Privacy Settings

To provide you with the best possible experience, we use cookies and similar technologies. Some cookies are necessary to make our website work and cannot be refused. You can accept or decline the use of additional cookies, which we use only to improve your experience. None of this data will ever be sold or used for marketing. To learn more, read the Global Policy on Use of Cookies and Similar Technologies. You can customize your settings at any time by going to Privacy Settings.

ሓደ ሰብኣይ ምስ ዓርኩ ብተሌፎን ኬዕልል ከሎ

 ገበር | ንኣምላኽ ክትቀርቦ ትኽእል ኢኻ

ምስ ኣምላኽ ትዘራረብ ዲኻ፧

ምስ ኣምላኽ ትዘራረብ ዲኻ፧

ናይ ቀረባ ኣዕሩኽ፡ ብኣካል ወይ ከኣ ብተሌፎን፡ ብኢ-መይል፡ ብቪድዮ፡ ብደብዳበ ኣቢሎም፡ ብተደጋጋሚ ይዘራረቡ እዮም። ናብ ኣምላኽ ክንቀርብ እንተ ደሊና እውን፡ ምስኡ ኣዘውቲርና ኽንዘራረብ ኣሎና። ብኸመይ፧

ንየሆዋ ብጸሎት ኣቢልና ኽንዛረቦ ንኽእል ኢና። ኰይኑ ግና፡ ናብ ኣምላኽ እነቕርቦ ጸሎት፡ ከምቲ ምስ መዛኑና እንገብሮ ቝም ነገር ዘይብሉ ዕላል ኣይኰነን። ክንጽሊ ኸለና፡ ንፈጣሪናን ነቲ ኻብ ኵሉ ፍጥረት ዝለዓለ ኣካልን ንዛረቦ ኸም ዘለና ኽንግንዘብ ኣሎና። እዚ ኸኣ፡ ብዓሚቝ ኣኽብሮት ንኽንጽሊ ኺድርኸና ኣለዎ። ጸሎትና ብኣምላኽ ምእንቲ ኺስማዕ፡ ከነማልኦ ዚግብኣና ብቕዓታት እውን ኣሎ። ካብቲ ብቕዓታት ነቲ ሰለስተ እስከ ንርኣዮ።

ቀዳማይ፡ ጸሎት ናብ የሆዋ ኣምላኽ ጥራይ ደኣ እምበር፡ ናብ የሱስ ወይ ናብቶም ‘ቅዱሳት’ ዚብሃሉ ወይ ከኣ ናብ ምስሊ ኪቐርብ የብሉን። (ዘጸኣት 20:4, 5) መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር፡ “ልማኖኹም ብጸሎትን ብምህለላን ምስ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ” እዩ ዚብል። (ፊልጲ 4:6) ካልኣይ፡ ጸሎት ብስም እቲ ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ኪቐርብ ኣለዎ። የሱስ ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ፡ “ብዘይካ ብኣይ፡ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን” በለ። (ዮሃንስ 14:6) ሳልሳይ፡ ጸሎትና ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ዚሰማማዕ ኪኸውን ኣለዎ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ከምቲ ፍቓዱ ጌርና እንልምኖ ዘበለ፡ ይሰምዓና እዩ” ይብል። *1 ዮሃንስ 5:14

ናይ ቀረባ ኣዕሩኽ፡ ብእተኻእሎም መጠን ኣዘውቲሮም ሓሳብ ንሓሳብ ይለዋወጡ እዮም

ሓቂ እዩ፡ ምስ ፈታዊና ዘሎና ጥብቂ ርክብ ኪቕጽል እንተ ዀይኑ፡ ሓደ ሰብ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ክልቴና ኽንዘራረብ ኣሎና። ልክዕ ከምቲ ኽልተ ኣዕሩኽ ሓሳብ ንሓሳብ ዚለዋወጡ፡ ንሕና እውን፡ ኣምላኽ ንዓና ኺዛረበና ኽንፈቕደሉን ኪዛረበና ኸሎ ኽንሰምዖን ኣሎና። ኣምላኽ ብኸመይ ከም ዚዛረበና ትፈልጥዶ፧

ሎሚ፡ የሆዋ ኣምላኽ በቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ እዩ ዚዛረበና። (2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17) ስለምንታይ ኢና ኸምኡ እንብል፧ ነዚ ብምሳሌ ንምርዳእ፦ ካብ ናይ ቀረባ ዓርክኻ ደብዳበ በጺሓትካ ንበል። ምስ ኣንበብካያ፡ ተሓጒስካ ንኻልኦት ሰባት፡ “ዓርከይ እኮ ደሃይ ገይሩ” ትብሎም። ኰይኑ ግና፡ ዓርክኻ ደብዳበ ደኣ እዩ ጽሒፉልካ እምበር ኣየዘራረበካን። ብተመሳሳሊ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ከለኻ፡ የሆዋ ንኺዛረበካ ኢኻ እትፈቕደሉ። በዚ ምኽንያት እዚ እያ እታ ኣብታ መእተዊት ዓንቀጽ እተጠቕሰት ጂና፡ “ኣምላኽ ከም ዓርኩ ገይሩ ኺርእየኒ እንተ ደልየ፡ ነቲ ንሱ ዝለኣኸልና ‘ደብዳበ፡’ ማለት ንመጽሓፍ ቅዱስ ክምርምሮ ኣሎኒ” ዝበለት። ኣስዕብ ኣቢላ እውን፡ “በብመዓልቱ መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ፡ ናብ ኣምላኽ ብዝያዳ ንክቐርብ ሓጊዙኒ እዩ” በለት። ንስኻኸ ነቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ በብመዓልቱ ብምንባብ፡ የሆዋ ንኺዛረበካ ትፈቕደሉዶ ኣለኻ፧ ከምኡ ምግባርካ፡ ናብ ኣምላኽ ብዝያዳ ንኽትቀርብ ኪሕግዘካ እዩ።

^ ሕ.ጽ. 5 ብጸሎት ኣቢልካ ብኸመይ ናብ ኣምላኽ ክትቀርብ ከም እትኽእል ብዝያዳ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 17 ርአ።