ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብዛዕባ መጻኢ፡ እቲ ሓቂ እንታይ እዩ፧

ብዛዕባ መጻኢ፡ እቲ ሓቂ እንታይ እዩ፧

ኣብ መጻኢ እንታይ ይጽበየና ኸም ዘሎስ ሓሲብካዶ ትፈልጥ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ምድሪ ንዘለዉ ዅሎም ሰባት ዚጸሉ ዓበይቲ ፍጻመታት ከም ዚኸውን ይገልጽ እዩ።

የሱስ፡ ‘መንግስቲ ኣምላኽ ምቕራባ ብኸመይ ከም እንፈልጥ’ ገሊጹልና እዩ። (ሉቃስ 21:31) ገለ ኻብቲ ነዚ እንፈልጠሉ ኸኣ፡ ዓብዪ ውግእን ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድርን ጥሜትን ለበዳን ከም ዝዀነ ተነብዩ እዩ፣ ነዚ እውን ሎሚ ንርእዮ ኣሎና።—ሉቃስ 21:10-17

ብተወሳኺ እውን፡ ኣብተን ግዝኣት ሰብ ናብ መወዳእታኡ ዚቐርበሉ “ዳሕሮት መዓልትታት፡” ባህርያት ሰባት ከም ዚበላሾ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። ነዚ ድማ ኣብ 2 ጢሞቴዎስ 3:1-5 ከተንብቦ ትኽእል ኢኻ። ሎሚ ዘሎ ኣረኣእያታትን ተግባራትን ደቂ ሰብ ክትዕዘብ ከለኻ፡ እዚ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ብልክዕ ይፍጸም ከም ዘሎ መሸም ትሰማምዓሉ ኢኻ።

እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ መንግስቲ ኣምላኽ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ህይወት ኣጸቢቑ ዜመሓይሽ ዓብዪ ለውጥታት እትገብረሉ ግዜ ቐሪቡ ኣሎ ማለት እዩ። (ሉቃስ 21:36) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ንምድርን ኣብኣ ንዚነብሩ ሰባትን ጽቡቕ ነገራት ኣተስፍዩ ኣሎ። ሒደት ካብኡ ኸኣ ስዒቡ ተገሊጹ ኣሎ።

ጽቡቕ ግዝኣት

“ኵሎም ህዝብታትን ኣህዛብን ቋንቋታትን ኬገልግልዎስ፡ ግዝኣትን ክብርን መንግስትን ንዕኡ [ንየሱስ] ተዋህቦ። ግዝኣቱ ዘይሓልፍ ዘለኣለማዊ ግዝኣት እዩ፣ መንግስቱ እውን ከቶ ኣይክትጠፍእን እያ።”ዳንኤል 7:14

እዚ ማለት፦ ኣብ ትሕቲ እታ ኣምላኽ ዘቘማ የሱስ ዝንጉሳ ዓለምለኻዊት መንግስቲ፡ ህይወት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ጽቡቕ ጥዕና

“ካብቶም ነበርቲ ሓደ እኳ፡ ‘ሓሚመ’ ኣይኪብልን እዩ።”ኢሳይያስ 33:24

እዚ ማለት፦ ከቶ ኣይክትሓምምን ወይ ኣይክትስንክልን ኢኻ፣ ንሓዋሩ እውን ክትነብር ኢኻ።

ምሉእ ሰላም

“ንውግእ ኣብ ብዘላ ምድሪ መወዳእታ ይገብረሉ።”መዝሙር 46:9

እዚ ማለት፦ ውግእ ኰነ ሳዕቤናቱ ኣይኪህሉን እዩ።

ምድሪ ብጥዑያት ሰባት ክትመልእ እያ

“እኩያት ኣይኪህልዉን እዮም፣ . . . ዓቃላት ግና ንምድሪ ኺርስተይዋ እዮም።”መዝሙር 37:10, 11

እዚ ማለት፦ ንኣምላኽ ኪእዘዙ ዚደልዩ ሰባት ጥራይ ደኣ እምበር፡ እኩያት ኣይኪህልዉን እዮም።

ብዘላ ምድሪ ገነት ክትከውን እያ

“ኣባይቲ ኺሃንጹን ኪነብሩለንን እዮም፣ ኣታኽልቲ ወይኒ ኺተኽሉን ፍሪኡ ኺበልዑን እዮም።”ኢሳይያስ 65:21, 22

እዚ ማለት፦ ብዘላ ምድሪ ጽብቕቲ ኽትከውን እያ። ኣምላኽ ድማ ነቲ ፍቓዱ “ኣብ ምድሪ” ኪኸውን እነቕርቦ ጸሎት ኪፍጽሞ እዩ።—ማቴዎስ 6:10