ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

 ገበር

ክትጽሊ ይግብኣካ ድዩ፧

ክትጽሊ ይግብኣካ ድዩ፧

‘ኣምላኽ ንዅሉ ነገራት፡ እንተላይ ሓሳባተይን ግብርታተይን ዚፈልጥ እንተ ዀይኑ፡ ስለምንታይ እየ ኽጽሊ ዘሎኒ፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን። ከምኡ ኢልካ ምሕታትካ ድማ ብቑዕ እዩ። ከመይሲ፡ የሱስ፡ “ኣቦኹም ገና ኸይለመንኩምዎ ዜድልየኩም ይፈልጥ እዩ” ኢሉ ነይሩ እዩ። (ማቴዎስ 6:8) እቲ ንጉስ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ ዳዊት እውን፡ “ጐይታየ፡ ሓንቲ ቓል ኣብ መልሓሰይ ከየላስ፡ እንሆ፡ ኵሉ ትፈልጥ ኢኻ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። (መዝሙር 139:4) ስለምንታይ ደኣ ኢና እሞ እንጽሊ፧ ነዛ ሕቶ እዚኣ ንምምላስ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ጸሎት ኣገልገልቲ ኣምላኽ እንታይ ከም ዚብል ንርአ። *

“ንኣምላኽ ቅረብዎ፡ ንሱ እውን ኪቐርበኩም እዩ።”—ያእቆብ 4:8

 ጸሎት ንኣምላኽ ንኽንቀርቦ ይሕግዘና

መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሆዋ * ኣምላኽ ኵሉ ኸም ዚፈልጥ ዚገልጽ እኳ እንተ ዀነ፡ ኣምለኽቱ ብዛዕባ ዚገብርዎ ተግባራት ኣብ ምጽብጻብ ጥራይ ከም ዘይግደስ እውን ይሕብር እዩ። (መዝሙር 139:6፣ ሮሜ 11:33) እቲ ደረት ኣልቦ ተዘክሮኡ፡ ከምቲ ንውልቀ ሰባት ዚምልከት ሓበሬታ ዚምዝግብ ኮምፕዩተር ኣይኰነን። ኣምላኽ ክንቀርቦ ስለ ዚደልየና ብዛዕባ ውሽጣዊ ሓሳባትና እዩ ዚግደስ። (መዝሙር 139:23, 24፣ ያእቆብ 4:8) በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ንኺጽልዩ ዘተባብዖም። ይኹን እምበር፡ የሱስ፡ ኣቦኡ ብዛዕባ እቲ ዜድልየና ዘበለ መሰረታዊ ነገራት ዚፈልጥ ምዃኑ እውን ይግንዘብ ነይሩ። (ማቴዎስ 6:6-8) ሓሳባትና ንፈጣሪና ንገልጸሉ እንተ ዄንና፡ ብዝያዳ ኽንቀርቦ ኢና።

ሓድሓደ ግዜ፡ ኣብ ጸሎትና እንታይ ኢልና ኸም እንጠቅስ ብንጹር ንኽንፈልጥ የጸግመና ይኸውን። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት፡ ኣምላኽ ዜድልየና ዘበለ ምእንቲ ኼማልኣልና፡ ክንዮ እቲ ኽንገልጾ ዜሸግረና ስምዒታትና ኺርእን ነቲ ብዛዕባ ዅነታትና ዘለዎ ፍጹም ፍልጠት ኪጥቀመሉን ይኽእል እዩ። (ሮሜ 8:26, 27፣ ኤፌሶን 3:20) ብዘይተጸበናዮ መገድታት እውን ከይተረፈ፡ ኢዱ ብምእታው ከም ዝሓገዘና ምስ እንግንዘብ፡ ከም ዝቐረብናዮ ዀይኑ ይስምዓና።

ኣምላኽ ንዅሉ ጸሎት ድዩ ዚምልሶ፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ንጸሎት እሙናት ኣገልገልቱ ኸም ዚምልሶ የረጋግጸልና እዩ፣ ንገሊኡ ጸሎት ዘይሰምዓሉ ምኽንያት እንታይ ምዃኑ እውን ይገልጸልና እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ጥንታዊት እስራኤል፡ ዓመጽ ኣስፋሕፊሑሉ ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ኣምላኽ ንነብዪኡ ኢሳይያስ ነቶም ህዝቢ፡ “ምህለላ እኳ እንተ ኣብዛሕኩም፡ ኣይሰምዕን እየ፡ ኣእዳውኩም ደም መሊኤን እየን” ኢሉ ንኺነግሮም ኣዘዞ። (ኢሳይያስ 1:15) ስለዚ እምበኣር፡ እቶም ንሕግታት ኣምላኽ ዚንዕቁ ወይ ከኣ ብጌጋ ተደሪኾም ዚጽልዩ ሰባት፡ ጸሎቶም ንኺስማዕ ትጽቢት ኪገብሩ ኸም ዘይክእሉ ንጹር እዩ።—ምሳሌ 28:9፣ ያእቆብ 4:3

ብኣንጻሩ ድማ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ከምቲ ፍቓዱ ጌርና እንልምኖ ዘበለ፡ ይሰምዓና እዩ” ይብል። (1 ዮሃንስ 5:14) እዚ ኺብሃል ከሎ ግና፡ ኣምላኽ ንኣገልገልቱ፡ ንዅሉ ልመናኦም ብኡብኡ ይምልሰሎም እዩ ማለት ድዩ፧ ከምኡ ማለት ኣይኰነን። ንመረዳእታ፡ ኣብነት ሃዋርያ ጳውሎስ ንርአ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ‘ካብ ስጋኡ እሾኽ ኪርሕቀሉ’ ንኣምላኽ ሰለስተ ሳዕ ለሚንዎ እዩ። (2 ቈረንቶስ 12:7, 8) ምናልባት ጳውሎስ ብሕዱር ሕማም ዓይኒ ይሳቐ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። በዚ ኸኣ ኣዝዩ ይጕሂ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ውህበት ምፍዋስ ተዋሂብዎ ነይሩ፡ ምዉታት እውን ከይተረፈ ኣተንሲኡ እዩ። ነቲ ናይ ገዛእ ርእሱ ሕማም ግና ኺጽመሞ የድልዮ ነበረ። (ግብሪ ሃዋርያት 19:11, 12፣ 20:9, 10) ጸሎቱ በቲ ዝደለዮ መገዲ እኳ እንተ ዘይተመለሰ፡ ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ምላሽ ብሞሳ ተቐቢልዎ እዩ።—2 ቈረንቶስ 12:9, 10

“እቲ ኣብኡ ዘሎና እምንቶ እዚ እዩ፦ ከምቲ ፍቓዱ ጌርና እንልምኖ ዘበለ፡ ይሰምዓና እዩ።”—1 ዮሃንስ 5:14

ገሊኦም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ዘለዉ ሰባት፡ ምስ ጸለዩ፡ ጸሎቶም ብተኣምራዊ መገዲ ኸም እተመለሰሎም ዚከሓድ ኣይኰነን። (2 ነገስት 20:1-7) ግናኸ፡ እቲ በዚ መገዲ እዚ ዚውሃብ ዝነበረ መልሲ፡ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ከይተረፈ፡ ልሙድ ኣይነበረን። ገሊኦም ኣመንቲ፡ ኣምላኽ ንጸሎቶም ከም ዘይመለሰሎም ኰይኑ ምስ ተሰምዖም እተጨነቑሉ ግዜያት ነይሩ እዩ። ንጉስ ዳዊት፡ “ዎ እግዚኣብሄር፡ ክሳዕ መኣዝ ኢኻ ፈጺምካ እትርስዓኒ፧” ኢሉ ሓቲቱ ነይሩ እዩ። (መዝሙር 13:1) እዚ እሙን ሰብኣይ እዚ፡ የሆዋ ብዙሕ ሳዕ ከም ዘድሓኖ ምስ ተገንዘበ ግና፡ ነታ ኣብ ኣምላኽ ዝነበረቶ እምንቶ እንደገና ኣደልደላ። ኣስዕብ ኣቢሉ ኸኣ፡ “ኣነ ግና ብምሕረትካ እውከል አሎኹ” በለ። (መዝሙር 13:5) ሎሚ ዘለዉ ኣገልገልቲ ኣምላኽ እውን ልክዕ ከም ዳዊት፡ የሆዋ ንልመናኦም ምላሽ ከም ዚህበሉ ኽሳዕ ዚግንዘቡ፡ ከይተሓለሉ ኺጽልዩ ኣለዎም።—ሮሜ 12:12

 ኣምላኽ ንጸሎት ብኸመይ ከም ዚምልሶ

ኣምላኽ ብሓቂ ዜድልየና ነገራት ይህበና።

ሓለይቲ ወለዲ፡ ንዅሉ እቲ ደቆም ዚሓትዎም ነገራት ኣብቲ ደቆም ዚደለይዎ ግዜ ዚህብዎም ኵሉ ሳዕ ኣይኰኑን። ብተመሳሳሊ፡ ኣምላኽ ንጸሎትና በቲ ዝደለናዮ መገዲ፡ ወይ ከኣ ኣብቲ ዝደለናዮ እዋን ምላሽ ኣይህበናን ይኸውን። ይኹን እምበር፡ ልክዕ ከም ሓደ ፈቃር ኣቦ፡ ነቲ ብሓቂ ዜድልየና ነገራት ኣብ ግቡእ ግዜኡን ብግቡእ መገድን ከም ዚህበና ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና።—ሉቃስ 11:11-13

ኣምላኽ ንልመናና ብመጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ ኺምልሰልና ይኽእል እዩ

ኣምላኽ ብዘይተጸበናዮ መገዲ ይምልሰልና ይኸውን።

ካብ ሓደ ቐጻሊ ዝዀነ ጸገም ዕረፍቲ ኽንረክብ ምስ እንጽልኸ፧ እቲ ጸገም እቲ ብተኣምራዊ መገዲ ስለ ዘይተፈትሐ፡ የሆዋ ኸም ዘይመለሰልና ጌርና ኽንድምድም ይግባእዶ፧ ብኣንጻሩ እኳ ደኣ፡ ኣምላኽ ብዘይተጸበናዮ መገዲ ደጊፉና እንተ ዀይኑ ኽንምርምር ይግባእ። ንኣብነት፡ ሓደ ሓላዪ ፈታዊና፡ ኣብ ግዜኡ ኸም ዓቕሙ ሓጊዙና ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ምሳሌ 17:17) የሆዋ ነቲ ግዱስ ፈታዊና ንኺረድኣና ደሪኽዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብተወሳኺ፡ ኣምላኽ ንልመናና ብመጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ እውን ኪምልሰልና ይኽእል እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንሓደ ዜጸግመና ዅነታት ንኽንጻወሮ ዚሕግዘና ምስትውዓል ክንረክብ ንኽእል ኢና።—2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17

ኣምላኽ ብሓለይቲ ፈተውቲ ተጠቒሙ፡ ብግዜኡ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ

ኣምላኽ ንህዝቡ፡ ብሕታዊ ጸገማት ኬጋጥሞም ከሎ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ጸገም እቲ ንኺጻወርዎ ዚሕግዞም ሓይሊ ደኣ እዩ ዚህቦም እምበር፡ ኣየወግደሎምን እዩ። (2 ቈረንቶስ 4:7) ንኣብነት፡ የሱስ ሓደ ኸቢድ ፈተና ምስ ኣጋጠሞ፡ ኣብ ስም ኣቦኡ ጸርፊ ምእንቲ ኸየምጽእ ኢሉ፡ ነቲ ፈተና እቲ ኺውገደሉ ምስ ለመነ፡ የሆዋ ንወዱ፡ ዜበርትዖ መልኣኽ ለኣኸሉ። (ሉቃስ 22:42, 43) ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ፡ ኣምላኽ ንሓደ ናይ ቀረባ ፈታዊና፡ ኣብቲ ብዝያዳ ዜድልየና ግዜ ምጽንናዕ ንኺህበና ኺጥቀመሉ ይኽእል እዩ። (ምሳሌ 12:25) ከምዚ ዓይነት መልሲ ዘይንጹር ስለ ዝዀነ፡ ነቲ ኣምላኽ ንጸሎትና ምላሽ ዚህበሉ መገድታት ወትሩ ነቒሕና ኽንከታተሎ ኣሎና።

ኣምላኽ ንገሊኡ ጸሎት ምላሽ ዚህበሉ፡ ኣብቲ ዝመደቦ ግዜ እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ንትሑታት ውልቀ ሰባት “ብግዜኡ” ሞገሱ ኸም ዜርእዮም ይገልጽ እዩ። (1 ጴጥሮስ 5:6) ስለዚ፡ እቲ ብቕንዕና ዘቕረብናዮ ጸሎት ቅልጡፍ መልሲ ዘይረኸበ እንተ መሲሉና፡ የሆዋ ኸም ዘይተገደሰልና ዀይኑ ኺስምዓና የብሉን። ኣብ ክንዳኡስ፡ እቲ ሓላዪ ፈጣሪና፡ መጠነ ሰፊሕ ፍልጠት ስለ ዘለዎ፡ ንልመናና ብመሰረት እቲ ንዓና ዚጠቕመና መገዲ ንኺምልሰልና ኢሉ ኸም ዚግምግሞ ፍሉጥ እዩ።

“እምበኣር፡ ብግዜኡ ንሱ ልዕል ምእንቲ ኼብለኩም፡ ኣብ ትሕቲ እታ ሓያል ኢድ ኣምላኽ ትሕት በሉ።”—1 ጴጥሮስ 5:6

ንመረዳእታ፡ ንእሽቶ ወድኻ ብሽክለታ ኽትዕድገሉ ምስ ዚሓትተካ፡ ብኡብኡዶ ትዕድገሉ ኢኻ፧ ብሽክለታ ንኺዝውር ብቕዓት ዘይብሉ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑካ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ንኸይትዕድገሉ ትውስን ትኸውን። ኣብቲ ንዕኡ ዚጠቕሞ እዋን ግና ከም እትዕድገሉ ፍሉጥ እዩ። ንሕና እውን ከየቋረጽና እንተ ጸሊና፡ ኣምላኽ ነቲ ‘ልብና ዚደልዮ’ ቕቡል ነገር፡ ብግዜኡ ኺህበና እዩ።—መዝሙር 37:4

የሆዋ ንጸሎትካ ኸም ዚሰምዖ እምንቶ ይሃሉኻ

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንናይ ሓቂ ክርስትያናት፡ ኣብ ጸሎት ዘለዎም እምንቶ ንኸየጥፍኡ ይምሕጸኖም እዩ። ገሊኣቶም፡ ‘እዚ ኻብ ክትገብሮ ኽትዛረበሉ ይቐልል’ ይብሉ ይዀኑ። ቀጻሊ ዝዀነ ጸገም ወይ ከኣ ዘይፍትሓውነት የጋጠመና እንተ ኣልዩ፡ ኣምላኽ ክሳዕ ዚምልሰልና ኽንጽበ ይኸብደና ይኸውን። ግናኸ፡ ነቲ የሱስ ብዛዕባ ኸይተሓለልካ ምጽላይ ዝሃቦ ትምህርቲ ኽንዝክሮ ይግባእ።

የሱስ ብዛዕባ ሓንቲ፡ ፍትሒ ምእንቲ ኼውጽኣላ ደጋጊማ  ናብ ሓደ ዘይፍትሓዊ ፈራዲ እትኸይድ ድኻ መበለት ዚገልጽ ምሳሌ ሂቡ ኣሎ። (ሉቃስ 18:1-3) እቲ ፈራዲ መጀመርታ ኺሕግዛ እኳ እንተ ዘይደለየ፡ ኣብ መወዳእታ ግና፡ “እናመጸት ከይተሰልክየንስ፡ ፍትሒ ደኣ ኸውጽኣላ” ኢሉ ሓሰበ። * (ሉቃስ 18:4, 5) ሓደ ዘይፍትሓዊ ፈራዲ እኳ ምእንቲ ኸይጽረፍ ኢሉ ንሓንቲ ድኻ መበለት ዚሕግዛ ኻብ ኰነ፡ እቲ ሓላዪ ኣምላኽና ግዳ “ነቶም መዓልትን ለይትን ናብኡ ዚጭርሑ” ሰባት ክንደይ ኣብዚሑ ፍትሒ ዘየውጽኣሎም። ከምቲ የሱስ ዝበሎ፡ “ቀልጢፉ ፍትሒ ኼውጽኣሎም እዩ።”—ሉቃስ 18:6-8

“ብቐጻሊ ለምኑ እሞ፡ ኪውሃበኩም እዩ።”—ሉቃስ 11:9

ሓድሓደ ግዜ ሓገዝ ወይ ሞገስ ንኺውሃበና ደጋጊምና ሓቲትና ኽንከውን ንኽእል ኢና፣ ግናኸ ተስፋ ኽንቈርጽ የብልናን። ከይተሓለልና ምስ እንጽሊ፡ ኣብ ህይወትና ኢድ ኣምላኽ ንኽንርኢ ልባዊ ድሌት ከም ዘሎና ኢና እነርኢ። ብዘይካዚ፡ ኣምላኽ ንልመናና ብኸመይ ከም ዚምልሶ ንኸነለሊ ንመሃር፡ እዚ ኸኣ ንኣምላኽ ንኽንቀርቦ ይሕግዘና። እወ፡ ብእምነት ከይተሓለልና እንተ ጸሊና፡ የሆዋ ነቲ ቕቡል ጸሎትና ኸም ዚምልሰልና ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና።—ሉቃስ 11:9

^ ሕ.ጽ. 3 ኣምላኽ ንጸሎትና ኺሰምዖ ንደሊ እንተ ዄንና፡ ብቕዓታቱ ንኸነማልእ ብቕንዕና ኽንጽዕር ኣሎና። ከምዚ እንተ ጌርና፡ ነቲ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ተገሊጹ ዘሎ ሓይሊ ጸሎት ኣብ ህይወትና ኽንምከሮ ኢና። ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 17 ርአ። ኣብ www.jw.org/ti እውን ትርከብ እያ።

^ ሕ.ጽ. 5 የሆዋ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ስም ኣምላኽ እዩ።

^ ሕ.ጽ. 22 ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ንፈራዶ እስራኤል፡ ንመበለታትን ንዘኽታማትን ፍሉይ ቈላሕታ ኺገብሩሎም ይደልዮም ነበረ።—ዘዳግም 1:16, 17፣ 24:17፣ መዝሙር 68:5