ሰባት ንውግእን ዓመጻ ንዝመልኦ ግጭትን ደው ኬብልዎ ይኽእሉዶ፧
ሰባት ዚዋግኡሉ ምኽንያት ብዙሕ እዩ። ገሊኦም ፖለቲካዊ፡ ቍጠባዊ፡ ወይ ማሕበራዊ ለውጥታት ንምምጻእ እዮም ዚቃለሱ። ካልኦት ከኣ መሬትን ባህርያዊ ጸጋታትን ንምቍጽጻር እዮም ዚቃለሱ። መብዛሕትኡ ግጭታት ከኣ ብሰንኪ ሱር ዝሰደደ ዓሌታዊ ወይ ሃይማኖታዊ ፍልልያት እዩ ዚልዓል። ውግእ ደው ንምባልን ሰላም ንምስፋንን ሰባት እንታይ እዮም ገይሮም፧ ጻዕርታቶምከ ኺሰልጥ ክንጽበ ንኽእልዶ፧
Drazen_/E+ via Getty Images
ቍጠባዊ ምዕባለ
ዕላማ፦ ህይወት ሰባት ምምሕያሽ። እዚ ነቲ ንግጭት ቀንዲ ምኽንያት ዚኸውን ቍጠባዊ ዘይማዕርነት ንምንካይ ወይ ንምጥፋእ ኪሕግዝ ይኽእል እዩ።
ድሩትነት፦ መንግስትታት ወጻኢታቶም ዜውዕሉሉ መዓላ ኪቕይሩ የድልዮም እዩ። ብ2022 ዳርጋ 34.1 ቢልዮን ናይ ኣመሪካ ዶላር ዚኸውን ገንዘብ፡ ሰላም ንምዕቃብን ሰላም ንምስፋንን ውዒሉ እዩ። እዚ ግና ኣብታ ዓመት እቲኣ ንወተሃደራዊ ዕላማ ኻብ ዝወዓለ ገንዘብ 0.4 ሚእታዊት ጥራይ እዩ።
“ነቶም ብግጭት እተጐድኡ ንምሕጋዝ ዘውዓልናዮ ገንዘብን ጥሪትን ካብቲ ሰላም ንምዕቃብን ንምስፋንን ዘውዓልናዮ ኣዝዩ ዝበዝሐ እዩ።”—ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣንቶኒዮ ጉተረስ።
መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፦ ሰብኣውያን መንግስትታትን ትካላትን ንድኻታት ኪሕግዙ ይኽእሉ እዮም፣ እንተዀነ ግና፡ ንድኽነት ምሉእ ብምሉእ ኬጥፍእዎ ኣይክእሉን እዮም።—ዘዳግም 15:11፣ ማቴዎስ 26:11።
ዲፕሎማሲ
ዕላማ፦ ሰላም ንምዕቃብ ወይ ግጭት ብሰላማዊ መገዲ ንምድቃስ ንኽልቲኡ ወገን ዚጠቅም ዘተን ስምምዕን ምግባር።
ድሩትነት፦ ፖለቲካውያን ሰልፍታት ንምዝታይ፡ ድሌታቶም ንምሕዳግ ወይ ንምስምማዕ ፍቓደኛታት ከይኰኑ ይኽእል እዮም። ስለዚ፡ ሰላም ንምስፋን ዚግበር ስምምዕ ብቐሊሉ ይፈርስ እዩ።
“ዲፕሎማሲ ወትሩ ኣይኰነን ዕውት ዚኸውን። ውግእ ደው ንምባል ዚግበር ዘተ ናብ ዝገደደ ግጭት ኪመርሕ ይኽእል እዩ።”—ኣመሪካዊ ዲፕሎማት፡ ራይመንድ ስሚዝ።
መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፦ ሰባት ‘ ንሰላም ኪደልይዋ’ ኣለዎም። (መዝሙር 34:14) እንተዀነ ግና፡ ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት ሰባት፡ “ዘይእሙናት፡ . . . ንስምምዕ ፍቓደኛታት ዘይኰኑ፡ . . . ጠላማት” እዮም። (2 ጢሞቴዎስ 3:1-4) ከምዚ ዓይነት ባህርያት፡ ቅኑዕ ንዝልቦም ፖለቲካውያን መራሕቲ ግጭት ንምድቃስ ይዓግቶም እዩ።
ምንካይ ኣጽዋር
ዕላማ፦ ኣጽዋር ምንካይ ወይ ምጥፋእ ብፍላይ ከኣ ኑክልየሳዊ፡ ከሚካላዊ፡ ባዮሎጂካዊ ኣጽዋር።
ድሩትነት፦ ሃገራት ሓይለን ከይስእና ወይ መጥቃዕቲ ኸይወርደን ስለ ዚሰግኣ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣጽዋረን ኪንክያ ፍቓደኛታት ኣይኰናን።
“እቲ መንግስትታት ድሕሪ ዝሑል ውግእ እተመባጽዓኦ ምንካይ ኣጽዋር፡ እንተላይ ጕድኣት ንምንካይ፡ ኣብ መላእ ዓለም ሰፊኑ ዝነበረ ወጥሪ ንምጕዳል፡ ኣብ መወዳእታኡ ድማ፡ ዓለምና ዝያዳ ውሕስቲ ንምግባር ግብራዊ ስጕምቲ ኺወስዱ ዝኣተውዎ ቓል ኵሉ ፈሺሉ እዩ።”—“መጻኢና ውሑስ ምግባር፦ ዛዕባ ኣጽዋር ምንካይ።”
መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፦ ሰባት ኣጽዋሮም ኪገድፉን “ኣስያፎም ቀጥቂጦም ማሕረሻታት” ኪገብሩን ኣለዎም። (ኢሳይያስ 2:4) እንተዀነ ግና፡ ዓመጻ ኻብ ልቢ ሰብ ስለ ዚጅምር ዝያዳ ስጕምቲ የድሊ እዩ።—ማቴዎስ 15:19።
ሓባራዊ ድሕንነት
ዕላማ፦ ሃገራት ጸላኢ ንምክልኻል ናይ ሓባር ስጕምቲ ኺወስዳ ይሰማምዓ። ሃገራት ጥምረት ምስ ዚፈጥራ ጸላእተን ከም ዘይዋግእወን እየን ዚሓስባ።
ድሩትነት፦ ብዙሓት ሃገራት ሕብረት እኳ እንተ ፈጠራ፡ ንሰላም ግና ውሕስነት ኣይከውንን። ሃገራት ወትሩ ኣይኰናን ኣብ ቃለን ዚጸንዓ፡ ወይ እውን ኣብ ልዕሊ ጸላእተን ብኸመይን መዓስን ስጕምቲ ኸም ዚወስዳ ዚሰማምዓ።
“ሓባራዊ ድሕንነት . . . ኣብ ቃል ኪዳን እተኣሳሰራ መንግስትታት ዓብዪ እጃም ነይርዎ፡ ጸኒሑ ድማ ኣብ ቻርተር ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ኣትዩ እዩ፣ እንተዀነ ግና ኣብ ክልቲኡ ኣጋጣሚ ፈሺሉ እዩ።”—“ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ።”
መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፦ መብዛሕትኡ ግዜ ብሓባር ኴንካ ምዕያይ ዝሓሸ እዩ። (መክብብ 4:12) እንተዀነ ግና፡ ሰብኣውያን መንግስትታትን ውድባትን ነባሪ ሰላምን ድሕንነትን ኬምጽኣ ኣይከኣላን። “ብመሳፍንቲ ዀነ፡ በቲ ኼድሕን ዘይክእል ወዲ ሰብ ኣይትተኣመኑ። መንፈሱ ይወጽእ፡ ናብ ምድሪ ይምለስ፣ በታ መዓልቲ እቲኣ ሓሳባቱ ይጠፍእ።”—መዝሙር 146:3, 4።
ነባሪ ሰላም ንምርካብ ብዙሕ ሳዕ ጻዕሪ እኳ እንተ ተገብረ፡ ካብ ውግእ ግና ኣይደሓንናን።

