ግምቢ ዘብዐኛ ቍ. 1 2025 | ውግእ ኬብቅዕ እዩ—ብኸመይ፧
ውግእን ዓመጻ ዝመልኦ ግጭትን ኣብ ዘይብሉ ዓለም ክትነብር ትምነዶ፧ እዚ ንብዙሓት ባህ ዜብሎም እኳ እንተ ዀነ፡ ግናኸ ሕልሚ ደርሆ እዩ ዚመስሎም። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሰባት ውግእ ደው ንምባል ዚገብርዎ ጻዕሪ፡ ስለምንታይ ከም ዝፈሸለ ይገልጽ እዩ። ብዘይካዚ ድማ፡ ኣብ መላእ ዓለም ሰላም ኪሰፍን ከም ዚኽእልን እዚ ኣብ ቀረባ ግዜ ኸም ዚፍጸምን ብኸመይ ርግጸኛ ኽትከውን ከም እትኽእል ይገልጽ እዩ።
ኣብዛ መጽሔት ዘለዋ “ውግእን” “ግጭትን” ዚብላ ቓላት፡ ዕጡቓት ጕጅለ ፖለቲካዊ ረብሓ ንምርካብ ዚገብርዎ ቓልሲ እየን ዜመልክታ። ስማት እቶም ኣብዚ ተጠቒሶም ዘለዉ ገሊኦም ሰባት ተቐዪሩ እዩ።
ዜስካሕክሕ ሳዕቤናት ውግእ
ወተሃደራትን ሲቭልን ዜስካሕክሕ ሳዕቤናት ውግእ ርእዮም እዮም።
ውግእን ዓመጻ ዝመልኦ ግጭትን ንዅላትና ዚጸልወና ብኸመይ እዩ
ውግእን ዓመጻ ዝመልኦ ግጭትን ኣዕናውን ኣኽሳርን እዩ። ገለ ኣብነታት ርአ።
ሰባት ንውግእን ዓመጻ ንዝመልኦ ግጭትን ደው ኬብልዎ ይኽእሉዶ፧
ዓመጻ ዝመልኦ ግጭት ደው ንምባል ጻዕሪ ይግበር ኣሎ፣ ግናኸ፡ እዚ ጻዕርታት ኪሰልጥ ክንጽበ ንኽእልዶ፧
ውግእን ዓመጻ ዝመልኦ ግጭትን ዚቕጽል ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧
መጽሓፍ ቅዱስ ጠንቂ ውግእን ዓመጻ ዝመልኦ ግጭትን ይነግረና።
ውግእን ዓመጻ ዝመልኦ ግጭትን ዜብቅዕ ብኸመይ እዩ፧
መንግስቲ ኣምላኽ ንውግእ ከም ዜብቅዕ ክትገብሮን ሰላም ከተስፍንን እያ።
ውግእን ዓመጻ ዝመልኦ ግጭትን እናሃለወ ኽነሱ ሰላም ምርካብ
መጽሓፍ ቅዱስ ነቶም ብውግእ እተጸልዉ ሕጂ ብግብራዊ መገዲ ይሕግዞም።
ነዚ ዚስዕብ ሓሲብካሉ ትፈልጥዶ፧
ውግእ ዘይብሉ ግዜስ ይመጽእዶ ይኸውን፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ሕቶን ካልእ ምስዚ ርእሰ ነገር ዚተሓሓዝን መልሲ ይህብ እዩ።