ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

 ሓደ ክርስትያን ኣገልጋሊ ኣብ ቀብሪ ናይ ርእሰ⁠-​ቕትለት ዝፈጸመ ሰብ ዝርርብ ክህብ ይኽእል ድዩ፧

ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ኣገልጋሊ: ንሓደ ርእሰ⁠-​ቕትለት ፈጺሙ እተባህለሉ ሰብ ብጽሩይ ሕልና ናይ ቀብሪ ዝርርብ ክህበሉ ዝኽእል እንተ ዀይኑ ባዕሉ ኢዩ ኽውስን ዘለዎ። ውሳነ ኽገብር ከሎ ግን ነዚ ዝስዕብ ሕቶታት ኣብ ግምት ከእቱ ኣለዎ:- የሆዋ ንርእሰ⁠-​ቕትለት ብኸመይ ኢዩ ዝምልከቶ፧ እቲ ሰብ ደይመደይ ኢሉ ቕትለት ከም ዝፈጸመ ጌርካ ድዩ ዝርአ፧ ናይ ኣእምሮ ወይ ስምዒታዊ ምዝንባል ደዀን ኣለዓዒልዎ ይኸውን፧ እቲ ሕብረተሰብ ንርእሰ⁠-​ቕትለት ብኸመይ ኢዩ ዝምልከቶ፧

ከም ክርስትያናት መጠን የሆዋ ንርእሰ⁠-​ቕትለት ብኸመይ ከም ዝምልከቶ ኽንፈልጥ ንደሊ ኢና። ህይወት ደቅሰብ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ክቡርን ቅዱስን ኢዩ። (ዘፍጥረት 9:5፣ መዝሙር 36:9) ደይመደይ ኢልካ ርእስኻ ምቕታል ንኣምላኽ ዘጕሂ ኢዩ። (ዘጸኣት 20:13፣ 1 ዮሃንስ 3:15) እዚ ጭብጢ እዚ ንሓደ ርእሰ⁠-​ቕትለት ዝፈጸመ ሰብ ናይ ቀብሪ ዝርርብ ንኸይትህቦ ዝኽልክል ድዩ፧

ብዛዕባ እቲ ንጉስ እስራኤል ዝነበረ ሳኦል ንርአ። ካብቲ ምስ ፍልስጥኤማውያን ዝገበሮ ናይ መወዳእታ ውግእ ብህይወት ከም ዘየምልጥ ምስ ፈለጠ: ጸላእቱ ምእንቲ ኸየበሳብስዎ ኢሉ “ሴፉ ወሲዱ ኣብ ልዕሊኡ ወደቐ።” ፍልስጥኤማውያን ንሬሳኡ ምስ ረኸብዎ ኣብ ቀጽሪ ቤት⁠-​ሻን ሰቐልዎ። እቶም ኣብ ያቤሽ⁠-​ጊልዓድ ዝነበሩ እቲ ፍልስጥኤማውያን ንሳኦል ዝገበርዎ ምስ ሰምዑ: ነቲ ሬሳ ኣልዒሎም ኣንደድዎ። ድሕሪኡ ነቲ ኣዕጽምቱ ወሲዶም ቀበርዎ። አረ ኸምቲ ብልምዲ ኣብ እስራኤል ዝግበር ዝነበረ ኣገባብ ሓዘንሲ ንሸውዓተ መዓልቲ ጸይሞም ኢዮም። (1 ሳሙኤል 31:⁠4, 8-13፣ ዘፍጥረት 50:⁠10) እቲ ቕቡእ የሆዋ ዝነበረ ዳዊት ተቐማጦ ያቤሽ⁠-​ጊልዓድ ዝገበርዎ ምስ ፈለጠ “ንጐይታኹም ንሳኦል ብምቕባርኩም እዚ ምሕረት እዚ ስለ ዝገበርኩምሉ: ብእግዚኣብሄር ብሩኻት ኢኹም። ሕጂ ኸኣ እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ምሕረትን እምነትን ይግበር” በሎም። (2 ሳሙኤል 2:⁠5, 6) ተቐማጦ ያቤሽ⁠-​ጊልዓድ ንንጉስ ሳኦል ስነ⁠-​ስርዓት ቀብሪ ኸም ዝገበርሉ ጌርካ ኽውሰድ ዝኽእል ነገራት ብምፍጻሞም ከም እተዀነኑ ዝገልጽ ጸብጻብ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይንረክብን ኢና። ነዚ ታሪኽ እዚ ምስ ኵነታት ናይቶም እኩይ ተግባራት ብምፍጻሞም ቀብሪ ዘይተገብረሎም ሰባት ኣረኣእዮ። (ኤርምያስ 25:⁠32, 33) ሓደ ክርስትያን ንሓደ ርእሰ⁠-​ቕትለት ዝፈጸመ ሰብ ናይ ቀብሪ ዝርርብ ክህበሉ ወይ ከይህበሉ ንምውሳን ነዚ ብዛዕባ ሳኦል ዝገልጽ ጸብጻብ ኣብ ግምት ከእትዎ ይኽእል ኢዩ።

እቲ ክርስትያን ነቲ ናይ ቀብሪ ዝርርብ ዝወሃበሉ ዕላማ እውን ኣብ ግምት ከእትዎ ኸድልዮ ኢዩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ ቀብሪ ስነ⁠-​ስርዓት ክገብሩ ኸለዉ ከምቶም ነፍሲ ሰብ ኣይትመውትን ኢያ ኢሎም ዝኣምኑ ሰባት: ነቲ ምዉት ናብ ሰማይ ወይ ገሃነም ሓዊ ከም ዝኸደ ዝገልጽ ግጉይ ሓሳብ ኣየመሓላልፉን ኢዮም። ናይ ቀብሪ ዝርርብ ዝህብሉ ቐንዲ ዕላማ: ነቲ ምዉት ንምጥቃም ዘይኰነስ ነቲ ሓዘንተኛ ንምጽንናዕን ነቶም ቀባሮ ኸኣ ብዛዕባ ዅነታት ምዉታት ምስክርነት ንምሃብን ኢዩ። (መክብብ 9:⁠5, 10፣ 2 ቈረንቶስ 1:⁠3-5) ናይ ቀብሪ ዝርርብ እንህበሉ ኻልእ ኣገዳሲ ምኽንያት ከኣ ንዅሎም እቶም ቀባሮ ዕምሪ ወድሰብ ሓጺር ምዃኑ ንምዝኽኻሮም ኢዩ። (መክብብ 7:⁠2) ንሓደ ርእሰ⁠-​ቕትለት ዝፈጸመ ሰብ ናይ ቀብሪ ዝርርብ ክወሃበሉ ኸሎ እዚ ዕላማታት እዚ ሸቶኡ ይወቅዕ ድዩ፧

እቲ ሰብ ንየሆዋ ይብድል ከም ዘሎ ምሉእ ብምሉእ እናፈለጠ ደይመደይ ኢሉ ኢዩ ህይወቱ ኣሕሊፉ ዝብል ስምዒት ዘለዎም ሰባት ክህልዉ ኸም ዝኽእሉ ፍሉጥ ኢዩ። ይኹን እምበር: ከምዚ ዓይነት ኣመለኻኽታ ምሓዝ ወትሩ ቕኑዕ ክኸውን ይኽእል ድዩ፧ ሃንደበት ብድፍኢት እተፈጸመ ክኸውን ይኽእልዶ፧ ርእሰ⁠-​ቕትለት ክፍጽሙ ዝፈተኑ ገለ ሰባት ተጣዒሶም ገዲፎምዎ ኢዮም። ሓደ ሰብ ብዝገበሮ ሓጢኣት ድሕሪ ሞቱ ኽናሳሕ ኣይክእልን ኢዩ።

ካልእ ኣገዳሲ ምኽንያት ከኣ ኣብ ሓያሎ ርእሰ⁠-​ቕትለት ዝፈጸሙ ሰባት ከም እተራእየ ኣእምሮኣዊ ወይ ስምዒታዊ ምዝንባል ኢዩ። እዞም ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ግዳያት ርእሰ⁠-​ቕትለት ክበሃሉ ይኽእሉ ኢዮም። ኣብ ገሊኡ ኣሃዛዊ ጸብጻብ ካብቶም ርእሰ⁠-​ቕትለት ዝፍጽሙ ሰባት 90 ኻብ ሚእቲ ዝዀኑ ገለ ኣእምሮኣዊ: ስምዒታዊ: ወይ ከኣ ናይ ወልፊ ጸገማት ከም ዘለዎም ተሓቢሩ ኢዩ። የሆዋ ነቶም ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ኣእምሮ ጸገማት ዘለዎም ሰባት ዝፈጸምዎ ርእሰ⁠-​ቕትለት ይቕረ ይብለሎም ድዩ፧ እቲ ምዉት ኣብ ቅድሚ የሆዋ ይቕረ ኽበሃለሉ ዘይክእል ሓጢኣት ፈጺሙ ኢዩ ወይ ኣይፈጸመን ኢልና ኽንፈርድ ስልጣን የብልናን። ሓደ ክርስትያን: ነቲ ግዳይ ርእሰ⁠-​ቕትለት ዝዀነ ሰብ ናይ ቀብሪ ዝርርብ ክገብረሉ ድዩ ኣይገብረሉን ንምውሳን ነቲ ዝነበሮ ዅነታት ጥዕና ኣብ ግምት ከእትዎ ይኽእል ኢዩ።

ሓደ ኻልእ ኣብ ግምት ክኣቱ ዘለዎ ነገር ከኣ ኣሎ:- እዚ ድማ ‘ኣብቲ ኸባቢ ዘለዉ ሰባት ንርእሰ⁠-​ቕትለትን ንኣማውታ ናይቲ ሰብን ብኸመይ ኢዮም ዝምልከትዎ፧’ ዝብል ኢዩ። ብፍላይ ነቶም ኣብቲ ከባቢ ዘላ ጉባኤ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኸይትጽረፍ ዝጥንቀቑ ሽማግለታት የሰክፎም ኢዩ። ስለዚ ሽማግለታት ብዛዕባ ርእሰ⁠-​ቕትለት ብፍላይ ድማ ብዛዕባ እቲ ፍሉይ ጕዳይ ናይቲ ምዉት ዝወሃብ ሓፈሻዊ ኣረኣእያ ናይቲ ኸባቢ ኣብ ግምት ብምእታው: ነቲ ናይ ቀብሪ ዝርርብ እንተ ዘይገበርዎ ወይ ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ እንተ ዘይተዋህበ ዝሓሸ ዀይኑ ክረኽብዎ ይኽእሉ ኢዮም።

ይኹን እምበር: ሓደ ክርስትያን ኣገልጋሊ ናይ ቀብሪ ዝርርብ ክህብ ምስ ዝሕተት ኣብ ናይ ብሕቱ ውሳነ ተመርኲሱ ኽገብሮ ክውስን ይኽእል ኢዩ። ዝርርብ ክህብ እንተደኣ ወሲኑ ኸኣ እቲ ምዉት ትንሳኤ ኽረክብ ምዃኑን ዘይምዃኑን ዝገልጽ ንጹር ሓሳባት ከይህብ ክጥንቀቕ ኣለዎ። ዝዀነ ይኹን መጻኢ ዅነታት ናይቲ ምዉት ኣብ ኢድ የሆዋ ስለ ዘሎ: እቲ ምዉት ክትንስእ ድዩ ኣይትንስእን ማንም ሰብ ክውስን ኣይክእልን ኢዩ። እቲ ኣገልጋሊ ኣብቲ ብዛዕባ ሞት ዝገልጽ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ብምትኳር ነቶም ሓዘንተኛታት ከጸናንዕ ይኽእል ኢዩ።