ውግእን ዓመጻ ዝመልኦ ግጭትን እናሃለወ ኽነሱ ሰላም ምርካብ
ወተሃደር ዝነበረ ጌሪ ኸምዚ ይብል፦ “መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ቅድሚ ምግባረይ፡ ዓለም ብጭካነ፡ ብግፍዒ፡ ብመከራ ስለምንታይ ከም ዝመልአት ኣይፈልጥን እየ ነይረ። ሕጂ ግና፡ ናይ ኣእምሮ ሰላም ኣሎኒ። የሆዋ ኣምላኽ ንዓለም ውሕስቲ ቦታ ኸም ዚገብራ ፈሊጠ እየ።”
ከምዚ ዚስምዖ ጌሪ ጥራይ ኣይኰነን። መጽሓፍ ቅዱስ ንኻልኦት እውን ሓጊዙ እዩ፣ ብኸመይ ከም ዝሓገዞም እስከ ንርአ።
መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ኦ የሆዋ፡ ንስኻስ ሕያዋይን ንይቕረታ ድልውን ኢኻ።”—መዝሙር 86:5።
ብኸመይ ሓጊዝዎም፦ “እዛ ፍቕዲ እዚኣ፡ የሆዋ መሓሪ ምዃኑ ኣረጋጊጻትለይ እያ። ቀደም ኣብ ውግእ ክሳተፍ ከለኹ ዝገበርክዎ ዅሉ ነገራት ኣምላኽ ይቕረ ኺብለለይ ፍቓደኛ ምዃኑ ፈሊጠ እየ።”—ዊልማር፡ ኮሎምብያ።
መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “እንሆ፡ ኣነ ሓድሽ ሰማያትን ሓዳስ ምድርን እፈጥር ኣለኹ፣ እቲ ናይ ቀደም ኣይኪዝከርን፡ ኣብ ልቢ እውን ኣይኪመጽእን እዩ።”—ኢሳይያስ 65:17።
ብኸመይ ሓጊዝዎም፦ “ኣብ ውትህድርና ብዘሕለፍክዎ ሕማቕ ተዘክሮታት፡ ብጭንቀትን ብውጥረትን እሳቐ እየ። እንተዀነ ግና፡ እዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ የሆዋ ነቲ ዚርብሸንን ዜባህርረንን ነገራት ከም ዜወግዶ ተዘኻኽረኒ እያ። እዚ ኣብ ልበይን ኣእምሮይን ቦታ ኣይኪህልዎን እዩ። እዚ ኸኣ፡ ባህ ዜብል እዩ!”—ዛፊራ፡ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ።
መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ብዘመኑ፡ ጻድቕ ኪዕምብብ፡ ወርሒ ኽሳዕ እትጠፍእ ከኣ ሰላም ኪበዝሕ እዩ።”—መዝሙር 72:7።
ብኸመይ ሓጊዝዎም፦ “ነዘን ቃላት እዚአን ኵሉ ግዜ እየ ዝሓስበለን። ኣብ ቀረባ ግዜ ሳዕቤናት ውግእ ስለ ዚጠፍእ፡ ብዛዕባ ድሕንነት ሰበይ ክጭነቕ ኣይከድልየንን እዩ።”—ኦለክሳንድራ፡ ዩክረይን።
መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ምዉታትካ ብህይወት ኪነብሩ እዮም። . . . ኣቱም ኣብ ሓመድ እትነብሩ፡ ንቕሑ፡ እልል እውን በሉ!”—ኢሳይያስ 26:19።
ብኸመይ ሓጊዝዎም፦ “ዳርጋ ዅሎም ኣባላት ስድራ ቤተይ ኣብ ጃምላዊ ቕትለት ቱትሲ ጸኒቶም እዮም። እንተዀነ ግና፡ እዛ ጥቕሲ መሊሰ ኸም ዚረኽቦም ተረጋግጸለይ እያ። ምዉታት ምስ ተንስኡ፡ ሓጐሶም ክርኢ እህንጠ እየ።”—ማሪ፡ ሩዋንዳ።
መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ድሕሪ ቝሩብ፡ እኩያት ኣይኪህልዉን እዮም፣ . . . ዓቃላት ግና ንምድሪ ኺርስተይዋ እዮም፣ ብብዝሒ ሰላም ከኣ ኣዝዩ ደስ ኪብሎም እዩ።”—መዝሙር 37:10, 11።
ብኸመይ ሓጊዝዎም፦ “ዋላ እኳ ውግእ ደው እንተ በለ፡ ግፍዕን እኩያት ሰባትን ግና ኣለዉ። ብፍላይ እዘን ፍቕድታት እዚአን፡ የበርትዓኒ እየን። የሆዋ ንዅሉ ዅነታትይ ይርእዮን ይርድኦን እዩ። ኣብ ቀረባ ግዜ ኸኣ፡ እዚ ዅሉ ኸም ዚውገድን ከም ዚርሳዕን ቃል ኣትዩ እዩ።”—ዳለር፡ ታጂክስታን።
እዞም ኣብዛ መጽሔት እተጠቕሱ ውልቀ ሰባት ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዮም፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንሚልዮናት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሰላም ኪረኽቡ ሓጊዝዎም እዩ። ዓሌታዊ፡ ሃገራዊ፡ ቀቢላዊ፡ ብሕታዊ ጽልኢ ኼሰንፉ ተማሂሮም እዮም። (ኤፌሶን 4:31, 32) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ፖለቲካዊ ጕዳያት ገለልተኛታት እዮም፡ ኣብ ዓመጻ እውን ኣይሳተፉን እዮም።—ዮሃንስ 18:36።
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ዓለምለኻዊ ሕውነት ፍቕራዊ ደገፍ እውን ረኺቦም እዮም። (ዮሃንስ 13:35) ንኣብነት፡ እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ኦለክሳንድራ፡ ብምኽንያት ውግእ፡ ምስ ሓብታ ናብ ካልእ ሃገር ተሰዲዳ እያ። ከምዚ ድማ ትብል፦ “ዶብ ምስ ሰገርና፡ ብኡብኡ ኪቕበሉና ዝመጹ ደቂ እታ ዓዲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ርኢና። ሓገዞም ንናብራ እታ ኸም ስደተኛታት ኰይንና እንነብረላ ሃገር ክንለምዶ ሓጊዙና እዩ።”
ኣብ ኣኼባና ሰላማዊ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስን ብኸመይ ከም እንትግብሮን ንምሃር ኢና፣ ምሳና ኽትእከብ ከኣ ብኽብሪ ንዕድመካ። ኣብ ከባቢኻ ዚርከብ መአከቢ ንምፍላጥ ኣብ jw.org ድለ፡ ወይ ከኣ ምስ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር በታ ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ዘርእስታ ብሮሹር፡ ኣሳታፊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትገብር ሕተት።

