ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ጸገማት ወድሰብ ዘኽትመሉ ግዜ ኽመጽእ ድዩ፧

ጸገማት ወድሰብ ዘኽትመሉ ግዜ ኽመጽእ ድዩ፧

ጸገማት ወድሰብ ዘኽትመሉ ግዜ ኽመጽእ ድዩ፧

 “ሓደ ርብዒ ናይ ህዝቢ ዓለም ኣብ ክቱር ድኽነት ኢዩ ዝነብር: 1.3 ቢልዮን ዝኸውን ከኣ መዓልታዊ እቶቱ ትሕቲ 1 ዶላር ኣመሪካ ኢዩ: 1 ቢልዮን ዝዀኑ ከንብቡ ወይ ክጽሕፉ ኣይክእሉን ኢዮም: 1.3 ቢልዮን ጽሩይ ዝስተ ማይ ኣይረኽቡን ኢዮም: 1 ቢል​ዮን ዝዀኑ ኸኣ መዓልቲ መዓልቲ ብጥሜት ይሳቐዩ ኢዮም።” እዚ ብዛዕባ ዅነታት ዓለም ዝገልጽ ጸብጻብ ካብ ኣየርላድ እተረኽበ ኢዩ።

እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ወድሰብ ነዚ ኣብ ዓለም ዘሎ ጸገማት ነባሪ መፍትሒ ኸምጽኣሉ ከም ዘይከኣለ ዝገልጽ ጸብጻብሲ ኽንደይ ዘሕዝን ኰን ኢዩ! መብዛሕትኦም ካብቶም ኣብዚ ጸብጻብ እተገልጹ: ኣንስትን ቆልዑን ምዃኖም ምስ እንፈልጥ ድማ ዝያዳ ኸም ዘጕህየና ፍሉጥ ኢዩ። ሕጂ ኣብዚ መበል 21 ዘመን እውን ከይተረፈ “ማእለያ ዘይብሎም ሰባት ወትሩ መሰላቶም ክገሃስ” ክትርኢ ኸሎኻኸ ዘስካሕክሕዶ ኣይኰነን፧​—⁠ዘ ስተይት ኦቭ ዘ ዎርልድስ ቺልድረን 2000

“ኣብ ውሽጢ ሓደ ወለዶ ሓዳስ ዓለም ምፍጣር”

ማዕከን ቈልዑ ውድብ ሕቡራት ሃገራት (ዩኒሴፍ) “እዚ ኣብ መላእ ዓለም ንሰባት ዘሳቕዮም ዘሎ . . . ጸገማት ክውገድ ዝኽእል ኢዩ” ብምባል ብምትእምማን ገለጸ። እዚ ውድብ እዚ: እዞም ብቢልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ዘሕልፍዎ ዘለዉ ዘስካሕክሕ ኵነታት “ክውገድ ወይ ከልግስ ዘይክእል ኣይኰነን” በለ። አረ ሕሉፍ ሓሊፉስ “ኵሎም ሰባት ኣብ ውሽጢ ሓደ ወለዶ ሓዳስ ዓለም ንምፍጣር ጻዕሪ ኽገብሩ” ዕድመ ኣቕሪቡ ኢዩ። እዛ ዓለም እዚኣ ዅሎም ደቅሰብ “ካብ ድኽነትን ኣድልዎን: ካብ ዓመጽን ሕማምን ናጻ” ዀይኖም ዝነብሩላ ኽትከውን ምዃና ኸኣ የተስፉ።

ነቶም ከምዚ ዝኣመሰለ ስምዒት ዘለዎም ሰባት ዘተባብዖም ድማ ሎሚ እውን ከይተረፈ እቶም ገበርቲ ሰናይ ዝዀኑ ሰባት እቲ “መዛዘሚ ዘይብሉ ዝመስል ግጭትን ቅልውላውን” ንዘምጽኦ ሕማቕ ሳዕቤናት ንምቅላል ዝገብርዎ ዘለዉ ዕዮ ሰፊሕ ምዃኑ ኢዩ። ንኣብነት: ኣብ ዝሓለፈ 15 ዓመታት ቸርኖቢል ቺልድረንስ ፕሮጀክት “ነቶም ብምኽንያት ኑክሌር ሕማም መንሽሮ ዝሓመሙ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ቘልዑ ስቓዮም ከቃልለሎም ጸኒሑ ኢዩ።” (ዘ ኣይሪሽ ኤግዛማይነር 4 ሚያዝያ 2000) ሓገዝ ዝህባ ዓበይትን ንኣሽቱን ውድባት ኣብ ናብራ ህይወት ናይ ሓያሎ ግዳያት ውግእን ኣደዳ ዕንወትን ዝዀኑ ሰባት ዓብዪ ለውጢ ኣምጺአን ኢየን።

ይኹን እምበር: እቶም ኣብ ከምዚአን ዝበላ ማሕበራት ግብረ⁠-​ሰናይ ዝካፈሉ ሰባት ኣብ ክውንነት ዝኣምኑ ኢዮም። እቲ በብግዜኡ ዘጋጥም ጸገማት “ካብቲ ዓሰርተታት ዓመት ይገብር ዝነበሮ ብዝያዳ ሎሚ ኣዝዩ ኣስፋሕፊሑን ሱር ሰዲዱን ከም ዘሎ” ይፈልጡ ኢዮም። ናይ ኣየርላንድ ማሕበር ግብረ⁠-​ሰናይ ቀንዲ ፈጻም ጕዳይ ዝዀነ ዴቪድ ቤግ ከም ዝገለጾ: ኣብ ሞዛምቢክ ዘዕኑ ምጥልቕላቕ ማይ ምስ ኣጋጠመ “ደገፍን ወፈያን ዝህቡ ማሕበራት ዓብዪ ኣበርክቶ ገበሩ።” “እንተዀነ ግን” ይብል ወሲኹ ክዛረብ ከሎ “ንኸምዚ ዝኣመሰለ መጠነ⁠-​ሰፊሕ ዕንወት በይንና ኽንፈትሖ ኣይንኽእልን ኢና።” ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣፍሪቃ ረዲኤት ንምሃብ ዝግበር ጻዕሪ “እቲ ቁሩብ ተስፋ ዘለዎ ነገራት እውን ከይተረፈ ከምቲ ጭልምልም ዝብል ሽምዓ ኢዩ” በለ። እዚ ርእይቶ እዚ ነቲ ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ዅነታት እውን ዝገልጾ ምዃኑ ብዙሓት ይሰማምዕሉ ኢዮም።

ነታ ተስፋ እተገብረላ ‘ኣብ ውሽጢ ሓደ ወለዶ እትፍጠር ሓዳስ ዓለም’ ኣብ ክዉንነት ተመርኲስና ኽንጽበያ ንኽእል ዲና፧ እዚ ኣብዚ ግዜና ገበርቲ ሰናይ ዘርእይዎ ጻዕርታት ዝነኣድ እኳ እንተዀነ: ሓንቲ ቕንዕናን ሰላምን ዝመልኣ ሓዳስ ዓለም ካብ ካልእ ምንጪ ኽንጽበ ምኽንያታዊ ኢዩ። እዛ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ ከም እተርእየና መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ምንጪ እዚ ሓበሬታ ይህበና ኢዩ።

[ኣብ ገጽ 2 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Page 3, children: UN/DPI Photo by James Bu