ውግእን ዓመጻ ዝመልኦ ግጭትን ዚቕጽል ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧

ውግእን ዓመጻ ዝመልኦ ግጭትን ዚቕጽል ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ጠንቂ ውግእን ዓመጻ ዝመልኦ ግጭትን እንታይ ምዃኑን ዜሕዝን ፍጻመታት ስለምንታይ ይቕጽል ከም ዘሎን ይገልጽ እዩ።

ሓጢኣት

ኣምላኽ ነቶም ናይ መጀመርታ ወለድና ዝዀኑ ኣዳምን ሄዋንን ብመልክዑ እዩ ፈጢርዎም። (ዘፍጥረት 1:27) ከምዚ ኺብሃል ከሎ ኸኣ ከም ሰላምን ፍቕርን ዝኣመሰለ ባህርያት ኣምላኽ ብተፈጥሮኦም ኬንጸባርቑ ይኽእሉ እዮም ማለት እዩ። (1 ቈረንቶስ 14:33፣ 1 ዮሃንስ 4:8) እንተዀነ ግና፡ ኣዳምን ሄዋንን ንኣምላኽ ስለ ዘይተኣዘዙ ሓጢኦም እዮም። ከም ሳዕቤኑ ኸኣ ኵላትና ሓጢኣትን ሞትን ወሪስና ኢና። (ሮሜ 5:12) እቲ ዝወረስናዮ ሓጢኣት ድማ ዝንባለና ናብ ዓመጻ ዚመልኦ ሓሳባትን ተግባራትን ከም ዝኸውን ገይሩና እዩ።—ዘፍጥረት 6:5፣ ማርቆስ 7:21, 22

ሰብኣዊ መንግስቲ

ኣምላኽ፡ ሰብ ንሰብ ኪገዝእ ኣይኰነን ፈጢርዎ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ሰብ . . . ስጕምቱ ኬቕንዕ ናቱ ኣይኰነን” ይብል እዩ። (ኤርምያስ 10:23) ስለዚ፡ ሰብኣውያን መንግስትታት ንውግእን ንዓመጻን ምሉእ ብምሉእ ኬጥፍእዎ ኣይክእሉን እዮም።

ሰይጣንን ኣጋንንቱን

መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ብዘላ ዓለም . . . ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር እቲ እኩይ ምህላዋ” ይገልጽ እዩ። (1 ዮሃንስ 5:19) እቲ “እኩይ” ተባሂሉ ዘሎ ሰይጣን ድያብሎስ እዩ፡ ቀታል ነፍሲ ድማ እዩ። (ዮሃንስ 8:44) ውግእን ዓመጻን ዜለዓዕሉ ሰይጣንን እኩያት መንፈሳውያን ፍጡራትን እዮም።—ራእይ 12:9, 12

ንጠንቂ ውግእን ዓመጻን ኣምላኽ እምበር፡ ንሕና ኸነወግዶ ኣይንኽእልን ኢና።