ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ ፍሉይ ውርሻ በረኸት ምርካብ

ናይ ፍሉይ ውርሻ በረኸት ምርካብ

ታሪኽ ህይወት

ናይ ፍሉይ ውርሻ በረኸት ምርካብ

ካሮል ኣለን ዘዘንተወቶ

ነታ ጽብቕቲ ሓዳስ መጽሓፈይ ሒዘያ ነበርኩ። ስለ ዝፈራህኩ ክበኪ ጀመርኩ። ከመይሲ: ጓል ሸውዓተ ዓመት ኢየ ነይረ: ኣብ ዘይፈልጣ ከተማ ድማ ጠፊአ ነበርኩ። ኣብ መንጎ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ኢየ ነይረ!

 እዚ ካብ ዝኸውን ዳርጋ ድሕሪ 60 ዓመታት ኣቢሉ: ኣብዚ ቐረባ እዋን ምስ በዓል ቤተይ ፖል ናብቲ ኣብ ፓተርሰን: ኒው ዮርክ ዝርከብ ምልኩዕ ትምህርታዊ ማእከል ግምቢ ዘብዐኛ ምስ ከድና እዚ ናይ ቍልዕነተይ ህያው ተዘክሮታት ኣብ ኣእምሮይ መጸኒ። በዓል ቤተይ ኣብ መበል ካልኣይ ክፍሊ ቤት ትምህርቲ ገየሽቲ ተዓዘብቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኽካፈል ተጸዊዑ ነበረ።

ኣብቲ ብርሃን ጸሓይ ዝኣትዎ ኮሪድዮ ሓደ “ዓበይቲ ኣኼባታት” ዝብል ጽሑፍ ዘለዎ ብዙሕ ስእልታት ረኣኹ። ኣብ ማእከል እቲ ስእልታት: ገለ ቘልዑ ነታ ናይ ቍልዕነተይ መጽሓፍ ተሓጒሶም እናወዛወዙ ከለዉ ዘርኢ ጻዕዳን ጸሊምን ስእሊ ኣሎ! ነቲ ብዛዕባ እታ ስእሊ ዝገልጽ ጽሑፍ ብቕልጡፍ ኣንበብክዎ:- “1941 ኣብ ሰይንት ሉዊስ: ሚዙሪ እቲ ናይ ቅድሚ ቐትሪ ፕሮግራም ክኽፈት ከሎ: ካብ 5 ክሳዕ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም 15,000 ቈልዑ ኣብ ቅድሚ እቲ መድረኽ ኣብ ዝርከብ ኮፍ መበሊ ተኣኪቦም ነበሩ። . . . ሓው ራዘርፎርድ እታ ቈልዑ ዘርእስታ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ከም ዝወጸት ምልክታ ነገረ።”

ንነፍሲ ወከፍ ቈልዓ ናይ ብሕቱ ቕዳሕ ተዋህቦ። ድሕርዚ እቶም ቈልዑ ናብቲ ወለዶም ኮፍ ኢሎምሉ ዝነበሩ ቦታ ተመልሱ: ኣነ ግን በይነይ ተረፍኩ። ምስ ወለደይ ተጣፋእና! ሓደ ምቕሉል ሰብኣይ ሓፍ ኣቢሉ ኣብ ሓደ ውጽኢት ገንዘብ ዝግበረሉ ነዊሕ ሳጹን ደው ኣበለኒ እሞ ዝፈልጦ ሰብ ክደሊ ነገረኒ። ካብቶም በቲ ገፊሕ መደያይቦ ዝወርዱ ዝነበሩ ብዙሓት ሰባት ዝፈልጦ ሰብ እናተጨነቕኩ ከናዲ ጀመርኩ። ብሃንደበት: ዝፈልጦ ሰብ ረኣኹ! “ሓወቦይ ቦብ! ሓወቦይ ቦብ!” ኢለ ተዳሃኹ። ካብ ምጥፋእ ደሓንኩ! ቦብ ረይነር ናብቲ ወለደይ ተጨኒቖም ዝጽበዩኒ ዝነበሩ ቦታ ሓቚፉ ወሰደኒ።

ንህይወተይ ዝቐረጻ ቀዳሞት ፍጻመታት

ነቲ ስእልታት እናረኣኹ ከሎኹ ንህይወተይ ዝቐረጸን ናብቲ ኣብ ፓተርሰን ዝርከብ ተፈታዊ ህንጻ ንኽንከይድ ዘኽኣለናን ብዙሕ ተዘክሮታት መጸኒ። ብሓሳበይ ናብቲ ቅድሚ ሚእቲ ዓመታት እተፈጸመ እሞ ብፍላይ ድማ ናብቲ ካብ ኣባሓጎታተይን እኖሓጎታተይን ወለደይን ዝሰማዕክዎ ነገራት ተመለስኩ።

ኣብ ታሕሳስ 1894 ሓደ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ናይቶም ሽዑ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ሕጂ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተባሂሎም ዝፍለጡ: ነቲ ክለይተን ጀይ. ዉድዎርዝ ዝበሃል ኣባሓጎይ ኣብታ ኣብ ስክራንተን: ፐንሲልቫንያ: ሕ.መ.ኣ. ዝነበረት ቤቱ በጽሖ። ኣብቲ እዋን እቲ ክለይተን መርዓዊ ኢዩ ነይሩ። ንፕረዚደንት ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ዝነበረ ቻርለስ ቴዝ ራስል ደብዳበ ጸሓፈሉ እሞ: እታ ደብዳበ ድማ ኣብ ናይ 15 ሰነ 1895 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ተሓቲማ ወጸት። ከምዚ ኸኣ ትብል ነበረት:-

“ንዓሰርተ ዓመታት ኣቢሉ ዝኸውን ንስሙ ቤተ⁠-​ክርስትያን ናይ ዝበሃል ኣባላት ኴንና ዝጸናሕና መንእሰያት ሰብኣይን ሰበይትን ኢና፣ ሕጂ ግን ካብቲ ኣጐልቢብዋ ዘሎ ጸልማት ናብቲ ኣብዚ እዋን እዚ ነቶም ውፉያት ውሉድ እቲ ልዑል ዝወጽኣሎም ዘሎ ብርሃን ንኣቱ ከም ዘሎና ኢና እንኣምን። . . . ካብቲ ክልቴና እተራኸብናሉ ነዊሕ እዋን ኣቐዲምና ንጐይታ ንምግልጋል ልባዊ ባህጊ ነበረና: ፍቓዱ እንተ ዀይኑ እውን ሚስዮናውያን ኴንና ኣብ ወጻኢ ሃገር ከነገልግል ንደሊ ኢና።”

ድሕሪ ገለ እዋን ብ1903 ወለዳ ንዓባየይ ዝነበሩ ሰባስቺያን ክረዝጊን ካተሪን ክረዝጊን ነቶም ናብቲ ኣብ ጎቦታት ፖኮኖ: ፐንሲልቫንያ ዝርከብ ዓቢ ሕርሻ ዝነበሮ መንበሪኦም መጺኦም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መልእኽቲ ዝነገርዎም ክልተ ወኪላት ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ተሓጒሶም ሰምዕዎም። እተን ኮራን ሜሪን ዝበሃላ ደቆም እውን ምስ ዋሽንግተን ሆወልን ኤድመንት ሆወልን ዝበሃሉ ሰብኡተን ኣብቲ ሕርሻ ይነብራ ነበራ። እቶም ካርል ሃመረሊ ከምኡውን ረይ ራትክሊፍ ዝበሃሉ ወኪላት ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ብዙሕ ነገራት እናመሃርዎም ምሳታቶም ሰሙን ምሉእ ጸንሑ። እዞም ሽዱሽተ ኣባላት ስድራ​ቤት ነቲ መልእኽቲ ሰምዑ: መጽናዕቲ ገበሩ: ከምኡውን ነዊሕ ከይጸንሑ ቀናኣት ኣባላት ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኰኑ።

ኣብታ ዓመት እቲኣ ማለት ብ1903 ኮራ ሆወልን ዋሽንግተን ሆወልን ካተሪን ተባሂላ እተሰምየት ጓል ወለዱ። ንሳ ዳሕራይ ነቲ ክለይተን ጀይ. ዉድዎርዝ ጁንየር ዝበሃል ኣቦይ ብኸመይ ከም እተመርዓወቶ ዘዘንቱ ታሪኽ መሳጥን ትርጕም ዘለዎን ኢዩ ኢለ ኢየ ዝኣምን። እዚ ድማ ነቲ ክለይተን ጀይ. ዉድዎርዝ ሲንየር ዝበሃል ኣባሓጎይ ዘርኣዮ ፍቕራዊ ምስትውዓልን ናይ ወላዲ ሓልዮትን ዘንጸባርቕ ኢዩ።

ኣቦይ ፍቕራዊ ሓገዝ ይረክብ

እቲ ክለይተን ጁንየር ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣቦይ ብ1906 ኣብታ ካብ ሕርሻ እንዳ ሆወል ዳርጋ 80 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ከተማ ስክራንተን ተወልደ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣባሓጎይ ዉድዎ⁠ርዝ ምስታ ብዙሓት ኣባላት ዝነበሩዋ ስድ​ራቤት ሆወል ኣጸቢቑ ይፋለጥ ነበረ: ከምቲ ዝናኦም ድማ ጽቡቕ ኣቀባብላ ይገብሩሉ ነበሩ። ኣባሓጎይ ኣብቲ ከባቢ ንዝነበረት ናይ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ ብዙሕ ይሕግዛ ነበረ። ድሕሪ ገለ ግዜ: ኣባሓጎይ ሰለስተ ደቂ ሆወል ክምርዓዉ ከለዉ ንናይ ነፍሲ ወከፎም ስነ⁠-​ስርዓት መርዓ ክመርሕ ተዓደመ፣ ንሱ ድማ ናይ ወዱ መጻኢ ኵነታት ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ነፍሲ ወከፍ መርዓ ንወዱ ክወስዶ ወሰነ።

ኣብቲ ግዜ እቲ ኣቦይ ኣብቲ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ዝፍጽምዎ ዝነበሩ ኣገልግሎት ብንጥፈት ኣይካፈልን ነበረ። ኣባሓጎይ ኣገልግሎቱ ክፍጽም ክኸይድ ከሎ ኣቦይ ብማኪና ይወስዶ ምንባሩ ዘይከሓድ ኢዩ: ይኹን እምበር ካብ ኣባሓጎይ ምትብባዕ ይረክብ እኳ እንተ ነበረ ብንጥፈት ምስ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይሓበረን። ኣብቲ ግዜ እቲ: ኣቦይ ንሙዚቃ ዘለዎ ፍቕሪ ንኻልእ ኵሉ ዓብሊልዎ ነበረ: ሙዚቃ ሞያኡ ንምግባር ድማ ይጽዕር ነበረ።

እታ ጓል ኮራን ዋሽንግተንን ዝዀነት ካተሪን እውን ፒያኖ ትወቅዕን ትምህርን ስለ ዝነበረት ክኢላ ሙዚቀኛ ኰይና ነበረት። እንተ​ዀነ ግን: ከም ሞያ ገይራ ንኽትሕዞ ኣጋጣሚ ምስ ተኸፍተላ: ነዚ ገዲፋ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ተጸምደት። ብናተይ ኣረኣእያ: ኣባሓጎይ ንወዱ ካብዚኣ እትሓይሽ ብጸይቲ ክመርጸሉ ኣይክእልን ኢዩ ነይሩ! ኣቦይ ተጠምቀ እሞ ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ ኣብ ሰነ 1931 ንኣደይ ተመርዓዋ።

ኣባሓጎይ በቲ ወዱ ዝነበሮ ክእለት ሙዚቃ ኵሉ ሳዕ ይዀርዕ ነበረ። ኣቦይ ነቲ ብ1946 ኣብ ክሊቭላንድ: ኦሃዮ እተገብረ ኣህጉራዊ ኣኼባ ንዝነበረ ቀንዲ ጕጅለ ሙዚቃ ከሰልጥን ምስ ተሓተተ: ኣባሓጎይ ብዙሕ ተሓጐሰ። ኣብተን ቀጺለን ዝነበራ ዓመታት: ኣቦይ ኣብ ሓያሎ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝገበርዎ ዓበይቲ ኣኼባታት መራሒ ጕጅለ ሙዚቃ ኰይኑ ኣገልጊሉ ኢዩ።

ኣባሓጎይ ኣብ ፍርዲ ዝቐረበሉን እተኣስረሉን እዋን

ኣነን ፖልን ኣብቲ ኣብ ፓተርሰን ዝርከብ ኮሪድዮ: ካብ መንጎ እቲ ስእልታት ነቲ ኣብ ዝቕጽል ገጽ ዘሎ ስእሊ ረኸብናዮ። ነታ ስእሊ ብኡንብኡ ኣለለኽዋ: ከመይሲ ኣባሓጎይ ልክዕ ከምዛ ስእሊ እዚኣ ቅድሚ 50 ዓመት ሰዲዱለይ ነይሩ ኢዩ። ብየማናይ ጫፍ ደው ኢሉ ዘሎ ንሱ ኢዩ።

ኣብ ከባቢ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ውዕዉዕ ናይ ሓርበኝነት ስምዒት ገኒንሉ ኣብ ዝነበረ እዋን እዞም ሸሞንተ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ​—⁠ነቲ ፕረዚደንት ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ዝነበረ ጆሴፍ ኤፍ. ራዘርፎርድ (ኣብ ማእከል ኮፍ ኢሉ ዘሎ) እውን ሓዊስካ​—⁠ብዘይ​ግቡእ ተኣስሩ: ብዋሕስ ናይ ምፍታሕ መሰሎም ድማ ተሓድጉ። መኽሰሲኦም እቲ ኣብታ ዘ ፊንሽድ ሚስትሪ ዘርእስታ ሻውዐይቲ ጥራዝ ናይተን ስታዲስ ኢን ዘ ስክሪፕቸርስ ዘርእስተን ተኸታተልቲ ጽሑፋት (እንግሊዝኛ) ዝነበረ ሓሳባት ኢዩ። እቲ ሓሳባት ብጌጋ ንሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ንኸይትካፈል ዝዓናቕፍ ገይርካ ተራእየ።

ኣብ ንውሕ ዝበለ ዓመታት ቻርለስ ቴዝ ራስል ነተን ስታዲስ ኢን ዘ ስክሪፕቸርስ ዘርእስተን ሽዱሽተ ናይ መጀመርታ ጥራዛት ጸሓፈ: ነታ ሻውዐይቲ ጥራዝ ቅድሚ ምጽሓፉ ግን ሞተ። ስለዚ እቲ ኣብ መዘኻኸሪታቱ ዝጸሓፎ ንኣባሓጎይን ንኻልእ ተማሃራይ መጽሓፍ ቅዱስን ተዋህበ እሞ: ንሳቶም ድማ ነታ ሻውዐይቲ ጥራዝ ጸሓፍዋ። እታ መጽሓፍ እቲኣ እቲ ውግእ ቅድሚ ምውዳኡ ብ1917 ተሓቲማ ወጸት። ኣብቲ መጋባእያ ኣባሓጎይን መብዛሕትኦም እቶም ምስኡ እተኣስሩ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስን ነፍሲ ወከፎም ኣርባዕተ እተፈላለየ ክሲ ቀረበሎም እሞ: ንነፍሲ ወከፍ ክሲ 20 ዓመት ተፈርዱ፣ እንተ​ዀነ ግን ናይ ነፍሲ ወከፍ ክሲ ፍርዲ ኣብ ሓደ እዋን ክትግበር ተወሰነ።

ኣብቲ ኣብ ፓተርሰን ዝርከብ ኮሪድዮ ዝረኣናዮ ስእሊ: ከምዚ ዝብል መግለጺ ነበሮ:- “ኣብ ልዕሊ ራዘርፎርድን ብጾቱን እቲ ናይ ፍርዲ ውሳነ ምስ ተመሓለለፈ ድሕሪ ትሽዓተ ወርሒ ማለት እቲ ውግእ ምስ ተወድአ: ብ21 መጋቢት 1919 እቲ ይግባይ ዝሰምዐ ቤት ፍርዲ ነቶም ሸሞንተ ተኸሰስቲ ብዋሕስ ክፍትሑ ትእዛዝ ኣመሓላለፈ: ብ26 መጋቢት ድማ ነፍሲ ወከፎም 10,000 ዶላር ዋሕስ ብምትሓዝ ኣብ ብሩክሊን ተፈትሑ። ብ5 ግንቦት 1920 ጄይ. ኤፍ. ራዘርፎርድን ካልኦትን ካብቲ ተኸሲሶምሉ ዝነበሩ ናጻ ዀኑ።”

ኣብ መንጎ እቲ ክእሰሩ ምስ ተፈርዶምን ቀቅድሚ ናብቲ ኣብ ኣትላንታ: ጆርጅያ ዝርከብ ፌደራላዊ ቤት ማእሰርቲ ምኻዶምን ዝነበራ ናይ መጀመርታ ሒደት መዓልትታት: እዞም ሸሞንተ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብቲ ኣብ ብሩክሊን: ኒው ዮርክ ኣብ ጎደና ረይመንድ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ኢዮም ተዳጒኖም ነይሮም። ኣባሓጎይ ኣብቲ ቦታ እቲ ኸሎ: “እዚ ዘይበሃል ርስሓትን ወዘልዘልን” ኣብ ዘለዋ 1.8 ብ2.4 ሜትሮ ዝስፍሓታ ክፍሊ ምድጓን ማለት ከመይ ምዃኑ ጸሓፈ። ከምዚ ብምባል ከኣ ገለጸ:- “ጋዜጣታት ተኾሚሩ ኢዩ ዝጸንሓካ: ኣብ መጀመርታ እዚ ጋዜጣታት ዋጋ ዘይብሉ ኰይኑ ይስምዓካ ይኸውን ኢዩ: ጽሬትካን ክብረትካን ምሕላው ኣብዚ ወረቓቕትን ኣብ ሳምናን መሕጸቢ ጨርቅን ጥራይ ዝምርኰስ ምዃኑ ንምስትውዓል ግዜ ኣይወስደልካን ኢዩ።”

እንተ​ዀነ ግን: ኣባሓጎይ ዋዛ ኣይገደፈን። ነቲ ቤት ማእሰርቲ “ኦቴል ደ ሬሞንዲ” ኢሉ ብምጽዋዕ “እቲ ነዚ ዘትሓዝክዎ ገንዘብ ምስ ተወድአ ካብዚ ቦታ ክለቅቕ ኢየ” ኢሉ ተዋዘየ። ነቲ ኣብ ቀጽሪ ቤት ማእሰርቲ ብእግሮም ዝዛወሩሉ ዝነበሩ ግዜ እውን ገሊጽዎ ኣሎ። ሓደ እዋን ደው ኢሉ ጸጕሩ ክምሸጥ ከሎ ሓደ ሰራቒ ነታ ናይ ጁባ ሰዓቱ መንዚዑ ክወስዳ ፈተነ: ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ ነገር ኣባሓጎይ “ነታ ሰዓት ኣድሓንኩዋ ሰንሰለታ ግን ተበትከ” ኢሉ ጸሓፈ። ብ1958 ነቲ ኣብ ብሩክሊን ዝርከብ ቤትኤል እናበጻሕኩ ከለኹ እቲ ሽዑ ጸሓፊ ንብረት ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ዝነበረ ግራንት ሱይተር ናብ ቤት ጽሕፈቱ ጸዊዑ ነታ ሰዓት ሃበኒ። ክሳዕ ሕጂ ኸኣ ዓቂበያ ኣለኹ።

ኣብ ኣቦይ ዝነበሮ ጽልዋ

ብ1918 ኣባሓጎይ ብዘይ​ግቡእ ክእሰር ከሎ: ኣቦይ ወዲ 12 ዓመት ነበረ። ዓባየይ ነታ ቤቶም ዓጽያ ንኣቦይ ሒዛቶ ምስ ኣዲኣን ሰለስተ ኣሓታን ክትቅመጥ ከደት። ዓባየይ ቅድሚ ምምርዓዋ ኣርተር ብዝብል ናይ ስድራ​ቤት ስም ትጽዋዕ ነበረት: እቶም ስድራ​ቤት ድማ ሓደ ካብ ዘመዶም ዝዀነ ቸስተር ኣላን ኣርተር መበል 21 ፕረዚደንት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ከም ዝነበረ ብሓበን ኢዮም ዝዛረቡሉ።

ኣባሓጎይ ዉድዎርዝ ኣብ ልዕሊ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ፈጺምዎ ብእተባህለ ገበን መርትዖ ከይተረኽቦ ንነዊሕ እዋን ክእሰር ምስ ተፈርዶ: ስድራ​ቤት ኣርተር ንስሞም ዘሕሰረ ኰይኑ ተሰሚዕዎም ኢዩ። እዚ ንኣቦይ ስምዒታዊ ስቓይ ኣሕዲርሉ ነበረ። ኣብ መጀመርታ ህዝባዊ ምስክርነት ንምሃብ እተወላወለ በዚ ምኽንያት እዚ ከይኰነ ኣይተርፍን ኢዩ።

ኣባሓጎይ ምስ ተፈትሐ ስድራ​ቤቱ ሒዙ ናብቲ ኣብ ስክራንተን ኣብ ጐደና ክዊንዚ እትርከብ ብስቱኮ እተሰርሐት ዓባይ ቤት ገዓዘ። ሽዑ ቈልዓ እኳ እንተ ነበርኩ ነቲ ቤትን ነቲ ናይ ዓባየይ ጽቡቕ ስርሓት ካይላን ኣጸቢቐ እዝክሮ ኢየ። ነቲ ስርሓት ካይላ ባዕላ እንተ ዘይኰይና ካልእ ክሓጽቦ ኣይፍቀድን ስለ ዝነበረ: ቅዱስ ብያቲ ኢልና ንጽውዖ ነበርና። ብ1943 ዓባየይ ምስ ሞተት ኣደይ ነዚ ጽቡቕ ብያትታት ብዙሕ ግዜ ተአንግደሉን ትጥቀመሉን ነበረት።

ኣብ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ ትሑዝ ምዃን

ካልእ መዓልቲ ኣብ ቀጽሪ ፓተርሰን ከለኹ ሓው ራዘርፎርድ ብ1919 ኣብቲ ኣብ ሰዳር ፖይንት: ኦሃዮ: እተገብረ ዓቢ ኣኼባ ዝርርብ እናሃበ እተሳእሎ ስእሊ ረአኹ። ሽዑ ንዅሎም ተኣከብቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምእዋጅ ክካፈሉ ከምኡውን ነቲ ኣብቲ ዓቢ ኣኼባ ዝወጸ ዘ ጎልደን ኤጅ ዝበሃል ሓድሽ መጽሔት ክጥቀሙ ተማሕጸነ። ኣባሓጎይ ኣሰናዳኢ ናይቲ መጽሔት ኰይኑ ተመዚዙ ነበረ: ክሳዕ 1940ታት ማለት ክሳዕ ከባቢ ዕለተ ሞቱ ኸኣ ኣብቲ መጽሔት ዝወጽእ ዓንቀጻት ጽሒፉ ኢዩ። ብ1937 ስም ናይቲ መጽሔት ናብ ኮንሰሌሽን: ብ1946 ድማ ናብ ንቕሑ! ተቐየረ።

ኣባሓጎይ ክልተ ሰሙን ኣብታ ኣብ ስክራንተን ዝነበረት ቤቱ ኰይኑ: ክልተ ሰሙን ድማ ኣብቲ ካብ ቤቱ 240 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ዝርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ እናኸደ ኢዩ ዝጽሕፍ ነይሩ። ኣቦይ መብዛሕትኡ ግዜ ሰዓት ሓሙሽተ ናይ ንግሆ ኣቦሓጎይ ነታ ናይ ጽሕፈት ማኪና ክጥቀመላ ኸሎ ይሰምዖ ከም ዝነበረ ተዘክሮታቱ ይገልጽ። ገና ግን ኣባሓጎይ ነቲ ኣብ ህዝባዊ ስብከት ናይ ምክፋል ሓላፍነት ኣርዚኑ ኢዩ ዝርእዮ ነይሩ። አረ: ንናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት መትሓዚ ዝኸውን ብውሽጡ ገፊሕ ጁባታት ዘለዎ ቅዲ ጅለ ሰብኣይ እውን ኣውጺኡ ኢዩ። እታ ጓል 94 ዓመት ዝዀነት ናኦሚ ሆወል እትበሃል ሰይቲ ኣኮይ ሓደ ካብዚ ጅለ ኣለዋ። ንኣንስቲ ዝኸውን ናይ መጽሓፍ መትሓዚ ቦርሳ ቅዲ እውን ኣውጺኡ ኢዩ።

ሓደ እዋን ኣባሓጎይን መገላግልቱን ምስ ካልእ ሰብ ጽቡቕ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምይይጥ ድሕሪ ምግባሮም: እቲ መገላግልቲ ኣባሓጎይ “ሲ. ጀይ. ሓንቲ ጌጋ ገይርካ ኣሎኻ” በሎ።

ኣባሓጎይ ድማ “እንታይ ጌጋኡ፧” ኢሉ ሓተተ። ናብቲ ተኸዲንዎ ዝነበረ ጅለ ረኣየ። ኣብ ክልቲኡ ጁባታቱ ምንም ኣይነበሮን።

እቲ መገላግልቱ ኸኣ “ናይ ዘ ጎልደን ኤጅ ኵንትራት ክኣቱ ኣይዓደምካዮን” በሎ። ኣሰናዳኢ ንመጽሔቱ ምብርካት ብምርስዑ ንኽልቲኦም ኣስሓቖም።

ተዘክሮታት ቍልዕነት

ቈልዓ ከለኹ ኣብ ሕቝፊ ኣባሓጎይ ኮፍ ኢለ: ነታ ንእሽቶ ኢደይ ኣብ ኢዱ ገይረ ብዛዕባ “ናይ ኣጻብዕቲ ጽውጽዋይ” ክነግረኒ ኸሎ ትዝ ይብለኒ። ካብ “ቶሚ ዓባይ ዓባይቶ” ጀሚሩ ናብ “ፒተር ኣመልካቲቶ” ብምሕላፍ ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍ ኣጻብዕቲ ፍሉይ ነገር ኣዘንተወለይ። ድሕርዚ ቀስ ኢሉ ንዅለን ኣጻብዕተይ ከም ዝዓምኰን ይገብር እሞ “ብሓባር ክዀና ኸለዋ ነፍሲ ወከፈን ኣብ ንሓድሕደን ስለ ዝተሓጋገዛ ብሉጽ ዕዮ ኢየን ዝዓያ” ዝብል ስርዓት ነገረኒ።

ወለደይ ምስ ተመራዓዉ ናብ ክሊቭላንድ: ኦሃዮ ገዓዙ: ምስ ኢድ ሁፐርን ሜሪ ሁፐርን ናይ ማሕርሮ ፈተውቲ ኰኑ። ስድራ​ቤት እንዳ ሁፐር ካብ መጀመርታ ናይዚ ዝሓለፈ ዘመን ኣትሒዞም ኢዮም ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኰይኖም። ወለደይን እንዳ ኣያ ኢድን ኣብሻ ሜሪን ኣይፈላለዩን ነበሩ። ስድራ​ቤት ሁፐር እታ ሓንቲ ጓሎም ንእሽቶ ከላ ሞተቶም: ስለዚ ብ1934 ምስ ተወለድኩ ፍልይቲ “ጓሎም” ኰንኩዎም። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ መንፈሳዊ ብልጽግና ዘለዎ ሃዋሁ ብምዕባየይ: ሸሞንተ ዓመት ቅድሚ ምምልአይ ህይወተይ ንኣምላኽ ወፍየ ተጠመቕኩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ ክፍሊ ንእስነተይ ኢዩ ነይሩ። እቲ ኣብ ኢሳይያስ 11:⁠6-9 ዝርከብ ኣብታ ኣምላኽ ዘዳለዋ ሓዳስ ዓለም ዝህሉ ዓይነት ህይወት ዝገልጽ ሓሳብ ሓደ ካብቲ ኣዝየ ዝፈትዎ ጥቕስታት ኢዩ። ብ1944 ናይ ብሕተይ ቅዳሕ ናይቲ ኣመሪካን ስታንዳርድ ቨርሽን (እንግሊዝኛ) ምስ ተዋህበኒ ንመጀመርታ ግዜ ንመጽሓፍ ቅዱስ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ንኸንብቦ ጸዓርኩ፣ እዚ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ብመልክዕ ፍሉይ ሕታም ኣብቲ ኣብ ቡፋሎ: ኒው ዮርክ እተገብረ ዓቢ ኣኼባ ዝወጸ ኢዩ። ነቲ የሆዋ ዝብል ስም ኣምላኽ ኣብ “ብሉይ ኪዳን” ዳርጋ 7,000 ግዜ ብምጥቃስ ናብቲ ግቡእ ቦታኡ ዝመለሰ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ብምንባበይስ ክንደይ ኰን ኢየ ተሓጒሰ!

ቀዳመ⁠-​ሰናብቲ ባህ ዘብል ግዜ ዘሕልፈሉ ዝነበርኩ እዋን ኢዩ። ወለደይን ስድራ​ቤት ሁፐርን ናብ ገጠር ክምስክሩ ክኸዱ ከለዉ ይማልኡኒ ነበሩ። ምሳሕና ቋጺርና ንኸይድ እሞ ኣብ ጥቓ ፈለግ ኮፍ ኢልና ንምሳሕ ነበርና። ድሕርዚ ናብ ሓደ ናይ ሕርሻ ቦታ ንኸይድ እሞ ንዅሎም እቶም ጐረባብቲ ዓዲምና ኣብ ደገ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርርብ ንህቦም። ናብራ ቀሊል ኢዩ ነይሩ። ከም ስድራ​ቤት መጠን ሕጉሳት ነበርና። መብዛሕትኦም እቶም ቀደም ፈተውትና ዝነበሩ ደሓር ገየሽቲ ተዓዘብቲ ኰይኖም ኢዮም: ካብዚኣቶም ኢድ ሁፐር ከምኡውን ቦብ ረይነርን ክልተ ደቁን ይርከብዎም። ሪቻርድ ረይነር ምስ ሊንዳ ሰበይቱ ክሳዕ ሕጂ ገያሺ ተዓዛቢ ኰይኑ የገልግል ኣሎ።

እዋን ሓጋይ ብፍላይ ዘሐጕስ ኢዩ ነይሩ። ምስ ጓል ሓትኖይን ጓል ኣኮይን ኣብ ሕርሻ እንዳ ሆወል አሕልፎ ነበርኩ። ብ1949 ግሬስ ጓል ሓትኖይ ንማልኮም ኣለን ተመርዓወቶ። ዓመታት ጸኒሐ ንሓዉ ክምርዓዎ ምዃነይ ኣይፈልጥን ኢየ ነይረ። እታ ካብ ግሬስ እትንእስ ማሪዮን ጓል ኣኮይ ኣብ ኡራጓይ ሚስዮናዊት ኰይና ተገልግል ነበረት። ብ1966 ንሃዋርድ ሂልቦርን ተመርዓወቶ። ክልቲአን እዘን ኣዝማደይ ምስ ሰብኡተን ኣብቲ ኣብ ብሩክሊን ዝርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ንነዊሕ ዓመታት ኣገልጊለን ኢየን።

ኣባሓጎይን ምረቓይን

ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ኣብ ዝነበርኩሉ ግዜ ምስ ኣባሓጎይ ብተደጋጋሚ ንጸሓሓፍ ነበርና። ኣብቲ ደብዳበታቱ ናይ ስድራ​ቤትና ታሪኽ የዘንትወለይ: ብድሕሪቱ ሰፊሕ መሐበሪታት እተጻሕፎ ናይ ቀደም ናይ ስድራ​ቤት ስእልታት ከኣ ይሰደለይ ነበረ። ንሱን ምስኡ ብዘይ​ግቡእ እተኣስሩ ካልኦትን ዘለዉዋ ስእሊ እውን በዚ ኸምዚ ኢየ ረኺበያ።

ኣብ መወዳእታ 1951 ብሕማም ካንሰር ሳጹን ድምጹ ተበላሸወ። ምስትውዓሉ ገና ምሉእ ኢዩ ነይሩ: እንተ​ዀነ ግን ነዚ ንምግላጽ ቃላቱ ኣብታ ካብኡ ዘይፈልያ ዝነበረ ንእሽቶ ደብተር ክጽሕፍ ነበሮ። ኣብ ጥሪ 1952 ኣብ ፍርቂ ናይ ኣካዳሚያዊ ዓመት: ክፍልና ካብ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ክትምረቕ መደብ ተገብረ። ኣብ መጀመርታ ታሕሳስ: እተዋጽአ ጽሑፍ ናይቲ ኣብ መዓልቲ ምረቓ ዘቕርቦ ዝርርብ ንኣባሓጎይ ለኣኽኩሉ። ገለ መአረምታታት ገበረለይ እሞ ኣብ መወዳእታ ገጽ “ኣባሓጎኺ ተሓጒሱ” ዝብላ ክልተ ንልበይ ዝተንከፋ ቃላት ጸሓፈ። ወዲ 81 ዓመት ምስ ኰነ: ብ18 ታሕሳስ 1951 ምድራዊ ህይወቱ ወድአ። a ነታ ኣብ መወዳእታ ገጻ ነተን ክልተ ቃላት ዝሓዘት ኣብ እዋን ምረቓይ ብዝርርብ ዘቕረብክዋ ዝፈሰመት ጽሕፍቲ ክሳዕ ሕጂ ዓቂበያ ኣለኹ።

ደድሕሪ ምረቓይ ኣብቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ኢሎም ዝጽውዕዎ ናይ ምሉእ ግዜ ዕዮ ስብከት ተጸመድኩ። ብ1958 ኣብቲ ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ እተገብረ ውሩይ ዓቢ ኣኼባ ተኻፈልኩ: ኣብቲ ግዜ እቲ ካብ 123 ሃገራት ዝመጹ 253,922 ዝለዓለ ቍጽሪ ተኣከብቲ ዝነበሮም ሰባት ንያንኪ ስታድዩምን ፖሎ ግራውንድስን መሊኦምዎ ነበሩ። ኣብኡ ሓደ “ዉድዎርዝ ሚልስ” ዝብል ባጅ ካርድ ዝገበረ ካብ ኣፍሪቃ ዝመጸ ሰብ ረኸብኩ። እዚ ሰብ እዚ ቅድሚ 30 ዓመት ኣቢሉ ምስ ተወልደ ብስም ኣባሓጎይ ኢዩ ተሰምዩ!

ነዚ ውርሻ ብምርካበይ እሕጐስ

ጓል 14 ዓመት ከለኹ ኣደይ እንደገና ፓይነር ኰይና ከተገልግል ጀመረት። ክሳዕ እቲ ድሕሪኡ ኣርብዓ ዓመት ጸኒሓ ብ1988 ዝሞተትሉ እዋን ከኣ ገና ፓይነር ኢያ ነይራ! ኣቦይ ኵነታቱ ክፈቕደሉ ኸሎ ኣብ ዕዮ ፓይነር ይጽመድ ነበረ። ትሽዓተ ወርሒ ቅድሚ ኣደይ ሙማታ ኸኣ ሞተ። እቶም ጽንዓት ዝመራሕናሎም ሰባት ኣብ ምሉእ ህይወትና እንቐርቦም ፈተውትና ኰኑ። ገለ ካብ ደቆም ኣብቲ ኣብ ብሩክሊን ዝርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት: ገሊኦም ድማ ፓይነራት ኰይኖም ኣገልጊሎም ኢዮም።

ንዓይ 1959 ኣዝያ ፍልይቲ ዓመት ነበረት። ኣብዛ ዓመት እዚኣ ኢየ ምስ ፖል ኣለን እተፋለጥኩ። ብ1946 ካብ መበል ሻውዐይቲ ክፍሊ ናይቲ ጊልዓድ ዝበሃል ሚስዮናውያን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝስልጥኑሉ ቤት ትምህርቲ ካብ ዝምረቕ ኣትሒዙ ገያሺ ተዓዛቢ ኰይኑ ተመዘዘ። ኣብ እተራኸብናሉ እዋን: ፖል ቀጺሉ ኣብታ ኣነ ፓይነር ኰይነ ዘገልግለላ ክሊቭላንድ: ኦሃዮ ከም ዝምደብ ክልቴና ኣይንፈልጥን ነበርና። ኣቦይን ኣደይን ይፈትዉዎ ነበሩ። ኣብ ሓምለ 1963 ስድራ​ቤትና ኣብ እተረኽቡሉ ኣብ ሕርሻ እንዳ ሆወል ተመርዓና: ኢድ ሁፐር ድማ ናይ መርዓ ዝርርብ ሃበ። ዝምነዮ ዝነበርኩ ረኸብኩ።

ፖል ማኪና ኣይነበሮን። ናብቲ ቀጺሉ እተመደበሉ ክሊቭላንድ ክንከይድ ከሎና ኵሉ ንብረትና ኣብታ ናይ 1961 ሞዴል ቮልክስዋገን ማኪናይ ጸዓንናዮ። መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰኑይ ካብ ሓደ ጉባኤ ናብ ካልእ ጉባኤ ክንግዕዝ ከሎና ፈተውትና መጺኦም ኣቝሕትና ክንጽዕን ከሎና ይዕዘቡና ነበሩ። ባልጃታት: ቦርሳታት: ናይ ፋይል ሳጹን: ናይ ጽሕፈት ማኪና: ከምኡውን ካልእ ነገራት ኣብዛ ንእሽቶ ማኪና ጥርንፍንፍ ክብል ከሎ ምርኣይ ከም ናይ ሰርከስ ምርኢት ኢዩ ነይሩ።

ኣነን ፖልን በቲ ኣብ ህይወትና ዘጋጥመና ዝነበረ ጽቡቕ እዋናት እናተሓጐስና: ነቲ ሕማቕ እዋናት ድማ በቲ የሆዋ ጥራይ ክህበና ዝኽእል ብርታዐ እናተጸመምና: ኣዝዩ ብዙሕ ኪሎ ሜተራት ተጓዒዝና ኢና። እቲ ዘሕለፍናዮ ዓመታት ንየሆዋ: ኣብ ንሓድሕድና: ከምኡውን ንናይ ቀደምን ሓደስትን ፈተውትና ብዘሎና ፍቕሪ እተመልአ ስለ ዝነበረ ዘሐጕስ ኢዩ ነይሩ። ፖል ስልጠና እናረኸበ ኸሎ ኣብ ፓተርሰን ዘሕለፍናየን ክልተ ኣዋርሕ ኣብ ህይወትና ጕሉሕ ቦታ ዝሓዛ ኢየን። ንምድራዊት ማሕበር የሆዋ ቀሪበ ምዕዛበይ ነቲ ከም ክፍሊ ክቡር መንፈሳዊ ውርሻይ እተመሓላለፈለይ እምነት እንደገና የደልድለለይ ኢዩ:- እዚኣ ብርግጽ ማሕበር ኣምላኽ ኢያ። ኣብዛ ማሕበር እዚኣ ዋላ እውን ንእሽቶ ክፍሊ ክህልወካስ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ዘሐጕስ ኰን ኢዩ!

[እግረ-ጽሑፍ]

a ናይ 15 ለካቲት 1952 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 128 ርአ።

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ቀቅድሚ እቲ ብ1941 ናይ ብሕተይ ቅዳሕ መጽሓፍ “ቈልዑ” እተቐበልኩሉ ኣብ ሰይንት ሉዊስ እተገብረ ዓቢ ኣኼባ ምስ ኢድ ሁፐር ከለኹ

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ኣባሓጎይ ብ1948

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ወለደይ (ተኸቢብሎም ዘሎ ) ኣብ ሕርሻ እንዳ ሆወል ክምርዓዉ ኸለዉ

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]

እቶም ብ1918 ብዘይ​ግቡእ እተኣስሩ ሸሞንተ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ (ኣባሓጎይ ብየማናይ ጫፍ ደው ኢሉ ዘሎ)

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

ኵሉ እቲ ኣቝሑትና ኣብታ ቮልክስዋገን ይኣቱ ነበረ

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

ምስ በዓል ቤተይ ፖል