ግምቢ ዘብዐኛ ጥቅምቲ 2015 | ጸሎት ጥቕሚ ኣለዎዶ፧

ሓደ ጸሓፊ፡ ጸሎት “ሓደ ኣገባብ ሕክምና” ጥራይ ከም ዝዀነ ገለጸ። ብሓቂ ግና ኸምኡ ድዩ፧

ገበር

ሰባት ዚጽልዩ ስለምንታይ እዮም፧

ሰባት ዚጽልዩሉ ምኽንያታት የገርመካ ይኸውን።

ገበር

ጸሎት ዚሰምዕ ኣካል ኣሎዶ፧

ጸሎት ንኺስማዕ ክልተ ኣገደስቲ ረቛሒታት ኪማላእ ኣሎዎ።

ገበር

ኣምላኽ ክንጽሊ ዚዕድመና ስለምንታይ እዩ፧

ጸሎት ብኻልእ መገዲ ኽንረኽቦ ዘይንኽእል ጥቕምታት የምጽኣልና።

ገበር

ጸሎት ዚጠቕመካ ብኸመይ እዩ፧

ንጸሎት ክፍሊ ህይወትካ ምስ እትገብሮ እንታይ ጥቕሚ ኢኻ እትረክብ፧

ትፈልጥዶ፧

ሄሮድስ ነታ ቤተ መቕደስ የሩሳሌም ዳግም ኪሃንጻ ኸሎ እንታይ ብድሆታት እዩ ኣጋጢምዎ፧ ሰብ ማልታ ንሃዋርያ ጳውሎስ ከም ቀታሊ ገይሮም ዝረኣይዎ ስለምንታይ እዮም፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር

ሕጂ ንኻልኦት ክሕግዝ ዝኽእል ኰይኑ እዩ ዚስምዓኒ

ሁልዮ ኮርዮ ዜሕዝን ሓደጋ ምስ ኣጋጠሞ፡ ኣምላኽ ዘይግደሰሉ ዀይኑ ተሰምዖ። ዘጸኣት 3:7 ኣረኣእያኡ ንኪቕይር ሓገዘቶ።

ብሓቂዶ ንኣምላኽ ክንፈልጦ ንኽእል ኢና፧

እቲ ብዛዕባ ኣምላኽ ኪርድኣካ ዘይክእል መዳያት፡ ንዕኡ ዝያዳ ንኽትፈልጦ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ።

ንግዜና ዚኸውን ጥንታዊ ጥበብ

ብናጻ ይቕረ በል

ንኻልኦት ይቕረ ምእንቲ ኽንብለሎም፡ ነቲ ዘስዓበልና ጕድኣት ኣቕሊልና ኽንርእዮ ወይ ሸለል ክንብሎ ኣሎና ማለት ድዩ፧

መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

ድኽነት ኬጥፍእ ዚኽእል መን እዩ፧