስት 1:9, 10) እዚ ነቶም ወተሃደራት ዘጋጠሞም ዜሕዝን ነገር፡ የሆዋ ነቲ ሰባት ንኣገልገልቱ ዜርእይዎ ንዕቀት ኣቕሊሉ ኸም ዘይርእዮ ዜርኢ ንጹር መዘኻኸሪ እዩ።—1 ዜና መዋእል 16:21, 22

 ኣሓዝያ መሊሱ ኻልእ ሓለቓ ምስ 50 ሰቡ ሰደደ። እቲ ኻልኣይ ሓለቓ ኻብቲ ቐዳማይ ዝገደደ ዓሻ እዩ ነይሩ። ከመይሲ፡ ቀዳማይ፡ ካብ ሞት እቶም 51 ሰባት ዋላ ሓንቲ ኣይተማህረን፣ ንሱ ናብቲ ኸረን ኣብ ዚመጸሉ እዋን ሓምዅሽቶም ገና ኣብ ጎቦ እቲ ዅርባ ዛሕ ኢሉ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ካልኣይ፡ ንኤልያስ ከምቲ ቕድሚኡ ዝነበረ ሓለቓ ብንዕቀት “ውረድ” ጥራይ ኣይኰነን ኢልዎ፣ የግዳስ፡ “ቀልጢፍካ ውረድ” እዩ ኢልዎ። ክንደይ ኰን ይዕሹ! ስለዚ፡ ንሱን ሰቡን እውን ልክዕ ከምቶም ቀዳሞት ብተመሳሳሊ ዅነታት ሞቱ። እቲ ኻብ ኵሎም ንላዕሊ ዓሻ ዝነበረ ግና፡ እቲ ንጉስ እዩ። ዋላ ስለ ዘይዓጅቦ፡ ሳልሳይ ሳዕ ወተሃደራት ሰደደ። እቲ ዜሐጕስ ግና እቲ ሳልሳይ ሓለቓ ለባም እዩ ነይሩ። ናብ ኤልያስ ብትሕትና ቐሪቡ፡ ስለ ህይወቱን ስለ ህይወት ሰቡን ለመነ። ኤልያስ ናይ ኣምላኽ ሰብ ስለ ዝዀነ፡ ምስቲ ትሑት ዝነበረ ሓለቓ ኺዛራረብ ከሎ፡ ከም ናይ የሆዋ ዝበለት ምሕረት ኣርእዩ ኪኸውን ኣለዎ። መልኣኽ የሆዋ ድማ ንኤልያስ ምስቶም ወተሃደራት ኪኸይድ ነገሮ። ኤልያስ እውን ከም እተባህሎ ኸደ፣ ነቲ የሆዋ ኣንጻር እቲ እኩይ ንጉስ እተዛረቦ ኸቢድ መልእኽቲ ድማ ከም ብሓድሽ ነገሮ። ከምቲ ኣምላኽ ዝበሎ ኸኣ፡ ኣሓዝያ ሞተ። ንግስናኡ ንኽልተ ዓመት ጥራይ እዩ ጸኒሑ።—2 ነገስት 1:11-17

እቲ ትሑት ዝነበረ ሓለቓ ኻብ ኤልያስ ምሕረት ይልምን

 ኤልያስ ብነቓጻትን ብዓለወኛታትን ሰባት ተኸቢቡ ኽነሱ፡ ከመይ ኢሉ እዩ ጸኒዑ ኺጻወር ክኢሉ፧ እዛ ሕቶ እዚኣ ሎሚ ኣገዳሲት እያ። ሓደ እትሓልየሉ ሰብ ጽቡቕ ምኽሪ ዕሽሽ ብምባል ናብ ሕማቕ መገዲ ብምኻዱ ጕሂኻዶ ትፈልጥ፧ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ዜጕሂ ነገራት ብኸመይ ክንጻወሮ ንኽእል፧ እቶም ወተሃደራት ንኤልያስ፡ “ኣብ ርእሲ ኸረን” እዮም ረኺቦምዎ፣ ንሕና ድማ ካብዚ ሓደ ነገር ክንምሃር ንኽእል ኢና። ኤልያስ ስለምንታይ ኣብኡ ኸም ዝነበረ ኣፍና መሊእና ኽንዛረብ ኣይንኽእልን ኢና፣ ጸሎተኛ ስለ ዝነበረ፡ ናብቲ ዚፈትዎ ኣምላኹ ብዝያዳ ንምቕራብ ነቲ ብሑት ቦታ ይጥቀመሉ ኸም ዝነበረ ግና ርግጸኛታት ኢና። (ያእቆብ 5:16-18) ንሕና እውን ብተመሳሳሊ፡ ኣዘውቲርና ንኣምላኽ ብብሕትና እንዛረበሉ እዋን ብምምዳብ፡ ስሙ እናጸዋዕና ጸገማትናን ጭንቀትናን ከነካፍሎ ንኽእል ኢና። ከምኡ እንተ ጌርና፡ ኣብ ዙርያና ዘለዉ ሰባት ብዕሽነትን ብመገዲ ጥፍኣትን ምስ ዚመላለሱ፡ ንሕና ግና ብተጻዋርነት ክንቅጽል ንኽእል ኢና።

ናይ ሓላፍነት ካባኡ ኣረከበ

 ኤልያስ ነቲ ተዋሂብዎ ዝነበረ ሓላፍነት ዜረክበሉ እዋን ኣኸለ። ነዚ ብኸመይ ከም ዝገበሮ እስከ ንርአ። ኤልያስን ኤልሳእን ካብ ጊልጋል ወጺኦም ኪኸዱ ኸለዉ፡ ኤልያስ ናብታ 11 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ቤት-ኤል ንበይኑ ኪኸይድ ስለ ዘለዎ፡ ንኤልሳእ ኣብኡ ኺጸንሕ ነገሮ። ይኹን እምበር ኤልሳእ፡ “ከምቲ የሆዋ ህያው ዝዀነ፡ ከምቲ ንስኻ እውን ህያው ዝዀንካ፡ ኣይሓድገካን እየ” ኢሉ ኣትሪሩ ኣበዮ። ኣብ ቤት-ኤል ምስ በጽሑ ድማ፡ ናብታ 22 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ያሪኮ ንበይኑ ስለ ዚጕዓዝ ንኤልሳእ ኣብኡ ኺጸንሕ ነገሮ። ኤልሳእ ድማ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝሃቦ ምላሽ ሃበ። ኣብ ያሪኮ ምስ በጽሑ ኸኣ፡ ኤልያስ ናብቲ 8 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ዚርከብ ፈለግ ዮርዳኖስ ኪኸይድ ስለ ዝዀነ፡ ንኤልሳእ ኣብኡ ኺጸንሕ ሳልሳይ ሳዕ ሓተቶ። እቲ መንእሰይ ግና ጸኒዑ ኣበየ። ንኤልያስ እውን ኣይሓደጎን።—2 ነገስት 2:1-6

 ኤልሳእ ብተኣማንነት ብምፍቃር፡ ኣገዳሲት ባህርይ ኣርእዩ እዩ። ሩት ንናእሚ ኸምዚኣ ዓይነት ፍቕሪ እያ ኣርእያታ፣ ከምዚኣ ዓይነት ፍቕሪ ዘላቶ ሰብ ምስቲ ዜፍቅሮ ሰብ ይለግብ እምበር ኣይሓድጎን እዩ። (ሩት 1:15, 16) ሎሚ ዘለዉ ዅሎም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ነዛ ፍቕሪ እዚኣ ኼማዕብሉ ኣለዎም። ንሕና እውን ከም ኤልሳእ ንኣገዳስነታ ብንጹር ንግንዘቦ ዲና፧

 ኤልያስ በቲ እቲ መንእሰይ ብጻዩ ብተኣማንነት ዘርኣዮ ፍቕሪ ልቡ ኸም እተተንከየ መሸም ኣየጠራጥርን እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ፡ ኤልሳእ ነቲ ኤልያስ ዝገበሮ ናይ መወዳእታ ተኣምር ኪርኢ ፍሉይ መሰል ረኸበ። ኣብ ገምገም እቲ ኣብ ገሊኡ ኽፋላቱ ዓሚቝን ብርቱዕን ውሒዝ ዚኸውን ፈለግ ዮርዳኖስ ምስ በጽሑ ኸኣ፡ ኤልያስ ነቲ ባርኖሱ ወሲዱ ነቲ ማይ ወቕዖ። እቲ ማይ ድማ ተመቕለ። ነዚ ተኣምር እዚ “50 ኻብ ደቂ ነብያት” እውን ርእዮምዎ እዮም፣ ንሳቶም ከኣ ካብቶም ኣብታ ሃገር ኣብ ንጹህ ኣምልኾ መሪሕ ግደ ኺህልዎም ዚስልጥኑ ዝነበሩ ሰባት ኪዀኑ ኣለዎም። (2 ነገስት 2:7, 8) ነቲ ስልጠና ድማ፡ ኤልያስ ዚህቦም ዝነበረ እዩ ዚመስል። ኣብ ሓደ እዋን፡ ኤልያስ ኣብታ ሃገር ብዘይካኡ ኻልእ እሙን ዘየልቦ መሲልዎ ነይሩ እዩ። ካብ ሽዑ ንነጀው ግና፡ የሆዋ ንኤልያስ፡ ነቲ ኣብ ኣምለኽቱ እተገብረ ብዙሕ ለውጥታት ከም ዚርኢ ብምግባር፡ ንተጸዋርነቱ ባሪኽዎ እዩ።—1 ነገስት 19:10

 ንዮርዳኖስ ምስ ተሳገሩ ኸኣ፡ ኤልያስ ንኤልሳእ፡ “ገና ኻባኻ ኸይተወሰድኩ፡ እንታይ ክገብረልካ ኸም እትደሊ ለምን” በሎ። ኤልያስ ዝኸደሉ እዋን ከም ዝኣኸለ ተረዲእዎ ነበረ። በቲ እቲ መንእሰይ ዝነበረ ፈታዊኡ ዚረኽቦ ፍሉይ መሰላትን ተፈላጥነትን ኣይቀንአን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ብእተኻእሎ መጠን ኪሕግዞ ድሉው ነበረ። ኤልሳእ ድማ፡ “በጃኻ፡ ካብ መንፈስካ ዕጽፊ ግደዶ ይወሃበኒ፧” ብምባል ሓንቲ ነገር ጥራይ ሓተተ። (2 ነገስት 2:9) ከምዚ ኺብል ከሎ፡ ዕጽፊ እቲ ንኤልያስ ዝነበሮ መንፈስ ኪውሃቦ ኣይኰነን ዚሓትት ነይሩ። የግዳስ፡ ከምቲ ንበዅሪ ዚውሃብ ዝነበረ ዕጽፊ ግደ ኺውሃቦ እዩ ዚሓትት ነይሩ፣ በዅሪ ውላድ ነቲ ኸም ርእሲ ስድራ ቤት መጠን ዚህልዎ ሓላፍነት ምእንቲ ኺስከም፡ ዝበዝሐ ወይ ዕጽፊ ግደ ኺውሃቦ ብሕጊ ይፍቀድ ነይሩ እዩ። (ዘዳግም 21:17) ኤልሳእ መንፈሳዊ ወራሲ ኤልያስ ስለ ዝዀነ፡ ነቲ እተዋህቦ ዕዮ ንምፍጻም ከም ናይ ኤልያስ ዝበለ ትብዓት ኪረክብ እዩ ደልዩ ነይሩ።

 ኤልያስ ነዚ ጕዳይ እዚ ብትሕትና ኣብ ኢድ የሆዋ ሓደጎ። የሆዋ ንኤልያስ ኪወስዶ ኸሎ ንኤልሳእ ኪርኢ እንተ ፈቒዱሉ፡ ንሕቶኡ ‘እወ’ ኢሉ ኸም ዝመለሰሉ ዜረጋግጽ እዩ ነይሩ። ነዊሕ ከይጸንሐ፡ እቶም ክልተ ፈተውቲ “እናተዛራረቡ ኪኸዱ ኸለዉ፡” ሓደ ዜደንቕ ነገር ኰነ።—2 ነገስት 2:10, 11

ኤልያስን ኤልሳእን ዝነበሮም ዕርክነት፡ ንኽልቲኦም ኣብ ኣጸጋሚ እዋናት ኪጻወሩ ሓጊዝዎም እዩ

 ካብ ሰማይ ሓደ ጓህሪ ዚመስል ነገር ናባታቶም እናቐረበ መጸ። ብሃንደበት ህቦብላ ንፋስ ምስ ተላዕለ ብርቱዕ ደሃይ ከም ዝዀነ ኽንግምት ንኽእል ኢና፣ እቲ ብሩህ ነገር ከኣ ናብቶም ክልተ ሰብኡት እናተሓምበበ መጺኡ ብግዲ ፈላለዮም፣ እቶም ሰብኡት በዚ ሃንደበታዊ ዅነታት ሰምቢዶም ኪዀኑ ኣለዎም። እቲ ዝረኣይዎ ነገር፡ መጐዓዝያ ወይ ሰረገላ እዩ ነይሩ፣ ብሓዊ ኸም እተሰርሐ ድማ እዩ ዚመስል ነይሩ። ሽዑ፡ ኤልያስ እዋኑ ኸም ዝኣኸለ ተረድኦ። እሞኸ ናብቲ ሰረገላ ደዪቡዶ፧ እቲ ጸብጻብ ብዛዕባ እዚ ኣይነግረናን እዩ። ዝዀነ ዀይኑ፡ ኤልያስ ብህቦብላ ንፋስ ናብ ሰማይ ተወስደ።

 እዚ ኪኸውን ከሎ፡ ኤልሳእ ተደኒቑ ይርኢ ነበረ። ነዚ ዜስደምም ትርኢት ስለ ዝረኣዮ ድማ፡ የሆዋ ኻብቲ ንኤልያስ ዝነበሮ መንፈስ ትብዓት “ዕጽፊ ግደ” ንኤልሳእ ከም ዚህቦ ኣረጋጊጹሉ እዩ። ኤልሳእ ግና ብዙሕ ጕህዩ ብምንባሩ፡ ብዛዕባ እዚ ኣይኰነን ዚሓስብ ነይሩ። እቲ ዚፈትዎ ፈታዊኡ ናበይ ይኸይድ ከም ዝነበረ ኣይፈለጠን፣ ደጊም ከም ዘይርእዮ ግና እተፈለጦ እዩ ዚመስል። ስለዚ፡ “ኣቦይ፡ ኣቦይ፡ ሰረገላ እስራኤልን ፈረሰኛታቱን!” ኢሉ ጨደረ። እቲ ዚፈትዎ መምህሩ ርሒቑ ኸይዱ ተሰወረ፣ ሽዑ፡ ኤልሳእ ብሓዘን ክዳውንቱ ቐደደ።—2 ነገስት 2:12

 ኤልያስ ናብ ሰማይ ኪዓርግ ከሎ፡ ንጭድርታ እቲ ተስፋ ዝቘረጸ ፈታዊኡ ሰሚዕዎዶ ዀን ይኸውን፧ ምናልባት እውን ንሱ ንባዕሉ ነቢዑዶ ዀን ይኸውን፧ ዝዀነ ዀይኑ፡ እቲ ምስ ኤልሳእ ዝነበሮ ዕርክነት ኣብ ኣጸጋሚ እዋናት ኪጻወር ከም ዝሓገዞ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ንሕና እውን ከም ኤልያስ ንኣምላኽ ምስ ዜፍቅሩን ፍቓዱ ምስ ዚገብሩን ሰባት ዕርክነት ክንምስርት ኣሎና።

የሆዋ ንኤልያስ ናብ ሓድሽ ምድብ ወሰዶ

ናይ መወዳእታ ዕዮ

 ቀጺሉ ኤልያስ ናበይ ከደ፧ ገሊአን ሃይማኖታት ምስ ኣምላኽ ኪኸውን ናብ ሰማይ ከም እተወስደ ይምህራ እየን። እዚ ግና ኪኸውን ዘይክእል ነገር እዩ። ከመይሲ፡ ድሕሪ ብዙሕ ዘመናት የሱስ ክርስቶስ ናብ ሰማይ ዝዓረገ ዋላ ሓደ ኸም ዘየልቦ ተዛሪቡ እዩ። (ዮሃንስ 3:13) ስለዚ፡ “ኤልያስ ድማ ብህቦብላ ንፋስ ናብ ሰማያት ዓረገ” ዚብል ከነንብብ ከለና፡ ‘ናብ ኣየናይ ሰማያት፧’ ኢልና ኽንሓትት ኣሎና። (2 ነገስት 2:11) መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ሰማያት” ኪብል ከሎ ነቲ የሆዋ ዚነብረሉ ቦታ ጥራይ ኣይኰነን ዜመልክት፣ የግዳስ፡ ነቲ ኣብ ከባቢ ምድሪ ዘሎ ደበናታት ዜንሳፍፈሉን ኣዕዋፍ ዚነፍራሉን ሰማይ እውን የመልክት እዩ። (መዝሙር 147:8) ኤልያስ ናብዚ ሰማያት እዚ እዩ ዓሪጉ። ድሕሪኡኸ እንታይ ገይሩ፧

 የሆዋ ነቲ ዜፍቅሮ ነብዪ ናብ ሓድሽ ምድብ ወሰዶ፣ እቲ ሓድሽ ምድቡ ኣብ መንግስቲ ይሁዳ እዩ ነይሩ። ኤልያስ ኣብኡ ንልዕሊ ሸውዓተ ዓመት ከም ዘገልገለ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጸብጻብ ይሕብር እዩ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ዮራም ዚብሃል እኩይ ንጉስ ኣብ ይሁዳ ይገዝእ ነበረ። ንሱ ንጓል ኣከኣብን ኢዛቤልን ተመርዕዩ ነይሩ እዩ፣ ስለዚ፡ እቲ እኩይ ጽልዋኦም ሽዑ እውን ነይሩ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ የሆዋ ንኤልያስ ከቢድ ፍርዲ ዝሓዘ ደብዳበ ናብ ዮራም ኪሰድድ ኣዘዞ። ከምቲ ዝበሎ ድማ ዮራም ብዜስካሕክሕ መገዲ ሞተ። እቲ ዝገደደ ነገር ከኣ፡ “ምስ ሞተ ሓደ እኳ ኣይሓዘነን።”—2 ዜና መዋእል 21:12-20

 ኣብ መንጎ ኤልያስን እዚ እኩይ ሰብ እዝን ዓብዪ ፍልልይ እዩ ነይሩ! ኤልያስ ብኸመይን መዓስን ከም ዝሞተ ኣይንፈልጥን ኢና። ይኹን እምበር፡ ሞቱ ኸምቲ ዋላ ሓደ ሰብ ዘይሓዘነሉ ሞት ዮራም ኣይነበረን። ኤልሳእ ንፈታዊኡ ይናፍቖ ነይሩ እዩ። እቶም ካልኦት እሙናት ነብያት እውን ተመሳሳሊ ስምዒት ነይርዎም እዩ። የሆዋ ንኤልያስ ድሕሪ 1,000 ዓመት እውን ኣኽቢሩ እዩ ዝርእዮ ነይሩ፣ ከመይሲ፡ ኣብቲ የሱስ ብተኣምራዊ መገዲ እተለወጠሉ እዋን ንተምሳል እዚ ፍቑር ነብዪኡ እዚ ተጠቒሙሉ እዩ። (ማቴዎስ 17:1-9) ካብ ኤልያስ ክትምሃርን ሽግራት እትጻወር እምነት ከተማዕብልን ትደሊ ዲኻ፧ ትደሊ እንተ ዄንካ ንኣምላኽ ምስ ዜፍቅሩ ሰባት ተዓራረኽ፡ ኣብ መንፈሳዊ ነገራት ኣተኵር፡ ካብ ልብኻ ጸሊ። ንስኻ እውን ከም ኤልያስ፡ ኣብ ልቢ እቲ ፈቃር ዝዀነ የሆዋ ነባሪ ቦታ ይሃሉኻ!

a ገሊኦም ምሁራት እቲ ኣብዚ ተጠቒሱ ዘሎ ኸረን፡ እቲ ኤልያስ ቅድሚ እተወሰነ ዓመት ብሓገዝ የሆዋ ንነብያት በዓል ዝሰዓረሉ ኸረን ቀርሜሎስ ከም ዝዀነ ይዛረቡ እዮም። ይኹን እምበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣየናይ ከረን ከም ዝዀነ ብንጹር ኣይገልጽን እዩ።