ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣቱም መንእሰያት ንልቢ ወለድኹም ትትንክፉ ኢኹም

ኣቱም መንእሰያት ንልቢ ወለድኹም ትትንክፉ ኢኹም

ኣቱም መንእሰያት ንልቢ ወለድኹም ትትንክፉ ኢኹም

እቲ ብዕድመ ደፊኡ ዝነበረ ሃዋርያ ዮሃንስ: “ኣነ እቶም ደቀይ ብሓቂ ኸም ዚመላለሱ ኻብ ምስማዕ ዚዐቢ ሓጐስ የብለይን” ብምባል ጸሓፈ። (3 ዮሃንስ 4) እቶም ኣብዛ ጥቕሲ ተጠቒሶም ዘለዉ ደቂ: ክርስትያን ደቀ መዛሙርቲ እኳ እንተ ዀኑ: እቶም ንኣምላኽ ዚፈርሁ ወለዲ ግን ነዚ ዮሃንስ ገሊጽዎ ዘሎ ስምዒት ብቐሊሉ ይርድእዎ እዮም። ልክዕ ከምቲ ወለዲ ኣብ ህይወት ውሉዳቶም ኣገዳሲ ጽልዋ ዜሕድሩ: ውሉዳት እውን ኣብ ህይወት ወለዶም ዓብዪ ጽልዋ የሕድሩ እዮም።

ሰሎሞን ንጉስ እስራኤል ውሉዳት ንወለዶም ክሳዕ ክንደይ ከም ዚጸልውዎም ይፈልጥ ነበረ። “ጥበበኛ ወዲ ነቦኡ የሐጕስ: ዓሻ ወዲ ግና መጕሃይ ኣዲኡ እዩ” ብምባል ድማ ጸሓፈ። (ምሳሌ 10:1) ስለዚ ዅሎም ውሉዳት: በጽሕታት እውን እንተ ዀኑ: እቲ ዚገብርዎ ነገራት ኣብ ኣቦኦምን ኣዴኦምን እንታይ ጽልዋ ኸም ዘለዎ ኣብ ግምት ኬእትዉ ኣለዎም። እዚ ግቡእ ዝዀነ ግን ስለምንታይ እዩ፧

እቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ወለድኻ ንዓኻ ንምዕባይ ዝገበርዎ ሓልዮት እሞ ሕስብ ኣብሎ! ቅድሚ ምውላድካ ነዊሕ ይገብር እዮም ብዛዕባኻ ኺሻቐሉን ኪጽልዩን ጀሚሮም። ምስ ተወለድካ ድማ ክልቲኦም ምሳኻ ጥብቂ ርክብ መስረቱ: ንኣምላኽ ከኣ ዜደንቕ ኣጋጣምን ከቢድ ሓላፍነትን ስለ ዝሃቦም ኣመስገንዎ። ንእሽቶን መስኪንን ሕጻን እዩ ብሓላፍነት ተዋሂብዎም: ከም ኣምለኽቲ የሆዋ መጠን ድማ ነዚ ብርዝነት እዮም ዚርእይዎ ነይሮም።

ወለድኻ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ስለ ዝዀኑ: ዜተኣማምን መምርሒ ንምርካብ ንመጽሓፍ ቅዱስን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንእተመስረተ ጽሑፋትን ተወከሱ፣ ነቶም ውሉዳት ዘዕበዩ ሰባት ድማ ምኽሪ ሓተትዎም። ኣብ ርእሲ እዚ እውን ነቲ ዜሻቕሎም ነገራት ንየሆዋ ብጸሎት ምንጋሮም ኣየቋረጹን። (መሳፍንቲ 13:8) እናዓበኻ ኽትከይድ ከለኻ: ወለድኻ ነቲ ዘሎካ ጽቡቕ ጐድኒ ይፈልጥዎ እዮም፣ ነቲ ዘሎካ ድኽመት እውን ይርድእዎ እዮም። (እዮብ 1:5) ምስ ዕድመ ዅትትና ሓቢሩ ዚመጽእ ብድሆታት ኣሎ። ሓድሓደ ግዜ መንፈስ ዕልወት ተርኢ ትኸውን፣ ወለድኻ ኸኣ ነቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኻ የሆዋ ምምላኽካ ኽትቅጽል ንምሕጋዝ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ዝያዳ ይጽልዩ: ዝያዳ የንብቡ: ከምኡውን ዝያዳ ይሓስቡ እዮም።

ወለድኻ ኣቦን ኣደን ካብ ምዃን ኣቋሪጾም ኣይፈልጡን እዮም። ንኣካላዊ: ኣእምሮኣዊ: ስምዒታዊ: ከምኡውን ንመንፈሳዊ ድሕንነትካ ብዚምልከት ዚስምዖም ሻቕሎት ድሕሪ ምጕባዝካ እውን ከይተረፈ ይቕጽል እዩ። ይኹን እምበር: ወለድኻ ናይ ብሕትኻ ምርጫ ኸም ዘሎካን እንታይ ዓይነት ህይወት ከም እትመርሕ ኪውስኑ ኸም ዘይክእሉን ይዝክሩ እዮም። ንስኻ ኢኻ ነቲ እትስዕቦ ኣንፈት ክትውስን ዘሎካ።

ስለዚ: ከምቲ ወለዲ ‘እቶም ደቆም ብሓቂ ኸም ዚመላለሱ ኻብ ምስማዕ ዚዓቢ ሓጐስ’ ዘይብሎም: ብኣንጻሩ ኪኸውን ከሎ ድማ ይጕህዩ እዮም። እወ: እቶም ዕሽነት ዚገብሩ ውሉዳት ንወለዶም ጓሂ እዮም ዜምጽኡሎም። ሰሎሞን “ዓሻ ውሉድ ነቦኡ ጓሂ እዩ: ንወላዲቱ ኸኣ ምረት እዩ” በለ። (ምሳሌ 17:25) ውሉድ ንኣምልኾ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ምስ ዚሓድጎ: ንወለዱ ኽሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ዓሚቝ ጓሂ ዜምጽኣሎም!

ስለዚ: ምስ ስድራቤትካ ኸለኻን ብድሕሪኡ ኣብ እትመርሖ ህይወትን ዓብዪ ጽልዋ ኸተሕድር ትኽእል ኢኻ። ጠባይካ ንልቢ ወለድኻ ኣዕሚቑ እዩ ዚትንክፎ። ንኣምላኽን ንስርዓታቱን ዝባንካ እንተ ደኣ ሂብካዮ: ወለድኻ ኺሳቐዩ እዮም። ንየሆዋ እሙንን እዙዝን ኴንካ እንተ ቐጺልካ ግን: ወለድኻ ኺሕጐሱ እዮም። እምበኣር: ንልቢ ወለድኻ ኸተሐጕስ ቈራጽነት ግበር! ነቶም ዘዕበዩኻን ዘዕቈቡኻን ዘፍቀሩኻን ካብዚ ንላዕሊ እሞ እንታይ ህያብ ኢኻ ኽትህቦም እትኽእል፧