ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዘይስሙ እተዋህቦ መጽሓፍ

ዘይስሙ እተዋህቦ መጽሓፍ

ዘይስሙ እተዋህቦ መጽሓፍ

“እቲ ምድሪ ኣብ ገዛእ ርእሳን ኣብ ዙርያ ጸሓይን ድርብ ዑደት ከም እትገብር ዝገልጽ ሰረተ -እምነት ሓሶት ኢዩ: ምስ ቅዱስ ጽሑፍ ድማ ምሉእ ብምሉእ ዝጻረር ኢዩ።” እዚ እቶም ኣብ ናይ ሮማ ካቶሊክ ቤተ⁠-​ክርስትያን መጻሕፍቲ ዝመምዩ ጕጅለ ብ1616 ዘውጽእዎ ኣዋጅ ዝገለጾ ኢዩ። 1 መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ምስ ስነ⁠-​ፍልጠታዊ ጭብጥታት ዝጋጮ ድዩ፧ ወይስ ዘይስሙ ኢዩ ተዋሂቡዎ፧

ኣብ ሓጋይ ናይ 1609/10 ከ.ኣ.ዘ.: ጋሊለዮ ጋሊለይ ነታ ዘመሓየሻ ሓዳስ ተለስኮፕ ናብ ሰማያት ገጹ ኣቕንዓ: ኣርባዕተ ወርሓት ንጁፒተር እተባህለት ፕላኔት ክዘርኣ ድማ ርኣየ። እቲ ዝረኣዮ ነገር ከኣ ነቲ ሽዑ ልሙድ ዝነበረ ኵሎም ሰማያውያን ኣካላት ኣብ ዙርያ ምድሪ ዝዘሩ ክዀኑ ኣለዎም ዝብል እምነት ኣጸልመቶ። ኣቐድም ኣቢሉ: ብ1543: እቲ ፖላንዳዊ ናይ ከዋኽብቲ ተመራማሪ ኒኮላስ ኮፐርኒከስ: ፕላኔታት ኣብ ዙርያ ጸሓይ ይዘራ ኢየን ዝብል ክልሰ⁠-​ሓሳብ ኣምጺኡ ነበረ። ጋሊለዮ ድማ እዚ ስነ⁠-​ፍልጠታዊ ሓቂ ምንባሩ ኣረጋገጾ።

ንናይ ካቶሊክ ሃይማኖታውያን ምሁራት ግን እዚ መናፍቕነት ማለት ኢዩ ነይሩ። እታ ቤተ⁠-​ክርስትያን ካብ ነዊሕ ግዜ ኣትሒዛ ምድሪ ማእከል ናይ ኣድማስ ኢያ ዝብል እምነት ሒዛ ነበረት።2 እዚ ኣረኣእያ እዚ ነቲ ምድሪ “ንዘለኣለም ከይትናወጽሲ: . . . ኣብ መሰረታ ኣጽንዓ” ዝብል ጥቕሲ ቃል ብቓሉ ብምትርጓም እተወሰደ ሓሳባት ኢዩ። (መዝሙር 104:⁠5) ጋሊለዮ ናብ ሮማ ተጸዊዑ ኣብ ቅድሚ እቶም ንመናፍቓን ክምርምሩ እተመዘዙ ጕጅለ ቀረበ። ከቢድ ዝዀነ ስቓይ ስለ ዝወረዶ ድማ: ነቲ ዝረኸቦ ሓድሽ ነገር ብወግዒ ክገድፎ ተገ​ደደ: እቲ ዝተረፈ ህይወቱ ኸኣ ናይ ገዛ እሱር ኰይኑ ኣሕለፎ።

ጋሊለዮ ምስ ሞተ ድሕሪ 350 ዓመታት: ብ1992 ናይ ካቶሊክ ቤተ⁠-​ክርስትያን ልክዕ ከም ዝነበረ ኣፍልጦ ሃበት።3 ይኹን እምበር: ጋሊለዮ ልክዕ እንተድኣ ነይሩ: መጽሓፍ ቅዱስ ጌጋ ነይሩ ማለት ድዩ፧

ናይቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ሓሳባት ሓቀኛ ትርጕም ምርካብ

ጋሊለዮ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቀኛ ምዃኑ ይኣምን ነይሩ ኢዩ። እቲ ዝረኸቦ ሓድሽ ስነ⁠-​ፍልጠት ምስቲ ሽዑ ዝነበረ ኣተረጓጕማ ናይ ገለ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ተጋጨወ: እቶም ናይ ሃይማኖት ምሁራት ነቲ ሓቀኛ ትርጕም ናይቲ ትሕዝቶ ከም ዝሰሓትዎ ተዛረበ። ልዕሊ ዅሉ ድማ: “ክልተ ሓቂ ዝዀነ ነገር ንሓድሕዱ ክጋጮ ፈጺሙ ኣይክእልን ኢዩ” ኢሉ ጸሓፈ።4 እቲ ልክዕ ዝዀነ ናይ ስነ⁠-​ፍልጠት ስያመታት: ምስቲ ኣብ መዓልታዊ ህይወት ዝውዕል ቃላት መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዘይጋጮ ሓሳባት ሃበ። እቶም ናይ ሃይማኖት ምሁራት ግን ነዚ ክኣምንዎ ኣይደለዩን። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ብዛዕባ ምድሪ ዝዛረብ ኵሉ ሓሳባት ቃል ብቓሉ ክውሰድ ኣለዎ ኢሎም ድርቕ በሉ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ: ነቲ ጋሊለዮ ዝረኸቦ ነገር ነጺጎምዎ ጥራይ ዘይኰነስ: ነቲ ሓቀኛ ትርጕም ናይ ከምዚ ዝበለ ቅዱስ ጽሑፋዊ ኣገላልጻ እውን ስሒቶምዎ ኢዮም።

መጽሓፍ ቅዱስ “ኣርባዕተ መኣዝን ምድሪ” ክብል ከሎ እቶም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸሓፍቲ: ምድሪ ቃል ብቓሉ ኣርባዕተ መኣዝን ኢያ ኢሎም ከም ዘይተረድእዎ ብሓቂ ፍሉጥ ዝዀነ ነገር ኢዩ። (ራእይ 7:⁠1) መጽሓፍ ቅዱስ ብቛንቋ ተራ ሰባት ኢዩ ተጻሒፉ: ንሳቶም ድማ መብዛሕትኡ እዋን ንጹር ዝዀነ ምሳልያዊ ኣዘራርባ ኢዮም ዝጥቀሙ ነይሮም። ስለዚ መጽሓፍ ቅዱስ ምድሪ “ኣርባዕተ መኣዝን:” ዘይነቓነቕ ‘መሰረት:’ ከምኡውን ‘እምኒ መኣዝን’ ከም ዘለዋ ገይሩ ክዛረብ ከሎ: ስነ⁠-​ፍልጠታዊ መግለጺ ናይ ምድሪ ኣይኰነን ዝህብ ዘሎ፣ ከምቲ ኵሉ ግዜ ኣብ መዓልታዊ ዘረባና እንጥቀመሉ: ምሳልያዊ ኣዘራርባ ኢዩ ዝጠቀም ዘሎ። a​—⁠ኢሳይያስ 51:⁠13፣ እዮብ 38:⁠6

ታሪኽ ህይወት ሰባት ዝጽሕፍ ኤል. ጋሞናት ኣብታ ጋሊለዮ ጋሊለይ (እንግሊዝኛ) እትብሃል መጽሓፉ ከምዚ ኢሉ ገለጸ:⁠- “እቶም ንስነ⁠-​ፍልጠት ብመሰረት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓሳባት ጥራይ ክትርጕምዎ ዝደልዩ ጸቢብ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ናይ ሃይማኖት ምሁራት: ንመጽሓፍ ቅዱስ ከሕስርዎ እንተ ዘይኰይኖም ካልእ ዝገብርዎ ቁም ነገር የለን።”5 ብሓቂ ድማ ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣሕሲሮምዎ ኢዮም። ብርግጽ: መጽሓፍ ቅዱስ ዘይኰነስ እቲ ናይ ሃይማኖት ምሁራት ዝህብዎ ትርጕም ኢዩ ንስነ⁠-​ፍልጠት ዘይምኽንያታዊ ቀይድታት ዝገብረሉ።

ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ ሃይማኖታውያን ጥሩፋት ምድሪ ቃል ብቓሉ 24 ሰዓታት ብዘለወን ሽዱሽተ መዓልትታት ኢያ ተፈጢራ ዝብል ደረቕ ኣተሓሳስባ ብምሓዝ ንመጽሓፍ ቅዱስ ይጠዋውይዎ ኢዮም። (ዘፍጥረት 1:⁠3⁠-​31) ከምዚ ዝበለ ኣረኣእያ ምስ ስነ⁠-​ፍልጠት ይኹን ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይሰማማዕን ኢዩ። ልክዕ ከምቲ ኣብ መዓልታዊ ዝርርብ ዝዝውተር: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ: እታ “መዓልቲ” እትብል ቃል እተፈላላየ ንውሓት ዘለዎ ናይ ግዜ መዓቀኒ እተስምዕ ተለዋዋጢት ስያመ ኢያ። ኣብ ዘፍጥረት 2:⁠4 ኵለን እተን ናይ ፍጥረት መዓልትታት ከም ንዅለን እተጠቓልል ሓንቲ “መዓልቲ” ኰይነን ተጠቒሰን ኣለዋ። እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ “መዓልቲ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ እብራይስጢ ቃል: ብቐሊሉ “ነዊሕ ግዜ” ማለት ክትከውን ትኽእል ኢያ።6 ስለዚ: እተን ናይ ፍጥረት መዓልትታት ነፍሲ ወከፈን 24 ሰዓታት ዝሓዛ ኢየን ኢልና ክንዛረብ ዘኽእለና ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምኽንያት የለን። ሃይማኖታውያን ጥሩፋት ምስዚ ዝጻረር ትምህርቲ ብምሃብ: ንመጽሓፍ ቅዱስ ዘይስሙ ከም ዝዋሃቦ ገይሮም ኢዮም።​—2 ጴጥሮስ 3:⁠8 እውን ርአ።

ኣብ ብምልኡ ታሪኽ: ናይ ሃይማኖት ምሁራት ንመጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ግዜ ጠውዮምዎ ኢዮም። ናይ ህዝበ⁠-​ክርስትያን ሃይማኖታት ንመጽሓፍ ቅዱስ ዘይስሙ ከም ዝዋሃቦ ዝገበርሉ ካልእ መገድታት እውን ርአ።

ብሃይማኖት ዘይስሙ ተዋህቦ

ተግባራት ናይቶም ንመጽሓፍ ቅዱስ ንስዕብ ኢና ዝብሉ ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ንስም እቲ ነኽብሮ ኢና ዝብልዎ መጽሓፍ ዘበላሹ ኢዩ። እቶም ክርስትያናት ዝበሃሉ ብስም ኣምላኽ ደም ሓድሕዶም ተፋሲሶም ኢዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ግን ሰዓብቲ ክርስቶስ ‘ንሓድሕዶም ክፋቐሩ’ ኢዩ ዝምዕድ።​—ዮሃንስ 13:⁠34, 35፣ ማቴዎስ 26:⁠52

ገለ ኣቕሽሽቲ ልስሉስ ዝዀነ ቃላት ተጠቒሞም ነቲ መጓሰኦም ጽዒሮም ዘምጽእዎ ገንዘብ ይወስዱ: እዚ ድማ ካብቲ “ብኸምኡ ተቐበልኩም: ብኸምኡ ሀቡ” ዝብል ቅዱስ ጽሑፋዊ መምርሒ ኣዝዩ እተፈልየ ኢዩ።​—⁠ማቴዎስ 10:⁠8፣ 1 ጴጥሮስ 5:⁠2, 3

ብንጹር እምበኣር: መጽሓፍ ቅዱስ ብመሰረት እቶም ካብኡ ዝጠቕሱ ወይ ድማ ምስኡ ተሰማሚዕና ኢና እንነብር ዝብሉ ሰባት ዝብልዎን ዝገብርዎን ገይርካ ክፍረድ ኣይከኣልን ኢዩ። ስለዚ እምበኣር: ሓደ መስተውዓሊ ሰብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዝብል ከምኡውን ስለምንታይ ፍሉይ መጽሓፍ ከም ዝዀነ ንምፍላጥ ባዕሉ ክምርምሮ ይኽእል ኢዩ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ንኣብነት: እቶም ንነገራት ቃል ብቓሉ ዝወስድዎ ናይ ከዋኽብቲ ተመራመርቲ እውን ከይተረፉ ናይ ጸሓይ: ከዋኽብቲ: ከምኡውን ናይ እኩባት ከዋኽብቲ “ምብራቕ” ከምኡውን “ምዕራብ” ይዛረቡ ኢዮም፣ እዚኣቶም ዝበርቁን ዝዓርቡን መሲሎም ዝርኣዩ ግን: ብምኽንያት ናይ ምድሪ ዑደት ኢዩ።

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]

ክልተ ካብተን ናይ ጋሊለዮ ተለስኮፕ

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

ጋሊለዮ ኣብ ቅድሚ እቶም መሳቐይቱ