ንቕሑ! ቍ. 4 2016 | ንልማዳትካ ብኸመይ ከም እትቈጻጸሮ

ኣስተውዒልካሉ ኹን ኣይትኹን፡ ልማዳትካ ብኣወንታ ወይ ብኣሉታ ኣብ መዓልታዊ ህይወትካ ይጸልወካ እዩ።

ገበር

ንልማዳትካ ብኸመይ ከም እትቈጻጸሮ

ንልማዳትካ፡ ኣብ ክንዲ ንጕድኣትካ ንጥቕምኻ ኸም ዚኸውን ግበሮ።

ገበር

1 ሚዛናዊ ኹን

ብሓንሳእ ጽቡቕ ልማድ ከተማዕብልን ንዅሉ ሕማቕ ልማዳትካ ኸተጥፍእን ኣይትኽእልን ኢኻ። ቀዳምነታት ብኸመይ ክትሰርዕ ከም እትኽእል ርአ።

ገበር

2. ከባቢኻ ብግቡእ ኣመሓድር

ቅኑዕ ውሳነታት ክትገብር ዚሕግዘካ ዅነታት ፍጠር።

ገበር

3. ኣይትተሓለል

ሓድሽ ልማድ ከተማዕብል ወይ ዝነበረካ ልማድ ከተቋርጾ እንተ ኸቢዱካ፡ ኣይትተሓለል!

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ግብረ ሶዶም እንታይ ይብል፧

መጽሓፍ ቅዱስ ንግብረ ሶዶም ይዅንኖ ድዩ፧ ንግብረ ሶዶማውያን ምጽላእ የተባብዕ ድዩ፧

ንስድራ ቤት

ንለውጢ ብኸመይ ከም እትዋጽኣሉ

ለውጢ ኸተወግዶ ዘይከኣል እኳ እንተዀነ፡ ገሊኦም ብዕዉት መገዲ ንኺዋጽኡሉ እንታይ ኸም ዝገበሩ እስከ ርአ።

ሃገራትን ህዝብታትን

ናብ ኪርጊዝስታን እተገብረ ምብጻሕ

ደቂ ኪርጊዝስታን፡ ተቐበልቲ ጋሻን ንሰባት ዜኽብሩን ብምዃኖም እዮም ዚፍለጡ። እንታይ ልምድታት እዩ መለለዪ ናብራ ስድራ ቤቶም፧

ርእይቶ መጽሓፍ ቅዱስ

ኣካላዊ ጽባቐ

ናይ ቅዲ ኢንዱስትሪታትን ህቡብ መራኸቢ ብዙሓንን፡ ብዛዕባ ትርኢት ሚዛናዊ ዘይኰነ ኣረኣእያ ኬቕርባ ይኽእላ እየን።

ተነዲፉ ድዩ፧

ዑደት ህይወት ፋንጣ

ዑደት ህይወት እዘን ማረኽቲ ሓሸራ ፍሉይ ዚገብሮ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ 13 ወይ 17 ዓመት ንሒደት ሰሙናት ጥራይ ዚቕልቀላ ምዃነን እዩ።

ኣብ ኢንተርነት ዝወጸ ተወሳኺ ዓንቀጻት

ንቘየቛ ብኸመይ ደው ከም እተብሎ

ንስኻን መጻምድትኻን ወትሩ ትቋየቑ ዲኹም፧ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ሓዳርካ ብኸመይ ኪሕግዘካ ኸም ዚኽእል ተምሃር።

መንእሰያት ብኣምላኽ ብዛዕባ ምእማን ይገልጹ

ኣብዛ ናይ ሰለስተ ደቒቕ ቪድዮ፡ መንእሰያት፡ ፈጣሪ ኸም ዘሎ እንታይ ከም ዘእመኖም ገሊጾም ኣለዉ።