ምምዕባል ኣምላኻዊ ባህርያት
መገዲ ሓጐስ—ዕግበትን ልግስን
ብዙሓት ሰባት ንሓጐስን ንኣሳልጦን ብጥሪትን ብሃብትን እዮም ዚልክዕዎ። ገንዘብን ጥሪትን ነባሪ ሓጐስ የምጽእ ድዩ፧ መርትዖታት እንታይ ይሕብር፧
መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሞሳ እንታይ ይብል፧
ሞሳ ምርኣይ፡ ብዙሕ ጥቕምታት ከም ዘለዎ ተረጋጊጹ እዩ። ብኸመይ ኪጠቕመካ ይኽእል፧ ብኸመይከ ኸተማዕብሎ ትኽእል፧
ካብ ምሃብ ዚርከብ ጥቕሚ
ምሃብ ንዓኻን ንኻልኦትን ይጠቅም እዩ። ምትሕብባርን ምሕዝነትን ከም ዚህሉ ይገብር እዩ። ሕጉስ ወሃቢ ኽትከውን እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧
መገዲ ሓጐስ—ፍቕሪ
ሓደ ሰብ ዜፍቅርን ዚፍቀርን እንተ ዀይኑ፡ ሕጉስ ይኸውን።
ኣቐዲምካ ፍርዲ—ፍቕሪ ኣርእዮም
ኣቐዲምካ ፍርዲ ኻብ ውሽጥኻ ኣውጺእካ ንምጕሓፍ፡ ፍቕሪ ኣርኢ። ከምኡ እትገብረሉ ገለ መገድታት ርአ።
ኣቐዲምካ ፍርዲ—ደንግጸሎም
ዘይምድንጋጽ ናይ ምንታይ ምልክት ኪኸውን ይኽእል፧
ዓንኬል ጽልኢ ብኸመይ ይስበር፧—ኣይተዳሉ
ኣብነት እቲ ዘየዳሉ ኣምላኽ ብምስዓብ፡ ነቲ ብዛዕባ ኻልኦት ሰባት ዘሎካ ኣሉታዊ ስምዒታት ምሓዎ።
ንቝጥዓኻ ብኸመይ ትቈጻጸሮ፧
ቍጥዓኻ ምፍናውካ፡ ንጥዕናኻ ይሃስዮ እዩ፣ ቍጥዓኻ ምዕባጥካ እውን፡ ኪጐድኣካ ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ መጻምድትኻ ኼበሳጭወካ ኸሎ፡ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧
ልእመት—መገዲ ጥበብ
ዘይፍትሓዊ ዅነታት ኬጋጥመካ ኸሎ ስምዒትካ ምቍጽጻር ኬጸግመካ ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንክርስትያናት ልኡማት ኪዀኑ የተባብዖም እዩ። ነዛ ኣምላኻዊት ባህርይ እዚኣ ኸተማዕብል እንታይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧
ናይ ሓቂ ዓርኪ ኸመይ ዝበለ እዩ፧
መብዛሕትኦም ሰባት ናይ ሓቂ ኣዕሩኽ ኪህልዉኻ ኣገዳስነት ዘለዎ ዀይኑ ይስምዖም። ንኻልኦት ሰባት ናይ ሓቂ ዓርኪ ኽትከውን እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ኣርባዕተ መምርሒ ትህብ።
መገዲ ሓጐስ—ይቕረታ
ህይወትና ቝጥዓን ቅሬታን ዝመልኦ እንተ ዀይኑ፡ ሓጐስ ኰነ ጥዕና ኣይንረክብን ኢና።
ብናጻ ይቕረ በል
ንኻልኦት ይቕረ ምእንቲ ኽንብለሎም፡ ነቲ ዘስዓበልና ጕድኣት ኣቕሊልና ኽንርእዮ ወይ ሸለል ክንብሎ ኣሎና ማለት ድዩ፧
ብቕንዕና ምምልላስ ዘለዎ ጥቕሚ
ሰባት ኣብ ህይወቶም ዘሕለፍዎ ተመክሮ፡ ቅንዕና ዘለዎ ዋጋ ይሕብር።

