ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ጥበብ ዘለዎ ምኽሪ ኣደ

ጥበብ ዘለዎ ምኽሪ ኣደ

ጥበብ ዘለዎ ምኽሪ ኣደ

“ወደየ . . . ንተግሳጽ ኣቦኻ ስምዓዮ: ንትምህርቲ ወላዲትካ ድማ ኣይትሕደጎ።”​ምሳሌ 1:⁠8

ወለድና ማለት ኣቦናን ኣዴናን ምንጪ ምትብባዕን ደገፍን ምኽርን ክዀኑና ይኽእሉ ኢዮም። እታ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነት ምሳሌ ብዛዕባ ሓደ ካብ ኣዲኡ “መአረምታ” ዝዀኖ “ረዚን መልእኽቲ” እተቐበለ ልሙኤል ዝበሃል መንእሰይ ንጉስ ትገልጸልና። እዚ ቃላት እዚ ኣብ ምሳሌ ምዕራፍ 31 ይርከብ: ንሕና እውን ካብዚ ጥበብ ዘለዎ ምኽሪ ኣደ ክንጥቀም ንኽእል ኢና።​—⁠ምሳሌ 31:⁠1 NW

ንንጉስ ዝኸውን ምኽሪ

ኣደ ልሙኤል ተገዳስነትና ዘለዓዕል እተፈላለየ ሕቶታት ብምሕታት ኢያ እትጅምር:- “ኣየ: ኣታ ወደየ: እንታይ፧ ኣታ ውሉድ ከርሰይ: እንታይ፧ እንታይ እሞ: ኣታ ወዲ መብጽዓይ፧” እቲ ሰለስተ ግዜ እተደጋገመ ምሕጽንታኣ ወዳ ንቓላታ የቕልብን ዘየቕልብን ምህላዉ ከም ዘጨንቓ ይሕብር። (ምሳሌ 31:⁠2) ብዛዕባ መንፈሳዊ ድሕንነት ውላዳ ብምጭናቓ ነዞም ሕጂ ዘለዉ ክርስትያን ወለዲ ሰናይ ኣብነት ሓዲጋትሎም ኢያ።

ንሓንቲ ብዛዕባ ድሕንነት ወዳ እትጭነቕ ኣደ ካብቲ ኣብ ምሳሌ ብተደጋጋሚ ተጠቒሱ ዘሎ ወይኒ: ኣንስቲ: ከምኡውን ደርፊ ዘስዕቦ ቀይዲ በተኽን ዝሩግን ኣነባብራ ንላዕሊ እንታይ የጨንቓ፧ ኣደ ልሙኤል ጎቦ ጎቦ ከይበለት “ሓይልኻ ነንስቲ . . . ኣይትሀብ” ኢላ ተዛረበት። ብዕሉግ ጠባይ ‘ንነገስታት ናብ ጥፍኣት’ ከም ዝመርሖም ገሊጻ ኣላ።​—⁠ምሳሌ 31:⁠3

ካብ መጠን ንላዕሊ ምስታይ እውን ዕሽሽ ኣይበለቶን። “ልሙኤለየ . . . እዚ ኣይንነገስታትን እዩ: ነገስታት ወይኒ ኺሰትዩ . . . ኣይግባእን” ብምባል ኣጠንቀቐቶ። ሓደ ንጉስ ኵሉ ሳዕ ዝሰክር እንተድኣ ዀይኑ: ብግቡእን ምሉእ ብምሉእ እናተረድኦን ክፈርድ ከምኡውን ‘ሕጊ ከይረስዐን ንዅሎም ግፉዓት ፍርዲ ከይለወጠን’ ከመይ ኢሉ ክመርሕ ይኽእል፧​—⁠ምሳሌ 31:⁠4-7

ብኣንጻሩ ግን: እቲ ንጉስ ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሕማቕ ኣመል ናጻ ምስ ዝኸውን ‘ብቕንዕና ክፈርድ ከምኡውን ንሽጉርን ንመስኪንን ብይን ከውጽኣሎም’ ክኽእል ኢዩ።​—⁠ምሳሌ 31:⁠8, 9

ሎሚ ዘለዉ ክርስትያን መንእሰያት “ነገስታት” እኳ እንተ ዘይኰኑ: እቲ ጥበብ ዘለዎ ምኽሪ ኣደ ልሙኤል ግን ነዚ እዋን እዚ ካብቲ ናይ ቅድም ንላዕሊ ዘድሊ ኢዩ። ኣልኮላዊ መስተ ካብ መጠን ንላዕሊ ምስታይ: ትንባኾ ምጥቃም: ከምኡውን ጾታዊ ዘይስነ⁠-​ምግባራውነት ኣብዞም ሕጂ ዘለዉ መንእሰያት ኣስፋሕፊሑ ኣሎ፣ ስለዚ ክርስትያን መንእሰያት: ወለዶም ‘ረዚን መልእኽትታት’ ክነግርዎም ከለዉ ኣቓልቦ ክገብሩ ኣድላዪ ኢዩ።

ደገኛ ሰበይቲ

ኣዴታት ደቀን ናብ ብጽሕነት እናቐረቡ ክኸዱ ከለዉ ብዛዕባ እተን ኣብ መጻኢ ዝምርዓዉወን ደቂ ኣንስትዮ ይጭነቓ ኢየን። ቀጺላ ኣደ ልሙኤል ኣቓልቦኣ ናብ ባህርያት ናይ ሓንቲ ኣብነት እትኸውን ሰበይቲ ገበረት። ሓደ መንእሰይ ኣብዚ ኣገዳሲ ጕዳይ እዚ ናይ ሰበይቲ ኣረኣእያ ምምርማር ብዙሕ ከም ዝጠቕሞ እተረጋገጸ ኢዩ።

ኣብ ቍጽሪ 10 ‘ንደገኛ ሰበይቲ’ ምስቲ ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ብብዙሕ ጻዕሪ ዝርከብ ዝነበረ ክቡር ዕንቊ ኣመሳሲልዋ ኣሎ። ብተመሳሳሊ ደገኛ ሰበይቲ ንምርካብ ጻዕሪ የድሊ። ሓደ መንእሰይ ተሃዊኹ ኣብ ክንዲ ዝምርዖ ንኽመርጽ እኹል ግዜ ምስ ዝወስድ ጽቡቕ ይገብር። ከምዚ እንተድኣ ገይሩ ነታ ዝረኸባ ብልጽቲ ሰበይቱ ከም ዘኽብራ ርግጽ ኢዩ።

ደገኛ ሰበይቲ ‘ልቢ ሰብኣያ ከም ዝእመና’ ንልሙኤል ተነጊርዎ ኢዩ። (ቍጽሪ 11) ብኻልእ ኣዘራርባ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጕዳይ ሰበይቱ ፍቓድ ክትሓቶ ክግድዳ የብሉን። ልክዕ ኢዩ: ናይ መርዓ ብጾት ክቡር ነገር ከም ምዕዳግ ወይ ከም ኣተዓባብያ ቘልዑ ዝኣመሰለ ዓበይቲ ውሳነታት ቅድሚ ምግባሮም ክማኸሩ ኣለዎም። ኣብዚ መዳያት እዚ ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ኣብ መንጎኦም ጽኑዕ ማእሰር ንኽህሉ ይሕግዝ ኢዩ።

ደገኛ ሰበይቲ ብዙሕ ዝዕየ ነገራት ከም ዘለዋ እተረጋገጸ ኢዩ። ካብ ቍጽሪ 13 ክሳብ 27 ኣብ ዝዀነ ይኹን መዋእል ዝርከባ ኣንስቲ ንስድራቤተን ንምርባሕ ክጥቀማሉ ዝኽእላ ምኽርታትን ስርዓታትን ተዘርዚሩ ኣሎ። ንኣብነት: ዋጋ ናይ ክዳውንትን ምንጻፋትን እናኸበረ ክኸይድ ከሎ: ደገኛ ሰበይቲ ስድራቤታ ብግቡእ ንኽኽደኑን ጽቡቕ ትርኢት ንኽህልዎምን ብኣእዳዋ ምስራሕ ትማሃር ከምኡውን ብቝጠባ ትንቀሳቐስ። (ቍጽሪ 13, 19, 21, 22) ስድራቤታ ንመግቢ ዘውዕሎ ወጻኢ ንምቕናስ ብዝከኣላ ዘበለ ኣታኽልቲ ትተክል ከምኡውን ብጥንቃቐ ትሽምት።​—⁠ቍጽሪ 14, 16

እዛ ሰበይቲ እዚኣ “እንጌራ ትህኪት” ከም ዘይትበልዕ እተረጋገጸ ኢዩ። ኣበርቲዓ ትዓዪ ከምኡውን ዕዮ ቤታ ብግቡእ ተመሓድር። (ቍጽሪ 27) “ሕቝኣ ብሓይሊ ትዕጠቕ:” እዚ ድማ ጕልበት ዘድልዮ ስራሕ ንምፍጻም እውን ድልውቲ ምዃና ይሕብር። (ቍጽሪ 17) ጸሓይ ከይወጸት ንኽትዓዪ ትትስእ: ክሳዕ ምሸት ከኣ ብትግሃት ትዓዪ። መብራህታ ዳርጋ ኣይጠፍእን ኢዩ።​—⁠ቍጽሪ 15, 18

ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ደገኛ ሰበይቲ መንፈሳዊት ኢያ። ንኣምላኽ ትፈርሆ: ብዓሚቝ ኣኽብሮት ድማ ተምልኾ ኢያ። (ቍጽሪ 30) ደቃ ከምኣ መንፈሳውያን ሰባት ንኽዀኑ ኣብ ምስልጣን እውን ንሰብኣያ ትሕግዞ ኢያ። ቍጽሪ 26 ንደቃ “ብጥበብ” ከም እትምህሮም: “ትምህርቲ ለውሃት ድማ ኣብ ልሳና” ምዃኑ ትገልጽ።

ክኢላ ሰብኣይ

ልሙኤል ንደገኛ ሰበይቲ ክማርኻ እንተድኣ ዀይኑ: ክኢላ ሰብኣይ ክፍጽሞ ዘለዎ ሓላፍነታት ከማልእ ኣለዎ። ኣደ ልሙኤል ንገለ ካብዚ ሓላፍነታት እዚ ኣዘኻኺራቶ ኢያ።

ክኢላ ሰብኣይ ካብ “ዓበይቲ ዓዲ” ጽቡቕ ስም ይረክብ ኢዩ። (ምሳሌ 31:​23) ከምዚ ክበሃል ከሎ ክኢላ: ቅኑዕ: ትውክልቲ ዝግበሮ: ከምኡውን ንኣምላኽ ዝፈርህ ይኸውን ማለት ኢዩ። (ዘጸኣት 18:​21፣ ዘዳግም 16:⁠18-​20) ኣብቲ ውሩያት ሰብኡት ብዛዕባ እቲ ከተማ ዝምልከት ጕዳያት ንኸመሓድሩ ዝእ​ከቡሉ “ደገ . . . ምርኡይ” ኢዩ። ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎ ሰብ ተባሂሉ “ምርኡይ” ንኽኸውን: ምኽንያታዊ ክኸውን ከምኡውን ምስ ዓበይቲ “ዓዲ”​—⁠ኣውራጃ ወይ ዞባ ክኸውን ይኽእል​—⁠ተሰማሚዑ ክሰርሕ ኣለዎ።

ኣደ ልሙኤል ንወዳ ነታ ኣብ መጻኢ ሰበይቱ እትኸውን ሞሳኡ ክገልጸላ ከም ዘድሊ ከተዘኻኽሮ ኸላ ካብ ናይ ብሕታ ተመክሮ ከም እተበገሰት ኣየጠራጥርን ኢዩ። ኣብ ምድሪ ካብ ሰበይቱ ኣብሊጹ ዝርእዮ ነገር ፈጺሙ የለን። ብዛዕባ እዚ “ብዙሓት ኣንስቲ ጽቡቕ ዝገበራ አለዋ: ንስኺ ግና ንዅላተን ትበልጽየን” ኢሉ ብጋህዲ ክዛረባ ኸሎ ነቲ ዓሚቝ ስምዒቱ ዝገልጽ ቃና ድምጹ እሞ ሕስብ ኣብሎ።​—⁠ምሳሌ 31:⁠29

ልሙኤል ነቲ ጥበብ ዘለዎ ናይ ኣዲኡ ምኽሪ ከም ዘማሰወሉ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ንኣብነት: ኣብ ቍጽሪ 1 ንቓላት ኣዲኡ ከም ቃላቱ ገይሩ ከም ዝገለጾ ክንርኢ ንኽእል ኢና። ስለዚ: ነቲ ዝሃበቶ “መአረምታ” ኣብ ልቡ ኣሕዲርዎ: ካብ ምኽራ ኸኣ ተጠቒሙ ኢዩ። ንሕና እውን ነዚ ስርዓታት እዚ ኣብ ናብራና ብምውዓል ካብዚ “ረዚን መልእኽቲ” እዚ ተጠቀምቲ ንኹን።

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

ደገኛ ሰበይቲ “እንጌራ ትህኪት” ኣይትበልዕን ኢያ