ውግእን ዓመጻ ዝመልኦ ግጭትን ንዅላትና ዚጸልወና ብኸመይ እዩ
“ካብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ንነጀው፡ ኣብ መላእ ዓለምና ዝለዓለ ቝጽሪ ዓመጻ ዝመልኦ ግጭት የጋጥም ኣሎ፣ ዳርጋ 2 ቢልዮን ሰባት፡ ማለት ርብዒ ህዝቢ ዓለም በዚ ተጸልዮም እዮም።”
ምክትል ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣሚና መሓመድ፡ 26 ጥሪ 2023።
ውግእን ዓመጻ ዚመልኦ ግጭትን ኣብ ሰላማዊ ቦታታት ሃንደበት ኬጋጥም ይኽእል እዩ። ዓለምና ናብ ንእሽቶ ቝሸት ትቕየር ስለ ዘላ፡ እቶም ካብ ግጭት ዘለዎ ቦታታት ርሒቖም ዚነብሩ ሰባት እኳ ኸይተረፈ ብሳዕቤናቱ ኺሳቐዩ ይኽእሉ እዮም። ውግእ ምስ ኣብቅዐ እኳ ሳዕቤናቱ ንነዊሕ ግዜ ይጸንሕ እዩ። ገለ ኣብነታት እስከ ንርአ፦
-
ሕጽረት ምግቢ። ዓለማዊ ፕሮግራም ምግቢ ኸም ዝሓበሮ፡ “ቀንዲ ምንጪ ዓጸቦ ግጭት እዩ፣ ካብቶም ኣብ ዓለም ብዓጸቦ ዚሳቐዩ ሰባት፡ እቶም 70 ሚእታዊት ውግእን ዓመጻን ኣብ ዘለዎ ቦታ ዚነብሩ እዮም።”
-
ኣካላውን ኣእምሮኣዊ ጸገማት ጥዕና። ውግእን ስግኣትን፡ ሰባት ብውጥረትን ብጭንቀትን ከም ዚሳቐዩ ኺገብሮም ይኽእል እዩ። እቶም ግጭት ኣብ ዘለዎ ኸባቢ ዚነብሩ ሰባት፡ ኣካላዊ ጕድኣት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣእምሮኣዊ ጸገማት ጥዕና እውን ኬጋጥሞም ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ መብዛሕትኡ ግዜ ግቡእ ሕክምናዊ ኽንክን ኣይረኽቡን እዮም።
-
ምምዝባል። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ከም ዝሓበሮ፡ ክሳዕ መስከረም 2023 ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ኣብ መላእ ዓለም ልዕሊ 114 ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት ካብ መንበሪኦም ኪሃድሙ ተገዲዶም እዮም። ናይዚ ቕልውላው ቀንዲ ምኽንያት ከኣ ውግእን ዓመጻ ዚመልኦ ግጭትን እዩ።
-
ቍጠባዊ ጸገማት። ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ብምኽንያት ውግእ ዚልዓል ከም ዝቕባበ ዝኣመሰለ ቝጠባዊ ጸገም የጋጥሞም እዩ። መንግስትታት እቲ ንሕክምናዊ ኽንክንን ንትምህርትን ዚውዕል ገንዘብ ንወተሃደራዊ ዕላማ ኼውዕልዎ ኸለዉ፡ ሰባት ኪሳቐዩ ይኽእሉ እዮም። ብዘይካዚ፡ ንዳግመ ህንጸት እቲ ዕንወት ዚወጽእ ገንዘብ እውን ኣዝዩ ብዙሕ እዩ።
-
ከባብያዊ ጸገማት። ሰባት እቲ ዚጥቀሙሉ ባህርያዊ ጸጋታት ኰነ ኢልካ ኺዓኑ ኸሎ ይሳቐዩ እዮም። ብኽለት ማይ፡ ኣየር፡ ሓመድ፡ ናይ ነዊሕ እዋን ጸገም ጥዕና ኼምጽእ ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ እተቐብረ ነታጒ፡ እቲ ውግእ ደው ምስ በለ ድሕሪ ነዊሕ ግዜ እውን ከይተረፈ ጕድኣት ኬስዕብ ይኽእል እዩ።
ውግእ ኣዕናውን ኣኽሳርን ምዃኑ ኣየጠራጥርን እዩ።

