ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ ሳልሳይን ራብዓይን መጽሓፍ መዝሙር ዚጐልሕ ነጥብታት

ካብ ሳልሳይን ራብዓይን መጽሓፍ መዝሙር ዚጐልሕ ነጥብታት

ቃል የሆዋ ህያው እዩ

ካብ ሳልሳይን ራብዓይን መጽሓፍ መዝሙር ዚጐልሕ ነጥብታት

እቲ ጸሓፍ መዝሙር ናብ ኣምላኽ ኣብ ዘቕረቦ ጸሎት: “ኣብ መቓብርከ ሳህልኻ: ኣብ ቦታ ጥፍኣትውን እምነትካዶ ይንገር እዩ፧” ኢሉ ሓተተ። (መዝሙር 88:11) መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ: ‘ኣይፋልን’ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ብዘይ ህይወት ንኣምላኽ ክንውድሶ ኣይንኽእልን ኢና። ንየሆዋ ምውዳስ ብህይወት ንኽንነብር ጽቡቕ ምኽንያት ይዀነና: ህይወት ዘሎና ምዃንና ኸኣ ንዕኡ ንኽንውድሶ ጽቡቕ ምኽንያት ይዀነና እዩ።

ካብ መዝሙር 73 ክሳዕ 106 ዜጠቓልል ሳልሳይን ራብዓይን መጽሓፍ መዝሙር: ንፈጣሪ ንኽንውድሶን ንስሙ ንኽንባርኾን እኹል ምኽንያታት ይህበና። ነዚ መዝሙራት እዚ ምስ እንሓስበሉ: ነቲ “ቓል ኣምላኽ” ዘሎና ሞሳ ንኸነዕምቖ ኸምኡውን ንዕኡ እንጥቀመሉ መግለጺታት ውዳሰ ንኸነስፍሖን ንኸነመሓይሾን ኪድርኸና ይግባእ። (እብራውያን 4:12) እምበኣር ንሳልሳይ መጽሓፍ መዝሙር ብሃንቀውታ ንመርምሮ።

“ንኣይ ግና ናብ ኣምላኽ ምቕራብ ይሔሸኒ”

(መዝሙር 73:1–89:52)

ነተን ኣብ ሳልሳይ መጽሓፍ መዝሙር ኣብ መጀመርታ ዚርከባ 11 መዝሙራት: ኣሳፍ ወይ ኣባላት ቤት ኣሳፍ እዮም ኣቀናቢሮምወን። እታ ናይ መጀመርታ መዝሙር: ኣሳፍ ብግጉይ ኣተሓሳስባ መገዱ ንኸይስሕት ዝሓገዞ እንታይ ምዃኑ ትገልጽ። ኣብ ቅኑዕ መደምደምታ እዩ በጺሑ። “ንኣይ ግና ናብ ኣምላኽ ምቕራብ ይሔሸኒ” በለ። (መዝሙር 73:28) ኣብ መዝሙር 74 የሩሳሌም ብምዕናዋ ዘምጽኦ ሓዘን ተገሊጹ ኣሎ። ኣብ መዝሙር 75, 76, 77 ንየሆዋ ኸም ጻድቕ ዳኛ: ከም መድሓኒ ትሑታት: ከምኡውን ከም ሰማዕ ጸሎት ጌርካ ተገሊጹ ኣሎ። መዝሙር 78 ካብ ግዜ ሙሴ ኽሳዕ ግዜ ዳዊት ዝነበረ ሕሉፍ ታሪኽ እስራኤል ትደግሞ። መበል 79 መዝሙር ከኣ ብጥፍኣት እታ ቤተ መቕደስ ሓዘና ትገልጽ። ድሕሪኡ ህዝቢ ኣምላኽ ናብ ዓዶም ንኺምለሱ ዝቐረበ ጸሎት ኣሎ። መዝሙር 81 ንየሆዋ ንኽንእዘዞ ትምሕጸን። መዝሙር 82, 83 በብተራ ኣብ እኩያት ደያኑ እስራኤልን ኣብ ጸላእቲ ኣምላኽን መለኮታዊ ፍርዲ ንኺፍጸም ዝቐረባ ጸሎት እየን።

ደቂ ቆራህ “ነፍሰይ ንኣጸድ እግዚኣብሄር ትናፍቖን ሃረር ትብሎን አላ” ኢሎም ዘመሩ። (መዝሙር 84:2) መዝሙር 85 ኣምላኽ ነቶም ካብ ምርኮ ዚምለሱ ንኺባርኾም ትልምን። እዛ መዝሙር እዚኣ መንፈሳዊ በረኸት ካብ ስጋዊ በረኸት ዝያዳ ኣገዳሲ ምዃኑ ተጕልሕ። ዳዊት ኣብ መዝሙር 86: ኣምላኽ ንኺሕልዎን ንኺምህሮን ይሓትት። ኣብ መዝሙር 87 ብዛዕባ ጽዮንን ኣብኣ እተወልዱን እተዜመ ዜማ ኺርከብ ከሎ: ኣብ መዝሙር 88 ድማ ናብ የሆዋ ዝቐረበ ጸሎት ኣሎ። እቲ የሆዋ ንዳዊት ኪዳን ብምእታው ዘርኣዮ ሳህሊ: ኣብ መዝሙር 89 ጐሊሑ ይርከብ: እዛ መዝሙር እዚኣ ኤታን ዘቀናበራ ኽትከውን ከላ: እዚ ሰብ እዚ ሓደ ኻብቶም ብግዜ ሰሎሞን ዝነበሩ ኣርባዕተ ጥበበኛታት ሰባት ኪኸውን ይኽእል እዩ።—1 ነገስት 4:31

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

73:9—እኩያት ‘ኣፎም ናብ ሰማይ ዜልዕሉ: መልሓሶም ከኣ ኣብ ምድሪ ዚመላለስ’ ብኸመይ እዩ፧ እኩያት ንዝዀነ ይኹን ኣብ ሰማይ ኰነ ኣብ ምድሪ ዘሎ ግዲ ስለ ዘይብሎም: ብኣፎም ንኣምላኽ ካብ ምጽራፍ ድሕር ኣይብሉን እዮም። ብመልሓሶም እውን ንሰባት የጸልሙ እዮም።

74:13, 14—የሆዋ ‘ኣራእስ ገበላት ኣብ ማያት ዝጨፍለቐን ኣርእስቲ ሌዋታን ዝቐጥቀጠን’ መዓስ እዩ፧ “ፈርኦን ንጉስ ግብጺ: ኣብ ማእከል ርባታትካ እትድቅስ ገዚፍ ገበል” ተባሂሉ ኣሎ። (ህዝቅኤል 29:3) ሌዋታን ነቶም “ሓያላት ፈርኦን” ኬመልክት ይኽእል እዩ። (መዝሙር 74:14 NW እግረ-ጽሑፍ) ኣራእሶም ምቕጥቃጡ: ነቲ ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ካብ ባርነት ግብጺ ሓራ ኼውጽኦም ከሎ ንፈርኦንን ንሰራዊቱን ከም ዝሰዓሮም ዜመልክት ኪኸውን ይኽእል እዩ።

75:4, 5, 10—እታ ‘ቐርኒ’ እትብል ቃል ንምንታይ ተመልክት፧ ኣቕርንቲ እንስሳ: ሓያል ኣጽዋሩ እዩ። ስለዚ: እታ ‘ቐርኒ’ እትብል ቃል ብምሳልያዊ መገዲ ንሓይሊ ወይ ንብርታዐ ተመልክት። የሆዋ ንህዝቡ ኽብ ብምባል ኣቕርንቲ ህዝቡ የልዕል: ‘ንኣቕርንቲ ረሲኣን ግን ይጕልዕሞ።’ ‘ኣቕርንትና ንላዕሊ ኸይነልዕል:’ ማለት ኵሩዓት ወይ ዕቡያት ከይንኸውን መጠንቀቕታ ተዋሂቡና ኣሎ። ልዕል ዜብል የሆዋ ስለ ዝዀነ: ኣብ ጉባኤ ዚወሃብ ሓላፍነት ካብኡ ኸም ዝመጸ ጌርካ ኺርአ ኣለዎ።—መዝሙር 75:7

76:10—“ኵራ ሰብ” ንየሆዋ ኼመስግኖ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብምዃንና ሰባት ኵራኦም ወይ ቍጥዓኦም ንኼውርዱልና ኣምላኽ ኪፈቅድ ከሎ: ኣወንታዊ ፍረ ኺርከብ ይከኣል እዩ። እቲ ዜጋጥመና ዝዀነ ይኹን ሽግር ኬሰልጥነና ይኽእል እዩ። የሆዋ ንመከራ ዚፈቕዶ ምእንቲ ኼሰልጥነና ኢሉ ጥራይ እዩ። (1 ጴጥሮስ 5:10) ‘ትርፊ ዅራ ሰብ: ኣምላኽ ይዕጠቖ እዩ።’ ኰይኑ ግን: ብመከራ እንተ ሞትናኸ፧ እቶም ብተኣማንነት ክንጸንዕ ዝረኣዩና ንኣምላኽ ምውዳስ ኪጅምሩ ስለ ዚኽእሉ: እዚውን ንየሆዋ ኼመስግኖ ይኽእል እዩ።

78:24, 25—ማና “እኽሊ ሰማይ” ከምኡውን “ናይ መላእኽቲ እንጌራ” ተባሂሉ እተጸውዐ ስለምንታይ እዩ፧ ክልቲኡ መግለጺታት: ማና ምግቢ መላእኽቲ ምዃኑ ኣየመልክትን እዩ። “እኽሊ ሰማይ” እተባህለ: ምንጩ ኻብ ሰማይ ስለ ዝዀነ እዩ። (መዝሙር 105:40) መላእኽቲ ኣብ ሰማይ ስለ ዚቕመጡ: እቲ “ናይ መላእኽቲ እንጌራ” ዚብል መግለጺ: እቲ ኣብ ሰማይ ዚቕመጥ ኣምላኽ ዘቕረቦ ምዃኑ ዚሕብር ጥራይ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (መዝሙር 11:4) የሆዋ ንእስራኤላውያን ማና ንምሃብ መላእኽቲ ተጠቒሙ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

82:1, 6—“ኣማልኽቲ” ኸምኡውን “ውሉድ እቲ ልዑል” ተባሂሎም እተጸውዑ መን እዮም፧ ክልቲኡ መግለጺታት ንሰብኣውያን ደያኑ እስራኤል እዩ ዜመልክት። ኣፈኛታትን ወኪላትን ኣምላኽ ኰይኖም የገልግሉ ስለ ዝነበሩ: እዚ መጸውዒ እዚ ግቡእ እዩ።—ዮሃንስ 10:33-36

83:2—‘ርእሲ ምልዓል’ እንታይ የመልክት፧ እዚ ተግባር እዚ መብዛሕትኡ ንምጽራር: ንምቅላስ: ወይ ንምጭቋን ተባሂሉ ሓይሊ ንኽትጥቀም ወይ ስጕምቲ ንኽትወስድ ድሉው ምዃን የመልክት።

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

73:2-5, 18-20, 25, 28 ብብልጽግና እቶም ረሲኣን ክንቀንእን ነቲ ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሉ መገድታቶም ክንቀድሖን የብልናን። ረሲኣን ኣብ መንደልሃጺ ስፍራ እዮም ዘለዉ። ብርግጽ ከኣ ‘ናብ ጥፍኣት ኪወድቁ’ እዮም። ብዘይካዚ: ኣብ ትሕቲ ዘይፍጹም ሰብኣዊ ግዝኣት እከይ ኪውገድ ስለ ዘይከኣል: ንኸነጥፍኦ ኢልና እንገብሮ ጻዕሪ ኸንቱ እዩ ዚኸውን። ከም ኣሳፍ ‘ናብ ኣምላኽ ብምቕራብን’ ምስኡ ብዘሎና ጥብቂ ርክብ ብምሕጓስን ንእከይ ምስ እንጻወሮ ጥበባዊ እዩ።

73:3, 6, 8, 27 ካብ ድፍረት (ጃህራ): ትዕቢት: ላግጺ: ከምኡውን ግፍዒ ኽንርሕቕ ኣሎና። ነዚ ባህርያት እዚ ምሓዝ ጥቕሚ ዘለዎ ዚመስል እኳ እንተዀነ: ከነርሕቖ ይግባእ።

73:15-17 እተደናገረ ሓሳባት ምስ ዚህልወና: ናብ ካልኦት ንኸይንዝርግሖ ኽንቍጠብ ኣሎና። ‘ከምኡ ምዝራብ’ ንኻልኦት ተስፋ ኻብ ምቍራጽ ሓሊፉ ዜፍርዮ ነገር የለን። ብዛዕባ እቲ ዜተሓሳስበና ነገር ብሰላም ከነስተንትንን ምስ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና ብምሕባር ድማ ክንፈትሖን ኣሎና።—ምሳሌ 18:1

73:21-24 በቲ ረሲኣን ዝረኸብዎ ዚመስል ብልጽግና ‘ብልብኻ ምምራር:’ ዓሻ እንስሳ ኸም ምዃን ተቘጺሩ ኣሎ። እዚ ዓይነት ምላሽ እዚ ብስምዒት ተደፊእካ እትገብሮ ነገር እዩ። ኣብ ክንዲ እዚ ግን: የሆዋ ‘ብየማነይቲ ኢድና’ ኸም ዚሕዘናን ከም ዚድግፈናን ምሉእ ብምሉእ ብምትእምማን: ብምኽሩ ኽንምራሕ ኣሎና። ብተወሳኺ: የሆዋ ‘ናብ ክብሪ:’ ምስኡ ጥብቂ ርክብ ንኺህልወና ‘ይቕበለና።’

77:6 ንመንፈሳዊ ሓቅታት ልባዊ ተገዳስነት ምርኣይን ተጠንቂቕካ ምምርማሩን: ንመጽናዕትን ንምስትንታንን ዚኸውን ግዜ ዚሓትት እዩ። ኣብ ህይወትና ብሕት እንብለሉ ግዜ ምምዳብስ ክሳዕ ክንዳይ ኣድላዪ ዀን እዩ!

79:9 የሆዋ ብፍላይ ነቲ ንምቕዳስ ስሙ ዚምልከት ጸሎትና ይሰምዖ።

81:13, 16 ድምጺ የሆዋ ምስማዕን ብመገድታቱ ምኻድን ብዙሕ በረኸት የምጽእ።—ምሳሌ 10:22

82:2, 5 ምጕዳል ፍትሒ “መሰረታት ምድሪ” የናውጽ። ዘይፍትሓዊ ተግባራት ንርግኣት ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ይርብሽ።

84:1-4, 10-12 እቶም ጸሓፍቲ መዝሙር ንቦታ ኣምልኾ የሆዋ ዘለዎም ሞሳን በቲ ፍሉይ ኣጋጣሚታት ኣገልግሎቶም ምዕጋቦምን ንዓና ኣብነት ይዀነና።

86:5 የሆዋ ‘ንይቕሬታ ድልዊ’ ምዃኑ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ኢና እነመስግነሉ! ንእተነስሐ ኣበሰኛ ምሕረት ንኼርእዮ ዝዀነ ይኹን መሰረት ዚኸውን መርትዖ እዩ ዜናዲ።

87:5, 6 እቶም ኣብ ምድራዊ ገነት ህይወት ዚረኽቡ ሰባት: ንስማት እቶም ናብ ሰማያዊ ህይወት ዚትንስኡ ኺፈልጥዎ ድዮም፧ እዘን ጥቕስታት እዚኣተን ከምኡ ኪኸውን ከም ዚኽእል ይሕብራ።

88:13, 14 ብዛዕባ ሓደ ጸገም ጸሊና ምላሽ ምስ ዚድንጕየና: የሆዋ ተወፋይነትና ናይ ብሓቂ እንተ ዀይኑ ኸነርኢ ደልዩና ኪኸውን ይኽእል እዩ።

“ኣመስግንዎ ንስሙ ኸኣ ባርኹ”

(መዝሙር 90:1–106:48)

ኣብ ራብዓይ ጥርናፈ መዝሙራት ንየሆዋ ንምውዳስ እተዋህበ እተፈላለየ ምኽንያታት ተጠቒሱ ኣሎ። ኣብ መዝሙር 90: ሙሴ ንህልውና እቲ “ናይ ዘለኣለም ንጉስ:” ምስቲ ሓላፊ ህይወት ሰብ ኣነጻጺርዎ ኣሎ። (1 ጢሞቴዎስ 1:17) ብመሰረት መዝሙር 91:2: ሙሴ ንየሆዋ ኸም ‘ጸግዑን ዕርዱን:’ ማለት ከም ምንጪ ዕቝባኡ ገይሩ ጠቒስዎ ኣሎ። እተን ቀጺለን ዚርከባ ሒደት መዝሙራት: ብዛዕባ እቲ ጽቡቕ ባህርያትን ብሉጽ ሓሳባትን መስተንክር ግብርታትን ኣምላኽ እየን ዚዛረባ። ሰለስተ መዝሙራት: “እግዚኣብሄር ነጊሱ” ብዚብል መግለጺ ይጅምራ። (መዝሙር 93:1፣ 97:1፣ 99:1) እቲ ጸሓፍ መዝሙር ንየሆዋ ኸም ገባሪና ገይሩ ኺዛረበሉ ኸሎ: “ኣመስግንዎ ንስሙ ኸኣ ባርኹ” ኢሉ ዓዲሙና ኣሎ።—መዝሙር 100:4

ንየሆዋ ዚፈርህ ገዛኢ ብኸመይ እዩ ጕዳያቱ ኼመሓድር ዘለዎ፧ እታ ብንጉስ ዳዊት እተቐናበረት መዝሙር 101 መልሲ ትህብ እያ። እታ እትቕጽል መዝሙር: የሆዋ “ኣብ ጸሎት ሽጉራት ኬቕልብ: ንጸሎቶምውን ኣይኪንዕቕን እዩ” ብምባል ትነግረና። (መዝሙር 102:17) መበል 103 መዝሙር ኣብ ሳህልን ምሕረትን የሆዋ ተተኵር። እቲ ጸሓፍ መዝሙር ነቲ ኣብ ምድሪ ዚርከብ ሓያሎ ተግባራት የሆዋ ኣመልኪቱ: “ዎ እግዚኣብሄር: ግብርታትካስ ክንደይ ብዙሕ እዩ: ንዅሉ ብጥበብ ገበርካዮ: ምድሪ ብሃብትኻ መሊኣ አላ” በለ። (መዝሙር 104:24) እተን ኣብ ራብዓይ መጽሓፍ ዚርከባ ናይ መወዳእታ ኽልተ መዝሙራት ንየሆዋ ስለ እቲ ተኣምራቱ ይውድሳኦ።—መዝሙር 105:2, 5፣ 106:7, 22

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

91:1, 2—“ጸግዒ [“ምስጢራዊ ቦታ:” NW] እቲ ልዑል” እንታይ እዩ፧ ብኸመይከ ኢና ኣብኡ ‘ኽንሓድር’ እንኽእል፧ እዚ መንፈሳዊ ድሓንን ዕቝባን ዚርከበሉ ምሳልያዊ ቦታ እዩ: ማለት ካብ መንፈሳዊ ጕድኣት ዕቝባ ዚርከበሉ ዅነት እዩ። እቲ ቦታ እቲ “ምስጢራዊ” ዝዀነ ኸኣ: እቶም ኣብ ኣምላኽ ዘይውከሉ ስለ ዘይፈልጥዎ እዩ። ንየሆዋ ኸም ጸግዕናን ዕርድናን ጌርና ብምርኣይ: ከም ልዑላዊ ገዛኢ ዅሉ ፍጥረት ጌርና ብምውዳስ: ከምኡውን ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብምስባኽ: ኣብኡ ‘ኽንሓድር’ ንኽእል ኢና። የሆዋ ንኺሕግዘና ወትሩ ድሉው ብምዃኑ: ብመንፈሳዊ መዳይ ዕቝባ ይስምዓና እዩ።—መዝሙር 90:1

92:12—ጻድቕ ‘ከም ስየ ዚልምልም’ ብኸመይ እዩ፧ ኦም ስየ ብፍርያምነቱ እዩ ዚፍለጥ። ሓደ ጻድቕ ሰብ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ የሆዋ ቕኑዕ ስለ ዝዀነን ነቲ ሰናይ ግብሪ ዜጠቓልል “ጽቡቕ ፍረ” ብቐጻሊ ስለ ዚፈርን ከም ኦም ስየ እዩ።—ማቴዎስ 7:17-20

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

90:7, 8, 13, 14 ኣበሳና ወትሩ ምስቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ የበላሽዎ እዩ። እቲ ሕቡእ ሓጢኣትና እውን ካብ ቅድሚኡ ኺስወር ኣይክእልን እዩ። ይኹን እምበር: ብሓቂ እንተ ተነሲሕናን ካብ ግጉይ መገድና እንተ ተመሊስናን: የሆዋ ‘ጸጋኡ ብምጽጋብ’ እንደገና ሞገሱ ይህበና።

90:10, 12 ህይወት ሓጻር ስለ ዝዀነት: “መዓልትታትና ኽንቈጽር” ኣሎና። ብኸመይ፧ “ጥበበኛ ልቢ” ብምርካብ እዩ: ወይ እተን ዝተረፋ መዓልትታትና ኣብ ክንዲ ዚባኽና ንየሆዋ ብዜሐጕስ መገዲ ምእንቲ ኸነሕልፈን ብጥበብ ብምምልላስ እዩ። እዚ ኸኣ ንመንፈሳዊ ነገር ቀዳምነት ምሃብን ግዜና ብጥበብ ምጥቃምን የጠቓልል።—ኤፌሶን 5:15, 16፣ ፊልጲ 1:10

90:17 “ተግባር ኣእዳውና ኣስልጠልና” ኸምኡውን ኣብ ኣገልግሎት እንገብሮ ባርኸልና ኢልና ናብ የሆዋ ኽንጽሊ ግቡእ እዩ።

92:14, 15 ኣረጋውያን ትጉሃት ተመሃሮ ቓል ኣምላኽ ብምዃንን ምስ ህዝቢ የሆዋ ኣዘውቲሮም ብምእካብን: “ይረውዩን ይልምዑን:” ማለት ብመንፈሳዊ መዳይ ብርቱዓት ይዀኑ: ከምኡውን ኣብ ጉባኤ ኽቡር ሃብቲ ይዀኑ።

94:19 ጠንቂ ‘ጓሂ ልቢ’ ዝዀነ ይኹን ብዘየገድስ: ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ “ምጽንናዕ” ምንባብን ብዛዕባኡ ምስትንታንን የጸናንዓና እዩ።

95:7, 8 ንቕዱስ ጽሑፋዊ ምኽርታት ምስማዕን ናብኡ ምቕላብን ብፍታው ምሕላዉን: ተረርቲ ልቢ ንኸይንኸውን የኽእለና።—እብራውያን 3:7, 8

106:36, 37 እዘን ጥቕስታት እዚኣተን: ንጣኦታት ምምላኽ ምስ ንኣጋንንቲ ምስዋእ ኣተሓሒዘናኦ ኣለዋ። እዚ ኸኣ ሓደ ጣኦታት ዜምልኽ ሰብ ኣብ ትሕቲ ጽልዋ ኣጋንንቲ ኸም ዚኸውን ይሕብር። መጽሓፍ ቅዱስ “ካብ ጣኦታት ተሐለዉ” ኢሉ ይምሕጸነና።—1 ዮሃንስ 5:21

“ሃሌሉያ”

እተን ኣብ ራብዓይ መጽሓፍ መዝሙር ዚርከባ ናይ መወዳእታ ሰለስተ መዝሙራት: “ሃሌሉያ:” ማለት ንያህ ወድስዎ ብዚብል ማዕዳ እየን ዚዛዝማ። እታ ናይ መወዳእታ መዝሙር እውን በዚ ኸምዚ እያ እትጅምር። (መዝሙር 104:35፣ 105:45፣ 106:1, 48) እታ “ሃሌሉያ” እትብል ቃል ኣብ ራብዓይ መጽሓፍ መዝሙር ብተደጋጋሚ ተጠቒሳ ኣላ።

ንየሆዋ ንኽንውድሶ ብርግጽ ምኽንያት ኣሎና። መዝሙር 73 ክሳዕ 106 ንልብና በቲ ንሰማያዊ ኣቦና ዘሎና ምስጋና ብምምላእ ብዙሕ ክንሓስበሉ ዚግባእ ነጥብታት ይህባና እየን። ንዅሉ እቲ ንሱ ኽሳዕ ሕጂ ዝገበረልናን ኣብ መጻኢ ዚገብረልናን ክንሓስበሉ ኸለና: ብዅሉ ሓይልና ንያህ ንኸነወድሶ ኣይንድረኽንዶ ኢና፧

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ንሕናውን ከም ኣሳፍ ‘ናብ ኣምላኽ ብምቕራብ’ ንእከይ ክንጻወሮ ንኽእል ኢና

[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ስእሊ]

ፈርኦን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ተደምሰሰ

[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ስእሊ]

ማና ስለምንታይ “ናይ መላእኽቲ እንጌራ” ተባሂሉ ኸም እተጸውዐ ትፈልጦዶ፧

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

‘ጓሂ ልቢ’ ንምውጋድ ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧