ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

እቲ ንሰማያዊ ተስፋ ዚግበር ጽውዓ ክርስትያናት: መዓስ እዩ ዜቋርጽ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ነዛ ሕቶ እዚኣ ኣነጺሩ ኣይምልሰልናን እዩ። ምቕባእ እቶም ሰማያዊ ውርሻ ኺረኽቡ ተስፋ ዚገብሩ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ: ብ33 ድ.ክ. ከም ዝጀመረ ንፈልጥ ኢና። (ግብሪ ሃዋርያት 2:1-4) ድሕሪ ሞት ሃዋርያት: እቶም ብ“ስርናይ” እተመሰሉ ናይ ሓቂ ቕቡኣት ክርስትያን: ምስቶም ብ“ኽርዳድ” እተመሰሉ ኣምሰሉ ክርስትያናት ‘ብሓደ ዓበዩ።’ (ማቴዎስ 13:24-30) ካብ መወዳእታ መበል 19 ዘመን ኣትሒዞም ከኣ ቅቡኣት ክርስትያናት ከም ብሓድሽ ኣዝዮም ንጡፋት ኰይኖም ኪርኣዩ ጀመሩ። ብ1919 “ፍረ ምድሪ:” እንተላይ ምእካብ እቶም ናይ መወዳእታ ኣባላት እቶም ቅቡኣት ኪዕጸድ ተጀመረ።—ራእይ 14:15, 16

ካብ መወዳእታ መበል 19 ዘመን ክሳዕ 1931 ቀንዲ ዕላማ እቲ ዕዮ ስብከት ምእካብ እቶም ተረፍ ኣባላት ኣካል ክርስቶስ እዩ ነይሩ። ብ1931 ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚብል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ስም ሓዙ: ኣብ ናይ 15 ሕዳር 1933 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ኸኣ በዚ ፍሉይ ስም እዚ እትጽዋዕ ምዃን: ነቲ ኣብቲ የሱስ እተዛረቦ ኣብ ማቴዎስ 20:1-16 ዚርከብ ምሳልያዊ ዛንታ እተጠቕሰ “ዲናር” ከም ዜመልክት ዚገልጽ ሓሳብ ተዋህበ። እቲ ኣብቲ ምሳልያዊ ዛንታ እተጠቕሰ 12 ሰዓት ነቲ ኻብ 1919 ክሳዕ 1931 ዘሎ 12 ዓመት ከም ዜምልክት ጌርካ ይውሰድ ነበረ። ድሕሪኡ ንሓያሎ ዓመታት ዚኣክል ናብታ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ዚግበር ጽውዓ ብ1931 ከም ዘብቅዐ ይእመነሉ ነበረ፣ እቶም ብ1930ን 1931ን መዋርስቲ ክርስቶስ ኪዀኑ እተጸውዑ ኸኣ እቶም “ዳሕሮት” ጽዉዓት ከም ዝዀኑ ጌርካ እዩ ዚውሰድ ነይሩ። (ማቴዎስ 20:6-8) ብ1966 ግን ብዛዕባ እቲ ምሳሌያዊ ዛንታ ዝነበረ ምርዳእ መአረምታ ተገብረሉ: ምስ ጽውዓ እቶም ቅቡኣት ምንም ምትሕሓዝ ከም ዘይብሉ ኸኣ ነጸረ።

ብ1935 እቶም ኣብ ራእይ 7:9-15 ተጠቒሶም ዘለዉ “ብዙሓት ሰብ:” ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ዚቕልቀሉ: ብመጠን ጕጅለ ኸኣ ካብ ኣርማጌዶን ዚድሕኑ ኽፍሊ እቶም “ካልኦት ኣባጊዕ” ዚዀኑ ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ክርስትያናት ምዃኖም ምርዳእ ተረኽበ። (ራእይ 7:9-15፣ ዮሃንስ 10:16፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:1፣ ራእይ 21:3, 4) ድሕሪ እታ ዓመት እቲኣ: ዕላማ እቲ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ: ናብ ምእካብ እቶም ብዙሓት ሰብ ተቐየረ። ስለዚ እምበኣር ብፍላይ ካብ 1966 ንነጀው እቲ ሰማያዊ ጻውዒት ብ1935 ከም ዘብቅዐ ተኣምነሉ። እቶም ድሕሪ 1935 እተጠምቁ ዳርጋ ዅሎም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ብምዃኖም ከኣ ነዚ መርትዖ ዚዀኖ እዩ ዚመስል። እቶም ድሕሪኡ ንሰማያዊ ተስፋ ዚጽውዑ ዘበሉ ግን ንዘይእሙናት ቅቡኣት ክርስትያናት መተካእታ ምዃኖም ተኣምነሉ።

ሓደ ኻብቶም ቅቡኣት ወዲቑ ዘይንሳሕ እንተ ዀይኑ: የሆዋ ንኺትክኦ ኻልእ ሰብ ከም ዚጽውዕ ዜጠራጥር ኣይኰነን። (ሮሜ 11:17-22) ይኹን እምበር: ካብቶም ናይ ሓቂ ቅቡኣት ዘይእሙናት ኰይኖም ዚርከቡ ብዙሓት ኪዀኑ ኣይክእሉን እዮም። በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ: ግዜ ምስ ሓለፈ: ገለ ኻብቶም ብድሕሪ 1935 እተጠምቁ ክርስትያናት ሰማያዊ ተስፋ ኸም ዘለዎም መንፈስ ቅዱስ መስኪሩሎም እዩ። (ሮሜ 8:16, 17) ስለዚ እምበኣር: ናብ ሰማያዊ ተስፋ ዚግበር ጽውዓ ክርስትያናት ዘቋረጸትሉ ውስንቲ ዕለት እዚኣ እያ ኢልና ኽንጠቅስ እንኽእል ኣይመስልን እዩ።

ሓደ ሰብ ከም እተቐብአ ብልቡ ብምውሳን ኣብ በዓል ዝኽሪ ኻብ ቅጫን ወይንን ኪወስድ እንተ ደኣ ጀሚሩ: ብኸመይ እዩ ኺርአ ዘለዎ፧ ኪፍረድ የብሉን። እቲ ጕዳይ ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ የሆዋን ዚግደፍ እዩ። (ሮሜ 14:12) ይኹን እምበር: እቶም ናይ ሓቂ ቕቡኣት ክርስትያናት ፍሉይ ቈላሕታ ኺግበረሎም ዚደልዩ ኣይኰኑን። ኣባላት እቶም ቅቡኣት ብምዃኖም: ካብቲ ገለ ምኩራት ኣባላት እቶም ብዙሓት ሰብ እውን ከይተረፈ ኺህልዎም ዚኽእል ምስትውዓል ዚበልጽ ፍሉይ “ምስትውዓል” እዩ ዚወሃበና ኢሎም ኣይኣምኑን እዮም። ግድን ካብቶም ካልኦት ኣባጊዕ ዝዀኑ ብጾቶም ዚበልጽ መንፈስ ቅዱስ ኪህልዎም ከም ዘለዎም እውን ኣይኣምኑን እዮም። ፍሉይ ቆላሕታ ኺግበረሎም ኣይጽበዩን እዮም: ካብቲ ቕጫን ወይን ምውሳዶም ከኣ ልዕሊ እቶም ኣብታ ጉባኤ እተሸሙ ሽማግለታት ከም ዚገብሮም ገይሮም ኣይወስድዎን እዮም። ገለ ኻብቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ቕቡኣት እኳ ሽማግለታት ወይ ኣገልገልቲ ጉባኤ ዀይኖም ኬገልግሉ ብቑዓት ከም ዘይነበሩ ብትሕትና ይዝክሩ እዮም። (1 ጢሞቴዎስ 3:1-10, 12, 13፣ ቲቶስ 1:5-9፣ ያእቆብ 3:1) አረ ገለ ኻብቶም ቅቡኣት ክርስትያናትሲ መንፈሳዊ ድኻም እውን ነይርዎም እዩ። (1 ተሰሎንቄ 5:14) ኣሓት ከኣ ቅቡኣት እውን እንተ ዀና: ኣብ ጉባኤ ኣይምህራን እየን።—1 ጢሞቴዎስ 2:11, 12

ስለዚ እምበኣር: ቅቡኣት ክርስትያናት ምስቶም ብጾቶም ዝዀኑ ኻልኦት ኣባጊዕ ሓቢሮም ብመንፈስ ድልዱላት ኪዀኑ: ፍረ መንፈስ ኬማዕብሉ: ከምኡውን ኣብታ ጉባኤ ሰላም ከም ዚሰፍን ኪገብሩ ይጽዕሩ እዮም። ኵሎም ክርስትያናት: ካብቶም ቅቡኣት ይኹኑ ኻብቶም ካልኦት ኣባጊዕ: ኣብ ትሕቲ እቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ብምዃን ብስራት ንምስባኽን ደቀ መዛሙርቲ ንምግባርን ይጽዕሩ እዮም። ቅቡኣት ክርስትያናት: ኣገልገልቲ የሆዋ ዀይኖም ኣብ ምድሪ ኺጸንሑ ፍቓድ የሆዋ ኽሳዕ ዝዀነ: ከምዚ ምግባሮም የዕግቦም እዩ።