ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገበር | ንልማዳትካ ብኸመይ ከም እትቈጻጸሮ

1 ሚዛናዊ ኹን

1 ሚዛናዊ ኹን

ኣብ ህይወትካ፡ ኣብ ሓጺር እዋን ብዙሕ ነገራት ክትቅይር ትፍትን ትኸውን። ‘ኣብዛ ሰሙን እዚኣ፡ ምትካኽ ሽጋራን ምጽራፍን ምሸት ምምሳይን ከቋርጾ እየ፣ ኣብ ክንዳኡ፡ ኣካላዊ ምውስዋስ ክገብርን ጥዕና ዚህብ ምግቢ ኽበልዕን ንዓባየይን ንኣቦሓጎይን ክድውለሎምን እየ’ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን። ይኹን እምበር፡ ንዅሉ ሸቶታትካ ኣብ ሓደ እዋን ክትወቕዖ እንተ ፈቲንካ፡ ንሓዲኡ እውን ከይወቓዕካዮ ኽትተርፍ ኢኻ!

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ጥበብ ግና ምስ ትሑታት እያ።”ምሳሌ 11:2

ሓደ ትሑት ሰብ፡ ሚዛናዊ እዩ። ግዜኡን ጕልበቱን ዓቕሙን ደረት ከም ዘለዎ ይግንዘብ እዩ። ስለዚ ድማ ንዅሉ ነገራት ብሓንሳእ ኪቕይሮ ኣብ ክንዲ ዚፍትን፡ ቀስ ብቐስ እዩ ምምሕያሽ ዚገብር።

ንዅሉ ሸቶታትካ ኣብ ሓደ እዋን ክትወቕዖ እንተ ፈቲንካ፡ ንሓዲኡ እውን ከይወቓዕካዮ ኽትተርፍ ኢኻ!

ክትገብሮ እትኽእል ነገራት

ኣብ ሓደ እዋን፡ ንሓደ ወይ ክልተ ልማዳት ጥራይ ኣመሓይሽ። እዚ ዚስዕብ ነጥብታት ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ፦

  1. ከተማዕብሎ እትደሊ ጽቡቕ ልማዳትን ከተወግዶ ዜድልየካ ዝዀነ ይኹን ሕማቕ ልማዳትን ዝሓዘ ኽልተ ዝርዝር ኣዳሉ። ነቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዝርዝር እትጽሕፎ ልማዳት ደረት ኣይትግበረሉ፣ ዝዘከርካዮ ዘበለ ጽሓፎ።

  2. ቀዳምነታት ስራዕ፣ ነቲ ዘዳለኻዮ ዝርዝር ከከም ኣገዳስነቱ ቝጽሪ ሂብካ ስርዓዮ።

  3. ካብ ነፍሲ ወከፍ ዝርዝር፡ ሒደት ልማዳት ምናልባት እውን ሓደ ወይ ክልተ ጥራይ ብምምራጽ ኣብኡ ጥራይ ኣተኵር። ብድሕርዚ፡ ናብቲ ዚቕጽል ኣብ ዝርዝርካ ዘሎ ሓደ ወይ ክልተ ልማዳት ሕለፍ።

ንሕማቕ ልማድ ብጽቡቕ ልማድ ብምትካእ፡ ነቲ መስርሕ ኣቀላጥፎ። ንኣብነት፡ እቲ ሕማቕ ልማዳት ዝጸሓፍካሉ ዝርዝር፡ ኣብ ተለቪዥን ብዙሕ ግዜ ምሕላፍ ዜጠቓልል ምስ ዚኸውን፡ እቲ ጽቡቕ ልማዳት ዝጸሓፍካሉ ዝርዝር ድማ ምስ እተፍቅሮም ሰባት ጽቡቕ ምቅርራብ ምግባር ዜጠቓልል ምስ ዚኸውን፡ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ኻብ ስራሕ ናብ ቤትካ ምስ ኣተኻ፡ ኣብ ክንዲ ተቐዳዲምካ ተለቪዥን እትውልዕ፡ ናብ ፈተውትኻ ወይ ቤተ ሰብካ ደዊልካ ምስኦም ንምዕላል ቈራጽነት ክትገብር ትኽእል ኢኻ።