ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ነቲ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ጥሜት ዝኸውን ረድኤት ተላእከ!

ነቲ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ጥሜት ዝኸውን ረድኤት ተላእከ!

ነቲ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ጥሜት ዝኸውን ረድኤት ተላእከ!

 ‘ናይ መዓስ ጥሜት፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን። ኣብዚ ግን ብዛዕባ እቲ ንመንፈሳዊ መግቢ ዘሎ ጥሜት ኢና ንዛረብ ዘሎና። ጥንቲ ዝነበረ እብራዊ ነብዪ ብዛዕባዚ ኸምዚ ኢሉ ተነበየ:- “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ: እንሆ: ኣነ ናብታ ሃገር ጥሜት ዝሰደለን መዓልትታት ኪመጻ እየን። ንምስማዕ ቃል እግዚኣብሄር እምበር: ጥሜት እንጌራን ጽምኢ ማይን ኣይኰነን።” (ኣሞጽ 8:11) ነዚ መንፈሳዊ ጥሜት እዚ ረድኤት ንምልኣኽ: እቶም ካብቲ ኣብ ፓተርሰን: ኒው ዮርክ: ዝርከብ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ እተመረቑ 48 ዝዀኑ ናይ መበል 112 ክፍሊ ተማሃሮ: ኣብ 5 ኣህጉራት ናብ ዝርከባ 19 ሃገራትን ደሴታትን ተላኢኾም ኢዮም።

እዞም ሰባት እዚኣቶም ቃል ብቓሉ እኽለ⁠-​ማይ ሒዞም ዘይኰነስ: ፍልጠትን ተመክሮን ስልጠናን ሒዞም ኢዮም ከይዶም። ነቲ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝፍጽምዎ ሚስዮናዊ ኣገልግሎት ንኽሕግዞም ተባሂሉ እተዳለወ ሓሙሽተ ወርሒ ዝወሰደ ጽዑቕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ገይሮም ኢዮም። ብ9 መጋቢት 2002 ኣብቲ ናይ ምረቓ ፕሮግራም እተረኽቡ 5,554 ተኣከብቲ ነቲ ዝርርባት ተሓጒሶም ኢዮም ሰሚዖምዎ።

እቲ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይኑ ዘገልግል ሓው ስቲቨን ለት ነዚ ፕሮግራም ብውዕዉዕ መንፈስ ከፈቶ። ካብ እተፈላለየ ዅርናዓት ዓለም ንዝመጹ ብዙሓት ኣጋይሽ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ድሕሪ ምባል ነተን “ንስኻትኩም ብርሃን ዓለም ኢኹም” ዝብላ ቓላት የሱስ ኣብ ዕዮ ናይዞም ሚስዮናውያን ብኸመይ ከም ዝውዕላ ገለጸ። (ማቴዎስ 5:14) ከምዚ ድማ በሎም:- ‘ኣብቲ እተመደብኩምሉ ቦታ ነቲ ዘደንቕ ግብርታት የሆዋ ብእተፋላለየ መዳያቱ “ከተብርህዎ” ኢኹም: እዚውን ነቶም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ነቲ ባህ ዘብል ባህርያት የሆዋን ዕላማታቱን ንኽርእዩ ይሕግዞም ኢዩ።’ ኣስዕብ ኣቢሉ ነቶም ሚስዮናውያን ብብርሃን ቃል ኣምላኽ ገይሮም ንጸልማት ናይ ሓሶት ሰረተ⁠-​እምነታት ከቃልዕዎን ነቶም ሓቂ ዘናድዩ ክመርሕዎምን ኣተባብዖም።

ኣሳልጦ ንምርካብ ግቡእ ኣረኣእያ ምሓዝ የድሊ

ድሕሪ እቲ ኣቦ መንበር ዝገበሮ መእተዊ ዝርርብ ኣባል ጨንፈር ኮሚተ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ባልታሳር ፐርላ ነቶም ተመረቕቲ ዕዉታት ሚስዮናውያን ክዀኑ ንምሕጋዞም ካብ እተዳለወ ተኸታታሊ ዝርርባት እቲ ናይ መጀመርታ ኣቕረበ። ኣርእስቲ ዝርርቡ ኸኣ “ጽንዑን ትብዑን ስርሑን” ዝብል ነበረ። (1 ዜና መዋእል 28:⁠20) ናይ ጥንታዊት እስራኤል ንጉስ ሰሎሞን ቅድሚኡ ገይርዎ ዘይፈልጥ በዳሂ ዕዮ ተዋህቦ። እዚ ድማ ኣብ የሩሳሌም ቤተ መቕደስ ናይ ምህናጽ ዕዮ ነበረ። ሰሎሞን ነቲ ስራሕ ሰርሖ: ብደገፍ የሆዋ ድማ እታ ቤተ መቕደስ ተዛዘመት። ሓው ፐርላ ነቲ ኻብዚ ዝርከብ ትምህርቲ ምስቶም ተመረቕቲ ብምትሕሓዝ ‘ንስኻትኩምውን ሓድሽ ዕዮ ማለት ዕዮ ሚስዮናውነት ተዋሂብኩም ኣሎ: ስለዚ ጽኑዓትን ተባዓትን ክትኰኑ የድልየኩም ኢዩ’ በሎም። እቶም ተማሃሮ ካብ የሆዋ ኽሳዕ ዘይረሓቑ ንሱውን ከም ዘይጥንጥኖም ወይ ከም ዘይገድፎም እተዋህቦም መረጋገጺ ብሓቂ ኣበራቲዕዎም ኢዩ። ሓው ፐርላ ኣብ መዛዘሚኡ ‘ሚስዮናውያን ብምዃን ብዙሕ ሰናይ ነገራት ክትፍጽሙ ትኽእሉ ኢኹም። ንዓይን ንስድራ​ቤተይን ሓቂ ዝነገሩና ሚስዮናውያን ኢዮም’ ብምባል ናይ ብሕቱ ተመክሮ ምስ ነገሮም ልቢ ሰማዕቱ ተንኪፉ ኢዩ።

ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ሳሙኤል ሀርድ ድማ “ኣሳልጦ ንምርካብ ካብ የሆዋ ሓገዝ ድለዩ” ብዝብል ኣርእስቲ ዝርርብ ሃበ። እቶም ተማሃሮ ሚስዮናውያን ኰይኖም ኢዮም ከገልግሉ: ኣሳልጦ ንኽረኽቡ ኸኣ ምስ የሆዋ ዘለዎም ርክብ ወሳኒ ኢዩ። ሓው ሀርድ ከምዚ ብምባል መዓዶም:- ‘ኣብቲ ኣብ ጊልዓድ ዝገበርክምዎ መጽናዕቲ: ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ፍልጠት ደሊብኩም ኢኹም። ክሳዕ ሎሚ ብሓጐስ ክትቅበሉ ጸኒሕኩም። ሕጂ ግን ኣሳልጦ ንምርካብ ነቲ እተመሃርክምዎ ኽትህቡ ኽትጅምሩ ኣሎኩም።’ (ግብሪ ሃዋርያት 20:⁠35) እዞም ሚስዮናውያን ንኻልኦት ንምሕጋዝ ብዙሕ ጻዕሪ ስለ ዝገብሩ: ነዚ ንምፍጻም ኣጋጣሚታት ኣለዎም።​—⁠ፊልጲ 2:⁠17

እቶም መምህራንከ ነቶም ተማሃሮ እንታይ ናይ መፋነዊ ማዕዳ ኢዮም ሂቦምዎም፧ ማርክ ኑማር ኣብ ሩት 3:⁠18 ተመርኲሱ “እቲ ነገር ከመይ ከም ዝውዳእ ክሳዕ እትፈልጡ ስቕ በሉ” ዘርእስቱ ዝርርብ ሃቦም። ናይ ናእሚን ሩትን ኣብነት ብምጥቃስ ኣብቲ ምድራዊት ማሕበር ኣምላኽ ዝገበረቶ ምድላዋት ምሉእ እምንቶ ኽሓድሮምን ንቲኦክራሲያዊ ስልጣን ከኽብሩን ኣተባብዖም። ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ከኣ ልቢ እቶም ተማሃሮ ተንከፈ:- ‘ንዓኻትኩም ዝትንክፍ ውሳነ ንምንታይ ከም እተወሰነ ዘይትርድኡሉ እዋን ይመጽእ ይኸውን ወይ ሓደ ነገር ብኻልእ መገዲ ኽግበር ከም ዘለዎ ኣጽኒዕኩም ትኣምኑሉ ትዀኑ። ኣብቲ ግዜ እቲ እንታይ ኢኹም ክትገብሩ፧ ነቲ ነገር ባዕልኹም ክትፈትሕዎ ዲኹም ክትጽዕሩ ወይስ ኣብ መሪሕነት የሆዋ እምንቶ ብምሕዳርን ድሕሪ ግዜ ጽቡቕ ፍረ ኸም ዝፈሪ ርግጸኛታት ብምዃንን ኢኹም “ስቕ ክትብሉ፧” ’ (ሮሜ 8:⁠28) ‘ኣብ ብሕታዊ ባህርያት ሰብ ዘይኰነስ ኣብቲ ማሕበር የሆዋ እትገብሮ ነገራት ብምቕላብ: ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምድንፋዕ ንኸተኵሩ’ እተዋህቦም ማዕዳ ነቶም ሚስዮናውያን ኰይኖም ናብ ወጻኢ ሃገራት ዝኸዱ ሰባት ብዙሕ ከም ዝጠቕሞም ኣየጠራጥርን ኢዩ።

ቀደም ሚስዮናዊ ዝነበረ: ሕጂ ድማ ኣብ ጊልዓድ መምህር ኰይኑ ዘገልግል ዘሎ ዋለስ ሊቨራንስ ናይዚ ተኸታታሊ ዝርርባት ናይ መወዳእታ ክፍሊ ኣቕረበ። ኣርእስቲ ዝርርቡ ኸኣ “ወትሩ ትኵራት ኵኑ: ካብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ከኣ ፈልከት ኣይትበሉ” ዝብል ነበረ። ነብዪ ዳንኤል ንምውዳቕ ባቢሎንን ነቲ ኤርምያስ እተነበዮ ትንቢትን ኣብ ግምት ብምእታው እስራኤላውያን ካብ ምርኮ ሓራ ዝዀኑሉ እዋን ቀሪቡ ምንባሩ ኣስተውዓለ። (ኤርምያስ 25:⁠11፣ ዳንኤል 9:⁠2) ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዝጥቀመሉ ናይ ግዜ ሰሌዳ ይፈልጥ ነይሩ: እዚ ኸኣ ኣብቲ ፍጻሜ ዕላማ ኣምላኽ ንኸተኵር ሓጊዝዎ ኢዩ። ብኣንጻሩ ግን ብግዜ ነብዪ ሃጌ ዝነበሩ እስራኤላውያን “እቲ ጊዜ . . . ኣይበጽሔን” ይብሉ ነበሩ። (ሃጌ 1:⁠2) ኣበየናይ እዋን ይነብሩ ምህላዎም ኣየስተውዕሉን ኢዮም ነይሮም: የግዳስ ኣብ ናይ ርእሶም ምቾትን ዕግበትን የተኵሩ ነበሩ። ስለዚ ነቲ ኻብ ባቢሎን ሓራ ዝወጹሉ ምኽንያት ማለት ንምህናጽ እቲ ቤት መቕደስ ዕሽሽ በልዎ። ሓው ሊቨራንስ “እምበኣር ወትሩ ዕላማ የሆዋ ኣብ ኣእምሮኹም ብምሓዝ ትኵራት ኵኑ” ብምባል ዝርርቡ ዛዘመ።

ድሕሪኡ እቲ ናይ ጊልዓድ መምህር ሎረንስ ቦወን “የሆዋ ነቶም ነቲ ህያው ቃሉ ዝጥቀሙሉ ይባርኾም” ዘርእስቱ ኽፍሊ ኣቕረበ። (እብራውያን 4:⁠12) እዚ ኽፍሊ እዚ እቶም ተማሃሮ ኣብ ክፍሊ ዘሕለፍዎ ተመክሮታት ማለት ክሰብኩን ክምህሩን ከለዉ መጽሓፍ ቅዱስ ብምጥቃሞም የሆዋ ብኸመይ ከም ዝባረኾም ዘጕልሕ ነበረ። ሓው ቦወን: ‘የሱስ ትምህርቱ ኻብ ርእሱ ከም ዘይኰነ: የግዳስ ካብ ቃል ኣምላኽ ምዃኑ ኣፉ መሊኡ ኽዛረብ ክኢሉ ኢዩ’ ድሕሪ ምባል የሱስ ክርስቶስ ንዅሎም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ሰናይ ኣብነት ከም ዝገደፈሎም ገለጸ። ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ከኣ ነታ የሱስ ዝገለጻ ሓቂ ፈሊጦምዋን ተቐቢሎምዋን ኢዮም። (ዮሃንስ 7:⁠16, 17) ሎሚውን ካብዚ እተፈልየ ኣይኰነን።

ኣብ ጊልዓድ ዝወሃብ ስልጠና ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ድሉው ይገብር

ቀጺሉ ኣብ ቤትኤል ንነዊሕ እዋን ዘገልገሉ ሪቻርድ ኣብርሃምሰንን ፓትሪክ ላፍራንካን ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ እተፈላለየ ዓይነት ፍሉይ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ንዝርከቡ ሽዱሽተ ኻብ ጊልዓድ እተመረቑ ሰባት ቃለ⁠-​መጠይቕ ገበሩሎም። ንሳቶም ድማ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ እተፈልየ መዳይ ኣገልግሎት እኳ እንተለዉ: ነቲ ኣብ ጊልዓድ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ምጽናዕ: ምርምር ምስ ምግባር: ከምኡውን ምስ ሰባት ተሳኒኻ ምስ ምንባር ተተሓሒዙ እተዋህቦም ስልጠና ኽሳዕ ሕጂ ይጥቀሙሉ ምህላዎም ምስ ተዛረቡ ነቶም ተመረቕቲ መበል 112 ክፍሊ ኣተባቢዕዎም ኢዩ።

ድሕርዚ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ቴዶር ጃራዝ እቲ ናይቲ ፕሮግራም ቀንዲ ዝርርብ ሃበ። ኣርእስቲ ዝርርቡ ኸኣ “ሰይጣን ዘምጽኦ ጽልኢ ብምጽዋር እንታይ ይፍጸም ኣሎ፧” ዝብል ነበረ። እቶም ተማሃሮ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ኣብ ፍቕርን ቲኦክራሲያዊ ስርዓትን ዝሰፈኖ ኸባቢ ኢዮም ዝነብሩ ነይሮም። ኣብ ክፍሎም ከም እተገልጸሎም ግን ኵላትና ኣብዛ ጸላኢትና ዝዀነት ዓለም ኢና ንነብር ዘሎና። ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ህዝቢ የሆዋ መጥቃዕቲ ይወርዶም ኣሎ። (ማቴዎስ 24:⁠9) ሓው ጃራዝ ገለ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ዛንታታት ድሕሪ ምጥቃስ ‘ቀንዲ ዒላማ ድያብሎስ ስለ ዝዀንና: ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ከነደልድል ከምኡውን ነቲ ፈተናታት ምእንቲ ኽንዋጽኣሉ ኽንጸንዕ’ ከም ዘሎና ገለጸ። (እዮብ 1:⁠8፣ ዳንኤል 6:⁠4፣ ዮሃንስ 15:⁠20፣ ራእይ 12:⁠12, 17) ህዝቢ ኣምላኽ ዝጽልኡ እኳ እንተ ዀኑ ‘ከምቲ ኣብ ኢሳይያስ 54:⁠17 ተገሊጹ ዘሎ ንኣና ኽወግኡሉ እተሰርሐ ኣጽዋር ኣይክጠቅምን ኢዩ። የሆዋ ኣብቲ ዝወሰኖ ግዜን ብዝደለዮ መገድን ከድሕነና ኢዩ’ ብምባል ዝርርቡ ዛዘመ።

እቶም ተመረቕቲ መበል 112 ክፍሊ ጊልዓድ ‘ፈጺሞም ስለ እተዳለዉ:’ ኣብቲ ዘገልግሉሉ ዘለዉ ሃገራት ዘሎ ጥሜት መንፈሳዊ መግቢ ንምቅላል ብዙሕ ከም ዝሕግዙ ኣየጠራጥርን ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:⁠16, 17) ንሕናውን እቲ ዝዕንግል መልእኽቲ ነቶም ኣብተን ዝኸዱለን ሃገራት ዘለዉ ሰባት ብኸመይ ከም ዘካፈልዎም ጸብጻብ ክንሰምዕ ብሃንቀውታ ንጽበ ኣሎና።

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ሳጹን]

ናይቲ ኽፍሊ ስታቲስቲክስ

ቍጽሪ ዝመጹለን ሃገራት:- 6

ቍጽሪ እተመደቡለን ሃገራት:- 19

ቍጽሪ ተማሃሮ:- 48

ገምጋም ዕድመ:- 33.2

ኣብ ሓቂ ዝጸንሑሉ ገምጋም ዓመታት:- 15.7

ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዝጸንሑሉ ገምጋም ዓመታት:- 12.2

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ናይ መበል 112 ክፍሊ ተመረቕቲ

ኣብዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ዝርዝር ኣስማት: ነቲ መስርዕ ተዋሂብዎ ዘሎ ቝጽሪ ካብ ቅድሚት ንድሕሪት ክኸውን ከሎ: ኣስማት ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መስርዕ ካብ ጸጋም ናብ የማን ኢዩ።

(1) ማጋሊ ፓሮት፣ ኢያን ሁከር፣ ሮዛ ኣናያ፣ ጁሊያን ረይኖልድስ፣ ካትሊን ጀዝዋልዲ፣ ጆሰፊን ጎንዛለዝ (2) ካተሪን ሮቢንሰን፣ ብረንዳ ፊሊፕስ፣ ከይ መይድመንት፣ ኢሬን ሙር፣ ጆኣና ኖክስ፣ ሲዩፎን ባርነት (3) ትሪሻ ስተይረስ፣ በሲ ፓልመር፣ ክላር ያንግ፣ ሲልቪ ግሩትሁስ፣ ታሚ ግሩፕ፣ ክሎዲን ባክ (4) ሮማን ኣናያ፣ ኢቫ ሱከርፍ፣ ኪርቢ ስቲዋርት፣ ናታሊ ሲሞዝራግ፣ ካሮሊን ሲሞተል፣ ኢማንዌል ባክ (5) ሪቻርድ ስቲዋርት፣ ሄንሸል ያንግ፣ ኣማንዳ ጊልፌዘር፣ ረናታ ሃሪስ፣ ዴቪድ ባርነት፣ ሳሙኤል ፓሮት (6) ኣንድርው መይድመንት፣ ጆን ሙር፣ ክርስቲያን ግሩትሁስ፣ ኮሊን ጊልፌዘር፣ ስቱዋርት ኖክስ፣ ቴሪ ስተይረስ (7) ዴቪድ ጀዝዋልዲ፣ ቲሞቲ ግሩፕ፣ ቢል ሱከርፍ፣ ግሪጎሪ ፓልመር፣ ናታንኤል ፊሊፕስ፣ ጆናታን ሲሞተል (8) ሰታንተን ሃሪስ፣ ፖል ሁከር፣ ጆናስ ጎንዛለዝ፣ ዴቪድ ሲሞዝራግ፣ ዴቪድ ረይኖልድስ፣ ማይካ ሮቢንሰን