ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንግዜና ዚኸውን ጥንታዊ ጥበብ

ብናጻ ይቕረ በል

ብናጻ ይቕረ በል

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ሓደ ኣብቲ ሓደ ኽሲ እንተ ኣለዎ፡ ንሓድሕድኩም . . . ብናጻ ይቕረ ተባሃሃሉ። ከምቲ የሆዋ ብናጻ ይቕረ ዝበለልኩም፡ ንስኻትኩም እውን ከምኡ ግበሩ።”—ቈሎሴ 3:13

እንታይ ማለት እዩ፧ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሓጢኣት ምስ ዕዳ፡ ይቕረ ምባል ከኣ ምስ ዕዳ ምስራዝ ተመሳሲሉ ኣሎ። (ማቴዎስ 18:21-35) ሓደ መወከሲ ጽሑፍ፡ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እታ “ይቕረ” እትብል ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ “ካብ ዕዳ ናጻ ምግባር፡ ደጊምካ ድማ ዘይምሕታት” ዚብል ትርጉም ከም ዘለዋ ገለጸ። ስለዚ፡ ንዝበደለና ሰብ ይቕረ ኽንብለሉ ኸሎና፡ ካብኡ ዝዀነ ነገር ከይተጸበና ኽንሓድገሉ ኣሎና። ይቕረ ኽንብል ፍቓደኛታት ምዃንና፡ ነቲ ሕማቕ ባህርይ ሰሚርናዮ ወይ ድማ ነቲ ዘስዓበልና ጕድኣት ኣቕሊልና ርኢናዮ ማለት ኣይኰነን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ዋላ እኳ ቕቡል ዝዀነ ‘ኽሲ እንተ ኣሎና፡’ ቂም ኣይንሕዝን ኢና።

ኣብዚ ግዜና ይዓዪ ድዩ፧ ዘይፍጹማት ስለ ዝዀንና፡ ኵላትና ንሓጥእ ኢና። (ሮሜ 3:23) ስለዚ፡ ውዒልና ሓዲርና ኻልኦት ይቕረ ኺብሉልና ኸም ዜድልየና ምፍላጥና ንኻልኦት ይቕረ ንኽንብለሎም ኪድርኸና ኣለዎ። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ንኻልኦት ይቕረ ኽንብል ከሎና፡ ንገዛእ ርእስና እውን ንጥቀም ኢና። ብኸመይ፧

ሰባት ኬቘጥዑና ኸለዉ ንቕየምን ይቕረ ዘይንብልን እንተ ዄንና ንርእስና ኢና እንጐድእ። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣሉታዊ ስምዒታት፡ ሓጐስና ኺሰርቀና፡ ጕሁያትን ርእስና ኸም እንፈልን ድማ ኪገብረና ይኽእል እዩ። ከቢድ ጸገም ጥዕና እውን ኬምጽኣልና ይኽእል እዩ። ብዶክተር ዮቺ ቺዳን ፕሮፈሰር ስነ ኣእምሮ ኣንድሪው ስተፕቶን፡ ኣብ ጆርናል ኦቭ ዘ ኣመሪካን ኮሌጅ ኦቭ ካርዲዮሎጂ ዝወጸ ጸብጻብ፡ “እዚ ሕጂ ተበጺሑ ዘሎ ርኽበታት፡ ሕርቃን ወይ ጽልኢ ንሕማም ልቢ ኸም ዜቃልዕ እዩ ዜርኢ” ብምባል ይድምድም።

ይቕረ ምባል ዘለዎ ጥቕምታት ከኣ ርአ። ንኻልኦት ብናጻ ይቕረ ምስ እንብል፡ ሰላምን ሓድነትን ንዕቅብ፣ ምስ ካልኦት ድማ ጽቡቕ ርክብ ይህልወና። ልዕሊ ኹሉ ኸኣ ነቲ ንእተናስሑ ሓጥኣን ብናጻ ይቕረ ዚብልን ንዓና እውን ከምኡ ኽንገብር ዚጽበየና ኣምላኽ ንመስሎ።—ማርቆስ 11:25፣ ኤፌሶን 4:32፣ 5:1