ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሆዋ ኣይክድንጕን ኢዩ

የሆዋ ኣይክድንጕን ኢዩ

የሆዋ ኣይክድንጕን ኢዩ

“[እቲ ራእይ ] ብርግጽ ኪመጽእ ኣይኪድንጕን ድማ እዩ እሞ: እንተ ደንጐየ እኳ ተጸበዮ። ”​ኣንባቆም 2:⁠3

1. ህዝቢ የሆዋ እንታይ ቈራጽነት ኢዮም ከርእዩ ዝጸንሑ: እዚኸ እንታይ ንኽገብሩ ኢዩ ደሪኽዎም፧

 “ኣብቲ መሓለውየይ ደው ክብል . . . እየ።” እዚ እቲ ነብዪ ኣምላኽ ዝነበረ ኣንባቆም ዝገበሮ ቘራጽነት ኢዩ። (ኣንባቆም 2:⁠1) ናይ መበል 20 ኽፍለ⁠-​ዘበን ህዝቢ የሆዋ እውን ከምኡ ዝኣመሰለ ቈራጽነት ከርእዩ ጸኒሖም ኣለዉ። ስለዚ ድማ ኢዮም ነቲ ኣብ መስከረም 1922 ኣብ እተገብረ ታሪኻዊ ዓቢ ኣኼባ ዝቐረበ ከምዚ ዝስዕብ ዝብል ጻውዒት ቅንኢ ዝመልኦ መልሰ⁠-​ግብሪ ዘርኣዪሉ:- “እዛ መዓልቲ እዚኣ ካብ ኵለን መዓልትታት ጸብለል ዝበለት መዓልቲ ኢያ። ርኣዩ እቲ ንጉስ ይገዝእ ኣሎ! ንስኻትኩም ድማ ብዛዕብኡ እትነግሩ ልኡኻት ኢኹም። ሃየ እምበኣር ብዛዕባ እቲ ንጉስን መንግስቱን ኣውጁ: ኣውጁ: ኣውጁ።”

2. ቅቡኣት ክርስትያናት ደድሕሪ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ብንጥፈት ንኽዓዩ ምስ ተነቓነቑ እንታይ ኢዮም ክእውጁ ዝኸኣሉ፧

2 የሆዋ ደድሕሪ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ንእሙናት ቅቡኣት ተረፍ ብንጥፈት ንኽዓዩ እንደገና ኣነቓኒቕዎም ኢዩ። ሽዑ ኸኣ ኢዮም ነፍሲ ወከፎም ልክዕ ከም ኣንባቆም ነተን ‘እንታይ ከም ዝዛረበኒ ተጠንቂቐ ኽርእስ ኣብ ልዕሊ ግምቢ ክቐውም ኢየ’ ኢሎም ክእውጁ ዝኸኣሉ። እተን “ምጥንቃቕ” ከምኡውን “ምሕላው” ዝትርጐማ ናይ እብራይስጢ ቃላት ኣብ ብዙሕ ትንቢታት ኢየን ተደጋጊመን ዘለዋ።

‘ኣይክድንጕን ኢዩ’

3. ስለምንታይ ኢና ክንነቅሕ ዝግብኣና፧

3 ሎሚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጠንቀቕታ ከስምዑ ኸለዉ: ነተን የሱስ ብዛዕባ እታ መዓልትን እታ ሰዓትን ንእተዛረቦ ዓብዪ ትንቢት ዝደምደመለን ቃላት ወትሩ ከቕልቡለን ይግብኦም። ከምዚ ይብላ:- “እቲ ብዓል ቤት መኣዝ ከም ዚመጽእ: ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ: ወይ ምሸት: ወይ ፍርቂ ለይቲ: ወይ ደርሆ ነቆ: ወይ ከኣ ንግሆ: ብድንገት መጺኡ ደቂስኩም ከይረኽበኩምሲ: ስለዚ ንቕሑ። እዚ ንኣኻትኩም ዝብለኩም ዘሎኹ: ንዅሉ እብሎ አሎኹ፤ ንቕሑ።” (ማርቆስ 13:⁠35-37) ምስ ቃላት የሱስ ብምስምማዕ ልክዕ ከም ኣንባቆም ክንነቅሕ ይግብኣና!

4. ኵነታትና ምስቲ ብ628 ቅ.ኣ.ዘ. ዝነበረ ኵነታት ኣንባቆም ዝመሳሰል ከመይ ኢሉ ኢዩ፧

4 ኣንባቆም ንመጽሓፉ ብ628 ቅ.ኣ.ዘ. ዝጸሓፋ ኢዩ ዝመስል: እዚ ኸኣ ባቢሎን ዓብላሊት ሓይሊ ዓለም ቀቅድሚ ምዃና ኢዩ። እቲ ኣብ ልዕሊ እታ ከሓዲት የሩሳሌም ክወርድ ዝነበሮ ፍርዲ የሆዋ ንነዊሕ ዓመታት ኢዩ ተነጊሩ። እንተዀነ ግን: እቲ ፍርዲ መኣዝ ተፈጻምነቱ ኸም ዝረክብ ንጹር ሓበሬታ ኣይነበረን። እቲ ግዜ ገለ 21 ዓመት ጥራይ ተሪፍዎ ኸም ዝነበረን ፈጻሚት ፍርዲ የሆዋ ኸኣ ባቢሎን ከም እትኸውንን መን ኢዩ እሞ ክግምቶ ዝኽእል ዝነበረ፧ ብተመሳሳሊ ሎሚውን ብዛዕባ መወዳእታ እዚ ኣገባብ ዝዀነሉ ‘መዓልትን ሰዓትን’ እንፈልጦ ነገር የልቦን። የሱስ ግን ኣቐዲሙ “ወዲ ሰብ ብዘይሐሰብኩምዋ ጊዜ ኺመጽእ እዩ እሞ: . . . እተዳሎኹም ኩኑ” ብምባል ኣጠንቂቑና ኢዩ።​—⁠ማቴዎስ 24:⁠36, 44

5. ኣብ ኣንባቆም 2:⁠2, 3 ተመዝጊቡ ኻብ ዘሎ ኣምላኽ እተዛረቦ ቃላት ኣዝዩ ዘተባብዕ ኣየናይ ኢዩ፧

5 የሆዋ ንኣንባቆም ነዚ ዝስዕብ ዘተባብዕ መዝነት እንተ ሃቦ እምበኣር ዘገርም ኣይኰነን:- “እቲ ራእይ ንምዱብ ጊዜ እዩ: ናብ መወዳእታ ይቕልጥፍ አሎ: ኣይሕሱን ከኣ እዩ። ብርግጽ ኪመጽእ ኣይኪድንጕን ድማ እዩ እሞ: እንተ ደንጐየ እኳ ተጸበዮ። ስለዚ ብጕያ ኺንበብሲ: ነቲ ራእይ ጽሐፎ: ኣብ ሰሌዳታትውን ቅረጾ።” (ኣንባቆም 2:⁠2, 3) ሎሚ ኣብ መላእ ዓለም ኢዩ እከይን ዓመጻን ተራእዩ ብዘይፈልጥ ወሰኽ ዝውንጨፍ ዘሎ: እዚ ድማ ነታ “ዓባይን መፍርሂትን መዓልቲ እግዚኣብሄር” ተገምጊምናያ ኸም ዘሎና ዝሕብር ኢዩ። (ዮኤል 2:⁠31) እቲ የሆዋ ብናይ ገዛእ ርእሱ ቓላት ገይሩ ‘ኣይክድንጕን ኢዩ’ ብምባል ዝሃቦ መረጋገጺ ብሓቂ ዘተባብዕ ኢዩ!

6. ነታ ኣብ ምምጻእ እትርከብ ፍርዲ ዝፍጸመላ መዓልቲ ክንሰግራ እንኽእል ከመይ ገይርና ኢና፧

6 ከመይ ገይርና ደኣ ኢና እሞ ነታ ኣብ ምምጻእ እትርከብ ፍርዲ ዝፍጸመላ መዓልቲ እንሰግራ፧ የሆዋ ኣብ መንጎ ጻድቕን ረሲእን ነዚ ዝስዕብ ምንጽጻር ብምግባር ከምዚ ዝብል መልሲ ይህብ:- “እንሆ: ነፍሱ ተነፊሓ ኣብኡውን ዘይቅንዕቲ እያ። ጻድቕ ግና ብእምነቱ ይነብር።” (ኣንባቆም 2:⁠4) ምኩሓትን ስሱዓትን ዝዀኑ መራሕትን ህዝብታትን ንዘመናዊ መዛግብቲ ታሪኽ ብደም ሚልዮናት ንጹሃት ግዳያት ኣጠልቅዮምዎ ይርከቡ: ብፍላይ ድማ ኣብቲ እተኻየደ ክልተ ውግኣት ዓለምን ቀቢላዊ ምጭፍጫፋትን እዚ ዘይብሃል ደም ኢዩ ተኻዕዩ። ብኣንጻር እዚ ግን እቶም ሰላም ዘፍቅሩ ቅቡኣት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብተኣማንነት ጸኒዖም ይነብሩ ኣለዉ። ንሳቶም “እቲ ሓቂ ዚሕሉ ጻድቕ ህዝቢ” ኢዮም። እዚ ህዝቢ እዚ ምስቶም ብጾቱ ዝዀኑ ‘ካልኦት ኣባጊዕ’ ነቲ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ናይ ዘለኣለም ከውሒ እዩ እሞ: ንዘለኣለም ብእግዚኣብሄር ተማሕጸኑ” ዝብል ማዕዳ ኢዩ ዝስዕብ።​ኢሳይያስ 26:⁠2-4፣ ዮሃንስ 10:⁠16

7. ምስቲ ጳውሎስ ንኣንባቆም 2:⁠4 ጠቒሱ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ብምስምማዕ እንታይ ክንገብር ኢዩ ዝግብኣና፧

7 ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያን እብራውያን ክጽሕፈሎም ከሎ ንኣንባቆም 2:⁠4 ብምጥቃስ ንህዝቢ የሆዋ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ይነግሮም:- “ፍቓድ ኣምላኽ እናገበርኩም: ነታ ተስፋ ምእንቲ ኽትረኽብዋስ: ትዕግስቲ የድልየኩም እዩ። ማለት፤ ገና ኣዝዩ ቕሩብ ዘመን እዩ: እቲ ዚመጽእ ኪመጽእ እዩ ኣይኪድንጕን ከኣ እዩ። ጻድቕ ግና ብእምነት እዩ ዚነብር: ንድሕሪት እንተ ተመልሰ ድማ: ነፍሰይ ብእኡ ባህ ኣይብላን እዩ።” (እብራውያን 10:⁠36-38) ሕጂ ኢድና ኸነጣምር ወይ ድማ በቲ እዛ ፍቕረ⁠-​ንዋይ ኣጥቂዕዋን ብተድላ ዓበድበድ እትብል ዘላን ናይ ሰይጣን ዓለም እትዝርግሖ መፈንጠራ ክንወድቕ እዋኑ ኣይኰነን። እቲ “ኣዝዩ ቕሩብ ዘመን” ተባሂሉ ዘሎ ግዜ ኽሳዕ ዝውዳእ እንታይ ክንገብር ይግብኣና፧ ንሕና ኣባላት እቲ ቕዱስ ህዝቢ የሆዋ ዝዀንና ልክዕ ከም ጳውሎስ ‘ናብቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ’ ዘለኣለማዊ ህይወት ‘ክንመጣጠር’ ይግብኣና። (ፊልጲ 3:⁠13, 14) ከም የሱስ ድማ: ‘ስለቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ሓጐስ ክንዕገስ’ ይግብኣና።​—⁠እብራውያን 12:⁠2

8. እቲ ኣብ ኣንባቆም 2:⁠5 ተጠቒሱ ዘሎ “ሰብ” መን ኢዩ: ከይተዓወተ ዝተርፍከ ስለምንታይ ኢዩ፧

8 ኣንባቆም 2:⁠5 ብዛዕባ ሓደ ‘ነፍሱ ኸም ሲኦል ዘግፍሐ’ ነቲ ኣንጻር ኣገልገልቲ የሆዋ ዝገብሮ ሸቶ ግን ዘይወቅዕ “ዕቡይ ሰብ” ትገልጽ። እዚ ‘ዘይጸግብ’ ሰብ እዚ መን ኢዩ፧ ልክዕ ከምታ ኣብ ግዜ ኣንባቆም ዝነበረት ሃርጋፍ ባቢሎን: እዚ ንብዙሕ ኣካላት ዘጣምር “ሰብ” በቲ ትሕዝቶ ዝውንኖ መሬት ንምስፋሕ ውግእ ዘካይድ መልክዕ ናይ ፋሺዝም: ናዚ: ኮሙኒዝም ዘለዎ ወይ ድማ ብደሞክራስያውያን ኢና በሃልቲ ስርዓታት ዝቘመ ፖለቲካዊ ሓይሊ ኢዩ። ነቲ መቓብር ዝዀነ ሲኦል ከኣ ብንጹሃት ነፍሳት ይመልኦ። እዚ ንገዛእ ርእሱ ኣገዳሲት ብናይ ምግባር ስምዒት ዝሰኸረ ክፍሊ ናይ ሰይጣን ዓለም ዝዀነ ንብዙሕ ኣካላት ዘጣመረ መጋገዪ “ሰብ”: እቲ ‘ንዅላቶም ኣህዛብ ናብኡ ናይ ምእካብ’ ፈተንኡ ከይተዓወተ ኽተርፍ ኢዩ። ኵሎም ደቅሰብ ሓድነት ከም ዝህልዎም ክገብር ዝኽእል የሆዋ በይኑ ጥራይ ኢዩ: ነዚ ኸኣ በታ ብመሲሕ እትምራሕ መንግስቲ ገይሩ ኢዩ ኽዓሞ።​—⁠ማቴዎስ 6:⁠9, 10

ካብተን ዘስደምማ ሓሙሽተ ወዮታት እቲ ቐዳማይ

9, 10. (ሀ) የሆዋ ብኣንባቆም ኣቢሉ እንታይ ኢዩ ዝኣወጀ፧ (ለ) ንዘይቅኑዕ መኽሰብ ብዝምልከት ሎሚ ከመይ ዝበለ ዅነታት ኢዩ ዘሎ፧

9 የሆዋ ቐጺሉ ብነብዪኡ ኣንባቆም ኣቢሉ ሓሙሽተ ተኸታታሊ ወዮታት ይእውጅ። እዚ ኸኣ ነቲ እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ንምድሪ ከም ዝሰፍሩዋ ንምግባር ዝውሰድ ፍርድታት ዝገልጽ ኢዩ። እቶም ንምድሪ ዝወርስዋ ቅኑዓት ሰባት ነቲ የሆዋ ዘቕርቦ ‘ምሳልያዊ ኣዘራርባ ኢዮም ዘልዕሉ።’ ኣብ ኣንባቆም 2:⁠6 “እቲ ዘይናቱ ዚእክብ: ኣብ [ር]እሱ ኸኣ ዕርቡን ዚጸውር ወይለኡ: ክሳዕ መኣዝከ እዩ፧” ዝብል ነንብብ።

10 ኣብዚ ጐሊሑ ዘሎ ሓሳብ: ዘይቅኑዕ መኽሰባት ብዛዕባ ምርካብ ኢዩ። እዛ እንርእያ ዘሎና ዓለም ሃብታማት ኣዝዮም ዝህብትሙላ ድኻታት ከኣ ኣዝዮም ዝደኽዩላ ኢያ ዀይና ዘላ። መብዛሕትኡ ኻብቲ ተራ ህዝቢ ብስእነት ክሳቐ ኸሎ ናይ ሓሽሽ ነጋዶን መደናገርትን ማእለያ ዘይብሉ ሃብቲ የኻዕብቱ። ሓደ ርብዒ ናይ ህዝቢ ዓለም ኣብ ክቱር ድኽነት ከም ዝርከብ ጸብጻብ ተዋሂቡ ኣሎ። ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኵነታት መነባብሮ እናሓመቐ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ። እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ጽድቂ ዝሃርፉ ሰባት ‘እዚ ሓላፍ ዘላፍ ዝዀነ ትዕድልቲ እናወሰኸ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ: “ክሳዕ መኣዝከ እዩ” ክቕጽል፧’ ብምባል የስቈርቍሩ። ይኹን እምበር: መወዳእታስ ኣትዩ ኢዩ! ብርግጽ እቲ ራእይ ‘ኣይክድንጕን ኢዩ።’

11. ኣንባቆም ብዛዕባ ምፍሳስ ደም ሰብ እንታይ ኢዩ ዝብል: ሎሚ ኣብ ምድሪ ብደም ገበነኛ ናይ ምዃን ከቢድ ኵነታት ኣሎ ክንብል እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

11 እቲ ነብዪ “ንስኻ ብዙሓት ኣህዛብ ስለ ዝዘመትካ: እቶም ዝተረፉ ህዝብታት ድማ ኵላቶም ንኣኻ ብሰሪ ደም ሰብን ብሰሪ እቲ ንሃገርን ከተማን ኣብኣተን ዚነብሩ ዅላቶምን እተገብረ ዓመጻን ኪዘምቱኻ እዮም” ብምባል ነቲ እኩይ ይነግሮ። (ኣንባቆም 2:⁠8) ሎሚ ኣየ ኽንደይ ናይ ደም ገበነኛታት ኰን ኢዮም ኣብ ምድሪ ዘለዉ! የሱስ “ሰይፊ ዜልዕሉ ዅሎም ብሰይፊ ይጠፍኡ” ብምባል ብግልጺ ነጊሩ ኢዩ። (ማቴዎስ 26:⁠52) ይኹን እምበር: ኣብዚ መበል 20 ኽፍለ⁠-​ዘበን ጥራይ እተን ብደም ገበነኛታት ዝዀና ሃገራትን ቀቢላታትን ብልዕሊ ሚእቲ ሚልዮን ዝዀኑ ተጨፍጪፎም ዝሞቱ ሰባት ተሓተትቲ ኢየን። እቶም ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ደማዊ ምጭፍጫፍ ዝካፈሉ ወይለኦም!

እቲ ኻልኣይ ወዮ

12. እቲ ኣንባቆም ዝመዝገቦ ካልኣይ ወዮ እንታይ ኢዩ: ብዘይ​ቅኑዕ መገዲ ዝርከብ መኽሰብ በረኸት ከም ዘይብሉኸ ብኸመይ ኢና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል፧

12 እቲ ኣብ ኣንባቆም 2:⁠9-11 ተመዝጊቡ ዘሎ ካልኣይ ወዮ ድማ ኣብ ልዕሊ “እቲ ንቤቱ ልዕል ኬብል: ካብ ኢድ መዓት ከኣ ኪድሕን ኢሉ ንቤቱ ኽፉእ ረብሓ ዚሀርፍ” ዝወርድ ኢዩ። ከምቲ እቲ ጸሓፍ መዝሙር ዘብርሆ እውን እቲ ብቕኑዕ መገዲ ዘይርከብ መኽሰባት በረኸት የብሉን። ከምዚ ይብል:- “ሰብ እንተ ሀብተመ: ክብረት ቤቱ እንተ በዝሔ: ኣይትፍራህ። ክብሩ ኣስኣሰሩ ኣይወርድን እዩ እሞ: ምስ ዚመውት: ገለ እኳ ኣይማላእን።” (መዝሙር 49:⁠16, 17) እቲ ጳውሎስ “ነቶም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘለዉ ሃብታማት ከይዕበዩ: በቲ ኽንሕጐስ ኢሉ ዅሉ ብልግሲ ዚህበና ኣምላኽ እምበር: በዚ ሓላፊ ሃብቲ ኸይእመኑ አዝዞም” ብምባል ዝሃቦ ጥበባዊ ማዕዳ እምበኣር ኣቓልቦ ክግበረሉ ዝግባእ ኢዩ።—⁠1 ጢሞቴዎስ 6:⁠17

13. ኣምላኽ ዝህቦ ዘሎ መጠንቀቕታ ከየባተኽና ከነስምዕ ዘሎና ስለምንታይ ኢዩ፧

13 ሎሚ እቲ ፍርዲ ኣምላኽ ዝገልጽ መልእኽትታት ክቃላሕስ ክንደይ ኰን ኣገዳሲ ኢዩ! ፈሪሳውያን ነቲ እቶም እኩባት ሰባት “ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ንጉስ” ምዃኑ ኣፍልጦ ብምሃብ ንየሱስ ዝገብርዎ ዝነበሩ ውዳሰ ምስ ተቓወሙ: የሱስ ባዕሉ “እዚኣቶም እኳ ስቕ እንተ በሉ: እዞም ኣእማን ኪጭድሩ እዮም” በለ። (ሉቃስ 19:⁠38-40) ብተመሳሳሊውን ሎሚ ህዝቢ ኣምላኽ ነቲ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘሎ እከይ ካብ ምቅላዕ ሰኒፎም ነይሮም እንተ ዝዀኑ: ‘እምኒ ኻብ መንደቕ መእወየ ነይሩ።’ (ኣንባቆም 2:⁠11) ሃየ እምበኣር ከየባተኽና ነቲ ኣምላኽ ዝህቦ ዘሎ መጠንቀቕታ ብትብዓት ነስምዕ!

እቲ ሳልሳይ ወዮን ብደም ገበነኛ ናይ ምዃን ጕዳይን

14. ናይ ዓለም ሃይማኖታት ብኸመይ ዝበለ ናይ ደም ገበን ኢየን ተሓተትቲ ዝዀና፧

14 እቲ ብኣንባቆም እተኣወጀ ሳልሳይ ወዮ ነቲ ብደም ገበነኛ ናይ ምዃን ጕዳይ የልዕሎ። ኣንባቆም 2:⁠12 “ንኸተማ ብደም ዚሀንጽ: ንዓዲ ኸኣ ብኣበሳ ዜጽንዕ ወይለኡ” ብምባል ትገልጽ። ኣብዚ ኣገባብ እዚ ኣበሳን ምፍሳስ ደምን ወትሩ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዞም ኢዮም ዝኸዱ። ብፍላይ ድማ ኣብ ዓለም ዘለዋ ሃይማኖታት በቲ ኣረመናዊ ዝዀነ ምፍሳስ ደም እተፈጸመሉ ናይ ታሪኽ ምዕራፋት ተሓተትቲ ኢየን። ነቲ ንክርስትያናት ኢና በሃልትን ኣስላምን ዘዋድአ ውግእ መስቀላውያን: ነቲ ኣብ ስጳኛ ከምኡውን ኣብ ደቡብ ኣመሪካ ብካቶሊክ እተፈጸመ ፍርዲ⁠-​መናፍቓን: ነቲ ኣብ መንጎ ፕሮተስታንትን ካቶሊክን እተኻየደ ናይ ኣውሮጳ ናይ ሰላሳ ዓመት ውግእ: ከምኡውን ነቶም ኣብ ግዝኣት ህዝበ⁠-​ክርስትያን ዝጀመሩ እሞ ካብ ኵሉ ውግኣት ንላዕሊ ዝበዝሕ ደም እተኻዕዎም ኣብዚ ኽፍለ⁠-​ዘበንና እተኻየዱ ክልተ ውግኣት ዓለም ጥራይ ምጥቃስ እኹል ኢዩ።

15. (ሀ) ኣብያተ⁠-​ክርስትያን ስለ ዝድግፍኦ ወይ ስለ ዝሰማምዓሉ መንግስታት እንታይ ኣብ ምግባር ኢየን ዝቕጽላ ዘለዋ፧ (ለ) ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነዚ ዓለም ብኣጽዋር ውግእ እትዕጠቐሉ ዘላ ዅነታት ደው ከብሎ ይኽእል ድዩ፧

15 ሓደ ኻብቶም ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም እተፈጸሙ ግፍዕታት እቲ ብሚልዮናት ንዝቝጸሩ ኣይሁዳውያንን ንኻልኦት ንጹሃት ኣውሮጳውያንን ዘህጠመ ብናዚ እተፈጸመ ጃምላዊ ቕትለት ኢዩ። እቲ ኣብ ፈረንሳ ዝርከብ ላዕለዋይ ኣካል ቤተ⁠-​ክህነት ሮማ ካቶሊክ: ነቲ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ግዳያት ናብቲ ናዚ ብእተፈላለየ ሜላ ዝቐትለሉ ዝነበረ መዳጐኒ ደምበታት እናተወስዱ ዝሃለቕሉ ኵነታት ደው ንምባሉ ኸም ዘይጸዓረ ኣብዚ ቐረባ እዋን ኢዩ ተኣሚኑ። ይኹን እምበር: መንግስታት ብኣብያተ⁠-​ክርስትያን ዝድገፍ ወይ ንሳተን ዝሰማምዓሉ ምፍሳስ ደም ንምክያድ ምድላዋቶም ኣየቋረጹን። ኣብዚ ቐረባ እዋን መጽሔት ታይም (ኣህጉራዊ ሕታም) ብዛዕባ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ⁠-​ክርስትያን ሩስያ ከምዚ ዝስዕብ ጸብጻብ ኣቕረበ:- “እታ ተሃድሶ ዘካየደት ቤተ⁠-​ክርስትያን ቅድሚ ሕጂ ፍጹም ተገሚቱ ኣብ ዘይፈልጥ ዓውዲ ማለት ኣብ ሰራዊት ሩስያ: ወሳኒ ጽልዋ ትገብር ኣላ። . . . ንነፈርቲ ውግእን መዓስከራትን ምብራኽ ልሙድ ተግባር ኢዩ ዀይኑ ዘሎ። እቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር ናይ ሩስያ ፓትርያርክ መንበረ ቅድስና ኣብ ዝርከበላ ናይ ሞስኮ ገዳም ዳኒሎፍስኪ ዝነበረ ፍጻመ ኸም ዝሕብሮ እታ ቤተ⁠-​ክርስትያን ነቲ ኑክሊየራዊ ኣጽዋራት ዝስርሓሉን ዝኽዘነሉን ቦታታት ክሳዕ ምቕዳስ ኢያ በጺሓ።” ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነዚ ዓለም ብድያብሎሳዊ ዝዀነ ኣጽዋር ውግእ እንደገና ትዕጠቐሉ ዘላ ዅነታት ደው ከብሎ ይኽእልዶ፧ ዘበት! ብመሰረት ናይ ለንደን: ዓዲ እንግሊዝ: ጋዜጣ ዘ ጋርድያን: (እንግሊዝኛ) ሓደ ናይ ሰላም ሽልማት ኖበል ተዓዋቲ ከምዚ በለ:- “እተን ሓሙሽተ ቐወምቲ ኣባላት ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት: ኣብ ዓለምና እተን ሓሙሽተ ቐንዲ ኣቕረብቲ ኣጽዋር ውግእ ዝዀና ሃገራት ብምዃነን ብሓቂ ዘጨንቕ ኢዩ።”

16. የሆዋ ውግእ ንዘሳውሩ መንግስታት እንታይ ክገብሮም ኢዩ፧

16 የሆዋ ኣብ ልዕሊ ውግእ ዘሳውሩ መንግስታት ፍርዱ ኽፍጽም ድዩ፧ ኣንባቆም 2:⁠13 ከምዚ ትብል:- “እንሆ: ህዝብታት ንሓዊ ዚጽዕሩ: ኣህዛብ ከኣ ንኸንቱ ዚደኽሙስ ካብ ጐይታ ሰራዊትዶ ኣይኰነን፧” “ጐይታ ሰራዊት”! እወ: የሆዋ ብውግእ ባህ ንዝብሎም ህዝብታትን መንግስታትን ዝድዕሙኽ ሰማያዊ ናይ መላእኽቲ ሰራዊት ኣለዎ!

17. እቲ የሆዋ ኣብ ልዕሊ ሕሱማት ሃገራውያን ጕጅለታት ዘውርዶ ፍርዲ ድሕሪ ምፍጻሙ: ምድሪ ክሳዕ ክንደይ ኢያ ብፍልጠት ኣምላኽ ክትመልእ፧

17 የሆዋ አብ ልዕሊ እዞም ሕሱማት ሃገራውያን ጕጅለታት ፍርዱ ምስ ፈጸመ እንታይ ኢዩ ኽስዕብ፧ ኣንባቆም 2:⁠14 “ከምቲ ማያት ንመዓሙቝ ባሕሪ ዜጐልብቦ: ምድሪ ብፍልጠት ክብሪ እግዚኣብሄር ክትመልእ እያ” ብምባል ትምልሰልና። እዝስ ኣየ ኸመይ ዝበለ ግሩም ተስፋ ዀን ኢዩ! ኣብ ኣርማጌዶን ሉዓላውነት የሆዋ ንዘለኣለም ክረጋገጽ ኢዩ። (ራእይ 16:⁠16) ነዛ ‘ስፍራ መርገጽ እግሩ’ ዝዀነት እንነብረላ ምድሪ ‘ከኽብራ’ ምዃኑ የሆዋ ኣረጋጊጹልና ኢዩ። (ኢሳይያስ 60:⁠13) ኵሎም ደቅሰብ ናይ ኣምላኽ መገዲ ህይወት ስለ ዝመሃሩ: ልክዕ ከምቲ ማያት ንመዓሙቝ ባሕሪ ዝመልኦ ምድሪ ብፍልጠት ግርማዊ ዕላማታት የሆዋ ኽትመልእ ኢያ።

እቲ ራብዓይን ሓሙሻይን ወዮ

18. እቲ ብኣንባቆም እተኣወጀ ራብዓይ ወዮ እንታይ ኢዩ: እዚኸ ኣብ ስነ⁠-​ምግባራዊ ኵነታት እዛ ዓለም እዚኣ ተንጸባሪቑ ዘሎ ከመይ ኢሉ ኢዩ፧

18 እቲ ራብዓይ ወዮ በዚ ዝስዕብ ቃላት ኣብ ኣንባቆም 2:⁠15 ተገሊጹ ኣሎ:- “እቲ ንብጻዩ ዜስትዮን: ዕርቃኑ ኺርእስ ዜስክሮን መርዚ ዜቕርበሉን ወይለኡ።” እዚ ነዚ ሕጂ ዘሎ ነውራምን ፋሉልን ኵነታት እዛ ዓለም እዚኣ ኣቐዲሙ ዝኣመተ ኢዩ። ዘይስነ⁠-​ምግባራውነት በተን ግዲ ዘይብለን ሃይማኖታውያን ጕጅለታት ስለ ዝድገፍ እናገደደ ይኸይድ ኣሎ። ከም አይድስን ካልኦት ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማትን ዝኣመሰሉ ፌራታት ኣብ መላእ ምድሪ ብናህሪ የስፋሕፍሑን ስቓይን ሞትን ድማ የስዕቡን ኣለዉ። እዚ ሎሚ ዘሎ ንዓይ ይጥዓመኒ ዝመለለዪኡ ወለዶ ኣብ ክንዲ “ክብሪ እግዚኣብሄር” ዘንጸባርቕ ናብ ዝገደደ ግብረ⁠-​እከይ ይንቈትን ናብታ ፍርዲ ኣምላኽ እትፍጸመላ ነጥቢ ይጓዓዝን ኣሎ። እዛ ‘ኣብ ክንዲ ኽብርስ ነውሪ ዝጸገበት’ ብልሽውቲ ዓለም ካብቲ ኣብ ልዕሊኣ ዝፍጸም ንፍቓድ ኣምላኽ ዘመልክት ቍጥዓ የሆዋ ዝሓዘ ጽዋእ እትሰትየሉ እዋን ቀሪቡ ኢዩ። እዚ ድማ ‘ኣብ ልዕሊ ኽብራ ነውራም ትፋእ ክዀና ኢዩ።’​—⁠ኣንባቆም 2:⁠16

19. መኽፈቲ ናይቲ ኣንባቆም ዝኣወጆ ሓምሻይ ወዮ ንምንታይ ዝምልከት ኢዩ: ከምኡ ዝኣመሰለ ቃላት ኣብዛ ሎሚ ዘላ ዓለም ኣገዳስነት ዝህልዎኸ ስለምንታይ ኢዩ፧

19 ኣብ መኽፈቲ እቲ ሓምሻይ ወዮ ኣንጻር ኣምልኾ ጽሩብ ምስልታት እተዋህበ ጽኑዕ መጠንቀቕታ ኣሎ። የሆዋ ነቲ ነብዪ: ነዘን ዝስዕባ ሓያላት ቃላት ከም ዝእውጀን ገይርዎ ኢዩ:- “እቲ ንዕጨይቲ፤ ንቓሕ: ንዓባስ እምኒ ኸኣ፤ ተንስእ: ዚብል ወይለኡ። ንሱዶ ይምህር እዩ፧ እንሆ: ንሱ ብወርቅን ብሩርን ልቡጥ እዩ: ኣብ ውሽጡ ኸኣ ገለ እስትንፋስ የብሉን።” (ኣንባቆም 2:⁠19) ክሳዕ እዚ ግዜ እዚ ኸኣ ህዝበ⁠-​ክርስትያን ይኹኑ እቶም ኣረማውያን ዝብሃሉ ህዝብታት ነናይ ገዛእ ርእሶም መስቀል: ወላዲት ኣምላኽ: ምስልታት: ከምኡውን ናይ ሰብን እንስሳታትን ስእልታት ኢዮም ኣብ ኣምልኾኦም ዝጥቀሙ። የሆዋ ፍርዱ ኽፍጽም ምስ ዝመጽእ ዋላ ሓደ ኻብዚኣቶም ንኣምለኽቱ ዘናግፍ የልቦን። ሽሕኳ እዚ ምስልታት እዚ ብወርቅን ብሩርን እተለበጠ እንተዀነ: ምስ ዕቤት እቲ ዘለኣለማዊ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ከምኡውን ምስቲ ግርማ ዝዓሰሎ ህያው ፍጥረታቱ ኽወዳደር ከሎ ትርጕም ኣልቦ ኢዩ። ነቲ መዘና ዘይብሉ ስሙ ንዘለኣለም እንውድስ ይግበረና!

20. ኣበየናይ ናይ ቤት መቕደስ ምድላው ኢና ብሓጐስ ንምግልጋል መሰል ረኺብና ዘሎና፧

20 እወ: የሆዋ ኣምላኽና ናይ ኵላትና ውዳሰ ዝግብኦ ኢዩ። ሃየ እምበኣር ካብቲ ንዕኡ ዘሎና ዓሚቝ ፍርሂ ተላዒልና ነቲ ኣንጻር ኣምልኾ ጣኦት እተዋህበ ጽኑዕ መጠንቀቕታ ነድህበሉ። ግን እስከ ሓንሳእ ጽን ንበል! የሆዋ ገና ይዛረብ ኢዩ ዘሎ​—⁠“እግዚኣብሄር ኣብ ቅዱስ መቕደሱ እዩ: ኵላ ምድሪ ኣብ ቅድሚኡ ስቕ ትበል።” (ኣንባቆም 2:⁠20) እቲ ነብዪ ኣብ ኣእምሮኡ ነታ ናይ የሩሳሌም ቤት መቕደስ ሒዙ ኸም ዝነበረ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ይኹን እምበር: ንሕና ሎሚ ኣብቲ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ሊቀ ኻህናት ክኸውን እተሸመሉ ዝዓበየ መንፈሳዊ ናይ ቤት መቕደስ ምድላው ከነምልኽ መሰል ረኺብና ኣሎና። ነቲ ግርማዊ ስሙ ዝበቅዕ ክብሪ ንየሆዋ ብምሃብ: ኣብቲ ምድራዊ ኣጸድ እታ ቤት መቕደስ ንእከብ: ነገልግል: ንጽሊ። ነቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና ካብ ልቢ ተላዒልና ከነምልኾ ከሎናኸ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢና እንሕጐስ!

ትዝክሮዶ፧

ነተን ‘ኣይክድንጕን ኢዩ’ ዝብላ ቃላት የሆዋ ብኸመይ ኢኻ እትምልከተን፧

ዘመናዊ ትርጕም ናይቲ ብኣንባቆም ኣቢሉ እተኣወጀ ወዮ እንታይ ኢዩ፧

የሆዋ ዝህቦ ዘሎ መጠንቀቕታ ከም ዝስማዕ ኣብ ምግባር ክንቅጽል ዘሎና ስለምንታይ ኢዩ፧

ኣብ ኣጸድ ናየነይተን ቤት መቕደስ ኢና ከነገልግል መሰል ረኺብና ዘሎና፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ልክዕ ከም ኣንባቆም ዘመናውያን ኣገልገልቲ ኣምላኽ: የሆዋ ከም ዘይድንጒ ይፈልጡ ኢዮም

[ምንጪ ስእሊ]

U.S. Army photo

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ነቲ ኣብ ኣጸድ መንፈሳዊት ቤት መቕደስ ኴንካ ንየሆዋ ናይ ምግልጋል መሰል ተማስወሉ ዲኻ፧