ሰባት ንውግእ ደው ኬብልዎ ኣይክእሉን
ውግእን ዓመጻ ዝመልኦ ግጭትን ዜብቅዕ ብኸመይ እዩ፧
መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንውግእ ኣብ ብዘላ ምድሪ መወዳእታ” ዚገብረሉ ኣምላኽ እምበር፡ ሰብ ከም ዘይኰነ ይገልጽ እዩ።—መዝሙር 46:9።
ኣምላኽ ንዅለን ሰብኣውያን መንግስትታት ኬጥፍአን እዩ
ኣምላኽ በቲ መጽሓፍ ቅዱስ ውግእ ኣርማጌዶን a ኢሉ ዚጽውዖ፡ ንዅለን ሰብኣውያን መንግስትታት ኬጥፍአን እዩ። (ራእይ 16:16) ኣብቲ ግዜ እቲ፡ “ነገስታት ብዘላ ዓለም” “ናብ ውግእ እታ ዓባይ መዓልቲ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ” ኪእከቡ እዮም። (ራእይ 16:14) ኣርማጌዶን፡ ኣምላኽ ንዅሉ ውግኣት ዜጥፍኣሉ ውግእ እዩ።
ኣምላኽ ንሰብኣውያን መንግስትታት፡ በታ ኣብ ሰማይ ኰይና እትገዝእን ንዘለኣለም ዘይትጠፍእን መንግስቱ ኺትክአን እዩ። (ዳንኤል 2:44) ኣምላኽ ንወዱ የሱስ ክርስቶስ ንጉስ እዛ መንግስቲ ኪኸውን መሪጽዎ እዩ። (ኢሳይያስ 9:6, 7፣ ማቴዎስ 28:18) የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ እዛ መንግስቲ b እዚኣ ኺጽልዩ እዩ ዝመሃሮም። (ማቴዎስ 6:9, 10) ኵሎም ደቂ ሰባት ኣብ ትሕቲ እታ የሱስ ዜመሓድራ መንግስቲ ሓድነት ኪህልዎም እዩ።
የሱስ ዘይከም እቶም ሰብኣውያን ገዛእቲ፡ ንስልጣኑ ንጥቕሚ ርእሱ ኣይጥቀመሉን እዩ። ፍትሓውን ዘየዳሉን ስለ ዝዀነ ድማ ሓደ እኳ ብዓሌቱ፡ ብዜግነቱ፡ ወይ ብድሕረ ባይታኡ ኣይኪግፋዕን እዩ። (ኢሳይያስ 11:3, 4) ሰባት ምእንቲ መሰላቶም ኪቃለሱ ኣይኬድልዮምን እዩ። ስለምንታይሲ፡ የሱስ ብዛዕባ ድሕንነት ነፍሲ ወከፍ ሰብ ይግደስ እዩ። “ንሱስ ንዜእዊ ድኻን ረዳኢ ንዘይብሉ ትሑትን ኬናግፍ እዩ። . . . ካብ ጭቈናን ካብ ዓመጻን ኬናግፎም” እዩ።—መዝሙር 72:12-14።
መንግስቲ ኣምላኽ ንዅሉ ቐታሊ ኣጽዋር ካብ ብዘላ ምድሪ ኸተወግዶ እያ። (ሚክያስ 4:3) ብዘይካዚ፡ ነቶም ቃልሲ ደው ዘየብሉ ወይ ሰላም ካልኦት ዚዘርጉ እኩያት ሰባት እውን ከተጥፍኦም እያ። (መዝሙር 37:9, 10) ሰብኡት፡ ኣንስቲ፡ ቈልዑ ኣብ ዚኸድዎ ዘበለ ምድሪ ዅሉ ድሕንነት ኪስምዖም እዩ።—ህዝቅኤል 34:28።
ሰባት ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ብሉጽ ህይወት ኪህልዎም እዩ። መንግስቲ ኣምላኽ ከም ድኽነትን ጥሜትን ሕጽረት ኣባይትን ዝኣመሰለ ንውግእ ምኽንያት ዚኸውን ጸገማት ከተወግዶ እያ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ፡ ብዙሕ መኣዛታት ምግብን ምሹእ መንበርን ኪረክብ እዩ።—መዝሙር 72:16፣ ኢሳይያስ 65:21-23።
ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ጐዳኢ ሳዕቤናት ውግእ፡ ማለት ኣካላውን ኣእምሮኣውን ስምዒታውን ስቓይ ኣይኪህሉን እዩ። እቶም ዝሞቱ እውን ኣብ ምድሪ ኻብ ምዉታት ኪትንስኡ እዮም። (ኢሳይያስ 25:8፣ 26:19፣ 35:5, 6) ስድራ ቤታት ሓድነት ኪህልዎም እዩ፡ ‘እቲ ቐዳማይ ስለ ዚሓልፍ’ ድማ ሕማቕ ተዘክሮታት ኣይኪህሉን እዩ።—ራእይ 21:4።
ኣምላኽ ንሓጢኣት ኬጥፍኦ እዩ
መንግስቲ ኣምላኽ ንደቂ ሰባት፡ ነቲ “ኣምላኽ ፍቕርን ሰላምን” ዝዀነ የሆዋ c ኣምላኽ፡ ብሓድነት ከም ዜምልኽዎ ኽትገብሮም እያ። (2 ቈረንቶስ 13:11) ሰባት ብኸመይ ብሰላም ከም ዚነብሩ ኺምሃሩ እዮም። (ኢሳይያስ 2:3, 4፣ 11:9) ኵሎም እቶም ንእተማህርዎ ኣብ ግብሪ ዜውዕሉ ኻብ ሳዕቤናት ሓጢኣት ናጻ ኪዀኑ እዮም።—ሮሜ 8:20, 21።
ኣምላኽ ንሰይጣንን ኣጋንንቱን ኬጥፍኦም እዩ
መንግስቲ ኣምላኽ ነቶም ውግእ ዜለዓዕሉ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ከተጥፍኦም እያ። (ራእይ 20:1-3, 10) እኩይ ጽልዋኦም ስለ ዘይህሉ ኸኣ “ሰላም ኪበዝሕ እዩ።”—መዝሙር 72:7።
ኣምላኽ ንውግእን ዓመጻ ንዝመልኦ ግጭትን ከም ዜጥፍኦ ንዝኣተዎ ቓል ከም ዚፍጽሞ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። ኣምላኽ፡ ውግእ ንምጥፋእ ድሌትን ዓቕምን ኣለዎ።
-
ኣምላኽ ውግእን ዓመጻን ንምጥፋእ ዜድሊ ጥበብን ሓይልን ኣለዎ። (እዮብ 9:4) ንኣምላኽ ዘይከኣሎ ነገር የልቦን።—እዮብ 42:2።
-
ኣምላኽ፡ ሰባት ኪሳቐዩ ባህ ኣይብሎን እዩ። (ኢሳይያስ 63:9) “ዓመጻ ንዚፈቱ ዘበለ ኸኣ ይጸልኦ” እዩ።—መዝሙር 11:5።
-
ኣምላኽ ወትሩ ቓሉ ይሕሉ እዩ፣ ኪሕሱ ኣይክእልን እዩ።—ኢሳይያስ 55:10, 11፣ ቲቶስ 1:2።
ኣምላኽ ኣብ መጻኢ ናይ ሓቅን ነባርን ሰላም ኬምጽእ እዩ።
ኣምላኽ ንውግእ ኬጥፍኦ እዩ
a ነታ “ውግእ ኣርማጌዶን እንታይ እዩ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ኣብ jw.org ኣንብብ።
b ኣብ jw.org መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧ ዘርእስታ ቪድዮ ርአ።
c የሆዋ ብሕታዊ ስም ኣምላኽ እዩ።—መዝሙር 83:18።

