ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ መዝገብ ግብጺ ዝበልጽ

ካብ መዝገብ ግብጺ ዝበልጽ

ካብ መዝገብ ግብጺ ዝበልጽ

 ሙሴ ሓደ ኻብቶም ኣብ ታሪኽ እተፈልጡ ዓበይቲ ሰባት ኢዩ። ኣርባዕተ ኻብተን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከባ መጻሕፍቲ: ማለት ካብ ዘጸኣት ክሳዕ ዘዳግም እስራኤላውያን ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ሙሴ ኸለዉ ምስ ኣምላኽ ዝነበሮም ርክብ የዘንትዋ። ንእስራኤላውያን ካብ ግብጺ ኣውጺእዎም: ማእከላይ ናይቲ ሕጊ ኺዳን ኰይንዎም: ክሳዕ ዶብ እታ ምድሪ ተስፋ ኸኣ መሪሑዎም ኢዩ። ሙሴ ኣብ ቤት ፈርኦን ኢዩ ዓብዩ: እንተዀነ ግን መራሒ ህዝቢ ኣምላኽ: ነብዪ: ዳኛ: ከምኡውን ብመንፈስ ተደሪኹ ዝጸሓፈ ጸሓፋይ ኢዩ ነይሩ። ምስዚ ዅሉ ግን ‘ኣብ ምድሪ ኻብ ዘሎ ሰብ ዓቃል [“ትሑት:” NW ] ነበረ።’​—⁠ዘሁልቍ 12:3

መብዛሕትኡ ኻብቲ ብዛዕባ ሙሴ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተዘንትዩ ዘሎ ዛንታ ነተን ናይ መወዳእታ 40 ዓመታት ህይወቱ ዝሓዘ ኢዩ: እዚ ኸኣ ካብቲ ንእስራኤላውያን ካብ ባርነት ሓራ ዘውጽኦም ግዜ ኣትሒዙ ኽሳዕ ወዲ 120 ዓመት ኰይኑ ዝሞተሉ ግዜ ይሽፍን። ካብ ወዲ 40 ዓመት ክሳዕ ወዲ 80 ኣብ ሚድያን ይጓሲ ነበረ። እንተዀነ ግን ከምቲ ሓደ ምንጪ ዝበሎ “እቲ ኣዝዩ ዝምስጥ ግን ከኣ ብዙሕ ዘይፍለጥ ክፍሊ ህይወቱ” እተን ናይ መጀመርታ 40 ዓመታት ማለት ካብ ዝውለድ ክሳዕ እቲ ኻብ ግብጺ ዝሃደመሉ እዋን ኢዩ። ብዛዕባ እዚ ግዜ እዚ እንታይ ከነስተውዕል ንኽእል፧ ንሙሴ እቲ ዝዓበየሉ ዅነታት ብኸመይ ኢዩ ጸልይዎ፧ ንኸመይ ዝበለ ጽልዋታት ኢዩ ተቓሊዑ ነይሩ፧ እንታይ ጸገማት ኢዩ ኸሕልፍ ዝነበሮ፧ እዚ ዅሉኸ እንታይ ትምህርቲ ኢዩ ዝህበና፧

ባርነት ኣብ ግብጺ

ኣብ ግብጺ ዝነበሩ እስራኤላውያን ይስስኑ ምንባሮም ንፈርኦን ከም ዘፍርሆ መጽሓፍ ዘጸኣት ትትርኸልና ኢያ። ‘ንኽጣበበሎም’ ኢሉ ኸኣ ከቢድ ሸቕሊ ንኽሽቅሉ: ጭቃ ንኸብዕጡ: ከምኡውን መዓልታዊ እተመደበሎም ቍጽሪ ሕጡብ ንኽመልኡ ዝቈጻጸሩ ጨካናት ኣዘዝቲ ብምሻም ቍጽሮም ክንክዮ ጸዓረ።​—⁠ዘጸኣት 1:⁠8-14፣ 5:⁠6-18

እዚ ሙሴ ኣብ እተወልደሉ እዋን ኣብ ግብጺ ዝነበረ ዅነታት ዝገልጽ ጸብጻብ ምስ ታሪኻዊ መርትዖታት ይሰማማዕ ኢዩ። ናይ ጥንቲ ፓፒረስ ከምኡውን ሓደ ኣብ መቓብር እተረኽበ ስእሊ: ኣብ ኻልኣይ መዋእል ቅ.ኣ.ዘ. ወይ ቅድሚኡ ኣብ ዝነበረ እዋን ባሮት ሕጡብ ይሰርሑ ምንባሮም ይሕብር ኢዩ። እቲ እተደልየ ብዝሒ ሕጡብ ዘረክቡ ሓላቑ ነቶም ብኣማእታት ዝቝጸሩ ባሮት ካብ 6 ክሳዕ 18 ገይሮም መዕየይቲ ብምሻም ብጕጅለታት ጠርነፍዎም። ንሕጡብ ዝኸውን ሓመድ ኵዒቶም የውጽኡ: ሓሰር ከኣ ናብቲ ሕጡብ ዝስርሓሉ ቦታ የምጽኡ ነበሩ። እተፈላለየ ዜግነት ዝነበሮም ሰራሕተኛታት ማይ ይወርዱ: ብጭዃሮ ገይሮም ከኣ ምስቲ ሓመድን ሓሰርን የብዕጥዎ። በዚ ገይሮም ከኣ ርቡዕ ኩርናዕ ዝቕርጹ ሕጡብ ይሰርሑ። ድሕርዚ እቶም ሸቃሎ ነቲ ብጸሓይ ዝነቐጸ ሕጡብ በርዑት ጸይሮም ናብቲ ህንጻ ዝስርሓሉ ቦታ ይወስድዎ ነበሩ: ሓድሓደ እውን ብመደያይቦ ኽድይቡ ነበሮም። እቶም ግብጻውያን ኣሕሉቕ: ኣባትሮም ሒዞም ኮፍ ብምባል ወይ ናብዝን ናብትን እናተመላለሱ ነቲ ስራሕ ይቈጻጸርዎ ነበሩ።

ሓደ ናይ ጥንቲ ናይ ሕሳብ ወረቐት 602 ዝዀኑ ሸቃሎ 39,118 ሕጡብ ከም ዝሰርሑ ይሕብር: እዚ ድማ ንሓደ ሰብ ብገምጋም ኣብ ሓደ እብረ 65 ኣቢሉ ይበጽሖ ማለት ኢዩ። ኣብ መበል 13 ዘመን ቅ.ኣ.ዘ እተጻሕፈ ሰነድ ከኣ “እቶም ሰባት . . . ነቲ ነንመዓልቲ እተመደበሎም ሕጡብ ይሰርሑ ኣለዉ” ይብል። እዚ ዅሉ ምስቲ ኣብ መጽሓፍ ዘጸኣት ተጠቒሱ ዘሎ ንእስራኤላውያን ዘጋጥሞም ዝነበረ ዝመሳሰል ኢዩ።

እንተዀነ ግን: ጭቈና ንእብራውያን ካብ ምስሳን ኣይዓገቶምን። “ብመጠን እቲ ዘጽበቡሎም ግና ኽንዳኡ ሰሰኑ: . . . እሞ: [ግብጻውያን] ብደቂ እስራኤል ይጭነቑ ነበሩ።” (ዘጸኣት 1:10, 12) ስለዚ ፈርኦን መጀመርታ ነተን መሕረስቲ እብራውያን ጸኒሑ ኸኣ ንዅሎም ህዝቡ እስራኤላዊ ተባዕታይ ውላድ ዘበለ ክቐትሉ ኣዘዞም። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ኸኣ ኢዩ እቲ ምጩው ቈልዓ ዝነበረ ሙሴ ኻብ ዮካቤድን ኣምራምን እተወልደ።​—⁠ዘጸኣት 1:⁠15-22፣ 6:⁠20፣ ግብሪ ሃዋርያት 7:⁠20

ተሓብአ: ተረኽበ: ተራዕመ

ወለዲ ሙሴ ነቲ ፈርኦን ዝሃቦ ትእዛዝ ብምጥሓስ ሓብእዎ። ሰለይቲ ወይ ፈተሽቲ ሕጻናት ኣብ ዘናድዩሉ እዋን ድዮም ሓቢኦምዎ፧ ብልክዕ ኣይንፈልጥን ኢና። ዝዀነ ዀይኑ: ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ወለዲ ሙሴ ደጊም ምሕብኡ ሰኣኑ። ስለዚ እታ ብዓቕሊ ጽበት እትገብሮ ዝጨነቓ ኣዲኡ ብሻምብቆ ገይራ ሳጹን ሰርሐት: ማይ ዘየእቱ ንምግባር ከኣ ብዝፍቲ ለቕለቐቶ: ንወዳ ኸኣ ኣብኡ ኣእተወቶ። ዮካቤድ ንመንፈስ ናይቲ እብራውያን ኣወዳት ናብ ርባ ኒል ክድርበዩ ዘገድድ ትእዛዝ ፈርኦን እኳ እንተ ዘይተኣዘዘት: ብእተወሰነ ደረጃ ነቲ ሕጊ ኣኽቢራቶ ኢያ። ድሕርዚ እታ ሚርያም እትበሃል ዓባይ ሓብቱ ንሙሴ ርሕቕ ኢላ ትከታተሎ ነበረት።​—⁠ዘጸኣት 1:⁠22–​2:4

ዮካቤድ ንሙሴ ኣብቲ ርባ ዘንበረቶ ጓል ፈርኦን ክትሕጸብ ክትመጽእ ከላ ንኽትረኽቦ ኢላ ትኹን ኣይትኹን ዝፍለጥ ነገር የለን: እንተዀነ ግን ከምኡ ኢዩ ኣጋጢሙ። እታ ልእልቲ እዚ ሕጻን ወዲ እብራውያን ምዃኑ ኣስተውዓለት። እንታይ ኢያ ኽትገብር፧ ንኣቦኣ ተኣዚዛ ነዚ ሕጻን ኸም ዝቕተል ትገብሮዶ ዀን ትኸውን፧ ኣይፋልን: ከምቲ መብዛሕትአን ኣንስቲ ዝገብርኦ ኢያ ገይራ። ነቲ ሕጻን ደንገጸትሉ።

ብኡንብኡ ሚርያም ናብ ጥቕኣ ቐሪባ “ካብተን እብራውያን ኣንስቲ ነዚ ሕጻንዚ እተጥብወልኪ መጕዚትዶ ኽጽውዓልኪ ክኸይድ፧” በለታ። ገሊኣቶም ሰባት እዚ ዛንታ እዚ ዘስደምም ኰይኑ ኢዮም ረኺቦሞ። ከመይሲ ሓብቲ ሙሴ ኣንጻር እቲ ምስ ኣማኸርቱ ዀይኑ ንእብራውያን ‘ክጣበበሎም’ ዝጸዓረ ፈርኦን ኢያ ትገብር ዘላ። ልክዕ ኢዩ: እታ ልእልቲ ነቲ ሓብቲ ሙሴ ዘቕረበቶ ሓሳብ እንተ ተሰማሚዓትሉ ጥራይ ኢዩ ድሕንነት ሙሴ ዝረጋገጽ። ጓል ፈርኦን “ኪዲ” በለታ: ሚርያም ከኣ ብኡንብኡ ነዲኣ ጸውዓታ። ዮካቤድ ከኣ ንውላዳ ኣብ ትሕቲ ዕቝባ እታ ልእልቲ ንኸተዕብዮ ዘገርም ውዕል ተገብረ።​—⁠ዘጸኣት 2:⁠5-9

ብርግጽ ድንጋጽ ናይታ ልእልቲ ምስ ጭካነ ናይ ኣቦኣ ዝጻረር ኢዩ። ብዛዕባ እቲ ቘልዓ ዘይትፈልጥ ኣይነበረትን: ኣይተታለለትን እውን። ርሕርሕቲ ስለ ዝነበረት ግን ረዓመቶ ወይ ከም ውላዳ ገይራ ተቐበለቶ: እብራዊት መጥበዊት ንኸተዕብዮ ዝቐረበላ ሕቶ ምቕባላ ኸኣ ነቲ ኣቦኣ ዝነበሮ ኣቐዲምካ ብሕማቕ ናይ ምፍራድ ባህሪ ኸም ዘይትሰማምዓሉ ኢዩ ዘርኢ።

ኣተዓባብያኡን ትምህርቱን

ዮካቤድ “ነቲ ሕጻን ወሲዳ ኣጥበወቶ። እቲ ሕጻን ከኣ ዐበየ: ናብ ጓል ፈርኦንውን ኣምጽኣቶ። ወዳ ድማ ዀነ።” (ዘጸኣት 2:9, 10) ሙሴ ምስቶም ናይ ሓቂ ወለዱ ኽንደይ ዝኣክል ግዜ ኸም ዝጸንሐ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይገልጸልናን ኢዩ። ገሊኣቶም እንተ ወሓደ ጡብ ክሳዕ ዝሓድግ ማለት ወዲ ኽልተ ወይ ሰለስተ ዓመት ክሳዕ ዝኸውን ምዃኑ ይገልጹ ኢዮም: እንተዀነ ግን ካብዚ ዝነውሕ ግዜ እውን ክኸውን ይኽእል ኢዩ። መጽሓፍ ዘጸኣት ምስ ወለዱ “ዐበየ” ጥራይ ኢያ እትብለና: እዚ ኸኣ ዝያዳ ዓመታት ከም ዝጸንሐ እውን ከመልክት ይኽእል ኢዩ። ዝዀነ ዀይኑ: ኣምራምን ዮካቤድን ኣብቲ ግዜ እቲ እብራዊ ምዃኑ ከምኡውን ብዛዕባ የሆዋ ከም ዝመሃርዎ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ኣብ ልቢ ሙሴ እምነትን ፍቕሪ ጽድቅን ንምስራጽ ክሳዕ ክንደይ ከም እተዓወቱ ግዜ ዝምልሶ ጕዳይ ኢዩ።

ሙሴ ናብ ጓል ፈርኦን ምስ ተወስደ: “ኵሉ ጥበብ ግብጻውያን ተማህረ።” (ግብሪ ሃዋርያት 7:⁠22) እዚ ድማ ንሙሴ ናይ መንግስቲ በዓል ስልጣን ንምግባር ስልጠና ኸም እተዋህቦ ኢዩ ዘመልክት። እቲ ሰፊሕ ትምህርቲ ግብጻውያን ሕሳብ: ጂኦመትሪ: ንድፊ: ህንጸት: ከምኡውን ስነ⁠-​ጥበብን ስነ⁠-​ፍልጠትን ዘጠቓለለ ኢዩ ነይሩ። እቶም ንጉሳውያን ቤተሰብ ብዛዕባ ሃይማኖት ግብጻውያን ትምህርቲ ኽወስድ ደልዮሞ ነይሮም ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም።

ሙሴ ምስ ካልኦት ደቂ ነገስታት ኰይኑ ነዚ ፍሉይ ትምህርቲ ተማሂሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ካብቶም እዚ ብሉጽ ትምህርቲ እዚ ዝረኽቡ ዝነበሩ ድማ “‘ስልጡናት’ ምእንቲ ክዀኑ ተባሂሎም ዝለኣኹ ወይ ከም ጅሆ እተወስዱ ደቂ ኻልኦት መራሕቲ ሃገራት ይርከብዎም: እዚኣቶም ጸኒሖም ኣመሓደርቲ” ብምዃን ንፈርኦን እሙናት ገላውኡ ዀይኖም የገልግሉ ነበሩ። (ዘ ረይን ኦቭ ተትሞስ IV: ብበትሲ ኤም. ብራየን) እቲ ምስ ቤተ⁠-​መንግስቲ ለጊቡ እተሃንጸ መዕበይ ቈልዑ: ነቶም መንእሰያት ኣብ ቤተ⁠-​መንግስቲ ሰበ⁠-​ስልጣን ኰይኖም ንኸገልግሉ ዘዳልዎም ኢዩ ዝመስል። a ኣብ ግዜ ጥንቲ እተቐርጸ ጽሑፍ: ገለ ኣገልገልቲ ፈርኦንን ልዑል ቦታ ዝነበሮም ሰበ⁠-​ስልጣንን ምስ ዓበዩ እውን ከይተረፈ በቲ “ዕባይ እንዳ ቘልዑ” ዝብል ናይ ክብሪ መዓርግ ይጽውዑ ነይሮም ኢዮም።

ናብራ ቤተ⁠-​መንግስቲ ንሙሴ ፈተና ዀይንዎ ኢዩ። ሃብቲ: ጣዕሚ ናብራ: ከምኡውን ስልጣን ክረክብ ይኽእል ነይሩ ኢዩ። ስነ⁠-​ምግባራዊ መፈንጠራታት እውን ነይርዎ። ሙሴ እንታይ ኰን ኢዩ ገይሩ፧ ንመን ኢዩ እሙን ኰይኑ፧ ብልቡ ኣምላኺ የሆዋን ሓው እቶም ጭቁናት እብራውያንን ድዩ ነይሩ ወይስ ነቲ እቶም ኣረማውያን ግብጻውያን ዘቕረቡሉ ኢዩ መሪጹ፧

ኣገዳሲ ውሳነ

ሙሴ ወዲ 40 ዓመት ምስ ኰነ “ናብ ኣሕዋቱ ወጺኡ: ነቲ ብርቱዕ ጻዕሮም ረአየ።” እዚ ዕድመ እዚ ምሉእ ብምሉእ ግብጻዊ ዝዀነሉ ኢዩ ነይሩ። ብዛዕባ ኣሕዋቱ ክፈልጥ ህንጥዮት ሓዲርዎ ጥራይ ዘይኰነስ ኽሕግዞም ከም ዝደሊ በቲ ቐጺሉ ዝገበሮ ነገራት ኣርእዩ ኢዩ። ሓደ ግብጻዊ ንእብራዊ ኽወቕዖ ምስ ረኣየ: ኣብ መንጎ ኣትዩ ነቲ ጨቛኒ ቐተሎ። እዚ ተግባር እዚ ልቢ ሙሴ ምስ ኣሕዋቱ ኸም ዝነበረ ኢዩ ዘርኢ። እቲ ዝሞተ ሰብኣይ ሓላፍነቱ ዝፍጽም ዝነበረ ኣዛዚ ክኸውን ከም ዝኽእል ፍሉጥ ኢዩ። ብዓይኒ ግብጻውያን ክትርእዮ ኸሎኻ ሙሴ ንፈርኦን እሙን ክኸውን ይግብኦ ነይሩ። እንተዀነ ግን: ንሙሴ ኸምዚ ንኽገብር ዝደረኾ ፍትሒ ዝፈቱ ብምንባሩ ኢዩ: እዛ ባህሪ እዚኣ ኸኣ ንጽብሒቱ ነቲ ንብጻዩ ብዘይ​ግባእ ዝወቕዖ ዝነበረ እብራዊ ብምቅዋሙ ተራእያ ኢያ። ሙሴ ንእብራውያን ካብቲ መሪር ባርነት ሓራ ኸውጽኦም ተመነየ: እንተዀነ ግን ፈርኦን ከም እተኸድዐ ሰሚዑ ኽቐትሎ ምስ ደለየ: ናብ ሚድያን ክሃድም ተገደደ።​—⁠ዘጸኣት 2:⁠11-15፣ ግብሪ ሃዋርያት 7:⁠23-29 b

ሙሴ ንህዝቢ ኣምላኽ ሓራ ንምውጻእ ዝፈተነሉ ግዜ ምስቲ የሆዋ ዝመደቦ ግዜ ኣይተቓደወን። ይኹን እምበር ተግባራቱ እምነቱ ዘርኢ ነበረ። እብራውያን 11:⁠24-26 ከምዚ ትብል:- “ሙሴ ምስ ዐበየ: ወዲ ጓል ፈርኦን ከይብሀል: ብእምነት አበየ እሞ: ካብ ንጊዜኡ ብሓጢኣት ባህ ዚብሎስ ምስ ህዝቢ ኣምላኽ ደኣ መከራ ኺጸግብ ሐረየ።” ስለምንታይ፧ ከመይሲ “ናብቲ ዓስቢ ጠመተ እሞ: ካብ መዝገብ ግብጽስ ነቲ ጸርፊ ክርስቶስ ኣዝዩ ብዙሕ ሃብቲ ገይሩ ቘጸሮ።” እዛ “ቕቡእ” ዝትርጕማ “ክርስቶስ” እትብል ቃል: ጸኒሑ ሙሴ ኻብ የሆዋ ብቐጥታ መዝነት ስለ እተቐበለ: ንዕኡ እትበቅዕ ኢያ።

ሕስብ እሞ ኣብሎ! ሙሴ ደቂ እቶም ክቡራት ግብጻውያን ጥራይ ዝረኽብዎ ኣተዓባብያ ኢዩ ረኺቡ። ሳላ እቲ ዝነበሮ ቦታ ብሉጽ ስራሕን ኵሉ ዓይነት ባህታን ክረክብ ምኸኣለ: እንተዀነ ግን ንዅሉ ነጸጎ። ንየሆዋን ንፍትሕን ዘለዎ ፍቕሪ ሒዙ ኣብ ቤተ⁠-​መንግስቲ ናይቲ ጨቋኒ ፈርኦን ክነብር ኣይደለየን። ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ነባሓጎታቱ ኣብርሃምን ይስሃቕን ያእቆብን ዝኣተወሎም መብጽዓ ፍልጠት ስለ ዝነበሮን ስለ ዘስተንተነሉን ሞጎስ ኣምላኽ ክረክብ ሓረየ። ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ የሆዋ ዕላማታቱ ንምፍጻም ንሙሴ ኣዝዩ ፍሉይ መሰላት ሃቦ።

ኵላትና ኣየናይ ነገራት ዝያዳ ኸም ዘገድሰና እንመርጸሉ እዋን የጋጥመና ኢዩ። ምናልባት ልክዕ ከም ሙሴ ኸቢድ ውሳነ ዘድልዮ ጕዳይ የጋጥመካ ይኸውን። እትኸፍሎ መስዋእቲ ብዘየገድስ ገሊኡ ልምድታት ወይ ጥቕምታት ክትገድፍዶ ኣሎካ ኢዩ፧ ከምዚ ዝበለ ምርጫ እንተደኣ ኣጋጢሙካ: ሙሴ ንዕርክነት የሆዋ ካብ ኵሉ መዝገብ ግብጺ ኣብሊጹ ብምርኣዩ ፈጺሙ ኸም ዘይተጣዕሰ ኣይትረስዕ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a እዚ ትምህርቲ እዚ ምስቲ ዳንኤልን ብጾቱን ኣብ ባቢሎን ሰራሕተኛታት መንግስቲ ዀይኖም ንኸገልግሉ እተዋህቦም ትምህርቲ ዝመሳሰል ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። (ዳንኤል 1:⁠3-7) ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ንትንቢት ዳንኤል ኣቕልበሉ! ዘርእስታ መጽሓፍ ኣብ ምዕራፍ 3 ርአ።

b ሙሴ ፍትሒ ይፈቱ ምንባሩ ኣብታ ሃዲሙ ዝኸደላ ምድሪ ሚድያን ነተን ረዳኢ ዘይነበረን ጓሶት ብምድጋፍ እውን ኣርእይዎ ኢዩ።​—⁠ዘጸኣት 2:⁠16, 17

[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ሳጹን]

ውዕል መጥበዊት

ከም ንቡር ኣዴታት ንውላደን የጥብዋ ኢየን። ይኹን እምበር: ከምቲ በርቨርድ ቻይልድስ ዝበሃል ምሁር ኣብ ጆርናል ኦቭ ቢብሊካል ሊትረቸር ዝገለጾ “ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚታት [ኣብ ቀረባ ምብራቕ ዝነብሩ] ክቡራት ስድራ​ቤታት መጥበውቲ ይቘጽሩ ነበሩ። እዚ ተግባር እዚ እታ ኣደ ንውላዳ ኸተጥቡ ኣብ ዘይትኽእለሉ ወይ መንነት ናይታ ኣደ ኣብ ዘይፍለጠሉ ኣጋጣሚ እውን ልሙድ ኢዩ ነይሩ። እታ መጕዚት ኣብቲ ኣብ ውዕል እተጠቕሰ እዋን ነቲ ቘልዓ ናይ ምዕባይን ናይ ምጥባውን ሓላፍነት ኣለዋ።” ኣብ ናይ ቀረባ ምብራቕ ቅርስታት ኣብ ፓፒረስ እተጻሕፈ ናይ መጥበውቲ ውዕላት ይርከብ ኢዩ። እዚ ሰነዳት እዚ ነቲ ኣብ ግብጺ ኻብ ግዜ ሱመራውያን ክሳዕ እዋን ሄለናውያን ዝነበረ ልሙድ ተግባር ዘረጋግጽ ኢዩ። እዚ ሰነዳት እዚ እቶም ውዕል ዝገብሩ ውልቀ⁠-​ሰባት: እቲ ውዕል ዝወስዶ ግዜ: እቲ ዕዮ እንታይ ምዃኑ: እቲ ሕጻን እንታይ ክምገብ ከም ዘለዎ: ነቲ ውዕል ንዘፍረሰ ዝወርዶ መቕጻዕቲ: ደሞዝ: ከምኡውን ኣከፋፍላ እቲ ደሞዝ ዝገልጽ ነበረ። መብዛሕትኡ ግዜ “ዕዮ ሞግዚት ካብ ክልተ ኽሳዕ ሰለስተ ዓመት ዝወስድ” ምንባሩ ቻይልድስ ገሊጹ ኢዩ። “እታ መጥበዊት ኣብ ገዝኣ ወሲዳ ነቲ ሕጻን ተዕብዮ: እንተዀነ ግን ኣብ እተወሰነ ግዜ እቶም ዋናታቱ ምእንቲ ኽርእይዎ ናብኦም ትወስዶ ነበረት።”

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ግብጺ ኣሰራርሓ ሕጡብ ካብቲ ኣብ ጥንታዊ ስእልታት ዝርአ ብግዜ ሙሴ ዝነበረ ኣሰራርሓ ብዙሕ ኣይተቐየረን

[ምንጪ ስእሊ]

Above: Pictorial Archive (Near Eastern History) Est.; below: Erich Lessing/Art Resource, NY